ሓናኻት ዘመርቲ

ደጋጊምኩም እትዝምርዋ፡ ሓደው ዝያዳ እትፈትውዋ መዝሙር ዘክሩ። ንባብ ምስ ወዳእኩም፡ ነታ መዝሙር ምእንቲ ከይትርስዕዋ ድማ፡ ሕጂ፡ ነታ መዝሙር ኣብ ገለ ጽሓፍዋ። 

መብዝሕትኦም ዘመርትና፡ ስለዚ ኸኣ ዝበዝሑ መዛሙራትና፡ ዛጊት ቅድስተ-ቅዱሳን ከይኣትዉ ሓኒኾም፡ ሓደው፡ ምናልባሽ’ውን ሓንጊዶም (ግደ ሓቂ ግና፡ ዓቕሚ ስኢኖም) እዮም ዝርከቡ ዘለዉ። ዝርካቦም ዘመርቲ፡ ኣብ ኣጸድ እቲ መቕደስ ዘዕነንዩ፡ እቶም ሰጒሞም ዝብሃሉ ኸኣ፡ ኣብ ቅድስቲ በጺሖም ናብ ኣጸድ ዝምለሱ እዮም። እታ እትፈትውዋ መዝሙር ኣበይ ከም እትምደብ (ኣብ ኣጸድ፡ ኣብ ቅድስቲ ወይስ ኣብ ቅድስተ ቅዱሳን) ክትብሰሩ፡ ሓደው ክትርድኡ ኢኹም እሞ፡ ነታ ዝያዳ እትፈትውዋ መዝሙር ብግቡእ ጽሒፍኩማ ምህላውኩም ኣረጋግጹ።

መዝሙር ዘኣጸድ

ኣብ ኣጸድ፡ ዝሕረድ ገንሸል፡ ዝሓርር መስዋእቲ፡ በብኹርናዑ ቃል ኣምላኽ ዝምህሩ ሰበኽቲ፡ ውዕዉዕ ድምጽታት ሰብን እንስሳን እዩ ዝስማዕ። ህማም ከበሮ፡ ነጐዳ ጣቕዒት፡ ቅኒት በገናን መሳርሒታት ሙዚቃን፡ ሽብሸባን ምውስዋስ ኣካላትን፡ ዕልልታን ሆይሆይታን ወዘተ ድማ ብብዝሒ ይርኣየሉ። ኣንፈቱ፡ እንሓንሳእ ምስ ኣምላኽ፡ መብዝሕትኡ ግና ምስቲ ዝቐርብ መስዋእትን፡ ምስቶም ነቲ መስዋእቲ ዘቕርቡን ኣብቲ መስዋእቲ ዝሳተፉን ዝምልከት ትሕዝቶ ድማ ኣሎዎ።

ኣብቲ ኣጸድ፡ ብቐንዱ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ዝምልከት ኢና እንገብር። መስዋእቲ ነቕርብ፡ ንጽሊ፡ ንልምን፡ ንምሃር፡ ንዕልል፡ ወዘተ። ኣብ ኣጸድ ኴንካ ዝዝመር፡ “ንዑ ንእግዚኣብሄር ብሓጐስ ንዘምረሉ”፡ “ኣውጺእካኒ ካብ ኽንደይ”፡ “ጌርካለይ ኢኻ’ሞ ዓብዪ ነገር”፡ “ያሪኮ ፈሪሱ”፡ እግዚኣብሄር ጓሳይና’ዩ” “ክንዝምረልካ ኢና”፡ “በገናይ አልዕል ኣለኹ፡” “ንሴብሖ፡ ንሴብሖ ለእግዚኣብሔር” ወዘተ ክንጠቅስ ንኽእል። ብሓፈሻ፡ መሓረኒ፡ ምሒሩኒ፡ ግበረለይ፡ ጌርካለይ፡ ወዘተ ግብርታት እግዚኣብሄር ዘዘንቱ፡ ምድሓን ኣምላኽ ዘበስር፡ እንታይነቱን ባህርያቱን ዘውሪ፡ ዝሓዘ እዩ።

መዝሙር፡ ስብከት’ዩ፣ መዝሙር፡ ትምህርቲ’ዩ፣ መዝሙር፡ ተግሳጽ’ዩ፣ መዝሙር፡ ንስሓን ምምላስን’ዩ፣ መዝሙር፡ ልማኖን ሕቶን’ዩ፣ መዝሙር፡ ምስጋናን ውዳሴን’ዩ፣ ወዘተ፡ ስለዚ እምበኣር፡ መብዝሕትኦም መዛሙራትና፡ ኣብዚ ምትኳሮም ብሱሩ ጌጋ ኣይኰነን። የግዳስ፡ ብሓይሊ ሙዚቃን ከበሮን፡ ብድምጺ ዕልልታን ሆይ-ሆይታን፡ ብዝላን ብንጥራን፡ ብሳዕስዒትን ሽብሸባን፡ ብዅምራ ቃላትን ብህሎታትን ምዝማር፡ ካብ ኣጸድ ዘይሓልፍ ምዃኑ ምስትብሃል ይግባእ።

