ትምህርቲ ስላሴ፡ ብቐሺ ኢያሱ ተስፋይ

  • መጽሓፍ «ትምህርቲ ስላሴ» ብቐሺ ኢያሱ ተስፋይ

  • ወንጌላዊት፡ ሉተራዊት፡ ቤት ልሄም ቤተክርስቲያን፡ ስቶክሆልም ሽወደን

  • መሰል ሕትመት፡ ነሓሰ 2024

  • ብዝሒ ገጽ፡ 160

  • ብዝሒ ምዕራፍ፡ 10

በቲ ዘባህረረንን «ኣዐትብ ገጽየ» ዘበለንን ሓሳብ ክጅምር። «ክርስቶስ ንዅሉ ስልጣናት፡ ንዅሉ ሽመታት ምስ ሰዓረ፡ ነታ ማሕበር፡ ነታ መንግስቲ ናብ እግዚኣብሄር ኣቦ ከረክባ እዩ። . . . ሽዑ መወዳእታ ኪኸውን እዩ። . . .ብድሕሪኡ ኣቦ፡ ወዲ፡ መንፈስ ቅዱስ ዝብሃል ነገር ኣይክህሉን እዩ። ሓደ ኣምላኽ ጥራይ እዩ ክብሃል» ገጽ 68-69።

ቀሺ ኢያሱ ተስፋይ፡ ብመንፈሳውነቱ፡ ብርዝነት ትምህርቱ፡ ብቕርጥውነቱ፡ ምስጉን ኰይኑ ኣገልጊሉ ዝዓረፈ፡ ሓውን ኣቦን ምዃኑ፡ ብቐረባ ካብ ዝፈልጥዎን፡ ኣብ ትሕቲ እግሩ ተማሂሮም ካብ ዝዓበዩን፡ ብተደጋጋሚ ዝሰማዕክዎ ምስክርነት እዩ።  መጽሓፍ «ትምህርቲ ስላሴ»፡ ብሉጽ ምህሮ ስላሴ ዝሓዘትን ኣብ ምቅርራብ ኣብያተ ክርስቲያንን ክርስቲያናዊ ሕብረትን ከኣ፡ ልዑል ኣበርክቶ ክትገብር እትኽእልን መጽሓፍ፡ ቢለ ንምስማያ፡ ቈሪጸ ነበርኩ።

እዚ «ትምህርቲ ስላሴ»፡ ብዝብል ኣርእስቲ፡ ተዳልዩ ዘሎ መጽሓፍ፡ ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት፡ ብቪድዮ ተሰኒዱ ካብ ዝነበረ፡ ካብ ናይ መድረኽ ትምህርቲ፡ ነፍስሄር ቀሺ ኢያሱ ተስፋይ፡ ዝተዳለወ ምዃኑ፡ ኣብ ገጽ 5 ተገሊጹልና’ሎ። ኣብ መቕድም እታ መጽሓፍ ከኣ፡ «ትምህርቲ ስላሴ፡ ንእምነት ክርስትና መሰረቱ እዩ» ዝብል ብዝነበብኩ፡ ከምቲ ኣብቲ መጽሓፍ’ውን ሰፊሩ ዘሎ፡ ኣብዚ ኣርእስቲ እዚ ሰፊሕ ወፍሪ ንምግባር፡ መጽሓፍ ትምህርቲ ስላሴ፡ ኣገዳሲት መጽሓፍ ምዃና ኣይሰሓትክዋን።

ጥቀ ክቡር ቀሺ እዝራ ገብረመህድንን ቀሺ ፍጹም ናትናኤልን፡ «ስላሴ ዝብል ኣርእስቲ፡ ብሓቂ ተጠንቂቕና ክንሕዞን ክንዝትየሉን እተዋህበና ቃል እዩ» ድሕሪ ምባል፡ «መንፈሳዊ ፍልጠትና ከነዕቢ እትሕግዝ መጽሓፍ እያ እሞ፡ ንምንባባ ንቀዳደም» ቢሎም፡ ኣብ ገበር እታ መጽሓፍ፡ ኣተባቢዖምን ዓዲሞምን ኣለዉ። ነቲ «ተጠንቂቕና ክንሕዞ» ዝበልዎ ግና፡ ንዓርሶም ኣብዛ መጽሓፍ ተጠንቂቖም ዘተግበርዎ ኣይመስለንን።

