“በገናይ አልዕል ኣለኹ” ሕብራዊ ላኻ ዝተሓላለኻ

“ዋጣይ አልዕል ኣለኹ” እንተትስመ፡ ከመይ ዝበለ ስእሊ ክስኣለና ከም ዝከኣል ብምሕሳብ ንጀምር። ገጣሚ እዛ መዝሙር፡ ተላዒሉ፡ ንእግዚኣብሄር ክዝምር፡ ከመስግን ምንቃዱ፡ ገና ካብታ ቀዳመይቲ ሓሳቡ’ዩ ዘበስረና! በገና፡ ንጓይላን ዳንኬራን እትውክል መሳርሒ ኣይኰነትን።

ባህላዊ ስፈታት፡ (ከም መሶብ፡ መሶብ ወርቂ፡ ኣገልግል፡ ውንጭሕቲ፡ ሰፍኢ፡ ወዘተ) ትዕግስትን ጥበብን ዝጠልብ ስራሕ’ዩ። ሰፈይቲ፡ ብሽልም (ሕብራዊ ላኻ) ኣቢለን ነቲ ስፈ፡ ቅርጽታት ዓይኒ ርግቢ፡ መስቀል፡ ኮኾብ ወዘተ ብምሽላም የገርማኦ። እዚ ኹሉ መስርሕ ምስ ተዛዘመ ድማ፡ እቲ ዝተሰፈየ ኣቕሓ፡ ጫፉ ምእንቲ ኸይፍታሕ፡ ከይብተኽን ከምኡ’ውን መልኪዑን ወቂቡን ነዊሕ ዕድመ ምእንቲ ኪገብርን፡ ጫፍ ናይቲ ስፈ ብጕኖ ይዛዘም።  

ኣብ ቀዳማይ ቤት፡ “ተላዒለ፣” ኣብ ካልኣይ ቤት፡ “ክዝምር’የ፣” ኣብ ሳልሳይ ቤት ድማ “ከመስግን’የ፣” ብዝብል ደርብታት ማዕሪጋ፡ ብጥበብ እተነድቀት፡ “በገናይ አልዕል ኣለኹ፡”  ኣዝዩ ብሉጽ ሓሳብ፡ ሕሩያት ቃላትን ብህሎታትን ሒዛ’ላ። ይኹን እምበር እቲ ከማዕርግ፡ እተሓርየ ሽልም (ሕብራዊ ላኻ)፡ ነቲ ክብሃል ዝተደለየ፡ ብዝግባእ ከም ዝሓልፍ ክገብር ብዘይምኽኣሉ፡ እቲ ሕብራዊ ላኻ ብዝግባእ ክስኳዕ ኣይንርእዮን። ስለዚ ኸኣ፡ “ሕብራዊ ላኻ ዝተሓላለኻ” ብምባል ክንድህስሳ መሪጸ’ለኹ።

ማእከላይ ሓሳብ

ንኽብሪ እግዚኣብሄር፡ ሓድሽ መዝሙር ምስጋና ምዝማር፡ ዝብል’ዩ። ኣብ ጉባኤ፡ ብሕብረት፡ ብመሳርሒታት ሙዚቃ፡ ብቕኔን ብማህሌተ-ውዳሴን ክቐርብ ዝጠልብ ትሕዝቶ ድማ ኣሎዋ። “ንምንታይ፧” ሓደው “ስለምንታይ፧” ንዝብል መሰረታዊ ሕቶ’ውን፡ ኣብዛ መዝሙር ብቑዕ  መልሲ ተዳልዩ’ሎ፡- 

ንመረዳእታ፡ ኣብ ቀዳማይ ቤት፡- “ምድሓኑ ርእየ ዓጊበ” ብዝብል ክንገረና እንከሎ፣ ኣብ ካልኣይ ቤት ድማ፡- 

“ህይወተይ ኣብ ፍቕሩ የንሳፍፍ ልበይ ፍጹም ተመሲጡ

ትእዛዙ ሓጐስ ሂቡኒ፡ ምንባረይ ምስኡ ጥዒሙ

ዉሽጠይ ሰላም መሊእዎ ብጸጋ ዓብዩ ህይወተይ

ዘልኣለም ክኸዉን ናቱ፡ ፍቕሩ ፍቕሪ ኣሕዲሩለይ” ብምባል ተነጊሩና’ሎ። ኣብ ሳልሳይ ቤት’ውን፦

“ብሳህሉ ኣሳልዩኒ፡ ብእኡ ደው ክብል በቒዐ” ብምባል፡ ስለምንታይ ንኽብሪ እግዚኣብሄር፡ ኣብ ጉባኤ ብሕብረት፡ ብመሳርሒታት ሙዚቃ፡ ብቕኔ፡ ብማህሌተ-ውዳሴን ሓድሽ መዝሙር ምስጋና፡ ምዝማር ከም ዝግባእ የረድእ። 

