መስሓቄን እሸቱ፡ ነገር ፈትፊቱ
”ሃይማኖታዊ ተሓድሶ፡ ሕማም ዓሶ” ገና ብሕጂ ኅትመት ዝጽበ ዘሎ መጽሓፎም’ዩ። ወዲ 98 ዓመት ርእሰ-ሊቃውንት መሪጌታ ክነፈ-ርግብ ማርቆስ፡ ኣብቲ ግብረ ሰናይን መንፈሳዊ መርሃ ግብርን ዝቐርበሉ፡ “ዶንኪ በጎ” እተባህለ፡ ጨንፈር “ዶንኪ ትዩብ” ቀሪቦም፡ ምስ መስሓቄን እሸቱ መለሰ፡ ንሓደ ሰዓት ኣውጊዖም ኣለዉ። ኣብ ምዕጻው ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበት ኤርትራ፡ ኣብ ጉዳይ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ፡ ብሓፈሻኡ፡ ኣብዚ ዳሕረዋይ ክፋል ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ብኣሉታ ዝጥቀሱ፡ መሪጌታ ክነፈ-ርግብ፡ ነቲ ምስ መስሓቄን እሸቱ መለሰ ጌሮም ኣዕሊሎሞ ዘለዉ ታሪኽ ሰሚዑ፡ ብታሪኾም ዘይድነቕ ክህሉ ዝኽእል ግና ኣይመስለንን።
ዛጊት 54 መጽሓፍቲ ጽሒፎም ከም ዘለዉ ዝሕብሩ መሪጌታ ክነፈ-ርግብ፡ ኣብ ጊዜ ሃጸይ ኃይለ-ሥላሴ
- ብሉተራዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝውነን ራድዮ ብስራተ ወንጌል፡ ኣብቲ ንኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተሓዝአ ጊዜ ናይ ክፍሊ ትግርኛ ሓላፊ ኰይኖም ኣገልጊሎም።
- ትንሣኤ ኣብ ዝብሃል መጽሔትን ”ድምጸ ተዋሕዶ” ኣብ ዝብሃል ጋዜጣ፡ ኣባል ምስንዳእ ኰይኖም ኣገልጊሎም
- ንጡፍ ኣባል ”ሐዋርያዊ ድርጅት” ኰይኖም፡ ኣብ ስብከተ ወንጌል ተዋፊሮም፡ ኣገልጊሎም- ”ሐዋርያዊ ድርጀት” ማለት በቶም፡ ኣብ ትንሳኤ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብእወታ ዝጥቀስ ኣበርክቶ ዝጥቀሱ፡ ብፁዕ ኣቡነ መልከጼደቅ (በቲ እዋን እቲ ሊቀ ሥልጣናት ኣባ ኃብተማርያም ወርቅነህ) እተመሥረተን ዝእለ ዝነበረን ርእሱ ዝኸኣለ መንፈሳዊ ምንቅስቓስ እዩ።
መሪጌታ ክነፈርግብ ከም ዝገልጽዎ፡ እቲ ሊቀ-ስልጣናት ኣባ ሃብተማርያም ወርቅነህ (ደሓር ብጹዕ ኣቡነ መልከጼዴቅ) ዝመስረትዎ ”ሐዋርያዊ ድርጅት” ካብ ቤተ ክህነት ዝተፈልየ፡ ርእሱ ዝኸኣለ ምንቅስቓስ’ዩ ኔሩ። መሪጌታ ክነፈ ርግብ፡ ኣብቲ ”ሐዋርያዊ ድርጅት” ምስ 17 ካልኦት ብጾቶም ንዓመትን መንፈቕን ስልጠና መጽሓፍ ቅዱስ ተማሂሮም፡ በቲ ምንቅስቓስ ንስብከተ ወንጌል ነናብ ክፍለ ሃገር ተዋፊሮም፡ ንብዙሓት እናእመኑ የጠምቑ ምንባሮም ከኣ ጠቒሶም ኣለዉ።
