”ይፍታሕ ወይስረይ፡” ጽምብል ንኣቡነ መቃርዮስ፡ ኣይበዝሐን ዶ፧

ገርሀይና ሕቶ’ዩ!

ቀዳም 07 ሕዳር 2026 ኣብ ሶርያዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ሃገረ ስብከት ምብራቓዊ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ሓባራዊ ጸሎተ ቅዳሴ ኣብያተ ክርስቲያን ኦሬንታል ኦርቶዶክስ ተዳልዩ’ሎ። ዝርዝር ትሕዝቶ ንምርኣይ ኣብዚ ጠውቑ ኣብቲ ብሶርያዊ ጳጳስ ሞር ዲዮኒስዮስ ዮሃንስ ካዋክ፡ ዝእንገድ ዘሎ ርክብ፡ ጸሎት ምእንቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ክካይድ፡ ከምኡ’ውን ንብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ዝጽምብል ምድላዉ ተጌሩ ምህላዉን ድማ ተሓቢሩ’ሎ።

ንጳጳስ ዲበ ኵሉ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ፡ ትማሊ ግብጻውያን ሎሚ ኸኣ ሶርያ’ውያን፡ ተተቐባቢሎም ብኽብሪ ምጽምባሎም፡ ድምጺ ወዲ ገብሩ ካብ መቓብር፡ ”ክልተ ካብ ሚእቲ መኽሰብ ኣይኣክልን ዶ፧ ዕሚም ኣብዚሕኩም ነጋዶ፡ ዓዲ ድሓን ዶ፧” ዝብል፡ ከየዘከረ ክሓልፍ ዝከኣል ኣይመስለንን።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ግብጺ፡ ምስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ፍጹም ስምምዕን ዕርቅን እናተሃለወት፡ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ድማ ኣባል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ግብጺ እናሃለዉ፡ እቶም ኤርትራውያን ጳጳሳት ግና ምስ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ስምምዕ የብሎምን። ገርሀይና ሕቶ፡ ከጥዕየና ስለ ዝኽእል፡ እንሓንሳእ ጸላዕላዕ እናበለና’ውን ክንጸልኦ ግና ኣይግባእን። “ሓባእ ቍስሉ፡ ሓባእ ፈውሱ” ዶ ኣይኰኑን ዝብሉ ወለድና፧!

ሕንከትን ሓበንን ኣብ ሓደ እዋን

ንሕና እቶም ሰብ ጉዳይ፡ ንሕና እቶም ኤርትራውያን፡ ጉዳይና ብዕርቀ-ሰላም፡ ”ይቕረ-በሉለይ፡ ይቕረ ይኹንካ” ምባል ያኢ፡ ሰማይ ካብ ምድሪ ከም ዝርሕቕ ካብ ኣፍናን ልብናን ርሒቑ እናረአና፡ እናሰማዕና፡ ሶርያውያን፡ ግብጻውያን፡ ኣርመንያውያን ያኢ፡ ምእንቲ  ዕርቅን ሰላምን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ክንጽሊ ክብሉ ከለዉ፡ ሕልና ንዘለዎ ፍጡር እንታይ ክስምዖ ከም ዝኽእል ንሕሰቦ። ”ጽፍሪ ንዒ ኣዕቝብኒ” ቢልካ ናብዛ ጽፍርኻ ክትሕባእ ክሳዕ እትምነ፡ ርእስኻ ዘዋርድ ሕንከት ከም ዝስምዓካ ዘይገብር እንተዀይኑ ኸኣ ባዕልኹም ምስክሩ።

ብግልባጥ እታ ሳንቲም ግና፡ ንሕና (ካብ ሊቅ ክሳብ ደቂቅ) እቶም ንመዓልቲ ሾብዓተ ጊዜ ”ይፍታሕ ወይስረይ” ክንደግም እንውዕል፡ ብግብሪ ግና ይትረፍ ንመዓልትስ፡ ሓንሳእ ኣብ ሾብዓተ ዓመት’ኳ፡ ”ይቕረ ግበረለይ- ይቕረ ይኹንካ” ክንብል ግና ዘይበቓዕና፡ ተረርቲ ኽሳድን፡ ተረርቲ ልብን፡ ንዕርቀ-ሰላምን ንፍቕረ-ሓድነትን ካብ ሓንገድናስ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ጸሎት፡ ሶርያውያን፡ ግብጻውያን፡ ኣርመንያውያን ሰሚዑ፡ ዕርቀ-ሰላም እንተሃበና ኸ መን ይፈልጥ፧ ቢልካ ድማ፡ ኣላሊሽካ ተስፋ ትሰንቕ።

ገርሀይና ሕቶ እዩ እሞ፡ ቀዋሚ ኮሚተ ኣብያተ ክርስቲያን ኦሬንታል ኦርቶዶክስ፡ ምእንቲ ዕርቀ-ሰላም ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ክጽልዩ፡ ከምኡ’ውን ንብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ክንጽምብል ኢና ምባሎም፡ ከመይ ትርእይዎ፧! እወ፡ ከምቲ ዝተባህለ፡ ገርሀይና ሕቶ’ዩ!

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Next
Next

ሮዛን መዘዛን፡ ዊ-ዊ፡ ኣቡነ ኣረጋዊ!