ሻብዓይ ዕዮ ገዛ፡ መጽናዕቲ መልእኽቲ ናብ ሰብ ቈሎሴ

ዝቐረቡ ሕቶታት

ብመሰረት ቈሎሴ ምዕራፍ 2፣18-23 ነዘን ዝስዕባ 5 ሕቶታት፡ ሓጺር መልሲ ኣዳልዉ።

1. ሓቂ ዘይብሉ ትሕትና ኪብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ፧

2. ንመላእኽቲ ዝግበር ኣምልዀ፡ እግዚኣብሄር ከመይ ይርእዮ፧

3. ኣተሓሳስባ እዛ ዓለም ኪብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ፧

4. ኣይትሓዝ ኣይትተንኪ ኣይትልከፍ ዝብል ሕጊ፡ ሕጊ ኣምላኽ ድዩ ወይሲ ሕጊ ሰብ፧

5. ኣብ ኣምልዀ መላእኽቲ ዝነብር ሰብ ኣብ ክርስቶስ ኣሎ ክትብል ትኽእል ዶ፧

ብጉጅለ 1 ዝቐረበ መልሲ

1. ሓቂ ዘይብሉ ትሕትና ኪብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ፧

ሓቂ ዘሎዎ ትሕትና፦ “ሓንቲ እኳ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ብምባል ወይስ ንውዳሴ ከንቱ ኣይትግበሩ፡ ብትሕትና ግና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ካብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርኣዮ። ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ድማ እምበር፡ ነፍሲ ወከፍ ንርእሱ ዚሔሾ ኣይጠምት። እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዝነበረ ሓሳብ ኣባኻትኩም’ውን ይሃሉኹም። ንሱ ብመልክዕ ኣምላኽ ክነሱ፡ ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ፡ ከም ምምንዛዕ ኣይረኣዮን። መልክዕ ባርያ ወሲዱ፡ ርእሱ ኣሕሰረ፡ ሰብ’ውን መሰለ፡ ብንብረቱ ኸም ሰብ ኰይኑ ተረኸበ። ርእሱ ክሳዕ ሞት ኣትሓተ፡ ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል እኳ ደኣ ተኣዘዘ፡ (ፊሊ2.3-8)።

ሓቂ ዘይብሉ ትሕትና እምበኣርከስ፡ ትሕትና ፧መስል፡ ግናኸ ንርእስኻ ምእንቲ ክጥዕመካ፡ ወይ ንውዳሴ ከንቱ ኢልካ እትገብሮን እትዀኖን ማለት እዩ።

2. ንመላእኽቲ ዝግበር ኣምልኾ፡ እግዚኣብሄር ከመይ ይርእዮ፧

“ኣምልኾ” ዝብል ቃል፡ ካብቲ “ኣምላኽ” ዝብል ቃል ዝተወልደ እዩ። ስለዚ ኣምልኾ፡ ከም ቃልን ተግባርን፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ጥራይ ዝግባእ እዩ። እግዚኣብሄር ኣብ ትእዛዝ፦ “ካልኦት ኣምላኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይሃልዉኻ። ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ፡ ኣብ ታሕቲ ድማ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ኣብ ማይ ከኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ምስልን ስእሊ ዘበለን ንኣኻ ኣይትግበር” በለ፡ (ዘጸ20.3-4)።

መላእኽቲ’ውን ከምኡ፡ ኣምልኾ ንእግዚኣብሄር ከም ዝግባእ መስከሩ፦ ”እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንማኖኣ፡ እንተ ኣጽናሕካኒ’ውን ካብ እንጌራኻስ ኣይበልዕን እየ። ዚሐርር መስዋእቲ ኽትገብር እንተ ደሌኻ ድማ፡ ንእግዚኣብሄር ኣዕርገሉ፡ በሎ። ማኖኣ ግና መልኣኽ እግዚኣብሄር ምዃኑ ኣይፈለጠን ነበረ” (መሳ13.15-16)። ኣብ ራእይ ዮሃንስ ከም እነንብቦ ኸኣ፡ ”ኣብ ቅድሚ ኣእጋር እቲ ነዚ ነገር እዚ ዘርኣየኒ መልኣኽ ክሰግድ፡ ፍግም በልኩ። ንሱ ኸኣ፡ ከይትገብሮ ተጠንቀቕ። ኣነስ ማኻን ከምቶም ኣሕዋትካ ነብያትን ከምቶም ንቓላት እዚ መጽሓፍ እዚ ዚሕልዉን ባርያ እየ፡ ንኣምላኽ ደኣ ስገድ፡ በለኒ (ራእ22፡8-9)።

