ገርሀይና ሕቶ፡ ”ኒሻን ስነ-ጽሑፍ” ንዘውገ ምሁራን ይትባረክ በርሀ

ዘውገ ምሁራን ይትባረክ በርሀ፡ ”ታሪኽ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ” ዝብል መጽሓፍ ብዝጸሓፉ፡ በቲ እዋን እቲ፡ ጉባኤ ሊቃውንት ዝነበሩ፡ ነፍሶም የዕርፍ፡ መጋቤ ምሥጢር መብራህቱ መባእ፡ ሊቀ ጉባኤ በየነ ኢያሱ፡ ከምኡ’ውን መም ዓምደብርሃን ገብረማርያም፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ምምሕዳር መንበረ ፓትርያርክ ኣስመራ፡ ብዕለት 06 መስከረም 2000 ዓም ካብ ዝጸሓፍዎ መልእኽቲ፡ እዚ ዝስዕብ ክፋል ይርከቦ፦

”ኣባና እዩ ዘይተለምደ እምበር፡ ናይ ስነ-ጽሑፍ ኒሻን እዩ ዘሸልም እሞ፡ ቤተክርስቲያንና ንኡድ ሽም ምእንቲ ክትረክብ፡ ኣሰናዳኢ ተተባቢዖም ካብዚ ዝዓበየ ታሪኽን ስነ ጽሑፍን ምእንቲ ከዳልዉ፡ ፍሉይ ቈላሕታ ኪግበረሉ፡ ብዘይ ከምኡ ዘዅርዕ ድርሰት ኣይርከብን፡ እናበልና ርእይቶናን ሓሳባትናን ንገልጽ።”

ሓሳባቶም ንምድራዕ ዘቕረብዎ መረዳእታ ኸኣ፦

ሀ. ቅድሚ ሕጂ ከምዚ ዝበለ ተበግሶ ወሲዱ ብዛዕባ ቤተክርስቲያን  ኤርትራ ዝጸሓፈ ወዲ ቤተክርስቲያንና ከቶ የለን

ለ. እዚ መጽሓፍ እዚ፡

-        ብስነ ኩዕታ ብዝተረኽቡ ሓቅታትን

-        ኣብ ሓወልትታትን ኣኻውሕን ካብ ዘለዉ ኣሰራትን

-        ጸሓፍቲ ታሪኽ ዓለም ካብ ዝመዝገብዎም ሰነዳት

-        ከም ሲኖዶስ ወንጌለ ወርቅ፡ ገድላተ ቅዱሳን፡ ስንክሳር ወዘተ ዝኣመሰሉ መጽሓፍትን ብራናታትን

-        ኣብ መወዳእታ ተዘርዚሮም ዘለዉ ልዕሊ 60 ዝኾኑ መወከስታትን ፈልፊልካን ጸሚቝካን ታሪኽ ምጽሓፍ ናይ ግዱሳትን ሰብ ትዕድልትን ጥራሕ ስለ ዝኾነ።

እቲ እቶም ኣቦታት፡ ”ኣባና እዩ ዘይተለምደ እምበር፡ ናይ ስነ-ጽሑፍ ኒሻን እዩ ዘሸልም እሞ፡ ቤተክርስቲያንና ንኡድ ሽም ምእንቲ ክትረክብ፡ ኣሰናዳኢ ተተባቢዖም ካብዚ ዝዓበየ ታሪኽን ስነ ጽሑፍን ምእንቲ ከዳልዉ፡ ፍሉይ ቈላሕታ ኪግበረሉ፡” ዝብል ምሕጽንታኦም፡ ሰማዒ ኣይረኸበን። እዚ ሕጂ ዝጽሕፎ ዘለኹ’ውን ሰማዒ ዝረክብ ኣይመስለንን።

ዘውገ ምሁራን ይትባረክ በርሀ፡ ኣብ ኵሉ ጽሑፋቶም ከም እንምልከቶ፡ ብጭብጢ እተሰነየ፡ ብእግረ-ጽሑፍ፡ ጥብቆን ዝርዝር መወከሲታትን ዝድራዕ፡ ውዱዕ ሓሳብን ትርኑዕ ስራሕን እምበር፡ ብዓፍራን ኵምራ ቃላትን ዝተተኽተኸ ስራሕ ኣይሰርሑን’ዮም።

ብወገነይ፡ ነቲ ጉባኤ ሊቃውንት ኣቕሪቦምዎ ዝነበሩ፡ ዘውገ ምሁራን ይትባረክ በርሀ፡ ናይ ስነ-ጽሑፍ ኒሻን ይግብኦም ዝብል ምሕጽንታ፡ ምሉእ ብምሉእ ስለ ዝሰማምዓሉ፡ ”ይደልዎ” ብዝብል እድምድም ኣለኹ። ንስኻትኩም ከ፧

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

“ኮለጅ ስነ መለኮት ተዋሕዶ”፡ ዘርከበ ስም ዘውጽኣሉ ድዩ ኰይኑ፧

Next
Next

ሸያባትን ሸባባትን ኦ.ተ.ቤ.