ሊድያ፡ ፓስቶር፣ ሸካይላ ኸኣ፡ ኣገልጋሊት (ሚንስተር) ብዝብል፡ ማዕርጋዊ ቅጽል’የን ዝፍለጣ። ንምርዳኡ ምእንቲ ክቐለልልና፡ ነታ ቐዳመይቲ፡ ካህን ነታ ካልእየቲ ድማ ዲያቆን ብዝብል ንረድኣየን። ክልቲአን ንሓደ ንሳተን ”ነብዪ” ዝብላኦ፡ ንገዛእ ርእሱ “ነብዪ” ብዝብል መዓርግ ዝሾመ፡ ኣፍሪቃዊ-ኣመሪካዊ፡እስራኤል ፎርድ እተባህለ ሰብኣይ ተመርዕየን ከኣ ይነብራ። ትማሊ ሰንበት፡ እስራኤል ፎርድ፡ ክልተ ኣንስቲ ከም ዘለዋኦ፡ ንህዝቢ ብወግዒ ኣብ መድረኽ ቤተ ክርስቲያን ምስ ተዛረበ፡ እቲ ቪድዮ ካብ ጻት ንጻት ዓለም ተጋውሐ።
እታ ቀዳመይቲ ሰበይቱን ፓስቶርን (ሊድያ)፡ ማይክሮፎን ጨቢጣ፡ መድረኽ ኣርሓወት፦ እቲ ኣብዚ ተተሓሒዙ ዘሎ ቪድዮ ዝተዘርበ ቃል፡ ዳርጋ ቃል ንቓሉ ብኸምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ’ሎ። ቪድዮ ንምርኣይ ኣብዚ ጠውቑ
[00:00 - 00:39]
ኣነን ነብይን ትፈልጡ ኢኹም ኣብዚ ሕጂ እዋን እውን እንተኾነ፡ ኣብቲ ሓደ ሰብኣይ ንብዙሓት ኣንስቲ ዘፍቅድ ዓይነት ሓዳር ኢና ንነብር ዘለና። በዓል ቤተይ፡ ማለት ነብይና፡ ካልአይቲ ሰበይቲ ኣላቶ። ኩልኹም ትፈልጥዋ ኢኹም። ኩልኹም ተፍቅርዋ ኢኹም፡ ኩልኹም ሰሙን መጸ ካብ ኣገልግሎታ ትጥቀሙ ኢኹም። ስለዚ ድማ፡ ሕጂ፡ ንበዓልቲ ቤት ነብይን፡ ናይ መውስቦ ሓፍተይን፡ ሻካይላ፡ ንኹልኹም ከላልየኩም።"
ነብዪ እስራኤል ፎርድ ማይክሮፎን ጨቢጡ፡ ነታ ካልአይቲ ሰበይቱ ኸኣ’ባ ናብ ሕቝፉ ሸጒጡ፡ ብሓጐስ ፍንጭሕ በለ፦
[00:40 - 00:55]
"ዋው። ዘደንቕ፡ ኣዝዩ ዘገርም እዩ። ስለዚ፡ እምበኣር ካብ ኣገልጋሊት ሻካይላ ዝኾነ ይኹን፡ ዝኾነ ንሳ ክትብሎ ዝደለየት ውሑዳት ቃላት ጥራይ፡ ክህልወና’ዩ።" ቢሉ፡ መድረኽ ንሸካይላ ኣጠዓዓመላ።
ሸካይላ እንታይ ኢላ፧
[00:56 - 03:20]
ኩላትኩም ከመይ ውዒልኩም! ደጊም ናብ ቃልዕ ወጺኡ’ሎ’ሞ፡ ብዛዕባ እቲ ኩሎም ዝሓስቡሉ ዘለዉ ንዛረብ። ንቕድም ነቲ ዝመርሓናን መገዲ ዘርእየናን ኣምላኽ፡ ክብሪ ክህብ እፈቱ። ቀጺለ፡ ንብዓል ቤተይ ከምኡ’ውን ነታ ናይ መውስቦ ሓውተይ ክጠቅስ። ሰባት፡ ሕቶ፡ ርእይቶን ሓሳባትን ከም ዘለዎም እፈልጥ’የ። ኣብዚ ከልዕሎ ዝደሊ ግና፡ ከምዚ ኢልካ ምንባር፡ ዘገርም ፍቓድ ኣምላኽ ከም ዝዀነ’ዩ።
