ትግርኛ፡ ሓዳሩ ንኽገብር. . .
“ምዕሩይ ትግርኛ መራኸቢ ብዙሓን፡ ንመወከስን መምርሕን” ኣብ ዘርእስታ፡ ብሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ዝተዳለወት“ ሓደ ትካል ምርምር ወይ ማእከል ቋንቋታት ክምስረት ኣሎዎ ካብ ዝብሃል እዋን ልዕሊ 10 ዓመት ሓሊፉ ገና ኣይተመስረተን” ዝብል ሓሳብ ቀሪቡ ነበረ። ንሱ ካብ ዝጸሓፍ ጥራይ እኳ፡ እንሆ 21 ዓመታት ኣቝጺሩስ፡ እቲ ማእከል ግና፡ ዛጊት’ውን ከም ዝቘመ ኣይተበሰርናን ዘለና።
ዲያቆን ዮሃንስ ጌታቸው እተባህለ ጸሓፊ፡ ብቛንቋ ኣምሓርኛ ጽሒፉ ክንሱስ፡ ግናኸ “መጽሔተ ወራዙት ዘኦርቶዶክስ፡ (የኦርቶዶክሳዊ ወጣቶች መስታወት)” ቢሉ ሰመዮ። “ወጣቶች” ክብል እናኸኣለ፡ ብግእዝ ክሓስብ ስለ ዝደለየ ጥራይ፡ “ወራዙት” በለ። “መስተዋት” ክብል እናኸኣለ ኸኣ፡ ብግእዝ ክሓስብ ስለ ዝደለየ ጥራይ፡ “መጽሔት” ቢሉ ጽሓፈ። እቲ ምኽንያት፡ ተቐባልነትን እሙንነትን ንምዕዛዝ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣየጠራጥርን።
እዚ ኣተሓሳስባ’ዚ፡ ኣባና’ውን ክሰርጽ ህርድግ ዝብል ዘሎ ይመስል። ትግርኛ ያኢ ንኰተቴ፡ በጽሒ፡ ወርጠበ፡ ጐበዝ፡ ንእስነትን መንእሰይን ዝኸውን ቃል ሓጺርዎስ፡ ናብቲ ንሱ ነተን ብጠባይን ስነ-ምግባርን እሩማት ዝዀና ደቀንስትዮ ዝገልጸሉ “ወራዙት” ዝብል ቃል፡ ብግእዝ ግና ካብቲ ወሬዛ ዝብል ቃል ዝብገስ፡ ክልቃሕ ምድላይ፡ ብሓቂ ዘየተሓሳስብ ኣይኰነን። ኣብ ግእዝ ቅኑዕ ኰይኑ ማለት ኣብ ትግርኛ’ውን ከምኡ ክኸውን ኣሎዎ ማለት ከስምዕ ኣይግባእን፡ ዝብል ሓሳብ’ዩ ዘሎኒ።
ጸሓፊ በየነ ሰመረ፡ ኣብታ “ተረካብዓድዮ” ዝሰመያ መጽሓፉ፡ “ሓደ ባይቶ ምሁራት ቋንቋ ወይ ካውንስል እንተ ዝህልወና ንዅላትና ዘሰማምዕ ሓደ ትርጉም በቲ ትካል ምተዋህበና። ኣብዚ ኸምዚ ዘይብሉ ኩነታት ግና፡ ነየናይ ልክዕ፡ ነየናይ ከ ጌጋ ክንብል፧” ብምባል ኣስተማሲሉ’ሎ። ሓቁ’ዩ።
ጠርናፊ ደኣ እምበር፡ ሊቃውንትስ ብእግሪ’ያ ዑቕባይ ከም ዘለዉና፡ ኣብ ምልክት ሕቶ ዝኣቱ ኣይመስለንን። “ምዕሩይ ትግርኛ መራኸቢ ብዙሓን፡ ንመወከስን መምርሕን” ዘርእስታ፡ 73 ገጻት ዝሓዘት፡ ኣብ ዓመተ 2006 ብሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ኣብ ዝተዳለወትሉ፡ ኣብ ምድላው እታ መጽሓፍ፡ ብጽሑፍን ዘተን ብዝያዳ እተኻፈሉ፡ ቀሺ ብርሃነ ዘርኣይን፡ ኣማኑኤል ሳህለን ዝርከብዎም፡ 8 ምሁራን ኣብ መወዳእታ ገጽ እታ እተዳለወት መጽሓፍ ተጠቒሱ’ሎ።