መዝሙር ዘቅድስት

ኣጸድ ሰጊርካ፡ ቅድስቲ እዩ ዝርከብ። ኣብዚ ኽፍሊ እዚ እቶም ካህናት እምበር፡ ዘርከበ ዝኣትዎ ክፍሊ ኣይኰነን። ድምጺ እናሃድአ ይመጽእ። ትሕዝቶ መዝሙር ኣብ ውህበት ኣምላኽ ዘይኮነስ፡ ኣብ ባህርያት ኣምላኽ (ምሕረቱ፡ ጽድቁ፡ እሙንነቱ) የስተንትን። ብዛዕባ እቲ መስተንክር ተግባር ኣእዳዉ ኣምላኽን ተኣምራቱን፡ ይዝመር፡ ኣብ ክንዲ ካልኦት ይማለድ፡ ይጽለ፡ ይጸናናዕ፡ ይብርትዕ፡ ይሕይል ወዘተ። ኣብ ቅድስቲ፡ ብጽንሃህ ዕጣን ዝዓመረ ጥዑም መኣዛ፡ ብሕብስተ ቍርባን ዝተኸበ ስቡሕ መኣዲ፡ ብዘይጠፍእ መብራህቲ ዝወቀበ ኣገልግሎት’ዩ ዘሎ። ይኹን እምበር፡ ኣብዚ’ውን እቶም ካህናት ቀጻሊ ከብርህዎ ዘሎዎም መብራህቲ፡ ከምኡ’ውን ብቐጻሊ ከቕርብዎ ዘሎዎም ሕብስተ ቍርባንን ከዕርግዎ ዘሎዎም ዕጣንን ዝርከቦ ክፍሊ ድማ እዩ።

መዝሙር ዘቅድስተ ቅዱሳን

ኣብቲ ቅድስተ ቅዱሳን ግና፡ ሰብ ሰርሖ መብራህቲ ኰነ፡ ብርሃን ጸሓይ’ውን ኰነ፡ እዝን እትን ዘይትገብረሉ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ዝመልኦ ኣዝዩ ግሩም ቦታ’ዩ። ይትረፍ ድምጺ ሰብን እንስሳን፡ ይትረፍ ድምጺ ከበሮን እምብልታንሲ፡ ዕጣን ምዕጣን’ውን የለን፡ ምውላዕ መብራህቲ’ውን የለን፡ ዝስንከት ኰነ ዝብላዕ ሕብስተ ቍርባን’ውን የለን። ኣብኡ፡ ብምልኣት ህላውነት ኣምላኽ እዩ ዘሎ! ኣብኡ እቲ ግኑን ግርማ፡ እቲ ጐይታ ጐይቶት ብጽባቐኡ፡ ብኽብሩ ገኒኑን ደሚቑን ዝርከበሉ ስፍራ’ዩ! ኣብ ዘመነ ብሉይ፡ እቲ ናብዛ ስፍራ እዚኣ ክኣቱ ብቕዓት ዝነበሮ፡ እቲ ሊቀ ካህን ኰይኑ ዝሽየም ክኸውን ከሎ፡ ንሱ’ውን ሓንሳእ ኣብ ዓመት’ዩ ዝኣቱ ዝነበረ።

ኣብ ቅድስተ ቅዱሳን፡ ፍግም ኢልካ ምስጋድ፡ ብመንነትን ባህርያትን ኣምላኽ ተማሪኽካ ኣብ ፍጹም ተመስጦ ምእታው፡ ብኹምራ ቃላትን ብህሎታትን ዘይኰነስ ኣፍካ ብኢድካ ምዕባስ፡ ብዝላን ንጥራን ብሳዕስዒትን ሽብሸባን ዘይኰነስ ፍግም ኢልካ ምስጋድ እዩ ዘሎ።

  • ሙሴ፡ “ሙሴ ድማ ንኣምላኽ ከይጥምት ፈርሄ እሞ፡ ገጹ ኸደነ” ይብለና (ዘጸ 3:6)

  • ነብዪ ኢሳይያስ፡ “ኣዒንተይ ንንጉስ፡ ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ርእየን እየን እሞ፡ ጠፋእኩ” በለ፡ (ኢሳ 6:1–5)።