”ኣነ ብዝኾነ መለክዒ ኣይተጐዳእኩን፣ እኳ ደኣስ ብዙሕ ከሲበ፡ ብሓቂ ብዙሕ ከሲበ’የ። ካብ ፓስቶር ብዙሕ ተማሂረ’የ፡ ንሱ፡ ንዓይ ኰነ ንስድራና ብዙሕ ጽቡቕ ጌሩ ብዙሕ ኣፍሲሱ እዩ። ከም ውልቀ ሰባት፡ ሕድሕድ እንጋጮ ወይ እንጻላእ ዘይኰንናስ፡ ሓንቲ ስድራ ኢና። ግደ ሓቂ፡ ብምስሊ እቲ እግዚአብሄር ኣብ ምድሪ ከስፍኖ ዝደሊ ቤተሰብ እተዋቐረ ሕብረት ድማ ኣለና።
”ኣቐዲሞም ዝፈለጡ ሰባት ኔሮም’ዮም። ስለ እተፍቅሩና፡ ስለ እትጽልዩልና፡ ስለ እትጋደሉልና፡ ምሳና ብምዃን ከኣ ስለ እትቃለሱ፡ ከመስግነኩም እደሊ። ማለተይ፡ ሓደ ጉዕዞ እንድዩ ኔሩ፣ ትምህርቲ ዝቐሰምናሉ ጉዕዞ እኳ እንተነበረ፡ ግናኸ እናበለጸ ጥራይ፡ እናጠዓመ ጥራይ እዩ ዝቕጽል ዘሎ። ኣምላኽ የብዝሓና ኣሎ፡ ኣብቲ ጉዕዞ እናሓለወ የሳልየና፡ ንሕና’ውን ንምሃር፡ ከምኡ’ውን ንዓቢ ኣለና። ኣብ ብዙሕ ቦታታት ዓለም፡ ሰባት ክንጸሉ ምኽኣልና’ውን ሓጐስ ተሰሚዑና’ዩ። ነዚ ናብራ እዚ ክነብሩ ብምምራጾም፡ ዘምልኹሉ ቦታ ዘይብሎም፡ ካብ ቤተ ክርስቲያን ዝተሰጉ ኣለዉ። ኣብ ዝተፈላለየ ግዝኣታት ዝነብሩ ሰባት ተበጺሖም’ዮም፡ ህይወትና እዚ እዩ። ንኣምላኽ ዝበቅዕ ህይወት ክንነብር ኢና እንደሊ።
“ሰባት ስለ ዝርሕቅዎም፡ ከይዶም ዝጽልዩሉን ምስ ኣምላኽ ክዛረቡሉን፡ ብዘይ ስክፍታ ዘምልኹሉ ቦታ የብሎምን። ቃል ኣምላኽ ግና ውዱዕ እዩ። ቃል ኣምላኽ ግና ሓቂ እዩ። ንሕና ጽኑዓት ስድራ ቤት ኢና።
"ማለተይ ካብ ኣምልኾ ፓስቶር ሊድያ ንረብሕ። ካብቲ ኣብ ቃል ዘሎ ምግላጽ ንጥቀም። እዚ ኸኣ እቲ ቤት፡ ቤት ጸሎት ስለ ዝኾነን፡ ኣምላኽ ከኣ ክንጽሊን ንዓይ’ውን ንኽጽልን ስለ ዝጥቀመልናን እዩ። ማለተይ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ብርሃን ምዃንሲ ዘገርም እዩ። ዝኾነ ሰብ ሓደ እዋን ካብ ሓደ ቦታ ክጅምር ኣለዎ። ንሕና ኸኣ፡ እናነደድናን ነቲ መገዲ እናባራዕናን ንጅምር ኣለና። ስለዚ ኸኣ፡ እወ፡ ኣምላኽ ይባርኽኩም፡ አፍቅረኩም’የ”
ነብዪ እስራኤል ፎርድ ማይክሮፎን ይሕዝ፡-
[03:20 - 03:25]
"ኣዝዩ ዘገርም’ዩ። ሓንሳብ ዶ ንኣገልጋሊት “ሻካይላ ደጊምና ከነጣቕዓላ፧" ሸካይላ ረሲና ዘረባ ትቕጽል። ወዮ እታ ናይ መውስቦ ሓውታ፡ ፓስቶር ስለ ዝዀነት፡ ህዝቢ ተደናጊሩ፡ እዚኣ’ውን ካልኣይቲ ሰበይቱ ካብ ኰነትሲ፡ ንሳ’ውን ፓስቶር ከይብላ ብምስጋእ ከኣ፡ ሓጺርን ንጹርን መብርሂ ተቕርብ፦