ሊቅነት ሊቃውንትና
ንፕሮፈሰር ስብሃቱ ገብረሚካኤል ክፍሉ (ዳርናይ)፡ ሓደው ነቲ ንሶም ዘዳለውዎ መጽሓፍቲ ብምንባብ፡ ዝፈጥረልካ ስክፍታን ዘይዕግበትን እኳ ይሃሉ እምበር፡ ንሊቅነቶም ዘይምድናቕ ግና፡ ኣይከኣልን።
ንመምህር እዮብ ገብረእግዚኣብሄር በይን፡ ሓደው ነቲ ንሶም ዘዳለውዎ መጽሓፍትን ምርምራዊ ጽሑፋትን ብምንባብ፡ ብልሖምን ሊቅነቶምን ብዝዀነ መልክዒ ኣብ ምልክት ሕቶ ከተእትዎ ኣይከኣልን። ንግብራውነት እቲ ጻዕሮም ርኢኻ ግና፡ ንሶም ንባዕሎም ስለምንታይ ብቛንቋ እንግሊዝ ምጽሓፍ ከም ዝሰልጦም ንምግማቱ ኣየሸግረካን።
ነቶም ዶክተር ኪዳነማርያም ዘርእዝጊ ዘዳለውዎም ጽሑፋት ብምርኣይ፡ ካብ ፊደላት ብሓዲስ ብልሓት ኣትሒዝካ ንዝሃብዎ ኣማራጺ ሓሳባትን ንዘዳለውዎ መዝገበ ቃላትን ብምንባብ፡ ሊቅነቶም፡ ሰማይ ጠቀስ ምዃኑ ኣይከራኽርን። ንግብራውነቱ ብዝምልከት ግና፡ ናብ ዲግ ዝበለ ክትዕ ዘምርሕ ምዃኑ ድማ ኣይከሓድን።
ዛዕባን ዘረባን ሓደ ሊቅ ጥራይ
ኣብ መምህር ቦኽረ ዘርኣዮሃንስ፡ ፊደል ዝቘጸረ፡ ምስ ሓደ ኣብ መምህር እዮብ ገብረእግዚኣብሄር ፊደል ዝቘጸረ ኣብ ሓደ ጣውላ እንተዝራኸቡ፡ ሓቢሮም ዝሑል ማይ’ውን ክሰትዩ ዝኽእሉ ኣይመስለንን። ነዞም ክልተ፡ ሓደ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ፡ ኣብ ጎቦታት ሳሕል ማይ ፈሊጥ ዝሰተየ እንተተጸምቢርዎም ከኣ፡ እቲ ሓቢርካ ምስታይሲ ይትረፍ፡ እቲ መዓልካ ሓደርካ’ውን ክህሉ ድዩ ኣጠራጣሪ’ዩ። ኩሉ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ቅኑዕ ኰይኑ ስለ ዝተረኽበ፡ ባይታ እሂን-ምሂን ጭሕሚ ሰበይቲ ኰነ።
ስሙን ድምጹን፡ ሓደ ከም ኳዅ
“Knife” ተጽሒፉ እንከብቅዕ፡ እንክንበብ ግና፡ “ናይፍ”፣ Psychology ተጽሒፉ እንከብቅዕ፡ እንክንበብ ግና፡ “ሳይኮሎጂ” ወዘተ ገቢሮም ዝጽሕፉን ዝነቡን ቋንቋታት ኣለዉ። ኣብ ትግርኛ ግና፡ ከምቲ ዝድመጾ፡ ከምኡ ኸኣ ስለ ዝጽሓፍ፡ ግጉይ ኣጸሓሕፋ ቃል ከጋጥም ኣይክእልን’ዩ፡ ክብሃል ሰሚዕኩም ትዀኑ ኢኹም። “እንጀራ” ዘይኰነ፡ “እንጌራ”፣ “ጨጕሪ” ዘይኰነ፡ “ጸጕሪ፡” ወዘተ ከም ዝጽሓፍ ብዝፈለጥኩም ግና መሊስኩም ትደናገሩ።