3. ኣተሓሳስባ እዛ ዓለም ኪብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ፧

“ንሕና ቘልዑ ኸሎና፡ ኣብ ትሕቲ ምህሮ ቝልዕነት ዓለም፡ ባሮት ኴንና ነበርና” ብምባል ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ገላትያ ክጽሕፈሎም ከሎ፡ ”በቲ ጊዜ እቲ ንኣምላኽ ከይፈለጥክምዎ ከለኹም፡ ባሮት እቶም ካብ ባህርዮም ባህርዮም ኣማልኽቲ ዘይኰኑ ዀንኩም። ሕጂ ደኣ ንኣምላኽ ምስ ፈለጥኩምዎ፡ ምናዳ’ውን ንሱ ምስ ፈለጠኩም፡ ከመይ ኢልኩም ናብቲ ሕማቕን ድኻን ምህሮ ቝልዕነት ከም ብሓድሽ ትምለሱ ኣሎኹም፡ ከም ብሓድሽ’ውን ካብ መጀመርታ ሒዝኩም ባሮቱ ኽትኰኑ ትደልዩ አሎኹም መዓልትታትን ኣዋርሕን ጊዜታትን ዓመታትን ትሕልዉ ኣሎኹም” እዩ ዝብሎም፡ (ገላ4.3-10)

ንኣምላኽ ከም ኣተሓሳስባ ዓለም ትፈልጦ እንተዄንካ፡ ከም ናይ ኣምላኽ ዘይኰነስ ከም ናይ ሰብ ትእዛዛትን ምህሮን ገይሮም፥ ኣይትሐዝ፡ ኣይትጥዓም፡ ኣይትተንኪ፡ እናበሉ ሕጋጋት ይሕግጉልካ እሞ፡ ኣብ ክንዲ ከም ውሉድሲ ከም ባርያ ኴንካ ትመላለስ ማለት’ዩ።

4. ኣይትሓዝ ኣይትተንኪ ኣይትልከፍ ዝብል ሕጊ፡ ሕጊ ኣምላኽ ድዩ ወይሲ ሕጊ ሰብ፧

ብመሰረት እዚ ኣብ ቈሎሴ ተጠቒሱ ዘሎ፡ ስለ ዝተብሃልና፡ እቲ ኣይትጥዓም፡ ኣይትተንኪ ዝብል፡ ከም ናይ ኣምላኽ ዘይኰነስ ከም ናይ ሰብ ምዃኑ ተነጊሩና’ሎ። ብሓፈሻ ክንዛረብ እንተዀይኑ ግና፡ ሕጊ ኣምላኽ’ውን፡ “ርሐቑ፡ ርሐቑ፡ ካብዚ ውጹ፡ ርኹስ ከቶ ኣይትተንክዩ (ኢሳ52.11) ካብ ማእከሎም ውጹን ተፈለዩን ርኹስ ኣይትተንክዩን (2ቈረ6.17) ወዘተ ከም ዝብል ከም ርዱእ ንወስዶ።

5. ኣብ ኣምልኾ መላእኽቲ ዝነብር ሰብ፡ ኣብ ክርስቶስ ኣሎ ክትብል ትኽእል ዶ፧

ንኻልእ ምእንቲ ከይንፈርድ፡ ገዛእ ርእስና እናሓሰብና ኢና መሊስና። ኣምልኾ ንኣምላኽ ዝተቐደሰ እዩ’ሞ፡ እቲ ንኣምላኽ ዝፈልጥ ዘበለ፡ ንመላእኽቲ ከምልኽ ኣይክእልን’ዩ። “ሓደ እኳ፡ ንልቡ ደኣ ዜስሕቶ እምበር፡ ልሳኑ ዘይለጕም እንተሎ፡ ንኣምላኽ ዜምልኽ ከም ዘሎ እንተ መሰሎ፡ ኣምልኾኡ ኸንቱ እዩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣቦን ንጹህን ርኽሰት ዜብሉን ኣምልኾ እዚ እዩ፡ ርእስኻ ካብ ርኽሰት ዓለም እናሓሎኻ፡ ንዘኽታማትን መበለታትን ኣብ መከራኦምን ጸበባኦምን ምብጻሕ እዩ፡ (ያእ1.26-27)።

