ሮዛን መዘዛን፡ ዊ-ዊ፡ ኣቡነ ኣረጋዊ!
ክጸድቁ ግዲ ኢልዎምሲ፡ ሓጢኣቶም፡ መውጽኢ ኣፍ ኰይኑ። ተቐዚፎም እንተዝነብሩ፡ ንንስሓ ዝኸውን ዕድመ በየን ምረኸቡ፧! ንሕና ኸ ንምህናጽ ዝኸውን ምዝርራብ፡ ንንስሓ ዝኸውን ልቦና ብኸመይ ምረኽበና፧! ቅዱስ ጽሑፍ ከም ዝሕብረና፡ ንሰብ ሓንሳእ ምምዋት ብድሕሪኡ ግና ፍርዲ’ዩ ተሰሪዑሉ ዘሎ (እብ9፡27)። እንሆ፡ ንኹልና ዝኸውን ዓብዪ ልቦናን ትምህርትን ክንቀስመሉን ክንእረመሉን ዝግብኣና ኣጋጣሚ ተፈጢሩልና’ሎ።
ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘየሎ፡ ስርቂ፡ ዓመጽ፡ ሓሶት፡ ምትላል፡ ስኽራን፡ ስስዐ፡ ዓለማውነት፡ ሻራ፡ ምፍልላይን ዓሌታውነትን፡ ንመንግስቲ ሰብ ቅድሚ መንግስቲ ኣምላኽ ዝሰርዕ ኣካይዳ፡ ንሰብ ከሐጉስ ዘንቅድ ጉዕዞ፡ ፍቕሪ ኣልቦ፡ ብህልኽ ዝኽየድ ኣገልግሎት፡ ኮታ፡. . . ሎሚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘየሎ ጉድ እንታይ ኣሎ፧ ኣየነይቲ ኣጻብዕቲ’ያ ንመን ክትቅስር እትኽእል፧
ንዘረባ ዘረባ የምጽኦ ከም ዝብሃል፡ ሓደ እዋን ኣብ ኣስመራ እቲ ዝዓዘዘ ሞባእ ዝቕበል ዝነበረ ቤተ ክርስቲያን፡ እንዳ ኣቡነ ኣረጋዊ ምንባሩን፡ መብዝሕትአን እተን መውደቕቲ ሞባእ ድማ ፋይቶት ምንባረንን እዝክር። ዊ-ዊ ኣቡነ ኣረጋዊ!
“ሎሚ ገደደ፡ ጳጳስ ዝዓበደ” ምባል ሓዲግና፡ እዚ ኸምዚ ዝበለ ተጓንፎ፡ ሓድሽ ዘይምዃኑ ኣይንስሓት። ቅድሚ ሰለስተ ሽሕን ሚእትን ዓመታት ኣቢሉ፡ ሆፍንን ፊንሃስን ዝብሃሉ ካህናት እግዚኣብሄር፡ ነተን ኣብ ደገ ድንኳን ምርኻብ ዜገልግላ ኣንስቲ ይድቅስወን ምንባሮም ተጽሒፉልና’ሎ (1ሳሙ 2:22)። ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ጥራይ፡ ሓደ ሽሕን ሚእትን ዓመታት ንድሕሪት ንመለስ። ደቂ ኤሊ ሆፍንን ፊንሃስን፡ ሽዑ እዮም ኣብቲ ቤት ጸሎት ዝብዕልጉ ኔሮም። ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ድማ እዚ ሕጂ በጺሕናዮ ዘለና ዓመተ ምህረት እንተደመርናሉ፡ ብጠቕላላ ልዕሊ 3 ሽሕ ዓመታት ዝገበረ ፍጻመ ንዛረብ ምህላውና፡ ነስተብህል። ትሕቲ ጸሓይ፡ ሓድሽ ነገር የልቦን! (መክ1.9)።
ሮዛ፡ እንታይ’ያ መዚዛ፧