ኘ ኙ ኚ . . .ዝርከቦ ቃል፡ ኣብቲ ቋንቋ ኣይርከብን’ዩ’ሞ፡ “ትግርይና” ደኣ’ምበር፡ “ትግርኛ” ተብሂሉ ክጽሓፍ የብሉን፡ ቢሎም ዝምጉቱ፡ ብርግጽ ገጢሞሙኹም ኣለዉ። ኣይፋልን እንተበልኩም ግና፡ ብውሑዱ ንመምህር እዮብ ገብረእግዚኣብሄር በይን፡ ተወከስዎም፡ ሓደው ነቶም ንሶም ጽሒፎም ኣዳልዮምዎ ዘለዉ መዛግብተ ቃላትን ካልኦት ጽሑፋትን ተወከሱ።
መን ወላዲ፡ መንከ ተወላዲ፧
“ትግርኛ ውላድ ግእዝ’ዩ፡ ስለዚ ኸኣ ብቕድን ሰረተ ኣተሓሳስባን ቋንቋ ግእዝ ክቕየድ ኣሎዎ” ዝብሉ፡ ታእላው የብሎምን። ንፕሮፈሰር ስብሃቱ ገብረሚካኤል ክፍሉ (ዳርናይ)፡ እንተተወከስኩምዎም፡ ሓደው ነቲ ንሶም ዘዳለውዎ ሓያሎ መጽሓፍቲ ትግርኛ እንተተነበብኩምዎ ግና፡ “ቋንቋ ትግርኛ፡ ቅድሚ ግእዝ ዝነበረ፡ ጥንታዊ ቋንቋ’ዩ” ቢሎም፡ ሽምጦም ዓቲሮም፡ መጫበጥያ ኣሰናድዮም፡ “ትግርኛ ንግእዝ ወለዶ” ክብሉኹም’ዮም።
“ሀ” ዶ፣ “በ” በል!
ቅደም-ተኸተል (ቅደም-ሰዓብ) ፊደላት ግእዝ “ሀ-ለ-ሐ-መ-…” ክኸውን ከሎ፡ እቲ ዝውቱር ኰይኑ እንረኽቦ ኸኣ ንሱ እዩ። ከም እኒ መሪጌታ ግርማጽዮን ዘዳለውዎ፡ “ልሳነ ኣግኣዚ” ተክአ ተስፋይ ዘዳለዎ፡ ”ዘመናዊ መዝገበ ቓላት” ወዘተ በዚ ቅደም-ሰዓብ እዚ እተዳለዉ እዮም። ብቕዲ ቅደም-ተኸተል ፊደላት ግሪኽ (ኣልፋ፡ ቤታ፡ ጋማ፡ . . .) እተዳለወ፡ “አ-በ-ገ-ደ-…” እንብሎ መስርዕ’ውን ኣሎ። ኣርኣያ ካሳ ኣብ መርበቦም ጽሒፎምዎ ከም ዘለዉ ኸኣ (ሀ) መዝገበ-ቓላት ግእዝ – ኣምሓርኛ፡ ብኪዳነ ወልድ ክፍሌ፡ (ለ) መዝገበ-ቓላት ግእዝ – እንግሊዝኛ፡ ድማ ብዎልፍ ለስሎ ግና ብቕደም ተኸተል “አ-በ-ገ-ደ-…” ከም ዝተዳለዋ ጠቒሶም ኣለዉ።
ዶክተር ኪዳነማርያም ዘርእዝጊ ኸኣ፡ ”ሱርበተኽ ብዝኾነ ኣገባብ ብደራሲኡ ተማሂዙ ዝተዳለወ” ዝበልዎ፡ ”ዘመናዊ መዝገበ ቓላት ብሓዲስ ብልሓት” ኣብ ዘዳለዉሉ፡ ነቲ ዝጸንሐ “ሀ-ለ-ሐ-መ- ይኹን ነቲ አ-በ-ገ-ደ’ውን ይኹን ሓዲጎም፡ ከምቲ ዝበልዎ፡ ብብልሓቶም “በ-ከ-ሰ-ለ …” ብዝብል ቅደም-ተኸተል፡ መዝገበ ቓላት ኣሕተሙ።