ኣብቲ መሳጢ ዕላል፡ ጉዳይ እቶም ኣብ ኤርትራ ቀዳማይ ዝተሾሙ ብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ’ውን ሰፊሕ ኣዕሊሎምሲ፡ ብፍላይ እቲ ”ተኣምራት” ብምባል ዝገለጽዎ ግና፡ ዘስደምም ፍጻመ ኣዕሊሎም ኣለዉ። መስሓቄን እሸቱ፡ ”ብዓይንኹም ርኢኹሞ፧” ብዝበሎም፡ ንሶም ”ሽዑ ኣብ ኣዲስ ኣበባ’የ ኔረ፡ ግና ኣብ ጋዜጣ ተጻሒፉ ነቢበዮ” ዝብል መልሲ ሃብዎ። ቅድሚ ሕጂ’ውን ጽንጽንታ ሰሚዐ ስለ ዝነበርኩ፡ እዛ ጉዳይ ኣየቕሰነትንን። ነቦይ ሊቀ-ካህናት ቀሺ ተኽለማርያም ምህርካጽዮን ደዊለ ኸኣ ኣዘራረብክዎም።
”ኣብ ቀብሪ ብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ፡ ባዕለይ ዲያቆን ኰይነ፡ ለቢሰ መስቀል ተሰኪመ ንደብረ-ቢዘን ደይበ’የ። ኣብ ስርዓተ ቀብሪ ክትኰስ ዝተሓስበ ጠያይቲ፡ ኣቕቢጩ ከም ዝኣበየ፡ ባዕለይ ኣብኡ ስለ ዝነበርኩ፡ ብዓይነይ ዝረአኽዎ እዩ” ብምባል ከኣ ምስቲ መሪጌታ ክነፈ-ርግብ ዝሃብዎ ምስክርነት ተሰማምዑ። ”ተኣምራት ምዃኑ ዘርእየካ፡ ደሓር፡ ቀብሪ ወዲእና ክንምለስ ከለና ኣብ ታሕቲ እንተፈተኑ፡ እቲ ኣቕቢጩ ዝነበረ ጠበናጁ ኵሉ ብዘይ ጸገም ክትኵስ ክኢሉ” ብምባል ከኣ ነቲ ሓሳብ ደርዕዎ። ”ረጋቢት ከም ደበና ብልዕሊ እቲ ሬሳ ኣሰንየናኦም ብዛዕባ ዝብሃል ከ፧ ቢለ’ውን ነቦይ ሊቀ-ካህናት ተወኪሰዮም፡ ”እዚኣስ ኣይዝክርን፡ ብዛዕባ እዚኣ ክምስክር ኣይክእልን’የ” ቢሎም ድምዱም መልሲ ኣቕረቡለይ።
ዘሕስበኒ ዘሎ፦
መሪጌታ ክነፈ-ርግብ፡ ንጡፍ ኣባል እቲ ”መሳርሒ መናፍቓን” እናተባህለ፡ ብህዝቢ ንጹል ከም ዝነበረ ዝንገረሉ፡ እኒ ሊቀ-ሥልጣናት ኣባ ኃብተማርያም ወርቅነህ ዝመርሕዎ ዝነበሩ፡ ”ሐዋርያዊ ድርጅት”ምንባሮም፣
ብሉተራውያን ኣብ ዝውነን ራድዮ ድምጺ ብስራት፡ ሓላፊ ክፍሊ ትግርኛ እቲ ንኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተሓዝአ ኰይኖም፡ ጥዑም ብስራተ ወንጌል ዘበስሩ ምንባሮም፣ ከምኡ’ውን፡
ክሳዕ ፈቐዶ በረኻታት ኢትዮጵያ፡ ወንጌል መንግሥቲ ኣምላኽ ከበስሩን ንዝኣመኑ ከጠምቑን ላዕልን ታሕትን ይብሉ ምንባሮምን
ደሓር ግና፡ እቲ ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን ኣጕላዕሊዑ ዝነበረ ትምህርቲ ሰንበት፡ ምስ ማኅበረ ቅዱሳን ብምስናይ፡ ዋና ኣሳዳዲኡ ኰይኖም ምርካቦም’ዩ። ብዝዀነ እቶም ክትሰምዕዎ እትግደሱ እንሆ መላግቦ