ጣቕዒት ሓንቲ ኢድ፡ ያእ ኣይፋልናን!

ሓደን እንኮን ይፈላለዩ እዮም። ትግርኛን ሳሆን ምዃኖም ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ብህሎን ኣበሃህላን’ውን። ሓደ፡ መፍቀዲ ኣሃዝ ክኸውን እንከሎ፡ እንኮ ግና መለለዪ ሓደው መፍለዪ እንታይነት እዩ። እንኮ ማለት፡ ከምኡ ዝመስል ካልኣይ ዘይብሉ፡ ነዛ ንውልቁ፡ ንብሕቱ፡ ንበይኑ ማለት’ዩ። እቶም ብክርስቶስ ኢየሱስ ዘለና ዘበልና ኩላትና፡ ውሉድ ኣምላኽ ክንከውን እኳ መሰል እንተተዋህበና፡ ክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታና ግና ንእግዚኣብሄር ኣቦ፡ እንኮ ውሉድ እዩ።

”ትሕቲ ጸጋ እምበር፡ ትሕቲ ሕጊ ኻብ ዘይኰንናስ፡ ሓጢኣትዶ ንግበር፧” ኣብ ዝብል ጥቕሲ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ንትርጉም እቲ ”ሓጢኣት” ተብሂሉ ዘሎ ቃል ሒዝና እምበኣር ንበገስ። ብግሪኽ ”ሃማርታኖ” እዚ ማለት ከኣ፡ ዕላማኻ ምስሓት፡ ዝትርጉሙ ሓጢኣት፡ እቲ ”ዕላማ” ተብሂሉ ዘሎ ኸኣ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ግበሮ ዝበለካ ምግባር፡ ነቲ እግዚኣብሄር ኣይትግበሮ ዝበለካ ድማ ዘይምግባር’ዩ። ሕጽር ብዝብለ፡ ሓጢኣት ማለት፡ ምፍራስ፡ ሓደው ምጥሓስ ሕጊ፡ ማለት’ዩ። ስለዚ እምበኣር፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ዘቕርቦ ዘሎ ሕቶ፡ ”ትሕቲ ጸጋ እምበር፡ ትሕቲ ሕጊ ኻብ ዘይኰንናስ፡ ሕጊ ዶ ንጥሓስ ሓደው ሕጊ ዶ ነፍርስ፧ ዝብል’ዩ።

መንፈሳዊ ርድኢትና፡ ምቃል፡ ሓደው ምሉእ ምዃኑ ንምምርማር፡ ንቕድም፡ ኣብቲ “ምልኣት” ሓደው ኣብቲ “ሓደ” ዝብል ኣምር፡ እንታይ ክሕቈፍ ከም ዝኽእል፡ ዝርድኣና እንተዀይኑ ነነጽር።  

“ብሓደ ኣምላኽ ንኣምን” ክንብል ከለና፡ ነቲ፡ ኣብ፡ ወወልድ፡ ወመንፈስ ቅዱስ፡ ዝብሃል ሰለስትነት ብዘይ ምዝንጋዕ’ዩ። ብዛዕባ ጐይታና ኢየሱስ ዘሎና ርድኢት’ውን፡ “ፍጹም ሰብ፡ ፍጹም ኣምላኽ” እዩ፡ ክንብል እንከለና፡ ሓደ ጐይታ ደኣ እምበር ናብ ክልተ ነጻጺልና፡ ክልተ ጐይቶት ከም ዘይንብል ከኣ ርዱኣት ንኹን።    

  • ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ”ንሓጢኣት መዊትና” ቢሉ ከብቅዕሲ፡ ኣልግብ ኣቢሉ ኸኣ ”ንጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር” በለ። ሓዲኡ ጥራይ ምባል ዶ እዅል ኣይምነበረን፧! (1ጴጥ2፡24)።

  •      ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ”ንኽፍኣት ፈንፍንዎ” ቢሉ ከብቅዕሲ፡ ኣልግብ ኣቢሉ ኸኣ ”ኣብ ሰናይ ልገቡ” በለ። ”ፈንፍንዎ” ጥራይ ምባል ዶ እዅል ኣይምነበረን፧! (ሮሜ12፡9)።

