ሮሜ ዘጽንዑ ዘለዉ ዝመለስዎ

ዝተዋህበ ዕዮ (ድግማ ሮሜ 1-8)

ኣብ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ 1-8 ዘሎ ምዕራፋት፡ ”አብ” ”ወልድ” ከምኡ’ውን ”መንፈስ-ቅዱስ” ብዝብል፡ ኣብ ሰለስተ ክፍልታት መቒልና ኢና ተማሂርናዮ።

-”ኣብ” ዝበልናዮ ክፍሊ፡ ካበይ ናበይ ኢዩ፧ ስለምንታይከ ”አብ” ብዝብል ፈሊናዮ፧

-”ወልድ” ዝበልናዮ ክፍሊ፡ ካበይ ናበይ ኢዩ፧ ስለምንታይከ ”ወልድ” ብዝብል ፈሊናዮ፧

-”መንፈስ-ቅዱስ” ዝበልናዮ ክፍሊ፡ ካበይ ናበይ ኢዩ፧ ስለምንታይከ ”መንፈስ-ቅዱስ” ብዝብል ፈሊናዮ፧

 ጉጅለ 1 ዝመለስዎ

ካብ ምዕራፍ 1-3፡ (ኣብ) ብምባል ተገሊጹ ኣሎ፡ ማለት (ኣድላይነት ጽድቂ)፡  እዚ ዝተባህለሉ ምኽንያት ድማ፡ ”ኣብ” ዝብል ንእግዚኣብሄር ኣቦ ዝውክል ኮይኑ፥ እግዚኣብሄር ጻድቕን፥ ሓቀኛ ፈራድን ስለ ዝኾነ እዩ።

ካብ ምዕራፍ 4-5 ዘሎ፡ ወልድ (ጽድቂ ዝርከበሉ) ክፍሊ ኮይኑ፥ ”ወልድ” ዝተባህለሉ ምኽንያት ድማ፥ ጽድቂ ብኢየሱስ ክርስቶስ በጃ ምሕላፍ ስለ ዝርከብ እዩ።

ካብ ምዕራፍ 6-8 ዘሎ፡ ”መንፈስ ቅዱስ” (ፍረ ጽድቂ) ኮይኑ፡ ”መንፈስ-ቅዱስ” ዝተባህለሉ ምኽንያት ድማ፡ ብመንፈስ ምምልላስ ስለ ዝገልጽ እዩ።

ጉጅለ 2 ዝመለስዎ

ካብ 1-3 ዘሎ ዛዕባ ኣድላይነት ጽድቂ፡ ማለት እግዚኣብሄር ኣቦ፡ ጻድቕ፡ ሓቀኛ፡ ፈራዲ፡ ቁጥዓኡ ድማ ኣብ ልዕሊ ዓመጻ ከም ዝግሃድ ስለ ዘብርሃልና፡ ነዚ ኽፍሊ እዚ፡ ”ኣብ” ኢልና ከፊልና ክንርድኦ ንኽእል።

ካብ 4-5 ዘሎ ድማ፡ ጽድቂ ብክርስቶስ ኢየሱስ ብምእማን ከም ዝርከብ ስለ ዝነግረና፡ ”ወልድ” ኢልና ክንርድኦ ንኽእል።

ካብ 6-8 ዘሎ ኸኣ፡ ብመንፈስ ምምልላስ፡ ከመይ ምዃኑ ስለ ዘረድኣና፡ ”መንፈስ-ቅዱስ” ኢልና ክንርድኦ ንኽእል።

ጉጅለ 3 ዝመለስዎ

ቀዳማይ መንገዲ

ሮሜ 1-3፡ ብዛዕባ ቅድስና፥ ጽድቂ፥ ፍትሒ ከምኡ`ውን ቁጥዓ ኣምላክ ኣብ ሓጢኣት ስለ ዝገልጽ፥(ሮሜ 1፡18-20) ንሕያውነትን ትዕግስትን እግዚኣብሔር ኣጕሊሑ፡ ንሰባት ናብ ንስሓ ዝመርሕ፡ ፈቃርን መሓርን ኣቦ ምዃኑ ስለ ዝገልጽ (ሮሜ 2፡4)። ኣምላክ ጽድቁ ብእምነት ብኢየሱስ ክርስቶስ ጌሩ ፍትሑን ጸጋኡን ምሃቡ ስለ ዝምህረና፡(ሮሜ 3፡21-26)፡ ነዚ ኽፍሊ እዚ፡ ”ኣብ” ኢልና ከፊልናዮ።

