“ኮለጅ ስነ መለኮት ተዋሕዶ”፡ ዘርከበ ስም ዘውጽኣሉ ድዩ ኰይኑ፧
“ላዕከ-ማርያም” ን፡ “ገብረ-ማርያም” ን፡ ሽሕ ጊዜ ኣብ ትርጉምን ብህሎን ይመሳሰሉ፡ ግናኸ ክልተ ነንበይኖም ኣስማት እዮም። “ላዕከ-ማርያም”፡ ስሙ ናብ “ገብረ-ማርያም” ክቕይሮ እንተተመነየ፡ ሕጋዊ መስርሕ ተኸቲሉ ደኣ ይገብሮ እምበር፡ ብድድ ቢሉ፡ ብገዛእ ኣእዳዉ ግና ክቕይሮ ኣይከኣልን።
ወግዓዊ ስያመኡ፡ ”ኮሌጅ ስነ-መለኮት ተዋሕዶ” ክነሱ፡ ዊን ኣብ ዝበለካ ”ኮሌጅ አእምሮተ መለኮት” ቢልካ ብዘይተገብአ ካልእ መጸውዒ ምስያም’ውን ከምኡ፡ ዘይግቡእ ተግባር ምዃኑ፡ 21 ታሕሳስ 2023፡ ሓደ ነቐፌታዊ ጽሑፍ ኣቕሪበ ነበርኩ፣ ግናኸ፡ እንሆ ሰለስተ ዓመታት ሓሊፉ፡ ዛጊት’ውን ይኹን፡ ሰማዒ እዝኒ ኣይረኸበን። ሓለፍቲ እቲ ኮሌጅ ይኹኑ፡ ካልኦት ዝቐረቡን ዝረሓቑን እቲ ጉዳይ ክምልከቶም ዝኽእል ከኣ፡ ፋዕራኡ ክገብሩ ኣይተራእዩን፡ ሓደው ከምኡ ከም ዝገበሩ ኣይተዘነየን።
ስም፡ መጽርሒ፡ መስመዪ፡ መለለዪ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ኮሌጅ፡ በየናይ ስምን መለለይን እዩ፡ ክታም ዘዳሉ፧ በየናይ ስምን መለለይን እዩ ሕጋዊ ስራሓቱ ዘሰላስል፧ በየናይ ስምን መለለይን እዩ ዝፍለጥ፧ ኣብ ኩሉ ብዛዕባኡ ዝምልከት ድማ፡ በቲ ወግዓዊ ስያመኡ ክጥቀስ ከም ዝግብኦ፡ እዚ ፍልጠት እዚ፡ ኣዝዩ መባእታውን መሰረታውን እናመሰለ፡ ግናኸ ብግብሪ ከምዚ እንርእዮ ዘለና ኰይኑ ምርካቡ፡ ኣዝዩ ዘሻቕልን ኣዝዩ’ውን ዘተሓሳስብን እዩ።
አእምሮተ መለኮት ዶ ስነ-መለኮት፧
Theology ዝብል ኣምር፡ ኣብ ቋንቋታት ትግርኛ ኮነ ኣምሓርኛ፡ ስነ-መለኮት (ሥነ-መለኮት) ብዝብል’ዩ ዝትርጐም። “ቲዮ” ማለት፡ ኣምላኽ ወይ መለኮት ተብሂሉ ክትርጐም ከሎ፡ “ሎጂ” ማለት ድማ ምህሮ፡ መጽናዕቲ፡ ምርምር ወዘተ ተባሂሉ ይትርጐም። ኣብ ገለ ጽሑፋት ”ቲዮሎግያ” ብዝብል ተጽሒፉ’ውን ንረኽቦ ኢና።
ክሪስቶሎጂ- ስነ-ክርስቶስ (ነገረ-ክርስቶስ)
ማርዮሎጂ- ስነ-ማርያም (ነገረ-ማርያም)
ንዩማቶሎጂ- ስነ መንፈስ ቅዱስ (ነገረ-መንፈስ ቅዱስ)
ኣንትሮፖሎጂ - ስነ-ሰብ (ነገረ-ሰብእ) ወዘተ
ንመለኮት፡ ውሱን ጊዜን ድሩት ቦታን ስለ ዘይብሉ፡ ተማሂርካ፡ ኣጽኒዕካ፡ ተመራሚርካ ክትፈልጦ ዝከኣል ኣይኰነን። ስለዚ ድማ ”አእምሮተ መለኮት” ቢልካ ምስያም፡ ነቲ ”ስነ-መለኮት” ዝብል ኣምር ክትክእ ዝኽእል ኰይኑ ኣይንረኽቦን።
ስነ-መለኮት ዝብል ኣምር፡ ኣብ ውሁብ ጊዜን ውሱን ቦታን ተሓጺርካ፡ ብዛዕባ መንነት ኣምላኽ፡ ባህርይ ኣምላኽ፡ ተግባርን ርክባትን ኣምላኽ ምስ ፍጥረት፡ ብቐንዱ ድማ ብዛዕባ ርክብ ኣምላኽ ምስ ሰብ ንኽትርዳእ ዝሕግዝ ዓውደ-መጽናዕቲ፡ ማለት እዩ። አእምሮተ መለኮት ማለት ከ እንታይ ማለት ኮን ይኸውን፡ ቢልኩም ሕሰቡ።
ስነ-መለኮት፡ ብኣእምሮ ክብጻሕ ዘይከኣል ኣዝዩ ሰፊሕ ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ፡ ሊቃውንትና፡ ኣብ ኣርባዕተ ጨናፍር መቒሎም’ዮም ክሕዝዎ ዝፍትኑ።
1. መጽሓፍ ቅዱሳዊ ስነ-መለኮት
2. ታሪኻዊ ስነ-መለኮት
3. ስርዓታዊ (ዶግማዊ) ስነ-መለኮት
4. ግብራዊ (ተግባራዊ) ስነ-መለኮት
ነፍስ ወከፍ እዞም ኣርባዕተ ጨናፍር፡ ኣብ ውሽጦም ሓምቢስካ ዘይውዳእ ትሕዝቶ ዝሓዙ እዮም። ነዊሕ ዕድመን ረቂቕ ዘስተውዕል ልቦናን ተዓዲልካ፡ ንኹሎም ክትመልኮምን ከተጽንዖምን እንተኸኣልካ’ውን፡ ካብ ስፍሓት ርቀተ-መለኮት፡ ብጭልፋ’ውን ትኹን ከም ዘየልዓልካ’ዩ ዝቝጸር። ስለዚ ድማ “አእምሮተ መለኮት” ዝብሃል ከም ኣምር፡ ዕውቀት፡ ፍልጠት፡ ክእለት፡ ወዘተ ናብ ግጉይ መደምደምታ ከምርሕ ስለ ዝኽእል፡ ብኣጋኡ ክእረም ይግብኦ።
ይተካእ ይለቀብ
“ኮሌጅ ስነ-መለኮት ተዋሕዶ” ስሙ ናብ “አእምሮተ መለኮት ተዋሕዶ” ቀይርዎ እንተዀይኑ፡ ብወግዒ ክሕብር፡ ዘይቀየሮ እንተዀይኑ ኸኣ፡ ነቲ ብዛዕባኡ ክንሱ ግናኸ ብኻልእ ስያመ ብዘይ ስሙ ዝቐርብ ትሕዝቶ፡ ኣትሪሩ ክቃወምን ደው ከብሎን ይግባእ።