እቶም ኣብዛ መጽሓፍ ቀሪቦም ዘለዉ 10 ምዕራፋት፡ ዕምቈት ብዘለዎ፡ ግናኸ ንምርዳኡ ብዘየጸገም ኣገባብ’ዮም ተጻሒፎም ዘለዉ፦

1.       ምስጢረ ስላሴን ጥቕሙን

2.      ምስጢረ ስላሴ ኣብ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ

3.      ምስጢረ ስላሴ ኣብ ምድሓንና

4.      መንነት ስላሴ

5.      ኢየሱስን መንፈስ ቅዱስን

6.      መንፈስ ቅዱስ መን’ዩ፧

7.      ኣገልግሎት መንፈስ ቅዱስ

8.      ብምርዳእ መንፈስ ቅዱስ ምዕባይ

9.      ዕዮ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ፍርዲ ዲያብሎስ

10.    ዕዮ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ኣምልኾ

ኣብ መድረኽ ዝተዋህበ ትምህርቲ፡ ናብ ጽሑፍ ክቕየር ከሎ፡ ረዚን ጥንቃቐ ከም ዝሓትት፡ ኣብ መጽሓፍ «ትምህርቲ ስላሴ» ጐሊሑ ረኸብክዎ። ኣብ መድረኽ ዝሓልፍ መልእኽቲ፡ ብኣካላዊ ምንቅስቓስ፡ ብኹነታት እቲ መድረኽ ንባዕሉ፡ ወዘተ፡ ኣብ ሓያሎ መናዅብ ተሓንጊሩ’ዩ፡ ናብ ዓይንን እዝንን ሰማዒ ዝኣቱ። ናብ ጽሑፍ ምስ ተቐየረ ግና፡ እቶም ፊደላት’ዮም ንበይኖም ነቲ መልእኽቲ ዝጾርዎ። ረዚን ጥንቃቐ እንተዘይተጌሩ ድማ፡ ንመሰረታዊ ትሕዝቶ እቲ መልእኽቲ ከዕንዎ፡ ሓደው ኣንጻር እቲ ዝተባህለ መልእኽቲ ከሕልፉ፡ ልዑል ተኽእሎ ኣሎዎም። መጽሓፍ «ትምህርቲ ስላሴ» ኣብ ኵሉ እኳ እንተዘይኰነ፡ ኣብ ገለ ገጻት ግና፡ በዚ ኸምዚ፡ ግዳይ ኰይና ረኺበያ።

ንቕድም ካብ መቐረት እታ መጽሓፍ ክንቀምስ

መጽሓፍ፡ “ትምህርቲ ስላሴ፡” ኪንዮ ምስትምሃር ቅኑዕ ርድኢት፡ እቲ ስሉሳዊ ኣምላኽ ኣብ ምድሓንና፡ ከምኡ’ውን ኣብ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ተገሊጹ ከም ዘሎ፡ ነቲ ስዉር ክውንነት ናብ ግህዶ ኣቃሊዓ፡ ብውሕሉል ኣገባብን ምሳሌታትን እተረድእ መጽሓፍ እያ። ገለ መረዳእታታት ንርአ፦ 

ገጽ 16- ኢየሱስ፡ «(ነተን)ኣቦ ዝሃበኒ ኣባጊዕ፡ ካብ ኢደይ ክምንዝዐን ዝኽእል የልቦን» ክብል ከሎ፡ ኣቦ፡ ጸዋዒ ምዃኑ፣ ወዲ፡ መድሓኒ ምዃኑ፣ መንፈስ ቅዱስ ድማ፡ ቀዳሲ ምዃኑ፡ እዩ ዘረድእ።