ሮሜ 4-5፡ (ሀ) ከም እምነት ኣቦና ኣብርሃም፡  ብጐይታና ኢየሱስ ኣሚንና፡ ንኽንጸድቕ፡ ጐይታና፡ ብሰሪ ሓጢኣትና በጃ ስለ ዝተዋህበን ንጽድቅና ኸኣ ስለ ዝተንስኤን፡ (ሮሜ 4፡24-25)፣ (ለ) ብጐይታና ኢየሱስ ኣቢልና፡ ምስ ኣምላኽ ሰላምን ጸጋን ስለ ዝረከብና፡ (ሮሜ 5፡1-2)፣ (ሐ) ክርስቶስ ኣብ ክንዲ ዓመጽቲ ስለ ዝሞተ (ሮሜ 5፥6)፣ (መ) ኣምላኽ ገና ሓጥኣን ከለና ብሞት ወዱ ፍቅሩ ገሊጹ፥ ብደም ክርስቶስ ኣጽዲቁ፥ ተዓሪቁ፥ ካብ ቁጥዓኡ ስለ ዘድሓነና (ሮሜ 5፥8-10)፡ (ሰ) ከምቲ ሞት ብኣዳም ዝመጸ ትርፊ ጽጋን ውህበት ጽድቅን ናይ ዘልኣለም ሂወትን ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ስለ ዝመጸ፡ (ሮሜ 5፥17,21)፡ ነዚ ኽፍሊ እዚ፡ ”ወልድ” ኢልናዮ።

ሮሜ 6-8፡ (ሀ) ካብ ሓጢኣት ሓራ ወጺእና፥ ኣረጊት ሰብና ክንሰቅል፥ ብሓዳስ ህይወት ክንመላለስን ንሞትን ትንሳኤን ክርስቶስ ስለ እንሓብሮ (ሮሜ 6፥4-7)፣ (ለ) ፍሬና ንቕድስናን ናይ ዘልኣለም ህይወትን ክኸውን (ሮሜ 6፡22-23) (ሐ) ካብ ሕጊ ተፈቲሕና ንመንፈስ ክንግዛእ (ሮሜ 7፡6) (መ) ስጋና ንሕጊ ሓጢኣት ከይግዛእ (ሮሜ 7፥23) (ሰ) ካብ ሕጊ ሓጢኣትን ሞትን ናጻ ክንወጽእ (ሮሜ 8፥2)፥ (ቀ) ናይ መንፈስ ሓሳብ ህይወትን ሰላም ክንሓስብ (ሮሜ 8፥5-7)፥ (በ) ከምቲ ንክርስቶስ ካብ ሞት ዘተንስኦ፥ ንዓና’ውን  ህያውያን ክንከውን (ሮሜ 8፥11)፣ (ተ) ውሉድ ኣምላኽን ወረስትን ምዃንና ክንምስክር (ሮሜ 8፥16-17)፥ (ቸ) ንድኻምና ደጊፉ (ሮሜ 8፥26) (ከ) ከም ፍቓድ ኣምላኽ ጌርና ክንልምን (ሮሜ 8፥27)፥ (ኸ) ካብታ ኣብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከይንፍለ (ሮሜ 8፥37-39) እዚ ኹሉ ብመንፈስ ብምምልላስ ስለ ዝዀነልና፡ ነዚ ኽፍሊ እዚ ”መንፈስ-ቅዱስ” ኢልና ሰሚናዮ።

እዚ ኣከፋፍላ እዚ፡ ኣብ ስራሕ ድሕነትና፥ ተራ ኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ኣነጺሩ የረድኣና።

ካልኣይ ኣገባብ (ሓሳብ ሓደ ኣባል ጉጅለና ዝኾኑ ኣቦ)

ካብ ሮሜ 1፡18---- ሮሜ 3፡20 ዘሎ፡ እቲ ኣብ ዘይቕረብ ብርሃን ዝነብር ኣምላኽ፡ ምስ ሓጢኣት ሕብረት ስለ ዘይኮነሉ፡ እቲ ግቡእ መቕጻዕቲ ማለት ቁጥዓ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ረሲእነትን እቶም ንሓቂ ብዓመጻ ዝኸድኑን ዝገልጽ ትሕዝቶ ዘለዎ ስለ ዝኾነ፡ ነዚ ኽፍሊ እዚ፡ ”ኣብ” ኢልና ሰሚናዮ።