ተደጋጋሚ

በገናይ አልዕል ኣለኹ ኣሰንዩ ዝተረፈ

ከበሮ ጸናጽል እምብልታ ብቕኔ ማህሌት ውዳሴ

ክዝምረሉ ንእግዚኣብሄር ብሓድሽ መዝሙር ምስጋና

ከናድዮ ክጽዉዕ ስሙ ኣይርብርብን እየ ገና

ኣሰንዩ

ብሓድሽ መዝሙር ምስጋና፡ ንእግዚኣብሄር ክዝምር፡ በገና የልዕል ምህላው፡ ድሕሪ ምሕባር፣ ከበሮ፡ ጸናጽል፡ እምብልታ፡ ቅኔ፡ ማህሌት፡ ውዳሴ፡ ከሰንዮ ዓደመ። “ኣሰንዩ” እትብል ቃል፡  ኪንዮ ብሓደ ምእካብ ሓሊፋ፡ ስኒት ዘሎዎ፡ ሕቡር ድምጺ-ምስጋና ክህሉ እትእንፍት ስለ ዝዀነት፡ ኣዝያ ሕርይቲ ቃል ምዃናን ኣብ ግቡእ ቦታኣ ኣትያ ምህላዋን፡ ዕግበት ይፈጥረልካ።

2ይ ዜና መዋእል 5:12–13

“እቶም ሌዋውያን ከኣ፡ ካባታቶም መዘምራን ዝነበሩ ዂሎም፡. . . ጸናጽልን መሰንቆን በገናን ሒዞም፡ ነቲ መሰውኢ ብወገን ምብራቑ ደው በሉ፡ ምሳታቶም ድማ መለኸት ዚነፍሑ ሚእትን ዕስራን ካህናት። ኰነ ኸኣ፡ እቶም ነፋሕቲ መለኸትን መዘምራንን ንእግዚኣብሄር ብሓንሳእ ኬመስግኑን ኪውድሱን ድምጾም ከም ናይ ሓደ ምስ ኣስምዑ፡ ብመለኸትን ብጸናጽልን ብኻልእ ዓይነት መሳርያ ሙዚክን ንእግዚኣብሄር ኬመስግኑ ኢሎም፡ ንሱ ሰናይ እዩ እሞ፡ ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር፡ እናበሉ ድምጾም ምስ ኣልዐሉ፡ ሽዑ ነቲ ቤት፡ እወ ነቲ ቤት እግዚኣብሄር ደበና መልኦ” ይብለና፡ ክብሪ ንእግዚኣብሄር!! እዚ ኽንድዚ ዝኣክል ብዝሕን ብዙሕነትን፡ ድምጾም ከም ናይ ሓደ ምስ ኣስምዑ፡ ክብለና ከሎ፡ ነታ “ስኒት” እትብል ቃል ብዓይነ ልቦና ንርኣያ!!

ክደልዮ

“ሃሰው ክብሎ፡” “ክደልዮ” ንዝብል ሓሳብ፡ እቲ ገጣሚ፡ “ከናድዮ” ዝብል ቃል ምምራጹ፡ ነቲ ኣብ ድጉዓ ኤርምያስ፡ “ኣብ ጸጽባሕ ሓድሽ እዩ፡ እሙን ምዃንካ ዓብዪ እዩ። እግዚኣብሄር ነቶም ዚጽበይዎ፡ ነታ እትደልዮ ነፍሲ ሰናይ እዩ፡” ዝብል ጽሑፍ፡ ዘዘኻኽር’ዩ። ንገጽ እግዚኣብሄር ኣዘውቲርካ (ኣብ ጸጽባሕ) ምድላይ፡ ብጽሕና መንፈሳውነት ዝጠልብ ዕብየት ምዃኑ’ዩ ዜርእየና፡ (ድጒዓ 3:23–25)።    

