“እግዚኣብሄር ጓሳይና’ዩ” ብኸምዚ እንተትዝመርከ፧!
«ኣጸሓሕፋ ንመዝሙር ዝኸውን ግጥሚ» ዝብል ስልጠና፡ ጀሚርና ኣለና። ወትሩ ዓርቢ ካብ ሰዓት 21.00 ድማ ንዝተወሰነ ጊዜ ክንቅጽሎ ኢና። ዕላማ እቲ ስልጠና፡ ንዘመናት ክሳገር ዝኽእል፡ ብሉጽ ግጥሚ ከተፍሪ ምኽኣል፡ ዝብል ኰይኑ፡ ኣብ ክንዲ ብስነ-ሓሳብ ጥራይ፡ ግብራዊ መረዳእታታት እናቕረብካ፡ ክኢላታት ምፍራይ እዩ። መርኣዪ ምእንቲ ክኸውን፡ ሓደ ካብቲ እነቕርቦ መረዳእታ እንሆ፦
ዘማሪ ዲያቆን ነጋ ግርማይ፡ «እግዚኣብሄር ሓላዊና’ዩ፡ ጓሳይና’ዩ» ብዝብል ኣርእስቲ ዝዘመራ፡ ሓንቲ ካብተን ፍትዋትን ኣብ ኩሉ ስፍራ ብብዝሒ ዝዘመራን እያ። ንመዝሙር ተፈታዊ ካብ ዝገብርዎ ረቛሒታት፡ ምሕላው እዋናውነት ስለ ዝዀነ፡ ምስጢር ጽባቐ እዛ መዝሙር ከኣ፡ «በረኻን ስደትን» ዝብሉ ቃላት ኣብታ መዝሙር ምጥቕላሎም እዩ። እቲ ዘማሪ፡ ነዛ ጽባቐ እዚኣ ብዝግባእ ስለ ዘስተብሃለላ፡- «ኣብ በረኻ፡ ኣብ ስደት፡ አሀ. . . ኣብ በረኻ ኣብ ስደት፡ ኣብ ዝዀነ ቦታ» ብምባል፡ ነተን ቃላት ከም ዝድገማ ጌሩ የዝይመን። እዚ፡ ልዑል ክእለትን ብልጫን ዘንጸባርቕ፡ ብቕዓት’ዩ!
ከም ርዱእ፡ ሓደ መዝሙር፡ ኣርእስቲ፡ ተደጋጋሚ ከምኡ’ውን ቤት ኣብ ዝብሉ፡ ሰለስተ ሓፈሻውያን ክፍልታት ክንመቕሎ ንኽእል ኢና። ዕማም እዞም ክፍልታት ድማ፡ ነቲ ማእከላይ ሓደዋ ነቲ ዋና መልእኽቲ፡ ሓሳብ፡ ትሕዝቶ ወዘተ፡ ብዝግባእ ምንጽብራቕ፡ ምግላጽ፡ ምብራህ ወዘተ እዩ።
እግዚኣብሄር ሓላዊና’ዩ ጓሳይና’ዩ
ማእከላይ ሓሳብ እዛ መዝሙር፡ «ሓለዋን ጉስነትን ኣምላኽ ኣብ ጽንኩር ኩነታት» ዝብል’ዩ። እቲ ዝቕጽል ትሕዝቶታት ኵሉ እምበኣር፡ ነዚ ዘሀብትም፡ ዘዕሙቝ፡ ዝገልጽ፡ ዘግህድ፡ ወዘተ ክኸውን’ዩ ትጽቢት ዝግበረሉ። ከምኡ እንተተገብረ፡ ሓይልን ጽልዋን እታ መዝሙር ጐሊሑ ንኽወጽእ ይሕግዝ። ከምኡ እንተዘይተገብረ ግና፡ እቲ ውጽኢት ድማ ብኣንጻሩ፡ ሓይልን ጽልዋን እታ መዝሙር ጐሊሑ ንኸይወጽእ ይድርት። በብሓደ ንፈትሾ፦
ቀዳማይ ቤት
ድኻምና ዝጸውር፡ በደልና ዝዕገስ
ፍጹም ከይንመውት፡ ሕማምና ዝፍውስ
ትጉህ’ዩ ጓሳና፡ ፍጹም ዘይታኸስ
ምሳና ወፊሩ ምሳና ዝምለስ
ነቲ ማእከላይ ሓሳብ ኣይንረስዓዮ፦ ጽንኩር ኩነታትን ጉስነትን ሓለዋን ኣምላኽ ተንጸባሪቑ ድዩ ኣይተንጸባረቐን ኢና ክንፍትሽ።
ጽንኩር ኩነት፡- ድኻም፡ በደል፡ ሞት፡ ሕማም፡ ከም ጽንኩር ኩነታት ተገሊጾም ኣለዉ።
ሓለዋን ጉስነትን ኣምላኽ ድማ፡- ከም ጸዋሪ፡ ዕጉስ፡ ትጉህ፡ ዘይታኸስ፡ ካብ ህዝቡ ዘይፍለ ኰይኑ ተገሊጹ’ሎ። ጽቡቕ!
