33 ሕቶታት፡ ጥምቀት ንሕድገት ሓጢኣት ድዩ፧

“ወነአምን በአሐቲ ጥምቀት ለሥርየተ ኃጢኣት/ ኃጢኣት ብዝሥረየላ ሓንቲ ጥምቀት ንኣምን” (ጸሎተ ሃይማኖት)

መጽናዕቲ እተን ቀዳሞት ሰለስተ ኤኰመንያዊ ጉባኤታት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝዛዘምናሉ፡ እዛ፡ “ኃጢኣት ብዝሥረየላ ሓንቲ ጥምቀት ንኣምን” እትብል፡ ዝያዳ ክትበርሃልና ንደሊ ኢና ዝብል ሕቶ ተላዕለ። ሰረተ እምነት ስለ ዝዀነ ኸኣ ብግቡእ ክበርህ፡ ወሳኒ እዩ። ከም ኵሎም ሰረታት እምነት፡ ምስጢረ ስላሴ፡ ምስጢረ ስጋዌ፡ ምስጢረ ቍርባንን ምስጢረ ትንሳኤ ምዉታን፡ ዋላ’ኳ ተመራሚርካ ክትበጽሖ ዘይከኣል ይኹን እምበር፡ ንምእማን ዝድግፍ መሰረታዊ ፍልጠትን ርድኢትን ከይሓዝካ ክትቅበሎ ስለ ዘጸግም፡ ኣምላኽ እንተፈቐዶ ንጽባሕ ሓሙስ 30 ጥሪ 2025 ሰዓት 21.30 በቈጻጽራ በርሊን (ሰዓት 20.30 ሎንዶን) ኣብቲ ወትሩ እንመሃረሉ መስመር ዙም፡ ሓፈሻዊ መልሲ ክቐርብ’ዩ። ኣምላኽ ሰማይ ከቕንዓልና፡ ጸልዩ፦

ቀሪቦም ዘለዉ ሕቶታት

  1. ጥምቀት ንድሕነት ኣድላዪ ድዩ? ወይስ ድሕነት ብእምነት ብደም ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ ዝርከብ?

  2. ሓደ ሰብ ከይተጠመቐ ክድሕን ይኽእል ዶ፧ ጥምቀት ኣብ ሕድገት ሓጢኣት ኣገዳሲ ድዩ? 

  3. ኣብ መንጎ ጥምቀትን ሕድገት ሓጢኣትን ዘሎ ርክብ እንታይ እዩ?

  4. ጥምቀት ንዕዮ ደም ኢየሱስ ክርስቶስ ማለት ንሕድገት ሓጢኣት፡ ብኸመይ እዩ ከመልክት ዝኽእል፧ 

  5. ብጥምቀት ኣቢልና፡ እንቕበሎ ጸጋ ኣሎ ዶ፡ ወይስ ደጋዊ ምፍጻም ስርዓት ጥራይ እዩ፧

  6. ዕላማ ጥምቀት ብመንጽር መስዋእቲ ክርስቶስ ብኸመይ ክንገልጾ ንኽእል፧

  7. ጥምቀትን ምስ እቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝነበረ ግዝረት፡ ምትእስሳር ኣሎዎ ዶ፧

  8. ኣዳማዊ ሓጥያት ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይመሓላለፍ ድዩ፧ ኣቦይ ዝገበሮ ሓጥያት፡ ኣቦይ ዝሕተተሉ እንተ ዀይኑ፡ ከመይ ጌሩ ደኣ፡ እቲ ኣዳም ዝበደሎ ሓጥያት፡ ናብ ኵሉ ሰብ ይሓልፍ ዝብሃል፧

  9. ኣዳማዊ ሓጥያት ብስቕለት ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብ ሱሩ ተማሕዩዶ ኣይተደርበየን እዩ፧

  10. ኣብ ዮሃ 3.5 ካብ ማይን መንፈስን ዘይተወልደ፡ ዝብል ዘሎ፡ ኣቦታት ቤተ ክርስቲያን ብኸመይ ይገልጽዎ ነበሩ፧

  11. እቲ ስሉብ ኢትዮጵያዊ፡ ብወንጌል ኣሚኑ ከብቅዕ፥ ናብ ማይ ምስ በጽሑ ግና ንምንታይ ክጥመቕ ኣድልይዎ፧ ንምስክርነት ከይንብል፡ ንሱን ፊሊጶስን ጥራይ’ዮም ተጠቒሶም ዘለዉ፧

  12. ሃናንያ ንጳውሎስ፡- ”ሕጂኸ ንምንታይ እትድንጒ፡ ተንሲእካ ተጠመቕ፡ ስም ጐይታ ጸዊዕካ ኻብ ሓጢኣትካ ተሐጸብ፡” ዝበሎ፥ ጥምቀት ማዕረ ኽንድኡ ኣገዳሲ ስለ ዝዀነ ድዩ፧