ባዕለይ እፈልጥ ምባል፡ ኣብ ልቦናኻ ምውካል፡ ገዛእ ርእስኻ ከም ገባርን ሓዳግን ጌርካ ምቝጻር ወዘተ፡ ርእሰ-ኣምልኾ እዩ (ምሳ3.5)። ኣብ ሃብትኻን ገንዘብካን ወዘተ ምውካልን ስስዐን’ውን፡ ኣምልኾ’ዩ፡ (ቈሎ3.5, ሉቃ16.13)፣ ኣብ ሰብ ምውካል፡ ትጽቢትካ ኣብ ሰብ ምግባር ኣምልኾ’ዩ (ኤር 17.5)። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣቦን ንጹህን ርኽሰት ዜብሉን ኣምልኾ ከነቕርብ፡ ኣምላኽ ይርድኣና!

ብጉጅለ 2 ዝቐረበ መልሲ

1. ሓቂ ዘይብሉ ትሕትና ኪብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ፧

ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ ዘይብሉ ትሕትና ኣብ ቈሎሴ፣2:18 ክገልጾ ከሎ፣ "ሓደ እኳ፡ ትሕትና ብዚመስልን ብስግደት ንመላእኽትን ገይሩ፡ ንሱ ኣብ ዘይረኣዮ ነገር እናሐወሰ በእምሮ ስጋኡ ብኸምኡ ዚንፋሕ፡ ነቲ ዓስቢ ዓወት ኣይዘርፍኩም።" ብምባል ብዝተፈላለየ ምኽንያት፣ ካብቲ ህይወትካ ወይ ካብቲ ቅኑዕ መንገዲ፡ ብናይ ኣእምሮኦም ኣተሓሳስባ ወይ ፍልስፍናዊ ሓሳብ ምጥባር ማለት ምዃኑ ንርዳእ። ኣብ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን፡ ኣኖስቲክ (Agnostic) ዝብሃል እምነት በዚ ሜላን ስጋኦም ብምሕሳምን፡ ትሕትና' ብዝመስል ግን: ሓቂ ዘብሉ መንገዲ ንሰብ የስሕቱ ነበሩ። ካልኦትውን ትሕትና ብዝመስል፣ ስጋዊ ኣተሓሳስባ፥ ነቲ ቃል ኣምላኽ ፍልስፍና ወሰኹሉ። ጳውሎስ ንሰብ ቈሎሴ፡ እቶም ናይ ሓሶት መምህራን፥ ብኣምሰሉነት ካብቲ ብክርስቶስ ዝረኽብዎ በረኸቶም ወይ ናይ ዘለኣለማዊ ህይወት ዓስቦም ከየታልልዎም የጠንቅቖም [2ዮሃ:8]።

2. ንመላእኽቲ ዝግበር ኣምልዀ፡ እግዚኣብሄር ከመይ ይርእዮ፧

ቃል ኣምላኽ "ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ፣ ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ካብ ዘለው ምስልን ስእልን ኣይትግበር፣ ብዘይካይ ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይሃልኻ" ይብለና [ዘጸኣት 20:1-8]። እቲ ኲሉ ክብሪ ዝወስድ፡ ኣምላኽ እዩ። ንመላእኽቲ ብዝግበር ኣምልኾ፡ እግዚኣብሔር ከመይ ይርእዮ ቅድሚ ምባልና፣ ኣምላኽ ንመላእኽቲ ኣገልገልቱ ክኾኑ'ዩ ፈጢርዎም። [መዝሙር 104:4] ስለዚ ናይ ኣምላኽ ክብሪ፡ ንፍጡራኑ ክንህብ ከለና፣ እቲ ብኣምላኽነቱ ቀናእ ዝዀነ ኣምላኽ ፍጹም ከም ዘይቅበሎ ንርዳእ።