[03:25 - 03:42]
"ኣነ ገና ኣገልጋሊት ሻካይላ እየ። ፓስተር ኣይኮንኩን፡ በጃኹም፡ በጃኹም፡ ፓስተር ኣይኮንኩን። ካብ ፓስተር ሊድያ ዝኾነ ክወስድ ኣይኮንኩን ዝመጻእኩ፡ ፈጺመ ንኸምኡ ኣይመጻእኩን። ኣነ ኣብዚ ዘለኹ፡ ንኸገልግል እየ፡ ክሕግዝ፡ ንብዓል ቤትና ንነቢይ፡ ክግዛእ፡ ድሕሪኡ ድማ ብዝከኣለኒ ንፓስቶር ሊድያ ክሕግዛ እየ። ስለዚ እወ፡ ኣነ ገና ’ኣገልጋሊት ሻካይላ’ እየ፡ በጃኹም። አፍቅረኩም’የ"
እስራኤል ፎርድ፡ ብሕቡን ኣዘራርባ፡ ነታ ካልአይቲ ሰበይቱ፡ ንሸካይላ፡ ኣብ መድረኽ ክትጸንሕ የተባብዕ።
[03:43 - 04:04]
"ዋው። ኣብዚ ጽንሒ፡ ሓንሳብ ኣብዚ ጽንሒ። ውሑዳት ነገራት ጥራይ ክብል እየ ዝደሊ። ኣነን ሸካይላን፡ ከም ዝመስለኒ ካብ እንምርዖ፡ ድሕሪ ሓደ ሰሙን፡ ሰለስተ ዓመት ክንገብር ኢና፡ ልክዕ ድሕሪ ሓደ ሰሙን፡ ሰለስተ ዓመት ክንገብር ኢና።"
ኣድለቅለቀት ምድር
እዚ ቪድዮ ምስ ተዘርግሐ፡ ካብ ጻት ንጻት ብዛዕባኦም ተዘርበ። ጓል እታ ቐዳመይቲ ሰበይቲ ዝዀነት ጓል 19 ዓመት፡ ብዛዕባ ሰብኣይ ኣዲኣ፡ እስራኤል ፎርድ ዝፈልጦ ኣለኒ ቢላ፡ ምድሪ ቃው-ቃው ኣበለታ” ማሕበራውያን ማዕከናት ዜና፡ ሕሉፍ ዛንታ ህይወቱ እናጠቐሳ፡ ዘዝመስለን ኣስፈራ።
ፓስቶር ሊድያ፡ እታ ቀዳመይቲ ሰበይቱ፡ መልሲ ክትህብ ተቐሰበት። እቲ ዝያዳ ዝቐንዙ፡ ነቲ ክገብርዎ ዝደለዩ፡ ክዳን መጽሓፍ ቅዱስ ከልብስዎ ምድላዮም’ዩ። እኒ እስራኤል ፎርድን ኣንስቱን፡ ”ሓደ ንሓንቲ፡ ምዕራባዊ ባህልን ሰብኣዊ ትንታነን እምበር መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣይኰነን. . . ግደ ሓቂ ኣምላኽ፡ ከምዚ ንሕና ዘለናዮ ሓደ ሰብኣይ ምስ ብዙሓት ኣንስቲ ክንነብር’ዩ ዝደሊ” ዝብል መርገጺ ከም ዘለዎም ገሊጾም ኣለው።
ንመጽሓፍ ቅዱስ፡ ባዕላቶምን በቲ ንዕኦም ዝጥዕም ስለ ዝትርጉምዎን ከኣ፡ ፓስቶር ሊድያ ከም መጐተ ዘቕረበቶ፡ ኣብ ክርስትና፡ ሓደ መጽሓፍ ቅዱስ እናተጠቐምና፡ ግናኸ ነንበይኑ ኣተረጓጉማ ኣሎ፦
ገለ፡ ኣልኮላዊ መስተ ኣይትጥዓም ይብሉ፡ ገለ ድማ ኣብ ቅዱስ ቍርባን ኣልኮል ዘለዎ ወይኒ የቕርቡ፣
ገለ ጓለንስተይቲ ክትምህር የብላን ይብሉ ገለ ኸኣ ፓስቶር ክትከውን ይፈቕዱ፣