“ስነ-መለኮት” ዘይኰነ፡ “አእምሮተ መለኮት፣” “መንእሰይ” ዘይኰነ፡ “ወራዙት፣” “መምህር ዘይኰነስ “ማእምር” ዝብል ብህሎ’ዩ ቕኑዕ፡ ቢሎም፡ ብቕድን ሰረተ ኣተሓናንጻ ቃላትን ግእዝ፡ ዝገንሑ ከም ዘለዉ፡ ዘይሰማዕኩም እንተጸኒሕኩም ድማ፡ ብውሑዱ ንመምህር ቦኽረ ዘርኣዮሃንስ፡ ተወከስዎም፡ እርይ-ቍጽር ኣቢሎም ብመረዳእታ ከምኡ ክጸውዩኹም እዮም።
ትግርኛ ብርኩ ዝፈለየ ቋንቋ’ዩ
ፊደላት ቢልና ንበገስ። ትግርኛ፡ ብጽሑፍ ንኽሰፍር፡ ፊደላት ግእዝ እኹላት ኰይኖም ኣይተረኽቡን። ስለዚ ድማ፡ ሸ፣ ቸ፣ ጀ፣ ኘ፣ ጨ፣ ኸ ዝብሃሉ ፊደላት ክምሃዙ ነበሮም፡ ተማህዙ ኸኣ። ከም እኒ ሠ፡ ፀ፡ ኀ፡ ዝኣመሰሉ ኣብ ቋንቋ ግእዝ ዝርከቡ፡ ኣብ ትግርኛ ግና ዘከራኽሩ ኰይኖም ተረኺቦም ዘለዉ ፊደላት’ውን ኣለዉ። እዞም ፊደላት እዚኦም ኣብ ቋንቋ ግእዝ፡ ናይ ትርጉም ለውጢ ክሳዕ ምምጻእ ኣዝዮም ወሰንቲ ክዀኑ ከለዉ፡ ኣብ ትግርኛ፡ ኣብ ምድላው እቲ ቀዳማይ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ይኹን፡ ካልኦት ጽሑፋት፡ ኣይከምኡን። ኣብ ግእዝ፡ ”ሰረቀ”፡ ቢልካ ምጽሓፍን ”ሠረቀ” ቢልካ ምጽሓፍን፡ ክልተ በበይኑ ትርጉም ዘለዎ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ትግርኛ ግና፡ ምስራቕ ዘይኰነስ ምብራቕ ዝብል ቃል ስ`ለ እንጥቀም፡ ንሠረቐብርሃን፡ ሰረቐብርሃን ቢልና እንተጸሓፍናዮ ዝዛባዕ ትርጉም ኣይህሉን።
ቃላት ትግርኛ
ቃላት ቢልና’ውን ንቐጽል። ትግርኛ ነቶም ካብ ግእዝ ዝወረሶም ቃላት ከይተረፉ፡ ከምቲ ካብ ዓረብን ጥልያንን’ውን ወሪሱ ዝገበሮ፡ ንዕኡ ብዝጥዕም ኣገባብ ኣርዓሞ። “ምድር” ዝነበረ “ምድሪ”፣ “እብን” ዝነበረ ኸኣ፡ “እምኒ” ወዘተ ክንጠቅስ ንኽእል። ንገሊኦም ድማ፡ ጠቕሊሉ ሓዲጉ ናይ ባዕሉ ቃል ወነነ። ነቲ ብግእዝ “እም” ዝብል ቃል፡ ትግርኛ ግና፡ “ኣደ” ቢሉ ሰመዮ። ንገሊኦም ድማ፡ ምንም ለውጢ ከይገበረ ከም ዘለውዎ ተቐቢሉ ተጠቕመሎም። ማይ፡ ጸሓይ፡ ሰሜን፡ ደቡብ ወዘተ እቶም ኣብዚ ክንጠቕሶም እንኽእል ቃላት እዮም።
ኣሰራርዓ/ ኣደራድራ ቃላት
ግእዝ፡ ናቱ ቅዲ ኣቀማምጣ ክህልዎ እንከሎ፡ ትግርኛ ኸኣ ናቱ ቅዲ ኣቀማምጣ ወነነ። ግእዝ፡ “አነ ውእቱ ገብርኤል ዘእቀውም ቅድመ እግዚአብሔር” ክብል ከሎ፡ ትግርኛ፡ “ኣነ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሄር ዝቐውም ገብርኤል እየ” ብዝብል ተጻሕፈ።
