በእንተ አቡነ መቃርዮስ፡ ገርሀይና ሕቶ

ኣብ ገበር እዛ “ማዕዶት” ተሰምያ ዘላ ጽሕፍቲ፡ ስእሊ ኣቡነ ሲኖዳን፡ ስእሊ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስን፡ ንስእሊ መድኃኔ ዓለምን ድንግል ማርያምን ኣሰንዩ ይርአ። ስእሊ ኣቡነ መቃርዮስ ግና ኣይርአን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ጠቕሊሉ’ውን የልቦን። እቲ ገርሀይና፡ ግናኸ ጠንቃም ሕቶ እምበኣር ኣብዚ’ዩ ዝጅምር።

እዛ፡ “መጽሔት” እናተሰምየትሲ፡ ግናኸ ብቕዲ ኣጸሓሕፋ መጽሓፍ፡ በብምዕራፍ እተፈላለየ፡ 40 ዝገጻቱ ትሕዝቶ ዘአንገደት ጽሕፍቲ፡ “ብመሪሕነት ንኡስ ሃገረ ስብከት ሽወደን፡ ክፍሊ መጽሔት” ከም ዝተዳለወት፡ ግንጽል ኣቢልካ ዝርከብ ጽሑፍ ኣሎዋ። ንኡስ ሃገረ ስብከት ሽወደን፡ ኣብቲ ብብፅዕና ኣቡነ መቃርዮስን ኣቡነ ሲኖዳን ዝምእከል፡ ዝብሃለሉ ኣካል ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ እዩ ዝምእከል። እሞ ኸ ደኣ፡ ስለምንታይ እዩ፡ ስእሊ ኣቡነ መቃርዮስ’ውን ኣብቲ ገበር ከም ዝሰፍር ዘይተገብረ፧ ከምቲ ዝተባህለ፡ ገርሀይና፡ ግናኸ ጠንቃም ሕቶ ምዃኑ ኣይንዘንግዕ።

ካብቲ ገበር ከይተኣለና፡ ንኣቡነ ሲኖዳ፡ “ጳጳስ ናይ ሕብረት ቤተ ክርስቲያናት” ብዝብል’ዮም ኣላልዮምዎም ዘለዉ። ንንጽል “ቤተ ክርስቲያን” ንብዙሕ ድማ እቲ ኣባይቲ ደኣ እምበር እቲ ክርስቲያን ኣይኰነን ክበዝሕ ዝግብኦ። ስለዚ ኸኣ “ኣብያተ ክርስቲያን” ክብሃል ይግብኦ ነበረ። ኦርቶዶክሳዊ ክርስቲያን፡ ካቶሊካዊ ክርስቲያን፡ ሉተራዊ ክርስቲያን ንምባል እንተተደልዩ፡ ነቲ ዝተፈላለየ ዓይነት ክርስትና ንምንጽብራቕ፡ ካብ ክንዲ ብንጽል “ክርስቲያን” ብብዙሕ “ክርስቲያናት” ክንብል የድልየና። ከምቲ ዝተባህለ፡ ንምህናጽ ዝዓለመ፡ ገርሀይና ርእይቶ ምዃኑ ኣይንዘንግዕ።

“ጳጳስ ሕብረት ኣብያተ ክርስቲያን” ክብሃል እሩም እናዀነ ክንሱ፡ እቲ “ናይ” ዝብል ቃል ስለምንታይ ከም ዝኣተወ፡ እቲ ጸሓፊ ጥራይ’ዩ ዝፈልጥ። ጽልዋ ቋንቋ ኣምሓርኛ ዝደረኾ፡ እንተዘይኰይኑ፡ “ጸብሒ ዝግኒ” ደኣ እምበር፡ “ናይ ዝግኒ ጸብሒ” ምባል ዘድልዮ የልቦን። ብተመሳሳሊ ድማ ፡“ጳጳስ ናይ ሕብረት ቤተ ክርስቲያናት”  ዘይኰነስ፡ “ጳጳስ ሕብረት ኣብያተ ክርስቲያን” ክብሃል እሩምን ቅቡልን ብህሎ እዩ።

ሕጂ’ውን ካብቲ ገበር ከይተኣለና፡ ንፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፡ “ሰማዕት እንበለ ደም አቡነ እንጦንዮስ” ብምባል’ዮም ኣላልዮምዎም ዘለዉ። ንጳጳስ፡ “ብፁዕ አቡነ”፡ ንፓትርያርክ ድማ፡ “ቅዱስ አቡነ” (ወይ ነቲ ጵጵስና’ውን ደሪብካ፡ “ብፁዕ ወቅዱስ”) እዩ ዝብሃል፣ . . . ወዘተ።

ብዝተረፈ፡ በብእዋኑ ዝወጽእ፡ ጽሑፍ ክዳሎ ምሕሳብ፡ ህዝብኻ ብቓል ምጽንናዕን ምህናጽን፡ ሓሳባት ፈቲልካ፡ ቃላት ኣዋሲብካ መልእኽቲ ከተብጽሕ ምርሃጽ ቅዱስ ተበግሶ እዩ’ሞ፡ ቀጽልሉ ክትብሃሉ ይግብኣኩም’ዩ። ኣይትስነፉ፡ ኣይትድከሙ፡ ኣይትተሓለሉ ድማ። ምጽዓርኩም ዘይተረፈ ግና፡ ነቲ ስቕል ክርስቶስ እናረአኻ ምጽዓር ይኹነልኩም! ኣብኡ ገጽ ሰብ ርኢኻ ምድላው የልቦን። ኣብኡ ንሰብ ፈሪሕካ እትንሕፎ የልቦን፡ ኣብኡ ንሰብ ፈቲኻ ዘይግብኦ ምሃብ የልቦን። ጸጋ ይብዝሓልኩም!

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

“እግዚኣብሄር ጓሳይና’ዩ” ብኸምዚ እንተትዝመርከ፧!

Next
Next

ጣቕዒት ሓንቲ ኢድ፡ ያእ ኣይፋልናን!