እዚ ናይ መውስቦ’ውን ካብኡ ተፈልዩ ክርአ ኣይግባእን። እቲ ’ሓደ ንሓንቲ’ ዝብል ቅዲ-ሓዳር፡ ሰባት ዝመሃዝዎ ደኣ እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣይኰነን” ድማ በለት።
መን ይመልስ፧ እንታይ'ዩ ዝግበሮ፧!
ከምዚ ዝበለ ደሮና ዝርግርግ ክዕብልኽ ከሎ፡ ኣየራት ዘጽሪ ምህሮ፡ ዘተ፡ ተኸታታሊ መብርሂ ወዘተ ይጽንሓለይ ክብሃሎ ዘይግባእ እዩ። ካብ ዘፍጥረት ክሳዕ ራእይ፡ ነቲ ማእላይን መሰረታውን ምህሮ ቅዱስ መጽሓፍ ብዝግባእ ምርዳእ የድሊ። ብመጀመርታ፡ ኣምላኽ ሰብኣይን ሰበይትን ደኣ እምበር፡ (ማለት፡ ሓደ ንሓንቲ ደኣ እምበር፡) ሰብኣይን ኣንስትን ኣይፈጠረን። ጐይታና ኢየሱስ፡ ብዛዕባ መውስቦ ካብ ፈሪሳውያን ንዝቐረበሉ ሕቶ ኣብ ዝመለሰሉ ኸኣ፡ “ፈሪሳውያን ድማ፡ ሰብኣይሲ ነታ ሰበይቱ ብዝዀነ ምኽንያት ኪፈትሓ ዶ ተፈቒድሉ እዩ፧ ኢሎም ኪፍትንዎ ናብኡ መጹ” ብምባል’ዩ እቲ ጽሑፍ ዝጅምር። “ሰብኣይ ነታ ሰበይቱ፡ ደኣ እምበር፡ ሰብኣይ ነተን ኣንስቱ ኣይበለን። ጐይታ ክምልስ ከሎ ኸኣ፡ “እቲ ካብ መጀመርታ ዝፈጠረ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ፈጠሮም፡” ብምባል ነቲ ሓሳብ ይሰምሮን የትርሮን። ኣስዒቡ ድማ፡ “ድማ ምእንት’ዚ፡ ሰብኣይ ነቦኡን ነዲኡን ይሐድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ፡ ክልቲኦም ሓደ ስጋ ይዀኑ፡ ከም ዝበለዶ ኣየንበብኩምን፧ ደጊም ሓደ ስጋ እዮም እምበር፡ ክልተ ኣይኰኑን። ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ፡ ሰብ ኣይፍለዮ” ብምባል ከኣ ነቲ ሓሳብ እስር ጥምር፡ ኣቢሉ ይድምድሞ፡ (ማቴ 19:3–6)።
ኣብ መልእኽትታት ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ከም እንርእዮ ድማ፡-
“ስለ ኻብ ምንዝርና ምርሓቕ ግና ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ገዛእ ሰበይቱ ትሃልዎ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲ’ውን ገዛእ ሰብኣያ ይሃልዋ” ይብል፡ (1ይ ቈረ 7:2)። እቲ ነፍስ ወከፍ ዝብል ቃል ብሩህ ክንሱ ግናኸ፡ ሰብኣይ ከምኡ’ውን ሰበይቲ እናበለ ብዘየወላውል ጽሒፉ፡ ነቲ ሓደ ሰብኣይ ንብዙሓት ኣንስቲ ዝብል ልማድ ኣሕዛብ ውዱቕ ይገብሮ።