መዝሙር 63:1 

“ዎ ኣምላኽ፣ ንስኻ ኢኻ ኣምላኸይ፣ ኣንጊሄ እደልየካ አሎኹ፣ ነፍሰይ ንኣኻ ትጸምእ አላ፣ ስጋይ፣ ማይ ኣብ ዜብሉ ደረቕን ጽሙእን ምድሪ ዀይኑ፣ ይናፍቐካ አሎ” ብኸምዚ ዓይነት ጽምኢ፡ መዓልታዊ ገጽ እግዚኣብሄር ምድላይ፡ ኣብ ጥዑይ መንፈሳውነት ዘሎ ህይወት ጥራይ ዝምኰሮ እዩ።

መዝሙር 105፡4

“እግዚኣብሄርን ሓይሉን ድለዩ። አዘውቲርኩም ገጹ ድለዩ” ይብለና፣ ኣዘውቲርኩም ማለት ከኣ፡ ኣብ ጸጽባሕ ማለት’ዩ።

መዝሙር 27:8 

ልበይ ኣብ ክንዳኻ ዀይኑ፣ ንገጸይ ድለዮ ይብለኒ አሎ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ንገጽካ እደልዮ እኔኹ” ብሕሉፍ፡ “ደለኽዎ” ዘይኰነስ ብቐጻልነት ዘሎዎ ህሉው– እደልዮ እኔኹ፡ ምባሉ፡ እቲ ደራኺ ድምጺ’ውን ኣብ ውሽጢ ኰይኑ “ድለዮ” ምባሉ፡ እቲ ምንዳይ ኣብ ጸጽባሕ፡ ምዃኑ የርእየና።

ቀዳማይ ቤት፡ ተላዒለ

ኣንቂደ፡ ተበጊሰ፡ ጀሚረ፡ ፈሊመ እዩ ዝብል ዘሎ። ነቲ ማእከላይ ሓሳብ ኣይረስዖን። ንኽብሪ እግዚኣብሄር፡ ሓድሽ መዝሙር ምስጋና ንምዝማር’ዩ፡ “ተላዒለ ክብል ዝግብኦ። ከምኡ ጌሩ ዶ ብምባል እምበኣር ነቲ ቤት ንዳህስሶ።

ተላዒለ፡ ክዉርዉር ድምጺ ምስጋና፡ ከናፍረይ ኣፈልፊለ

ተላዒለ፡ ልሳነይ ትምስክር ኣላ፡ ምድሓኑ  ርእየ ዓጊበ

ተላዒለ፡ እግረይ ናብ ቅዱስ መቕደስካ፡ እንሆ ኣንጊሀ እግስግስ

ተላዒለ፡ ከም ብርቱዕ ጋላቢ ፈረስ፡ ብምስጋና እመላለስ

[ ንዑ ንሕበር ንምስጋና 

[ ንዑ ንሕበር  ንዉዳሴ

[ ንዑ ንሕበር ንኣምልኾ

[ ንዑ ንሕበር ኣብ ጉባኤ]

ጋላቢ ፈረስ

ጥርዚ ዕጋበትን ሓጐስን ዝደረኾ፡ ካብ ውሽጢ ዝምንጩ ምስጋና ንምግላጽ፡ “ከም ብርቱዕ ጋላቢ ፈረስ” ዝብል ስእላዊ ኣቀራርባ መረጸ። “ብርቱዕ ጋላቢ ፈረስ” ብቐንዱ፡ ንውድድር፡ ንሓይልን ውግእን፡ ንቕልጣፈን ፍጥነትን ደኣ’ምበር፡ ንምስጋና ክውክል ዝኽእል ኰይኑ ኣይንረኽቦን። ገለ ጥቕስታት ንርአ፦

መዝሙር 20:7

ገሊኣቶም ብሰረገላታት ገሊኣቶም’ውን በፍራስ ይእመኑ፣ ንሕና ግና ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽንዝክሮ ኢና።

ኢሳ 31:1

“እቶም ረዲኤት ደልዮም ናብ ግብጺ ዚወርዱ፡ እምንቶኦም በፍራስ ዚገብሩ፡ ኣብ ዓረብያታት፡ ብዙሓት ስለ ዝዀና፡ ኣብ ፈረሰኛታት ድማ፡ ብርቱዓት ስለ ዝዀኑ፡ ዚውከሉ ወይለኦም። ናብቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ግና ኣይጥምቱን፡ ንእግዚኣብሄር ከኣ ኣይደልይዎን” ይብል።