እቲ ብዕላገ ዜርኢ ቪድዮ፡ ብዙሕ ነገር ምንቕናቑ ዘጉሂ ጥራይ ክኸውን ኣይግብኦን። ብዓይኒ ጉርሕን ሽርሕን ጥራይ ብምርኣይ’ውን ካብ ክውንነት ክንሃድም ኣይግባእን። ጳጳስ እንተዘመወ፡ ሰብ ዘይገብሮ ኣይገበረን፡. . . ጳጳስ እንተዘመወ፡ እንታይ ሳዕቤን ይኽተሎ፡ እታ ቤተ ክርስቲያን ከ እንታይ ክትገብር ኣሎዋ፡ ወዘተ፡ ኣቐዲሙ ጸፊፉ ዝተቐመጠ ቀኖናታት ስለ ዘሎ፡ እቲ ጉዕዞ ክቕጽል፡ እቶም ብሓጢኣት ዝወደቑ ድማ፡ ብርግጽ ነቲ ዝተዋህቦም ክብሪ ስለ ዘሕሰሩ፡ ካብ መዓርጎም ተኣልዮም፡ ብንስሓ ተሓጺቦም፡ ብቝርባን ተወሲኖም ህይወቶም ዝኣልዩሉ መገዲ ክፍጠር ብጸሎት ክንድግፎም የድሊ።
እቲ፡ ”ኣይትዘሙ፡” ዝበለ፡ ”ኣይትቕተል” ድማ ከም ዝበለ ኣይንረስዕ። ”ስለዚ እንተ ዘይዘሞኻ እኳ፡ ካብ እትቐትልሲ መፍረስ ሕጊ ኢኻ” እዩ ዝብል እቲ ጽሑፍ እሞ፡ (ያእ2.11)፣ ኣብዞም ክጸድቁ ግዲ ኢልዎም፡ ሓጢኣቶም መውጽኢ ኣፍ ኰይኑ ዘሎ፡ እኒ ኣቡነ ኣረጋውን ሮዛን ነቲ፡ ርእሰ-ርእሲ ብእምኒ ምተርጋእሲ ስጋእ ደኣ ንበለሉ። ነቲ ሓጢኣተኛ እናደንገጽና፡ ነቲ ሓጢኣት ግና ብርግጽ፡ ብዘይ ምሕረት ከነርሕቖን ክንውግዞን ይግባእ!
”ሓጢኣት ገሊኦም ሰባት ግሁድ እዩ፡ ናብ ፍርዲ ኸኣ ይቕድሞም” በለ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ። ኣልግብ ኣቢሉ ድማ ”ናይ ገሊኦም ግና ይስዕቦም እዩ” ኸኣ፡ በለ (1ጢሞ5.24)። ”ዓስቢ ሓጢኣት ሞት’ዩ” ዝበለ ቕዱስ ጽሑፍ (ሮሜ 6.22)፡ ኣብ ካልእ ስፍራ’ውን፡ ”ሓጢኣት ውርደት ህዝብታት’ዩ” ብምባል’ውን ይምህረና’ዩ (ምሳ14.34)። ሓጺር ትርጉም ሓጢኣት ድማ ዕላማኻ ምስሓት ማለት’ዩ።
ሰብ ኰይኑ ዘይእብስ፡ ዕንጸይቲ ዀይኑ ዘይተክኽ የልቦን። ምግጋይ ንቡር’ዩ፡ ንጌጋ ክትዓብጥ ምፍታን ግና ንቡር ኣይኰነን፡ ክኸውን’ውን ኣይግባእን። ነቲ ሕርሚ ካብ ማእከል እቲ ቕዱስ ህዝብን እታ ቕድስቲ እምነትን መዝሒቝና ከነርሕቖ ይግባእ!
ክጸድቁ ግዲ ኢልዎም፡ ሓጢኣት ኣቡነ ኣረጋውን ሮዛን፡ መኽፈቲ ኣፍ ኰይኑ’ሎ። እቲ ስርቂ፡ እቲ ዓመጽ፡ እቲ ሓሶት፡ እቲ ስኽራን፡ እቲ ስስዐ፡ እቲ ዓለማውነት፡ እቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሰልጢኑ ዘሎ፡ ምፍልላይን ዓሌታውነትን፡ እቲ ንፖለቲካ ቅድሚ መንግስቲ ኣምላኽ ዝሰርዕ ኣካይዳ፡ እቲ ንሰብ ከሐጉስ ዘንቅድ ጉዕዞ፡ እቲ ብህልኽ ዝኽየድ ኣገልግሎት፡ ኮታ፡. . . ዊ-ዊ ኣቡነ ኣረጋዊምባል ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብሱሩ ናብቲ ርእሲ ህይወት ዝዀነ ጐይታ ንመለስ። እወ ነቲ ስቑል ጐይታ ንርኣዮ! ቤተ ክርስቲያን ብቕዱስ ደም ጐይታ እተመስረተት ቅድስቲ እያ! በዓቲ ጐሓሉ ጌርናያ ኢና እሞ፡ ኵልና ንነሳሕ!