  • ነብዪ ሕዝቅኤል “ምስ ርኤኽዎ ብገጸይ ወደቕኩ” በለ (ሕዝ1.28)

  • ነብዪ ዳንኤል “ድምጺ ቓላቱ ምስ ሰማዕኩ ኸኣ፣ ውኖይ ጠፊኡኒ፣ ብገጸይ ናብ ምድሪ ወደቕኩ” በለ (ዳን10.9)

  • ኣቦና እዮብ “ብሰማዒት እዝኒ ብዛዕባኻ ሰሚዔ ነይረ፡ ሕጂ ግና ዓይነይ ርእያትካ። ስለዚ ንርእሰይ እፍንፍን አሎኹ፡” በለ (እዮብ 42:5–6)

  • ሃዋርያ ዮሃንስ ከኣ “ምስ ርኤኽዎ ድማ ከም ምዉት ኰይነ ኣብ ኣእጋሩ ወደቕኩ” በለ፡ (ራእ1.17)።

ኣብዚ ኽፍሊ እዚ ክምደቡ ዝኽእሉ ዓይነታት መዝሙር፡ ንእግዚኣብሄር እቲ ንቕዱስ ስሙን ንመንነቱ ዝግባእ፡ ክብሪ፡ ኣምልኾ፡ ስግደት፡ተኣዛዝነት፡ ዝሓዙ እዮም። ምሉእ ኣድህቦን ትሕዝቶን እቲ መዛሙር፡ እግዚኣብሄርን መንነቱን ጥራይ እዩ። ስሌኻን ብዛዕባኻን ዘይብሉ፡ ልማኖ ዘይብሉ፡ ብቐንዱ ብዛዕባኡን ስሌኡን ዘተኰረ ትሕዝቶ ድማ እዩ።

ኢሳይያስ 6:3 “እቲ ሓደ ኸኣ ነቲ ሓደ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እዩ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ኲላ ምድሪ ብኽብሩ መሊኣ አላ፡ ኢሉ ኣድሀየ” ኣብ ራእይ 4:8–10 ኸኣ፡ “ለይትን መዓልትን ከየቋረጹ ድማ፡ እቲ ዝነበረን ዘሎን ዚመጽእን ኵሉ ዚከአሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እዩ፡ ይብሉ። እቶም እንስሳ ነቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ፡ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው ኰይኑ ዚነብር፡ ክብርን ስብሓትን ምስጋናን ኪህብዎ ኸለዉ፡ እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታት ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ፍግም ኢሎም፡ ዎ ጐይታናን ኣምላኽናን፡ ንብዘሎ ንስኻ ፈጠርካዮ፡ ስለ ፍቓድካ’ውን ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ እሞ፡ ንስኻ ኽብርን ስብሓትን ስልጣንን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ፡ እናበሉ፡ ነቲ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው ኰይኑ ዚነብር እናሰገዱ ኣኽሊላቶም ናብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ይድርብዩ አለዉ” ይብለና። ኣብ ራእይ 5 እውን፦

ራእይ 5:8–14

“እቶም ኣርባዕተ እንስሳን እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታትን፡ ነፍሲ ወከፎም መሰንቆን ዕጣን ዝመልኤ ጽዋእ ወርቅን ሒዞም፦ እዚ ድማ ጸሎት እቶም ቅዱሳት እዩ፦ ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸል ተደፍኡ። ንሳቶም ከኣ፡ ተሐሪድካስ ብደምካ ኻብ ብዘሎ ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብን ኣህዛብን ንኣምላኽ ዚዀኑ ሰባት ዐዲግካሉ ኢኻ፡ ንኣምላኽና ዚዀኑ መንግስትን ካህናትን ገቢርካዮም፡ ኣብ ምድሪ ድማ ኪነግሱ እዮም እሞ፡ ንስኻ ነቲ መጽሓፍ ክትወስዶ፡ ነቲ መሓትሙውን ክትፈሖ ብቑዕ ኢኻ፡ እናበሉ ሓድሽ መዝሙር ዘመሩ። ርኤኹ ድማ፡ ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋንን እቶም ኣርባዕተ እንስሳን እቶም ሽማግሌታትን ከኣ ድምጺ ብዙሓት መላእኽቲ ሰማዕኩ፡ ቍጽሮም ድማ ኣእላፍ ጊዜ ኣእላፍ፡ ኣሻሕ ጊዜውን ኣሻሕ እዩ። ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ኣብ ባሕርን ዘሎ ፍጡር ኣባታቶም ዘሎ ዘበለ ዅሉውን፡ በረኸትን ክብርን ግርማን ስልጣንን ንዘኣለመ ኣለም ነቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎን ነቲ ገንሸልን ይኹን ኪብሉ ኸለዉ ሰማዕኩ። እቶም ኣርባዕተ እንስሳ ኸኣ፡ ኣሜን፡ በሉ። እቶም ሽማግሌታትውን ፍግም ኢሎም ሰገዱ” ይብል።