ስለዚ እምበኣር፡ “ከም ብርቱዕ ጋላቢ ፈረስ” ዝብል ብህሎ፡ ንመልእኽተኛ፡ ንተዋጋኢ፡ ንፈጣን፡ ወዘተ ክንጥቀመሉ ከለና፡ ንጹርን ዘይርሳዕን ስእሊ ክፈጥር ይኽእል። ንምስጋና ግና፡ “ከም ብርቱዕ ጋላቢ ፈረስ” ዝብል ብህሎ፡ ቦታኡ ኣይኰነን።

ኣሰይ ተሓጒሰ

ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ፡ ብሕጐስ ፍንጭሕ ክሳዕ ዝብሉ፡ ንእግዚኣብሄር ዘመስገንዎ ኣብነታት ኣዝዮም ብዙሓት ኣለዉ። ኣርባዕተ ኣብነታት እንሆ፦

ሀ. ሳዕስዒትን ምስርሳርን ንጉስ ዳዊት (1ይ ዜና መዋእል 15:28-29)

ሽዑ ዂሎም እስራኤል ነቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ብእልልታን ብቓና መለኸትን ብእምብልታን ብጸናጽልን ብመሰንቆን ብበገናን እናድመቑ ኣደየብዎ። ኰነ ድማ፡ እቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ናብ ከተማ ዳዊት ኪኣቱ ኸሎ፡ ሚካል ጓል ሳኦል ብመስኰት ተቐልቂላ ንንጉስ ዳዊት ኪስዕስዕን ኪሰራሰርን ረአየቶ እሞ ብልባ ነዐቐቶ። እቲ ምስዕሳዕን ምስርሳርን፡ ከም ሓደ ስእላዊ መግለጺ ተወሲዱ፡ ኣብ ሓሳብ ናይዛ መዝሙር ክገጥም ይኽእል ነበረ፡ ኣይተገብረን። ዝስዕስዕ፡ ዝሰራሰር ምናልባሽ እቲ እኽሉን ወይኑን ዝበዝሓሉ ዶ ይኸውን፧ ናብ ሕዛእቲ እተፈነዋ ኣሓ ዶ ይዀና፡ ወዘተ

ለ. ከበሮ ሚርያም (ዘጸአት 15፡20)

ደቂ እስራኤል ንባሕሪ ከም ንቑጽ ምድሪ ምስ ሓለፍዎ፡ ነብዪት ሚርያም ሓብቲ ኣሮን ከኣ ከበሮ ብኢዳ ወሰደት፡ ኵለን ኣንስቲ ድማ ብኸበሮን ብሳዕስዒትን ደድሕሪኣ ዝገበራኦ፡ ከም ሓደ መወከሲ ተወሲዱ፡ ካብዚ’ውን ሓደ ስእላዊ ግጥሚ ክቐርብ ይከኣል ኔሩ፡ ኣይተገብረን፡ (ዘጸአት 15:20)።

ሐ. ፍስሓ ሃና (1ሳሙኤል 2.1)

ሃና ጸሎታ ምስ ተሰምዐ፡ “ ልበይ ብእግዚኣብሄር ይሕጐስ አሎ፡ ቀርነይ ብእግዚኣብሄር ክብ ይብል፡ ብምድሓንካ ተሐጒሰ እየ እሞ፡ ኣፈይ ናብ ጸላእተይ ሃህ ኢሉ አሎ” ዝበለቶ ከም መወከሲ ተወሲዱ፡ ሓደ ስእላዊ ግጥሚ ክቐርብ ይከኣል ኔሩ፡ ኣይተገብረን፡ (1ይ ሳሙ 2:1)።

መ. ወኻዕታ ያሪኮ (እያሱ 6.20)

ምፍራስ ቀጽሪ ያሪኮ’ውን ከም መወከሲ ተወሲዱ፡ ሓደ ስእላዊ ግጥሚ ክስርሓሉ ይከኣል ኔሩ፡ ኣይተገብረን። “ሽዑ እቶም ህዝቢ ኣውክዑ፡ ካህናት’ውን መለኸት ነፍሑ። ኰነ ኸኣ፡ እቶም ህዝቢ ደሃይ መለኸት ምስ ሰምዑ፡ ዓው ኢሎም ኣውክዑ። ሽዑ እቲ መንደቕ ናብ ትሕቲኡ ኣቢሉ ወደቐ። እቲ ህዝቢ’ውን፡ ነፍሲ ወከፍ በብቕድሚኡ ደይቡ ናብታ ኸተማ አተወ፡ ነታ ከተማ ድማ ሐዝዋ” እዩ ዝብለና እቲ ቕዱስ ጽሑፍ፡  (እያሱ 6:20)።