“ንሓጢኣት ምምዋት” ርእሱ ዝኸኣለ፡ ግናኸ ሓደ ምቃል ጥራይ’ዩ፣ መዊትካ ክትተርፍ ዘይኰነ ግና፡ ንጽድቂ ምንባር ድማ የድሊ። “ንኽፍኣት ምፍንፋን” እውን፡ ርእሱ ዝኸኣለ፡ ግናኸ ሓደ ምቃል ጥራይ’ዩ፣ ምፍንፋን ጥራይ ዘይኰነ ግና፡ ኣብ ሰናይ ምልጋብ ከኣ የድሊ። እቲ በበይኑ ዝመስል ምቃል፡ ተወሃሂዱ’ዩ ነቲ ሓድነት እዚ ማለት ከኣ ምልኣት ዝፈጥር።  

  •    ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ፡ “ንኣምላኽ ተገዝእዎ” ቢሉ ከብቅዕሲ ኣልግብ ኣቢሉ ድማ፡ “ንድያብሎስ ግና ተጸረርዎ” በለ።  ሓዲኡ ጥራይ ምባል ዶ እዅል ኣይምነበረን፧! (ያእ4፡7)።

  •    ዘማሪ ቅዱስ ዳዊት፡ ”ካብ እከይ ርሐቕ” ቢሉ ከብቅዕሲ፡ ኣልግብ ኣቢሉ ኸኣ  ”ሰናይ ከኣ ግበር” በለ። ሓዲኡ ጥራይ ምባል ዶ እዅል ኣይምነበረን፧ (መዝ34.14)።

ደጊም፡ እቲ ፈትለ ኣተሓሳስባ፡ ተረዲእኩም ይኸውን’ዩ። ንኣምላኽ ክትግዛእ ምኽኣል ሓደ ምቃል ክኸውን ከሎ፡ እምነትካ ምሉእ ክኸውን እንተደሊኻዮ ግና ንድያብሎስ’ውን ክትጻረር ይግብኣካ። እንተዘይኰነ፡ ንኽልተ ጐይቶት ክትግዛእ ተኽእሎ ኣሎ። ጽድቂ ትፈቱ፡ ግናኸ ረሲእነት’ውን ተዘውትር። ካብ እከይ ምርሓቕ፡ ሓደ ምቃል ክኸውን ከሎ፡ እምነትካ ምሉእ ክኸውን እንተደሊኻዮ ግና፡ ሰናይ ከኣ ግበር።

  • ጐይታና ኢየሱስ፡ ”ኣብ ምድሪ መዝገብ ኣይትእከቡ” ቢሉ ከብቅዕሲ፡ ኣልግብ ኣቢሉ ኸኣ ”ኣብ ሰማይ መዝገብ እከቡ” በለ (ማቴዎስ 6:19-20)። ”ኣብ ምድሪ መዝገብ ኣይትእከቡ” ጥራይ ምባል ዶ እዅል ኣይምነበረን፧!

  • ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ”እቲ ዝሰረቐ ደጊም ኣይስረቕ” ቢሉ ከብቅዕሲ፡ ኣልግብ ኣቢሉ ኸኣ ”ጽቡቕ እናገበረ በእዳዉ ይጽዓር” በለ (ኤፌ 4:28)። ”ደጊም ኣይስረቕ” ጥራይ ምባል ዶ እዅል ኣይምነበረን፧!