ጐይታ ኣብ ወንጌል ብዛዕባ ኣምልኾ ከረድኣና ከሎ፦ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን፡ብዅሉ ንፍስኻን፡ ብዅሉ ሓሳብካን፡ ብዅሉ ሓይልኻን፡ ኣፍቅሮ፡ ይብል። [ማርቆስ፣12:30፣ ሉቋስ፣10:27 ሜቴዎስ፣22:37]። ብኸምዚ እንተ ኣፍቂርናዮ'ስ፥ ንኻልእ ነምልኸሉ፣ ወይ ነፍቅረሉ ምክንያት ኣይህሉን። ኣብ ማቴ 4፥10’ውን "ሽዑ ኢየሱስ “ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ስገድ፥ ንእኡ በይኑ ድማ ኣምልኽ’ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ እሞ ኪድ ሰይጣን” በሎ።" ይብለና። ስለዚ እግዚኣብሔር ንመላእኽቲ ዝግበር ኣምልዀ ኣይቅበሎን እዩ።

3. ኣተሓሳስባ እዛ ዓለም ኪብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ፧

ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስ እዚ ኣተሓሳስባ ዓለም ዝብሎ ዘሎ፥ ኣብ ናይ ክርስቶስ ዘይኮነ ኣብ ባህሊ ሰብን፡ ኣብ ኣተሓሳስባ እዛ ዓለም እዚኣን ዝተመስረተ፥ ከንቱን መዓሸውን ዝኾነ ፍልስፍናዊ ሓሳብ ገይሩ፡ ሓደ እኳ ከይማርኽኩም ተጠንቀቑ ዝበሎ’ዩ። ኣብ ቈሎሴ 2:20-22 ንኣተሓሳስባ ዓለም፡ "እምብኣርከ ኻብ ምህሮ ቝልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትኩም፡ ስለምንታይ ደኣ ኣብዛ ዓለም ከም ዘሎኹምሲ፡ ከም ናይ ሰብ ትእዛዛትን ምህሮን ገይሮም፥ ኣይትሐዝ፡ ኣይትጥዓም፡ ኣይትተንኪ፡ ኢሎም ሕጋጋት ዚሕግጉልኩም፡ እዚ ዅሉ ተተገይሩስ ንሕልፈቱ እዩ፡" ብምባል ኣተሓሳስባ እዛ ዓለም ምህሮ ክርስቶስ ዘይኾነ ከንቱን መዕሸውን ዘይጠቅምን ምዃኑ ንርዳእ።

4. ኣይትሓዝ ኣይትተንኪ ኣይትልከፍ ዝብል ሕጊ፡ ሕጊ ኣምላኽ ድዩ ወይሲ ሕጊ ሰብ፧

ኣብ ብሉይ ኪዳን እቲ ሕጊ ካብ ኣምላኽ ዝተቐበልዎ፥ ቅዱስን ጻድቅን እዩ። ኣብ ሓድሽ ኪዳን ግና፡ ህይወት ብክርስቶስ እዩ ዝርከብ። እዘን ሰለስተ ቃላት ኣይትሓዝ፣ ኣይትነንኪ፣ ኣይትልከፍ፡ ዝብላ፥ ንሰብ ቈሎሴ ንምትላል ዝቐረባ መናፍቓዊ ትምህርቲ እየን። ኣይሁድ ብፍላይ ፈሪሳውያን፥ ስርዓታት ንምሕላው ኣዝዮም ጥንቁቓት ስለ ዝነበሩ፥ ንየሱስ ኣዝዮም ይቝጥዕዎ ነበሩ። ንኣብነት ደቂ መዝሙር ጐይታ ጠምዮም ብሰንበት ካብ ግራት ሸዊት ምስ በልዑ፥ እቶም ፈሪሳውያን ንጐይታ፥ ስለምንታይ ደቂ መዛሙርትካ፥ ብግዜ ሰንበት ዘይግባእ ጌሮም ብምባል ተቓወምዎ(ማቴ 12፥1-2)። ስለዚ ኣይትሓዝ ኣይትተንኪ ኣይትልከፍ ዝብል ሕጊ፥ ጽድቅኻ ብስርዓት ከም ዝርከብ ዝምህር ዕሽነት እዩ። ጐይታ ኣብ ማቴ 15፥16 "ንስኻትኩምውን ዶ ኽሳዕ ሕጂ ኣየስተውዐልኩምን፧” ኢሉ፥ እቲ ንሰብ ዘርክሶ፥ እንታይ ምዃኑ ገሊጹልና ኣሎ።