ክውርውር ድምጺ ምስጋና

ኣብ ሓሳብ እቲ ገጣሚ፡ እቲ “ብርቱዕ ጋላቢ ፈረስ”  ሳዕሪሩ ካብ ምንባሩ ዝተላዕለ፡ እዚ “ክውርውር” ዝብል ቃል፡ ክኣቱ ዝኸኣለ ንምግማቱ ኣየጸግምን’ዩ። “ምውርዋር” ንምስጋና ዘይኰነስ፡ ንዂናት፡ ንዘንጊ፡ ንእምኒ፡ ንፍላጻ ወዘተ እንጥቀመሉ ቃል እዩ። ነቲ ከናፍርና ዘፈልፍሎ ድምጺ ምስጋና ግና፡ ብዓውታ፡ ብጭድርታ፡ ብልዑል ድምጺ፡ ወዘተ ክወዓዋዕ፡ ክቃላሕ እዩ ዝኽእል። ነዚ ዝኸውን ሕሩይ ቃል ድማ፡ “ምውካዕ” ዝብል፡ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ እንረኽቦ ኣማራጺ ቃል ኣሎና። 

እያሱ 6:16-20

ኰነ ኸኣ፡ እቶም ካህናት በቲ ሳብዓይ ሳዕ መለኸት ምስ ነፍሑ፡ እያሱ ነቶም ህዝቢ በሎም፡ እግዚኣብሄር ነዛ ኸተማ እዚኣ ሂቡኩም እዩ እሞ፡ ኣውክዑ። 20 “ሽዑ እቶም ህዝቢ ኣውክዑ፡ ካህናት’ውን መለኸት ነፍሑ። ኰነ ኸኣ፡ እቶም ህዝቢ ደሃይ መለኸት ምስ ሰምዑ፡ ዓው ኢሎም ኣውክዑ። ሽዑ እቲ መንደቕ ናብ ትሕቲኡ ኣቢሉ ወደቐ። እቲ ህዝቢ’ውን፡ ነፍሲ ወከፍ በብቕድሚኡ ደይቡ ናብታ ኸተማ አተወ፡ ነታ ከተማ ድማ ሐዝዋ” (እያሱ 6:20) ይብለና።

እግረይ ናብ ቅዱስ መቕደስካ

“ምድሓኑ  ርእየ ዓጊበ” ድሕሪ ምባል፡ “እግረይ ናብ ቅዱስ መቕደሱ” ክብል’ዩ ትጽቢት ዝግበረሉ። ሓደው ” እግረይ ናብ ቅዱስ መቕደስካ” ክብል እንተደልዩ፡ ቀዲሙ፡ ”ምድሓንካ ርእየ ዓጊበ” ክብል ኔርዎ። ብሳልሳይ ኣካል (ምድሓኑ) ክዛረብ ጸኒሑስ፡ ሃንደበት ናብ ካልኣይ ኣካል ቀይሩ፡ (መቕደስካ) ምባሉ ዘንእዶ ኣይኰነን።

ንዑ ንሕበር

ተላዒለ፡ ክዝምር’የ፡ ምድሓኑ ርእየ ወዘተ እናበለ ንዝጸውዮ ዘሎ ኣካል’ዩ፡ ንዑ ንሕበር፡ ዝብል ዘሎ እሞ፡ ኣብዚ እቲ ዋሕዚ ዝርርብ ኣይተሰብረን፡ ስለዚ ኸኣ ቅቡል ኣገባብ እዩ።

ካልኣይ ቤት፡ ክዝምር’የ

ነቲ መሰረታዊ ሓሳብ ኣይንረስዓዮ። ”ክዝምር’የ” ክብል ከሎ፡ ንመንን ስለምንታይን ምዃኑ፡ እናረአና፡ እንተፈቲሽናዮ፡ ዕላማኡ ኣብ ሸቶ በጺሑ ዶ ኣይበጽሐን ንምርኣይ ኣይክንጽገምን ኢና።