ካልኣይ ቤት
እስኪ ንዘክሮ ዘሕለፍናዮ ህይወት
ተስፋና ኣኽቲሙ፡ ክንምለስ ካብ ኣፍ ሞት
ትማሊ ውሑዳት፡ ሎሚ ኣእላፍ ኴንና
ስራሕ ኣምላኽናዩ፡ ኣይኰነን ካባና
ነቲ ማእከላይ ሓሳብ ኣይንረስዓዮ፦ ጽንኩር ኩነታትን ጉስነትን ሓለዋን ኣምላኽ ተንጸባሪቑ ድዩ ኣይተንጸባረቐን ኢና ክንፍትሽ።
ጽንኩር ኩነት፦ ሕሉፍ ህይወት፡ ምኽታም ተስፋ፡ ድነ-ሞት፣
ሓለዋን ጉስነትን ኣምላኽ ድማ፡- ከም እንስስን፡ ከም እንበዝሕ ጌሩና ብዝብል ተገሊጹ’ሎ። ደሓን!
ሳልሳይ ቤት
ደጊም ንበራበር፡ ጊዜና ኣኺሉ
ሓድሽ ምዕራፍ ንኽፈት ህይወት ንረኽበሉ
ምስጋና ነቕርብ፡ ብሓባር ንስሙ
ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ሰላምያ ዓለሙ
ነቲ ማእከላይ ሓሳብ ኣይንረስዓዮ፦ ጽንኩር ኩነታትን ጉስነትን ሓለዋን ኣምላኽ ተንጸባሪቑ ድዩ ኣይተንጸባረቐን ኢና ክንፍትሽ።
ጽንኩር ኩነት፦ ዝተገልጸ የለን።
ጉስነትን ሓለዋን ኣምላኽ ግና፡- ህይወት እንረኽበሉ፡ ሰላም ዝነገሰሉ ምዃኑ ተገሊጹ’ሎ። ብርግጽ ክመሓይሽ ዝግብኦ ቤት!
ራብዓይ ቤት
ንዑ ናብ ቤት ኣምላኽ፡ ብመንፈስ ክንዓቢ
ይጽውዓና’ሎ ንኽፈተሉ ልቢ
ጻውዒት ናይ ጐይታ ሸለል ኣይንበሎ
ሓቀኛ ዕረፍትስ ኣብ ቤቱ’ዩ ዘሎ
ጽንኩር ኩነት፦ ዝተገልጸ የለን።
ጉስነትን ሓለዋን ኣምላኽ ግና፡- ብመንፈስ እንዓብየሉ፡ ሓቀኛ ዕረፍቲ ዝርከበሉ ቤት ምዃኑ ተገሊጹ’ሎ። ብርግጽ ክመሓየሽ ዝግብኦ ቤት!