5. ኣብ ኣምልኾ መላእኽቲ ዝነብር ሰብ፡ ኣብ ክርስቶስ ኣሎ ክትብል ትኽእል ዶ፧

ኣብ ቈሎሴ 2፥18 "ነቲ ዓስቢ ዓወት ኣይዘርፍኩም" ዝብለና፥ ኣብ ኣምልኾ መላእኽቲ ዘሎ ሰብ ብፍጹም ኣብ ክርስቶስ ክህሉ ኣይክእልን እዩ። ኣምልኾ ንመድሓኒና ክርስቶስ ጥራይ እምበር፡ ንኻልእ ፍጡር ክግበር፥ ፍቓድ ኣምላኽ ኣይኮነን።

ብጉጅለ 3 ዝቐረበ መልሲ

1. ሓቂ ዘይብሉ ትሕትና ኪብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ፧

ሓቂ ዘይብሉ ትሕትና ወይ ትሕትና ብዝመስል ተባሂሉ ዘሎ፡ ነቲ ግዳማዊን ናይ ልቢ ዘይኮነን ናይ ሓሶት ትሕትና፥ ካብ ትዕቢት፥ ንባዕልኻ ልዕልና ንምርካብ ካብ ዘሎ ባህጊ፥ ዝድረኽ ተግባር የመልክት። እዚ ኸኣ ብኻልኦት ክትንኣድ፥ ካብ ክብረት ኣምላኽሲ፡ ክብረት ሰብ፥ ካብ ምድላይ ዝብገስ እዩ። ንኣብነት፥ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ 6፥1 "ጽድቅኹም፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ ምእንቲ ኽትርአዩ፡ ከይትገብሩ ተጠንቀቑ። እንተ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ዓስቢ የብልኩምን።" ዝብል ጽሑፍ ኣሎ።

ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ፡ ብዛዕባ ናይ ሓሶት ሓልዮት ይሁዳ ኣስቆራታዊ ክዛረብ ከሎ፡ ከምዚ ይብል፥ "ማርያም ብዙሕ ዝዋጋኡ ቕዱይ ቅብኢ ጽሩይ ናርዶስ ወሲዳ፡ ኣእጋር የሱስ ለኸየት፡ ብጸጕሪ ርእሳውን ደረዘቶ። እታ ቤት ከኣ ብመኣዛ እቲ ቕዱይ ቅብኢ መልኤት። ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ግና፥ እዚ ቕዱይ ቅብኢ ንሰለስተ ሚእቲ ድሪም ተሸይጡስ ንድኻታት ዘይውሃብ፡ በለ። እዚ ዝበለ፡ ሰራቒ ስለ ዝዀነ እዩ እምበር፡ ንድኻታት ሐልዩሎም ኣይኰነን። ማሕፉዳ ምስኡ ነበረ፡ ካብቲ ኣብኡ ዝኣተወውን የልዕል ነበረ።" ኢሉ ኣብ (ዮሃ 12፥3-6) ጽሒፉልና ኣሎ።

2. ንመላእኽቲ ዝግበር ኣምልዀ፡ እግዚኣብሄር ከመይ ይርእዮ፧

እግዚኣብሔር ዝደልዮ ኣምልኾ ኣብ ዘጸአት 20፥3-5 "ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይሀልዉኻ። ምስልን ስእልን ኣይትግበር። ኣይትስገደሎምን ኣይተገልግሎምን። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ቀናእ ኣምላኽ እየ ብምባል፥ ንኣምላኽ በይኑ እምበር፥ ንመላእኽቲ፥ ሰብ ወይ ካልእ ፍጡር ከነምልኽ ከም ዘይደልየና ብንጹር ተነጊሩና ኣሎ። ጐይታ’ውን ኣብ ማቴ 4፥10 "ሽዑ የሱስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ፡ ንእኡ በይኑ ድማ ተገዛእ፡ ጽሑፍ አሎ እሞ ኪድ ርሐቕ፡ ሰይጣን፡ በሎ።" ኢሉ ንሰይጣን ከም ዝገንሖ ቃል ኣምላኽ ይነግረና።

ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ቈሎሴ 2:18 ሓደ እኳ፡ ብስግደት ንመላእኽቲ ገይሩ፡ ነቲ ዓስቢ ዓወት ኣይዘርፍኩም፥ ብምባል ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራትን፥ ዜስፋሕፍሕ ዝነበረ ናይ ሓሶት ትምህርትታትን የጠንቅቕ። ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ኣብ ራእይ 22፡8-9 ንመልኣኽ ክሰግድ ፍግም ምስ በለ፥ ከይትገብሮ ተጠንቀቕ። ኣነስ ከማኻን ከምቶም ኣሕዋትካ ነብያትን፡ ከምቶም ንቓላት እዚ መጽሓፍ እዚ ዚሕልዉን ባርያ እየ፡ ንኣምላኽ ደኣ ስገድ፡ ከም ዝበሎ ካብ ተመክሮኡ ጽሒፉልና ኣሎ። መላእኽቲ ከም ልኡኻትን ኣገልገልትን ኣምላኽ፥ ኣብ መደብ ኣምላኽ ዘለዎም ተራ ኣፍልጦ ብምሃብ ከነኽብሮም ቅኑዕ እዩ(እብ 1፡14)። ስግደት ወይ ኣምልኾ ንመላእክቲ ግና፥ ናብ ክርስቶስ ዘየጠምትን፥ ካብ ክርስቶስ ዘዘናብል፥ ኣንጻር ፍቓድ ኣምላኽን እዩ።

3. ኣተሓሳስባ እዛ ዓለም ኪብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ፧

ኣብ ቈሎሴ 2፡20 “ኣተሓሳስባ እዛ ዓለም” ዝብል ሓረግ፡ ነቲ ምስ ክርስቶስ ዝጻረር መሰረታዊ ዓለማዊ ስርዓታትን እምነታትን ሕግታትን የመልክት። ኣብ ናይ ሰባት ባህሊ፥ ልምዲ፥ ሃይማኖታዊ ሕግታት ብምትኳር፡ ንሰብ ካብ ኣምላኽ ፈልዮም ከም ዝነብር ዝገብሩ እዮም። ከምቲ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ (ቈሎሴ 2፡8) "ከም ናይ ክርስቶስ ዘይኰነስ፡ ብልማድ ሰብ፡ ከም ምህሮ ቝልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ፡ ብጥበብ ዓለምን ብኸንቱ ምጥባርን ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲ፡ ተጠንቀቑ። ንሰብ ጠቢሮም ዘታልሉ ኣትሓሳስባ እዮም። ጽድቂ ብክርስቶስ እምበር፡ ሰብ ብዝሰርሖ ስርዓታት ከም ዘይርከብ ዘረድእ እዩ።

4. ኣይትሓዝ ኣይትተንኪ ኣይትልከፍ ዝብል ሕጊ፡ ሕጊ ኣምላኽ ድዩ ወይሲ ሕጊ ሰብ፧

ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ቈሎሴ 2፥20-22: እምብኣርከ ኻብ ምህሮ ቝልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትኩም፡ ስለምንታይ ደኣ ኣብዛ ዓለም ከም ዘሎኹምሲ፡ ከም ናይ ሰብ ትእዛዛትን ምህሮን ገይሮም፥ ኣይትሐዝ፡ ኣይትጥዓም፡ ኣይትተንኪ፡ ኢሎም ሕጋጋት ዚሕግጉልኩም፡ እዚ ዅሉ ተተገይሩስ ንሕልፈቱ እዩ፡ 23: እዚ ብትሑት ሓሳብን ብምሕሳም ስጋን ዚግበር ናይ ፍቓድ ርእስኻ ኣምልኾ፡ ሕብሪ ጥበብሲ አለዎ፡ ግናኸ ንምጽጋብ ስጋ እዩ እምበር፡ ንገለ እኳ ኣይጠቅምን እዩ።" ክብል ከሎ፥ ንሰብ ገላትያ ድማ "ሕጂ ደኣ፡ ንኣምላኽ ምስ ፈለጥኩምዎ፡ ምናዳ’ውን ንሱ ምስ ፈለጠኩም፡ ከመይ ኢልኩም ናብቲ ሕማቕን ድኻን ምህሮ ቝልዕነት ከም ብሓድሽ ትምለሱ አሎኹም፡ ከም ብሓድሽውን ካብ መጀመርታ ሒዝኩም ባሮቱ ኽትኰኑ ትደልዩ አሎኹም፧ ኣባኻትኩም ምናልባሽ ንኸንቱ ጽዒረ ኸይከውን፡ ብዛዕባኹም እፈርህ አሎኹ” ብምባል ሻቕሎቱ ይገልጽ (ገላ 4፥9,11)።