ኣብ ምድሪ መዝገብ ዘይምእካብ፡ ከምቲ እቲ ጥፉእ ወዲ ዝገበሮ፡ ዘለካ ዘበለ ምስ ኣመናዝርን ብፍትወት ዓለምን ብምዝራው’ውን ኣብ ምድሪ መዝገብ ዘይክህልወካ ይኽእል’ዩ። ግደ ሓቂ፡ ካብቶም ኣብ ምድሪ መዝገብ ዘሎዎም፡ እቶም መዝገብ ዘይብሎም  ይበዝሑ። ብህሎ ጐይታና፡ ምልኣት ዝህልዎ ግና፡ ኪንዮ ኣብ ምድሪ መዝገብ ዘይምእካብ ሓሊፍና፡ ኣብ ሰማይ መዝገብ ክንእክብ እንተኽኢልና’ዩ።

  • ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ”ብወይኒ ኣይትስከሩ” ቢሉ ከብቅዕሲ፡ ኣልግብ ኣቢሉ ኸኣ ”መንፈስ ይምላእኩም” በለ። ”ኣይትስከሩ” ጥራይ ምባል ዶ እዅል ኣይምነበረን፧!(ኤፌ 5:18)።

  • ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ”ኣረጊት ሰብ ቀንጢጥኩም፡” ቢሉ ከብቅዕሲ፡ ኣልግብ ኣቢሉ ኸኣ ”ሓድሽ ሰብ ልበሱ” በለ። ”ቀንጥጡ” ጥራይ ምባል ዶ እዅል ኣይምነበረን፧ (ኤፌ4፡22)

  • ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ”ንሓሶት ንየው በልዎ” ቢሉ ከብቅዕሲ፡ ኣልግብ ኣቢሉ ኸኣ ”ሓቂ ተዛረቡ” በለ ። ”ንሓሶት ንየው በልዎ” ጥራይ ምባል ዶ እዅል ኣይምነበረን፧!(ኤፌ 4:25)

ደጊም ንእሰሮ

”ትሕቲ ጸጋ እምበር፡ ትሕቲ ሕጊ ኻብ ዘይኰንናስ፡ ሓጢኣትዶ ንግበር፧” ዝብል ጥቕሲ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ”ትሕቲ ጸጋ እምበር፡ ትሕቲ ሕጊ ኻብ ዘይኰንናስ፡ ሕጊ ዶ ንጥሓስ፧ ሓደው ሕጊ ዶ ነፍርስ፧! ይብለና ምህላዉ ነስተብህል። እቲ ዝሃቦ ምላሽ ድማ፡ ”ያእ ኣይፋልናን” ዝብል’ዩ። ”ያእ” ምባል ጥራይ እኹል ምነበረ፣ ኣርጊጹ ብምልኣት ክነግረና ስለ ዝደለየ፡ ሓደው ነቲ መልእኽቲ ከስምረሉ ስለ ዝደለየ ግና፡ ”ኣይፋልናን” ብዝብል’ውን ደርዖ። ”ያእ፡ ኣይፋልናን!”

ኣስተንትኖ

ብሉይ ኪዳን ጽላሎት ሓድሽ ኪዳን’ዩ። ሓድሽ ኪዳን ድማ ኣብ ብሉይ ኪዳን ተሰዊሩ’ሎ! ንብሉይ ቈሪጽና፡ ሓዲስ ጥራይ’የ ዝሕዝ እንተበልና፣ ሓደው ብኣንጻሩ፡ ንሓዲስ ቈሪጽና፡ ብሉይ ጥራይ’የ ዝሕዝ እንተበልና፡ ምልኣት ዘይብሉ፡ ብሓደ ምቃል ጥራይ ከነጣቕዕ ንፍትን ምህላውና ኣይንስሓት። ብስሙ ኣሚንና፡ ብጸጋ ድሒንና እናበልና ክንስናስ፡ ኣብቲ ፍረና፡ ኪንዮ’ቲ ብልሳን ዝፍኖ ጥዑም ቃል ሓሊፉ፡ ኣብ ህይወትና ዝፈሪ ትሕትና፡ ፍቕሪ፡ ጸሎት፡ ቃል-ኣምላኽ፡ ሰናይ ግብሪ፡ ሕብረት ኣሕዋት፡ ምርዳእ ጽጉማት፡ ምብጻሕ እሱራት፡ ምጽንናዕ ሕዙናት ዘይርከቦ እንተዀይኑ፡ ነዛ ”ያእ ኣይፋልናን” እትብል ብህሎ ንዘክራ!

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Next
Next

ትግርኛ፡ ሓዳሩ ንኽገብር. . .