ብኸምዚ እንተትዝመርከ፧
ቀዳማይ ቤት
ኩነታት ጸንኪሩ፡ ምሒር እንተገደደ
ዝጠቡ ውሉዳ፡ ትርስዕ ድያ ኣደ፧
ድኻም ሰብ ኰይንዋ፡ ንሳ ተረስዐት
ዘይርስዕ ጓሳ’ሎ፡ እቲ ጐይታ ጐይቶት
ነቲ ማእከላይ ሓሳብ ኣይንረስዓዮ፦ ጽንኩር ኩነታትን ጉስነትን ሓለዋን ኣምላኽ ተንጸባሪቑ ድዩ ኣይተንጸባረቐን ኢና ክንፍትሽ።
ጽንኩር ኩነት፡ ኣደ ውሉዳ ክሳዕ እትርስዕ፡ ኩነታት ጸንኪሩ እንተገደደ፡
ሓለዋን ጉስነትን ኣምላኽ፦ ዘይርስዕ ጓሳ
ካልኣይ ቤት
ብርባርባ ድነ ሞት እንተኸድና፡
ብራዕዲ ጸላእቲ እንተተናወጽና
ምእንቲ ስሙ ኢሉ ኣሎና ዝጓሲ
ጽዋእና እንጀርቢቡ፡ ዝቐብእ ንርእሲ
ነቲ ማእከላይ ሓሳብ ኣይንረስዓዮ፦ ጽንኩር ኩነታትን ጉስነትን ሓለዋን ኣምላኽ ተንጸባሪቑ ድዩ ኣይተንጸባረቐን ኢና ክንፍትሽ።
ጽንኩር ኩነት፡ ድነ-ሞት፡ ምንዋጽ
ሓለዋን ጉስነትን ኣምላኽ፦ ምእንቲ ስሙ ኢሉ ዝጓሲ፡ ጽዋእ ዘንጀርብብ፡ ንርእሲ ዝቐብእ ጓሳ
ሳልሳይ ቤት
ካብቲ ብመዓልቲ ዝውርወር ፍላጻ
ካብቲ ብጸልማት’ውን ዝኸይድ ፌራ
ሽሕ እንተወደቑ፡ ኣብ የማን’ውን እልፊ
ኣባና ኣይበጽሕን ኣሎና ሓቛፊ
ነቲ ማእከላይ ሓሳብ ኣይንረስዓዮ፦ ጽንኩር ኩነታትን ጉስነትን ሓለዋን ኣምላኽ ተንጸባሪቑ ድዩ ኣይተንጸባረቐን ኢና ክንፍትሽ።
ጽንኩር ኩነት፡ ዝውርወር ፍላጻ፡ ፌራ፡ መቕዘፍቲ
ሓለዋን ጉስነትን ኣምላኽ፦ ዝከላኸል ሓቛፊ ጓሳ
ራብዓይ ቤት
ኣብቲ ምድረ በዳ፡ ጽምዋ በረኻ
ነፍሳት ከሕለልዋ፡ ኣዝየን ክጭነቓ
ኣሎና ዝጓሲ፡ ማና ዘዝንመልና
ንኸውሒ ፈንቂሉ ዓይኒ ማይ ዘርእየና
ነቲ ማእከላይ ሓሳብ ኣይንረስዓዮ፦ ጽንኩር ኩነታትን ጉስነትን ሓለዋን ኣምላኽ ተንጸባሪቑ ድዩ ኣይተንጸባረቐን ኢና ክንፍትሽ።
ጽንኩር ኩነት፡ ምድረ በዳ፡ ጽምዋ በረኻ፡ ምሕልላው፡ ምጭናቕ
ሓለዋን ጉስነትን ኣምላኽ፦ ማና ዘዝንብ፡ ከውሒ ፈንቂሉ፡ ዓይኒ ማይ ዜርኢ፡ ጓሳ
መጥመሪ
ንቕድም፡ እንታይ ክትብል ከም ዝደለኻ፡ ንዓርስኻ ብንጹር ተረዲኡካ ከም ዘሎ ምርግጋጽ ልቦና’ዩ። ነቲ ማእከላይ ዋና ሓሳብ ምስ ረኸብካዮ፡ ኣይትፈንዎ፡ ናብኡ ጥበቕ። ካብኡ፡ ንየማን ወይስ ንጸጋም ኣይተግልስ። ነቲ ኽቡር ማዕድን ክሳዕ እትረኽቦ ኸኣ፡ ኣዕሚቝካ ፈሓር። ኣምላኽ ሰማይ ከቕንዓልካ’ዩ!