ከምቲ ጐይታ ንኣይሁድ "ኣቱም ግቡዛት፡ ከምቲ ጽሑፍ፡ "እዚ ህዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፡ ልቦም ግና ካባይ ርሑቕ እዩ። ግናኸ ምህሮ ስርዓት ሰብ እናመሃሩ፡ ብከንቱ እዮም ዜምልኹኒ ዚብል፡ ኢሳይያስ ብዛዕባኹም ጽቡቕ ተነበየ” ብምባል ዝነቕፎም (ማር 7፥6-7)። ሕጊ ሰብ ምዃኑን፥ ሕብሪ ጥበብ ጥራሕ እምበር፥ ንጽድቂ ከም ዘይጠቅም ንርዳእ።

5. ኣብ ኣምልዀ መላእኽቲ ዝነብር ሰብ ኣብ ክርስቶስ ኣሎ ክትብል ትኽእል ዶ፧

ኣይፋሉን ንመላእኽቲ ዘምልኽ ሰብ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ክርስቶስ ኣሎ ክንብሎ ኣይንኽእልን። ምኽንያቱ ሓቀኛ እምነት ብክርስቶስ ጥራሕ ከም እትጸድቕ ብምፍላጥን ብምርዳእን ንኣምላኽ በይኑ ምምላኽ እዩ።

ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ገላትያ፥ "ጽድቂ ብሕጊ እንተ ዚኸውን፡ እምብኣርከ ክርስቶስ ንኸንቱ እዩ ዝሞተ፡ ኣነስ ጸጋ ኣምላኽ ኣይንዕቕን እየ። (ገላ 2፥21) ከምኡ’ውን "እንተ ተገዘርኩም፡ ክርስቶስ ገለ እኳ ኣይጠቕመኩምን እዩ፡ እብለኩም አሎኹ (ገላ 5፥2) ቀጺሉ’ውን ኣቱም ብሕጊ ኽትጸድቁ እትደልዩ፡ ካብ ክርስቶስ ተፈሌኹም፡ ካብ ጸጋ ወደቕኩም" በሎም(ገላ 5፥4)።

ንሰብ ቈሎሴ’ውን "ኣብቲ ርእሲ ቤተ ክርስቲያን ዝኾነ ክርስቶስ ኸይጸንዔ፡ ሓደ እኳ ነቲ ዓስቢ ዓወት ኣይዘርፍኩም” ብምባል የጠንቅቕም፡ (ቈሎሴ 2፥19)። ንኽትጸድቕ እትገብሮ ምሕላው ሕጊ ይኹን፥ ኣምልኾ መላእኽቲ፡ ንጸጋ ክርስቶስ ከንቱ ዝገብርን ካብ ክርስቶስ ዝፈልን እዩ። 

ብጉጅለ 4 ዝቐረበ መልሲ

1. ሓቂ ዘይብሉ ትሕትና ኪብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ፧

ሓቂ ዘይብሉ ትሕትና ማለት ኣብ ትዕቢት ወይ መንፈሳዊ ደረጃ ንምርካብ ኣብ ዝግበር ፈተነ ዝተሰረተ ዓይነት ትሕትና እዩ። ሓደ ሰብ ትሑት ክኸውን ብገዛእ ርእሱ ኣዝዩ እንተ ፈቲኑን ብእኡ ድማ እንተ ተሓቢኑን፡ እዚ ናይ ብሓቂ ትሕትና ኣይኮነን። ከምዚ ዓይነት ትሕትና ዜርኢ ሰብ፡ ብደገ ንዝርእዮ ደኣ እምበር ብውሽጡስ ንርእሱ ኣብሊጹ ዚርኢን ፍረ ዘይብሉን ኢዩ (ሉቃ 18፡9-14)።