ክዝምር'የ፡ ህይወተይ ኣብ ፍቕሩ የንሳፍፍ ልበይ ፍጹም ተመሲጡ

ክዝምር'የ፡ ትእዛዙ ሓጐስ ሂብኒ ምንባረይ ምስኡ ጥዒሙ

ክዝምር'የ፡ ዉሽጠይ ሰላም መሊአዎ ብጸጋ ዓብዩ ህይወተይ

ክዝምር'የ፡ ዘልኣለም ክኸዉን ናቱ ፍቕሩ ፍቕሪ ኣሕዲሩለይ

ክዝምር’የ

ሕጂ ኣይዝምርን ጽባሕ ግና ክዝምር’የ ዘይኰነስ፡ ደጋጊሙ ክገብሮ ምዃኑ ዜርኢ ቃል’ዩ መሪጹ ዘሎ። ተመሲጡ፡ ብፍቕሪ ተሳሒቡ ኩሉ ጊዜ ክዝምር ምዃኑ’ዩ ዝነግረና ዘሎ።

ኣብ ፍቕሩ የንሳፍፍ

”ምንስፋፍ”፡ ኣብ ላዕሊ ጸምባህለል ምባል’ዩ። ልበይ ተመሲጡ፡ ምንባረይ ጥዒሙ፡ ወዘተ እናበለስ፡ ኣብ ፍቕሩ ምጥሓል ፈሪሑ፡ ኣብ ፍቕሪ ምንስፋፍ፡ ዝብል መሪጽዎ ዘሎ ቃል፡ ምስቲ ሓሳብ ዝርዕም ብቝዕ ቃል ኰይኑ ኣይንረኽቦን።  

መሃልየ መሃልየ 8:6–7 

“ፍቕሪ ኸም ሞት ሓያል እያ፡ ቅንአታ ኸም ሲኦል ብርቱዕ እዩ፡ ረስና ኸም ረስኒ ሓዊ፡ ሃልሃልታ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፡ ከም ማሕተም ኣብ ልብኻ፡ ከም ማሕተም ኣብ ቅልጽምካ ኣንብረኒ። ንፍቕርስ ብዙሕ ማያት እኳ ኼጥፍኣ ኣይክእልን፡ ወሓይዝ ከኣ ኣየስጥማን፡ ሰብሲ ምእንቲ ፍቕሪ ኢሉ ዂሉ ጥሪት ቤቱ ዚህብ እንተ ዚህሉ፡ ኣዝዮም ምነዐቕዎ ነይሮም” እናበለ ይቕጽል። ረስኒ እታ ሓቀኛ ፍቕሪ፡ ከም ረስኒ ሓዊ፡ ሃልሃልታ እግዚኣብሄር እዩ’ሞ፡ ከም ማሕተም ኣብ ልቢ ክትከውን ከላ’ዩ ዕምቈት ፍትወታ ጐሊሑ ክርኣየና ዝኽእል!

ሳልሳይ ቤት፡ ከመስግን’የ

ነቲ መሰረታዊ ሓሳብ ኣይንረስዓዮ። ”ከመስግን’የ” ክብል ከሎ፡ ንመንን ስለምንታይን ምዃኑ፡ እናረአና፡ እንተፈቲሽናዮ፡ ዕላማኡ ኣብ ሸቶ በጺሑ ዶ ኣይበጽሐን ንምርኣይ ኣይክንጽገምን ኢና።

ከመስግን'የ ክስለፍ ቈይመ ንኽብሩ  ምስኡ ክነብር ጸኒዐ

ከመስግን'የ ብሳህሉ ኣሳልዩኒ ብእኡ ደው ክብል በቒዐ 

ከመስግን'የ በገናይ ከልዕል ክቓኒ ክዝክር ዓብይ ዉዕለቱ

ከመስግን'የ ካብ ዉሽጢ ልበይ ዝወጸ ምስጋናይ ክበዝሕ'ዩ 

 ብሳህሉ ኣሳልዩ ደው ስለ ዘበለኒ፡ ነቲ ዓብዪ ውዕለቱ ዘኪረ፡ ከመስግን’የ እዩ ዝብል ዘሎ፣ ብቑዕ መረዳእታ ዝሓዘ ብቑዕ ብህሎ’ዩ።