  13. እቲ ሓላዊ ቤት ማእሰርቲ ፊልጲ፦ ንኽድሕን እንታይ ክገብር ምስ በሎም፥ ብጐይታ እመን ኢሎሞ ከብቅዑ፥ ቃል ኣምላኽ ምስ ነገርዎ ግና ስለምንታይ ምስ ኵሎም ስድራ ቤቱ ክጥመቕ ኣድልይዎ፧

  14. እቲ ሓጢኣት ዘይብሉ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እኳ “ኵሉ ጽድቂ ክንፍጽም ይግብኣና እዩ” ብምባል ዝተጠምቀስ፡ ከመይ ጌርና ንሕና፡ ጥምቀት ንጽድቂ ኣየድልን ክንብል ይከኣለና፧

  15. ኣብ ቤት ቆርኔሌዎስ፦ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊኦም ወሪዱ ምስ ወረደ፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ እዚኣቶምስ ከማና መንፈስ ቅዱስ ካብ ተቐበሉስ፡ ከይጥመቑ ማይ ኪኽልክሎም ዚኽእል ደኣ መን እዩ፧ ምባሉ፡ ንኣድላይነት ጥምቀት ብኸመይ ይገልጾ፧

  16. ኣብ ሮሜ 6፡3-4 ብጥምቀት ምስ ሞትን ትንሳኤን ክርስቶስ ከም ንሓብር ይነግር እዩ እሞ፥ ከመይ ጌርና ኢና ነዚ ደጋዊ ስርዓት’ዩ ጥራይ ክንብሎ እንኽእል፧

  17. ጥምቀት ማዕረ ክንድዚ መሰረታዊ እንተዘይነብር፡ ስለምንታይ እዩ ጐይታና ኢየሱስ ንኒቆዲሞስ፡ “ካብ ማይን መንፈስን እንተ ዘይተወልደ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣቱ ዚኽእል የልቦን” ዝበሎ?

  18. ስብከት ዮሓንስ መጥምቕ ብንጹር ንስሓ ንሕድገት ሓጢኣት ካብ ተባህለ፥ እቲ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እንጥመቖ ኸ ደኣ ከመይ ጌሩ ዝያዳኡ ንምንጻህ ሓጢኣት ክኸውን ዘይክእል፧

  19. ኣብ ገላ 3.26 ብጥምቀት ንክርስቶስ ከም እንለብሶ ይጠቅስ እዩ’ሞ፡ ጥምቀት ንክርስቶስ ዘልብስ ካብ ኰነ፡ ከመይ ጌርና ኢና፡ ደጋዊ ስርዓት ጥራይ እዩ ክንብሎ እንኽእል፧

  20. ጳውሎስ ነቶም ኣብ ኤፌሶን ዝረኸቦም ደቀመዛሙርቲ ዮሃንስ ዝነበሩ፡ ብዛዕባ ምልኣት መንፈስ ቅዱስ ሓቲትዎም ከብቅዕ፡ ንቕድም ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክጥመቑ ብምግባሩ፡ ንኣገዳስነት ጥምቀት ብኸመይ የርእየና፧

  21. ጐይታና ኢየሱስ፥ "ዝኣመነን እተጠምቀን ኪድሕን፡ እቲ ዘይኣመነ ግና ኪዅነን እዩ” ብምባል ንሃዋርያት ሕድሪ ስለ ዝሃቦም፡ (ማር 16፡16) እቲ ጥምቀት፡ ደጋዊ ስርዓት ንምፍጻም ጥራይ፡ የተግብርዎ ነበሩ ክንብል ይከኣል ዶ፧

  22. ኣብ ቀዳማይ መልእኽቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ 3.21 “እቲ ማይ ድማ ሕጂ ብተምሳሉ፡ ማለት ጥምቀት፡ የድሕነኩም አሎ፡ እዚ ኸኣ ብትንሳኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ልማኖ ሰናይ ሕሊና ናብ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ምሕጻብ ርስሓት ስጋ ኣይኰነን” ዝብል ዘሎ፡ ከመይ ጌርና ደጋዊ ስርዓት ጥራይ ክንብል ንኽእል፧

  23. ኣብ ቈሎሴ 2፥12: ብጥምቀትውን ምስኡ ተቐበርኩም፡ ብግብሪ እቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣምላኽ ድማ ምስኡ ተንሳእኩም፡ ይብል እዩ እሞ፡ ከመይ ጌርና፡ ጥምቀት፡ ደጋዊ ስርዓት ጥራይ እዩ ክንብል ይከኣለና፧