ገጽ 42- ቆርነሌዎስ፡ ንኣምላኽ ዝፈርህ፡ ጻድቕ ሰብኣይ፡ ናብ እግዚኣብሄር ምስ ጸለየ፡ እግዚኣብሄር ሰሚዕዎ። ግናኸ ምድሓን ምእንቲ ክረክብ፡ ብክርስቶስ ገይሩ ክመጽእ ከም ዝግብኦ ነገሮ። ጴጥሮስ ተጸዊዑ፡ ኣብ እንዳ ቈርነሌዎስ ብዛዕባ ክርስቶስ እናሰበኸ፡ ጴጥሮስ ገና ዘረባኡ ከይወድአ ከሎ፡ መንፈስ ቅዱስ ናብቲ ገዛ ወረደ። ኣቦ ናብ ክርስቶስ፡ ክርስቶስ ከኣ ናብ መንፈስ ቅዱስ የምጽእ፣ ስሉስ ኣምላኽ ኣብቲ ገዛ ነይሩ ማለት’ዩ።

ገጽ 92- እግዚኣብሄር ብቓሉ ጌሩ፡ ቅድም ንዅሉ ኣተሓሳስባና የጽርዮ። ድሕሪኡ ኸኣ ብዘይቲ መንፈስ ቅዱስ ጌሩ ይቐብኣና። መንፈስ እግዚኣብሄር ከም ፈሳሲ ዘይቲ መሲልናዮ ኣለና። ዘይቲ፡ መኣስ ኢና እንልከ፧ ምስ ተሓጸብና ዶ ኣይኰነን፧ ንስጋና ምስ ርስሓቱ ዘይቲ እንተጌርናሉ፡ ንምርኣዩ ኣይጥዑም፡ ንሽታኡ ኣይጥዑም፡ ኣዝዩ ዘፈንፍን ነገር ይኸውን። ቤት እግዚኣብሄር ብዙሕ ጊዜ ከምኡ እያ ትኸውን። ክንዲ መኣዛ ክርስቶስ እትሽትት፡ ሕማቕ ሽታ ትጨኑ፡ ትበላሾ። ቅድም ብቓል ኣምላኽ ተሓጺባ፡ ቅብኣት ክንዲ ትሕዝ፡ ቅድም ቅብኣት ትሕዝ እሞ፡ ድሕሪኡ ስጋውነት ይዕብልላ።

ምስትውዓል ዝረሓቖም ብህሎታት

ኤልሻዳይ ዝብል ቃል፡ ቋንቋ እብራይስጢ ኰይኑ፡ ትርጉሙ ድማ እግዚኣብሄር ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ፡ ማለት’ዩ (ገጽ 12)። እዚ ሓሳብ እዚ፡ ኣብ ገጽ 13፡ «እግዚኣብሄር ልማኖ ሰብ ዘኽብር ኣምላኽ እዩ፡ ግና ኸኣ ከመይ ኢሉ ከም ዘተግብሮ ይሽግሮ» ምስ ዝብል ክትዓርቆ እንተደለኻ፡ ሰፊሕ መብርሂ’ዩ ዘድልየካ። ብርግጽ እቲ ሰባኺ ክብሎ ዝደለየ መልእኽቲ እዚ ክኸውን ከም ዘይክእል፡ ንኣገልግሎት ቀሺ ኢያሱ ኣብ ግምት ብምእታውን፡ ንሓፈሻዊ ትሕዝቶ እቲ ሓሳብ ብምርዳእን ብቐሊሉ ክግመት ዝከኣል’ዩ። “ኤልሻዳይ” እናበልካ፡ “ይሽግሮ” ክትብል፡ ዝሳነ ኣይኰነን። ብተመሳሳሊ ኣብ ገጽ 108 «ንኣምላኽ ዘጸግሞ ነገር እንተሃልዩ፡ ኣእምሮና ካብ ምንኣሱ እተላዕለ፡ ነቲ ናቱ ነገር ዘይምርዳእና እዩ» ዝብል’ውን ከምኡ። “ኤልሻዳይ” እናተባህለ፡ “ዘጸግሞ” ክትብል፡ ዘሳኒ ኣይኰነን።