ክስለፍ ቈይመ ንኽብሩ

ምስላፍ፡ ንሓደ ፍሉጥ ዕላማ ኣብ መስርዕ ምእታው ማለት’ዩ። ገጣሚ፡ ነቲ ጋላቢ ፈረስ ምስ ሓዞ፡ ምስላፍ ምውርዋር ዝብሉ ቃላት ናብ ኣእምሮኡ ከም ዝመጹ፡ ብቐሊሉ ክንግምቶ ንኽእል ኢና። ኣብዚ ግና፡ ስእላዊ ብዝዀነ መገዲ፡ ንምስጋና ከም ዝተሰለፈ ክንርእዮ ክሳዕ እንኽእል፡ ዝሕግዘና፡ ኣዝዩ ሕሩይ ቃል ምምራጹ፡ ክንኣድ ይግብኦ’ዩ። ምስቲ ”ንዑ፡ ንሕበር፡” ከምኡ’ውን ምስቲ ”ኣሰንዩ” እናበለ ዝጠቐሶ፡ እዚ ”ክስለፍ” ዝብል ስእላዊ ቃል’ውን፡ ሕሩይ ቃል ምዃኑ ከነስምረሉ ቅኑዕ’ዩ። 

ብሳህሉ ኣሳልዩኒ 

ሓንሳእን ክልተ ሳዕን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንንውሕ ዝበለ ጊዜ ደጊፉኒ፡ ረዲኡኒ ወዘተ ማለት’ዩ። ሰለይ ምባል ማለት ብህድኣት፡ ብዘይ ታህዋኽ፡ ጉዳይካ ቀስ ኢልካ ምፍጻም ወዘተ ማለት’ውን እዩ። ሳህሊ እግዚኣብሄር ንምሉእ ዕድመ ዝስዕብ ምዃኑ፡ ዘማሪ ቅዱስ ዳዊት፡ “ብሓቂ ሳህልን ምሕረትን ብዅሉ ዕድመይ ኪስዕባኒ እየን፣ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ከኣ ንዘለአለም ክነብር እየ” ብምባል ዘሚሩ’ሎ፡ (መዝ 23:6)። ኣብ መበል 25 መዝሙር ድማ “ዎ እግዚኣብሄር፣ ምሕረትካን ሳህልኻን ካብ ዘለአለም እየን እሞ፣ ዘክረን” ብምባል ነቲ ሓሳብ ደገሞ።

መዕጸዊ

ኣብ ቀዳማይ ቤት፡ “ተላዒለ፣” ኣብ ካልኣይ ቤት፡ “ክዝምር’የ፣” ኣብ ሳልሳይ ቤት ድማ “ከመስግን’የ፣” ብዝብል ደርብታት ብጥበብ ማዕሪጋ፡ እተነድቀት፡ “በገናይ አልዕል ኣለኹ፡” ኣዝዩ ብሉጽ ሓሳብ፡ ሕሩያት ቃላትን ብህሎታትን ሒዛ’ላ። ልዕሊ ዕቍድ ዓመታት ጌራ ክንሳ ኸኣ፡ ሓንቲ ካብተን ተፈታውትን ነበርትን መዛሙር ኰይና ትቕጽል ምህላዋ፡ እንሆ ንርእዮን ንሰምዖን ኣለና።

ኣብዛ መዝሙር ዘለዉ፡ ”ጋላቢ ፈረስ፡” ”ምንስፋፍ” ከምኡ’ውን ”ምውርዋር” ዝኣመሰሉ መግለጺታት፡ ብዝግባእን ብደቂቕን ኣይተሓስበሎምን። ”ከም ዝተፈትሐ ብተይ፡” ”ከም ማሕተም ኣብ ልቢ፡” ከምኡ’ውን ”ምውካዕ” ብዝብሉ መግለጺታት፡ ሓደው ከምኦም ብዝኣመሰሉ ካልኦት ተተኪኦም እንተዝነብሩ፡ ጽልዋ እዛ መዝሙር እዚኣ፡ ካብዚ ዘሎዎ ብዝተዓጻጸፈ ክሕይል ይኽእል ምንባሩ ምግማቱ ኣየጸግምን። እቲ ንምሽላማን ንምምዕራጋን ዝተመርጸ ሕብራዊ ላኻ ግና፡ እንሆ ኣብ ኣሰዃኹዓኡ ስለ ዝተሸናኸረ፡ ንጽባቐ እዛ መዝሙር ድምቀት ከልኦ።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Next
Next

”ይፍታሕ ወይስረይ፡” ጽምብል ንኣቡነ መቃርዮስ፡ ኣይበዝሐን ዶ፧