“እቶም ዲያቆናት ኣጸቢቖም ምስ ኣገልገሉ፡ ዓብዪ መዓርግን ብእምነት የሱስ ክርስቶስ ብዙሕ ትብዓትን ይረኽቡ እዮም እሞ፡ ሰብ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ደቆምን ኣባይቶምን ኣጸቢቆም ዜስተናብሩ ይኹኑ” ብምባል፡ ሓንቲ ቢሉስ፡ ደጊሙ ድማ “ሰበይቲ” ብምባል ኣንስቲ ንዘይምባሉ ከም ብርሃን ጸሓይ በርሃው ኣቢሉ ይገልጾ፡ (1ጢሜ3.12-13)። ምስክር ብኣፍ ክልተ ወይ ሰለስተ እዩ ዝጸንዕ እሞ፡ ሳልሳይ ወሲኽና ንዛዝም፡
እምብኣርሲ እቲ ኤጲስቆጶስ፡ መንቅብ ዜብሉ፡ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ጥንቁቕ፡ ቀጻዕ ነፍሱ፡ ኣገባብ ዚፈልጥ፡ ተቐባል ጋሻ፡ ንምስትምሀር ብቑዕ ኪኸውን ይግብኦ (1ጢሜ3.2)
ለበዋ ንኹለን ክርስቶሳውያን ማሕበራት
ህዝብና ብፍላይ እቲ መጽሓፍ-ቅዱሳዊ እምነት ኣሎኒ ቢሉ ንርእሱ ዝሓስብ፡ ሒዝዎ ዝኸይድ ዘሎ ኣንፈት፡ ኣበይ ከም ዘብጽሖ፡ እንሆ ብግሉጽ ንርእዮ ኣለና። ተፋቲሕካ ምምርዓው፡ ብገዛእ ኢድካ፡ ነብዪን ሃዋርያን ቢልካ ርእስኻ ምሻም፡ ባዕላዊ ትንታነን ርድኢትን ቅዱስ መጽሓፍ ወዘተ፡ እቶም ነዚ እትነቡ ዘለኹም ኣገልገልቲ፡ እንታይ ትሓስቡ፧ እቶም ነዚ እትነኑ ዘለኹም ምእመን ከ፡ እንታይ ትሓስቡ፧ እሂን ምሂን ንበሃሃል፡ ህዝብና ነድሕን። ነዚ ዘሎ ወለዶን፡ ከም ፍቓድ ጐይታ ኸኣ ነቲ ዝመጽእ ዘሎ ወለዶን እቲ ቕኑዕ፡ ሕዋስ ዘይብሉ ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ፡ ከምቲ ጐይታ ዝመሃሮ፡ ከምቲ ሃዋርያት’ውን ዘረከብዎ፡ ንሕና’ውን ከምኡ ዓቂብና ከነረክቦም ሰብ ሕድሪ ኢና። ሕድርና ኣይንጥለም፡ መገዲ ኣይንቐይር፡ ካብቲ ትኹል ቃል፡ ንየማን ሓደው ንጸጋም ኣይንዝበል። በዚ ዝኽየድ ዘሎ፡ ደድሕሪ ንፋስ እንተጐይና ግና፡ መጻኢና ማንም ክንበየልና፡ ሓደው ብፍሉይ ምግላጽ ከረድኣና ዘድሊ ኣይኰነን። እንሆ እኒ እስራኤል ፎርድ፡ ንሱ ነብዪ፡ ቀዳመይቲ ብዓልቲ ቤቱ ፓስቶር፡ እታ ካልኣይቲ ብዓልቲ ቤት ኸኣ ኣገልጋሊት ተሰምዮም ብግሉጽ በቲ ቓል ክብዕልጉ ንርእዮም ኣለና። እግዚኣብሄር ይሰውር፡ ኣምላኽ ይባርኽኩም።