ግእዝ፦ “አነ ውእቱ ገብርኤል ዘእቀውም ቅድመ እግዚአብሔር”
ትግርኛ፦ “ኣነ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝቐውም ገብርኤል እየ”
ኣብዚ ኣሰራርዓ ቅደም-ተኸተል ቃላት፡ ብፍላይ መምህር እዮብ ገብረእግዚአብሔር፡ ጽኑዕ ዘይወላወል መርገጺ ኣሎዎም። ንሱ ኸኣ፡ እቲ ኣሰራርዓ ቅደም-ተኸተል ቃ`ላት ትግርኛ ከም ቋንቋ እንግሊዝን ካልእን፡ ብሱሩ ከም ቋንቋ ግእዝ’ውን፡ ብዓልቤት- ግሲ-ተሳሓቢ ክኸውን ኣሎዎ እዮም ዝብሉ። “አንተ ውእቱ አምላከ ኣማልክት” ብትግርኛ “ኣምላኽ ኣማልኽቲ ንስኻ ኢኻ” ክኸውን ዝግብኦ፡ መምህር እዮብ ግና፡ “ንስኻ ኢኻ ኣምላኽ ኣማልኽቲ” ክኸውን ይደልይዎ። ከም ኣበሃህላኦም፡ ዘረባ ካልእ፡ ጽሑፍ ድማ ካልእ መስርዕ ቅደም ተኸተል ክህልዎ ንቡር’ዩ በሃሊ’ዮም።
ኣብታ “ምዕሩይ ትግርኛ መራኸቢ ብዙሓን፡ ንመወከስን መምርሕን” ዘርእስታ፡ ንእሽቶ መወከሲ፡ “ኣብ ሜዳ፡ ዓሚቝን ሰፊሕን ናይ ቋንቋ ምርምር ተጀሚሩ ነይሩ እዩ ግና ኣይቀጸለን። ድሕሪ ናጽነት፡ ሓደ ትካል ምርምር ወይ ማእከል ቋንቋታት ክምስረት ኣሎዎ ካብ ዝብሃል እዋን ልዕሊ 10 ዓመት ሓሊፉ ገና ኣይተመስረተን። . . . ዝጽሕፉን ዘዳልዉን ክኢላታት ዝሳተፉሉ ሓደ ትካል ክህሉ ግድን ኣድላዪ እዩ” ዝብል ተጽሒፉ ኣሎ። ንሱ ካብ ዝጸሓፍ ጥራይ እኳ እንሆ 21 ዓመታት ኣቝጺሩ’ሎ።
መእሰሪ
ትግርኛ፡ ካብ ግእዝ ተወሊዱ እንተዀይኑን እንተዘይኰይኑን ንጐኒ ኣጽኒሕና፡ ኣብዚ እዋን እዚ ግና፡ ሓዳሩ ዝፈለየ፡ ቋንቋ ስለ ዝዀነ፡ ሓዳሩ ብሓርነት ክመርሕ፡ ብኸመይ ክንሕግዞ፡ ዝብል ሓሳብ ዕዙዝነቱ ክርኣየና የድሊ። ከምዚ እንኸዶ ዘለና፡ ብወገን ትግራይ ካልእ ብወገን ኤርትራ ካልእ፡ ሊቃውንትና’ውን በብዝተፈላለየ ኣንፈት ትመጹና ስለ ዘለኹም፡ ኣብ ንድቀተ-ሓሳብ፡ ኣብ ቃላት ይኹን ዋላ’ውን ኣብ ፊደላት ክሳዕ ሕጂ ደምዳሚ መወከሲ ዘይምግባርና ከሕፍረና ዝግብኦ ይመስለኒ። ኣንታ ነዚ ጽሑፍ ዝነበብካ፡ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧! ተውሳኺቱለይ እንተበልካ፡ እቲ ኻልእ’ውን ከምኡ’ዩ ክብል። ገለ ኣበርክቶ ክትገብር እንተንቂድካ ግና ከምኡ ዝገብሩ’ውን ኣይክስኣኑን እዮም። ሃየ እጅገና ሰብሲብና ንለውጢ ብድድ ንበል!