  24. ጥምቀት፡ ንሕድገት ሓጢኣት ምዃኑ፥ እቶም ናይ እምነት ኣቦታትና ኣብ ጸሎተ ሃይማኖት ከም ዶግማ ከስፍርዎ ከለው፥ ንዕኡ ዝተቓወሙ ከም ዝነበሩ ኣይረኣናን። "ጥምቀት፡ ደጋዊ ምፍጻም ስርዓት ጥራይ እዩ" ዝብል ርድኢት ደኣ ካብ መዓስ ተቐልቀለ፧

  25. ግዝረት፡ ናይ ጥምቀት ጽላሎት ምዃኑ ዝሕብር ጽሑፍ ኣሎ ዶ፧ ከምኡ እንተዀይኑ፡ ከምቲ ግዝረት ብግዲ ዝዀነ፡ ጥምቀት’ውን ብግዲ ክኸውን ኣለዎ ክንብል ንኽእል ዶ፧

  26. ኣብ ማቴዎስ 28፡19-20: ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም፡ ደቀ መዛሙርተይ ግበርዎም” ምባሉ፡ ጥምቀት፡ ወደ መዛሙር ክርስቶስ ንኽትከውን ደኣ እምበር፡ ንስርየት ሓጥያት ኣይኮነን። ከመይ ጌርና ምስ ስርየት ሓጢኣት ነተኣሳስሮ፧

  27. ጥምቀት ንስርየት ሓጥያት እንተኾይኑ፡ ጐይታና ኢየሱስ ንምንታይ ተጠሚቑ፧

  28. እቲ ምስ ጐይታና ዝተሰቕለ ከታሪ፡ ብጥምቀት ዘይኮነስ፡ ብእምነቱ እዩ ናብ ገነት ዝኣተወ፡ እዚ ኸኣ ሰብ ብእምነት እምበር ብጥምቀት ከም ዘይድሕን ንጹር መረዳእታ ዶ ኣይኰነን፧

  29. ኣብ ማር 16. 15: “ናብ ኵላ ዓለም ኪዱ፡ ንብዘሎ ፍጥረት ከኣ ወንጌል ስበኹሉ። ዝኣመነን እተጠምቀን ኪድሕን፡ እቲ ዘይኣመነ ግና ኪዅነን እዩ” ብዝበሎም መሰረት፡ ኣብ ግብረ ሃዋርያት’ውን ከም እንርእዮ፡ ሰብ ንቕድም ይኣምን፡ ድሕሪኡ ድማ ወደ መዝሙር ምእንቲ ክኸውን ይጥመቕ። እዚ፡ ጥምቀት ንወደመዝሙርነት እምበር ንሕድገት ሓጢኣት ከም ዘይኰነ ዶ ኣይኰነን ዘረድኣና ዘሎ፧

  30. 1ዮሃ1.7:  ደም የሱስ ክርስቶስ ወዱውን ካብ ኵሉ ሓጢኣት የንጽሃና እዩ፡ እናበለ፡ ከመይ ጌርና ብጥምቀት ሕድገት ሓጢኣት ክንጽበ ንኽእል፧

  31. ኣብ ግብ 10.43 “ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ብስሙ ሕድገት ሓጢኣት ከም ዚረኽብ፡ ኲሎም ነብያት ይምስክሩሉ ኣለዉ” ክብል ከሎ፡ ብኡኡ ምስ ኣመንና፡ ቅድሚ ምጥማቕና፡ ድሮ ሕድገት ሓጥያት ረኺብና ኣለና፥ ጥምቀት ደኣ’ሞ፡ ነየናይ ሓጥያት እዩ ከንጸሃልና?

  32. ጥምቀት፥ ምስ ኣመንና፡ እምነትና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ፥ ሕብረትና ምስ ክርስቶስ ሙዃኑ እነርእየሉ ናይ ውሳነና መግለጽን፥ እቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ማቴዎስ 28 ዝኣዘዘና እንፍጽመሉን መስርሕ ጥራይ ደኣ እምበር፡ ከመይ ጌርና ምስ ሕድገት ሓጢኣት ከነተኣሳስሮ ንኽእል፧

  33. ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ኣብ 1ቈረ1.14 “ክርስቶስ ወንጌል ክሰብኽ ደኣ እምበር፡ ከጥምቕሲ ኣይለኣኸንን” ምባሉ፡ ጥምቀት፡ መሰረታዊ ከም ዘይኰነ የምስል እዩ። እዞም ኩሎም ጳውሎስ ወንጌል ዝሰበከሎም ኣመንቲ፡ ወንጌል ሰሚዖም ምስ ኣመኑ፡ ብእምነት ጥራይ ይድሕኑ ኔሮም ማለት ድዩ ወይሲ ይጥመቑ’ውን ኔሮም እዮም፧ 

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ቦኽሪ ዕዮ ገዛ፡ መጽናዕቲ ናብ ሰብ ቈሎሴ

Next
Next

ሓምሻይ ዕዮ ገዛ፡ መጽናዕቲ ጉባኤታት ቤተ ክርስቲያን