2. ንመላእኽቲ ዝግበር ኣምልኾ፡ እግዚኣብሄር ከመይ ይርእዮ፧

ንመላእኽቲ ምምላኽ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ቅቡል ኣይኰነን፣ ምኽንያቱ ኸኣ ኣምልኾ፡ ንእኡ ንእግዚኣብሄር ጥራይ ዚግባእ ስለ ዝዀነ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣንጻሩ የጠንቅቕ ኢዩ፡ (ቈሎሴ 2፡18) ዝዀነ ፍጥረት መላእኽቲውን ይዅኑ ኣምልኾ ከም ዘይግብኦምን፡ ንሳቶም’ውን ይትረፍ ዶ ኣምልኾ፡ ነቲ ንኣምላኽ ዚግባእ ስግደት ኪቐርበሎም ከም ዘይደልዩን፡ ሰባት ንኣምላኽ ጥራይ ከምልኹ ከም ዚመርሕዎምን ኣብ ቃል ኣምላኽ ተጻሒፉ ንረኽቦ፡ ( ዮሃንስ 22፡8-9)።

3. ኣተሓሳስባ እዛ ዓለም ኪብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ፧

ኣተሓሳስባ እዛ ዓለም ኪብል ከሎ ንዓለምን ኣብኣ ዘሎን ነገራት ዘቐድም፡ ኣብ ሓቂ ኣምላኽ ዘይኮነ፡ ኣብ ልምድን ድሌታትን ሰባት ዚተሰረተ፡ ዘይተሓደሰን ኣንጻር ኣምላኽ ዚዀነን ኣተሓሳስባ ማለት ኢዩ፡ (ሮሜ 12፡2, 1ዮሃ 2፡15) እዚ ኣተሓሳስባ እዚ፡ ጥበባዊ ክመስል ይኽእል እዩ፣ ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ ግና ዕሽነት ኢዩ። ኣብ ቈሎሴ 2፡20 ዘሎ "ኣተሓሳስባ ዓለም" ዚብል ሓረግ ካብ ክርስቶስ ዘይኰነን ንኣመንቲ ክቈጻጸር ዘይግባእን ናይ ሰብ ሃይማኖታዊ ሕግታት” የመልክት።

4. ኣይትሓዝ ኣይትተንኪ ኣይትልከፍ ዝብል ሕጊ፡ ሕጊ ኣምላኽ ድዩ ወይሲ ሕጊ ሰብ፧

እቶም ኣብ ቈሎሴ 2፡21 ጳውሎስ፡ "ኣይትሓዝ፡ ኣይትጥዓም፡ ኣይትተንክፍ!" ኢሉ ዘርዚርዎም ዘሎ ሕግታት፡ ንሕጊ ኣምላኽ ዘይኮነስ ንሕግታት ደቂ ሰባት ኢዮም ዘመልክቱ። እዚኣቶም ከምቲ ጐይታ ዚበሎ፡ ብሓሰውቲ መምህራን ዘስፋሕፍሑ፡ ሰብ ዝሰርዖም ስርዓታት እዮም ነይሮም።

5. ኣብ ኣምልዀ መላእኽቲ ዝነብር ሰብ ኣብ ክርስቶስ ኣሎ ክትብል ትኽእል ዶ፧

ኣብ ኣምልኾ መላእኽቲ ዝነብር ሰብ፡ኣብ ክርስቶስ የለን፡ ምኽንያቱ፡ ኣምልኾ፡ ንኣምላኽ ጥራይ ስለ ዝዀነ (ማቴ 4፡10)።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ሻምናይ ዕዮ ገዛ፡ መልእኽቲ ናብ ሰብ ቈሎሴ

Next
Next

ሻድሻይ ዕዮ ገዛ፡ መጽናዕቲ መልእኽቲ ናብ ሰብ ቈሎሴ