ክጽወር ዘይክእል፡ ስሑት ብህሎ

«ክርስቶስ ንዅሉ ስልጣናት ንዅሉ ሽመታት ምስ ሰዓረ፡ ነታ ማሕበር፡ ነታ መንግስቲ ናብ እግዚኣብሄር ኣቦ ከረክባ እዩ። ንኣና ማለት’ዩ፣ ንሕና ኢና መንግስቲ እግዚኣብሄር። መንግስትን ካህናትን ገይሩ ዝሸመና ንሕና ኢና። ናብ እግዚኣብሄር ኣቦ ምስ ኣረከባ፡ ሽዑ መወዳእታ ኪኸውን እዩ። ሽዑ እቲ ወዲ’ውን ኣምላኽ ኣብኡ ሓደ ኣምላኽ ኰይኑ ክነብር እዩ። ብድሕሪኡ ኣቦ፡ ወዲ፡ መንፈስ ቅዱስ ዝብሃል ነገር ኣይክህሉን እዩ። ሓደ ኣምላኽ ጥራይ እዩ ክብሃል። ኣቦ ወዲ መንፈስ ቅዱስ ንሕና መታን ዘልኣለማዊ ምድሓን ክንረክብ ተባሂሉ እተገብረ ምኽሪ እግዚኣብሄር እዩ» ገጽ 68-69።

እግዚኣብሄር ዘልኣለማዊ’ዩ

ሓደ ካብቲ መለኮታዊ ባህርይ እግዚኣብሄር ዘልኣለማውነት እዩ። እግዚኣብሄር ኣይልወጥን’ዩ። «እምቅድመ ዓለም ወእስከ ለዓለም፡ ሀሎ እግዚአብሔር በመለኮቱ፡ እግዚአብሔር ብመንግሥቱ፡ እግዚአብሔር በትሥልስቱ» ቢልና ኢና እንኣምን። ገለ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ክጠቅስ፦

  • (ሚል3.6) እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ዘይልወጥ ኣምላኽ እዩ- «ኣነ እግዚኣብሄር ኣይልወጥን እየ»

  • (ያእ1.17) እግዚኣብሄር ኣምላኽና ለውጢ ዘይብሉ ኣምላኽ እዩ፡ «ጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን ካብ ላዕሊ እዩ፡ ካብቲ ለውጢ ወይስ ምምልላስ ጽላሎት ዘይብሉ ኣቢ ብርሃናት እዩ ዝወርድ»

  • (መዝ 9.2) እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዘልኣለማዊ ኣምላኽ እዩ፡ «ኣኽራን ከይተወልደ፣ ምድርን ዓለምን ከይፈጠርካ፣ ኤረ ንስኻስ ካብ ዘለአለም ንዘልኣለም ኣምላኽ ኢኻ»

  • (እብ13.8) «ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ትማልን ሎምን ንዘለኣለም ንሱ እዩ»

መደምደምታ

እቲ ኣብ ገጽ 68-69 ዘሎ ንምሉእ ትሕዝቶ እታ መጽሓፍ ከዕኑ ዝኽእል ሓሳብ እንተዘይነብር፡ መጽሓፍ «ትምህርቲ ስላሴ»፡ ብሉጽ ምህሮ ስላሴ ዝሓዘትን ኣብ ምቅርራብ ኣብያተ ክርስቲያንን ክርስቲያናዊ ሕብረትን ከኣ፡ ልዑል ኣበርክቶ ክትገብር እትኽእልን መጽሓፍ ምዀነት። ህጹጽ መአረምታ ክግበረላ ይግባእ!
ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል

03 ጥሪ 2025

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

5 ተደመሮ 5ን መልሲ ቀሺ ዮናስን

Next
Next

ብዕራይ-ኣባጅጎን ፈረስ-ኣደይ ማርያምን