ኣስተንትኖ

ሀ. ኣብ ኣጸድ፡ ድምጺ ሰብን እንስሳን፡ ድምጺ መሳርሒታት ሙዚቃ፡ ዕልልታን ሽብሸባን ወዘተን ኣሎ። ንኣምላኽ ብኸምዚ ምዝማርን ምምላኽን ግቡእ እኳ እንተዀነ፡ ግናኸ መሰረታዊ፡ መባእታ፡ ንጀመርቲ ክኸውን ዘሎዎ ምዃኑ ድማ ኣይንዘንግዕ።  ጉዕዞና ንቐጽል እሞ ንኺድ፡ ናብ ቅድስቲ ድማ ንእቶ።

ለ. ኣብ ቅድስቲ፡ ምውላዕ መብራህቲ (ቃል ኣምላኽ)፡ ምዕጣን ዕጣን፡ (ልማኖ/ጸሎት)፡ ምቝራስ እንጌራ (ሕብረት ኣሕዋት) እዩ ክጸንሓና። ኣብዚ እቲ ፍረ መንፈስ፡ ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ዕርቂ፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ህድኣት፡ ይአኽለኒ ምባል፡ ዝያዳ ዓዚዙን ጐሊሑን ይርአ (ገላ5:22)። ስለዚ ኸኣ፡ ኣብ ባህርያት ኣምላኽ (ምሕረቱ፡ ጽድቁ፡ እሙንነቱ) የስተንትን። ብዛዕባ እቲ መስተንክር ተግባር ኣእዳዉ ኣምላኽን ተኣምራቱን፡ ይዝመር፡ ኣብ ክንዲ ካልኦት ይማለድ፡ ይጽለ፡ ሰብ በቲ መዛሙር ይጸናናዕ፡ ይብርትዕ፡ ይሕይል ወዘተ።

ሐ. ኣብ ቅድስተ-ቅዱሳን ግና፡ ዝኾነ ጻዕሪ ወይ ስራሕ ሰብ የለን። ዕጣን የለን፡ ልማኖ የለን፡ ምምራር፡ ምስትምሳል’ውን የለን። እቲ ኣብ መንጎ ኪሩቤል ዝዓርፍ ክብሪ ኣምላኽ ጥራይ እዩ ዘሎ። ኣብዚ ስፍራ’ዚ፡ "ካብ እግዚኣብሄር እንታይ ክረክብ" ዝብል ሓሳብ ጠፊኡ፡ ብመንነት ኣምላኽን ፍቕሩን ተማሪኽካ፡ ኣብ ቅድሚ ገጹ ብኽብሪ ብፍርሃት፡ ብህድኣት፡ ፍግም ኢልካ፡ ንጹሕ ኣምልኾ እተዕርገሉ እዩ።

መፋነዊ

መዝ 63:1-2

ዎ ኣምላኽ፣ ንስኻ ኢኻ ኣምላኸይ፣ ኣንጊሄ እደልየካ አሎኹ፣ ነፍሰይ ንኣኻ ትጸምእ አላ፣ ስጋይ፣ ማይ ኣብ ዜብሉ ደረቕን ጽሙእን ምድሪ ዀይኑ፣ ይናፍቐካ አሎ። ከምኡውን ስልጣንካን ክብርኻን ምእንቲ ኽርኢ፣ ናብ መቕደስካ ኤማዕዱ አሎኹ።

 መዝ 42:1-2

እራብ ናብ ዓይኒ ማያት ከም እትናፍቕ፣ ከምኡ ኸኣ ነፍሰይ ናባኻ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ትናፍቕ አላ። ነፍሰይ ንኣምላኽ፣ ነቲ ህያው ኣምላኽ፣ ትጸምእ አላ፣ መአዝ ኰን ክመጽእ፣ ኣብ ቅድሚ ገጽ ኣምላኽሲ ክቐውም እየ፧

 ወያ ፍትውቲ መዝሙርኩም ኣበይ ተመደበት፧

  • ኣብ ኣጸድ፡ ኣብ ቅድስቲ ዶ፡ ወይስ ኣብ ቅድስተ ቅዱሳን፧

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Next
Next

ሸካይላ፡ እንታይ ኢላ፧ ቤተ ክርስቲያን ከ ኣበይ ኣላ፧!