ካብ ሮሜ 3፡21--- ሮሜ5፡21 ዘሎ፡ ካብቲ ኣብ ላዕሊ ክንግልጾ ዝጸናሕና ቁጥዓ ኣምላኽ ዝደሓናን፡ ምስቲ ኣብ ዘይቕረብ ብርሃን ዝነብር ኣምላኽ ዝተዓረቕናን፡ በዚ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝኾነልና በጃ ምሕላፍ ምዃኑ ስለ ዝምስክር፡ ነዚ ኽፍሊ እዚ፡ ”ወልድ” ብምባል ሰሚናዮ።

ካብ ሮሜ 6፡1 --- ሮሜ 8፡38-39 ዘሎ ትሕዝቶ ድማ፡ ብመንፈስ ምምልላስ ከመይ ምዃኑ፡ እዚ ዝኾነልና ድማ፡ በቲ ዝተሓተምናዮ ወይ’ውን በቲ ኣብ ልብና ብመንፈስ ቅዱስ ዝፈሰሰ ፍቕሪ ኣምላኽ ምዃኑ ዝምህረና ክፍሊ ስለ ዝኾነ፡ ነዚ ኽፍሊ እዚ ድማ፡ ”መንፈስ-ቅዱስ” ብምባል ሰሚናዮ።

ጒጅለ 4 ዝመለስዎ

“ኣብ” ዝበልናዮ ክፍሊ፡ ካብ ምዕራፍ 1-3 ዘሎ ኢዩ፡ እዚ ድማ ኣብዘን ምዕራፋት እዚኣተን ብቐንዱ (ሀ) ሰብ ዘበለ (ኣህዛብ ኰኑ ኣይሁድ) ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከም ዚበደለን (1፡18-32, 2፡12-3፡20) (ለ) ኣምላኽ ድማ ብዘይ ኣድልዎ ከም ዚፈርድን (2፡1-11)፡ (ሐ) ንዚኣምኑ ኵሎም  ከመይ ጌሩ ከም ዘጽድቕን (ነቲ ሓጢኣቶም ብምሕዳግ ጽድቁ ምእንቲ ከርኢ፡ ንየሱስ ክርስቶስ ብደሙ መተዓረቒ ጌሩ ከም ዘቘሞ) (3፡21-31)፡ ብሓፈሻ፡ ተራ ናይ ኣቦ ዚዛረብ ክፍሊ ስለ ዝኾነ እዩ።

“ወልድ” ዝበልናዮ ክፍሊ፡ ምዕራፍ 4-5 ዘሎ ኢዩ፡ እዚ ድማ ከምቲ ኣብርሃም ብዘይ ግብሪ፡ ካብ ምዉት ስጋኡን ማህጸን ሳራን ኣቦ ብዙሓት ከም ዚኸውን ዚኣመነ፡ ከምኡ ነቶም ብዘይ ግብሪ በቲ ነቶም ሓጥኣን ዜጽድቕን በቲ ንየሱስ ክርስቶስ ዘተንስአ ዚኣምኑን ንጽድቂ ከም ዚቚጸረሎም ይዛረብ። ከምኡውን ገና ድኹማት፡ ሓጥኣንን ጸላእቱን ከለና ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ከም ዚሞተን ብህይወቱ ከም እንድሕንን፡ ከምቲ እቲ ብሓደ ኣዳም ዚኣተወ ሓጢኣት ብሞት ዚገዝአ ጸጋውን ብየሱስ ክርስቶስ ጐይታና ብጽድቂ ንዘለአለም ህይወት ኪገዝእ ምዃኑ ብሰፊሑ ዘረድእ ብምዃኑ እዩ።

“መንፈስ-ቅዱስ” ዝበልናዮ ክፍሊ፡ ካብ ምዕራፍ 6-8 ዘሎ ኢዩ፡ እዚ ድማ (ሀ) ካብ ሕጊ ሓጢኣትን ሞትን ብሕጊ መንፈስ ህይወት፡ ሓራ ምዃንና (6-7, 8፡2)፡ (ለ) ከመይ ጌርና ብመንፈስ ክንመላለስ ከም ዘለና (8፡4-10) (ሐ) እቲ ብሰሪ ሓጢኣት ዚሞተ ስጋ ብመንፈስ ቅዱስ ህያው ከም ዚኸውን (8፡11)፡ (መ) መንፈስ ቅዱስ ውሉድ ኣምላኽ ምዃንና ከም ዚምስክርን (8፡14-16) (ሰ) ንድኻምና ከም ዚድግፍን (8፡26-27) ብዕምቈት ብዛዕባ ተራ ናይ መንፈስ ቅዱስ ዝትንትን ክፍሊ ብምዃኑ እዩ።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ሰብ Gävle፡ ንመለሊኽ ስዋ፡ ክንደይ ትሸጥዋ፧

Next
Next

ተለወጡ እምበር፡ ኣይትምሰሉ