ሸያባትን ሸባባትን ኦ.ተ.ቤ.
”እዘን ትማል ዝሓለፋ፡ ዓርቢ፡ ቀዳምን ሰንበትንሲ፡ ካን ከም ኩለን ቀዳመ-ሰንበት ድየን ክቝጸራ፧!” በልኩ። እቲ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ፡ ”ሽዑ ኣፍና ብሰሓቕ፡ መልሓስና ብዕልልታ መልአ” ተብሂሉ እተጻሕፈ፡ ኣብቲ ካብ 24-26 ሓምለ 2026 ኣብ ሃገረ ጀርመን እተጋብአ፡ ጉባኤ ኦ.ተ.ቤ፡ ህያው ኰይኑ፡ ክሰራሰር ከሎ ርአኽዎ።
ካብ ወዲ 7 ወርሒ ክሳዕ ወዲ 90 ዓመት፡ ኣስታት 140 ዝብዝሖም ዝተሳተፍናዮ፡ ዓመታዊ ጉባኤ ኦ.ተ.ቤ.፡ ሊቀ-ካህናት ቀሺ ተኽለማርያም ምህርካጽዮን ካብ ጀርመን፡ ቀሺ ሰመረ ገብረኣብን ቀሺ ደብረጽዮን ኣርኣያን ካብ ካናዳ፡ ቀሺ ሙሴ ሽሻይ ካብ ስዊትዘርላንድ፡ ቀሺ ኢሳይያስ ብርሃነን ቀሺ ባስልዮስ ተስፋማርያምን ካብ ነርወይ፡ ኣነ ኸኣ ካብ ሽወደን፡ እንርከቦም፡ ሰብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ሆላንድ፡ ፈረንሳ፡ ዴንማርክ፡ ጀርመን፡ ሽወደን፡ ነርወይ፡ ኣብ ሓንቲ መኣዲ ቅዱስ ቍርባን ተሳቲፍና፣ ብሓባር ቃል-ኣምላኽ ተኻፊልናን በበጉጅለ ዘቲናን፡ ብህዱእን መንፈስካ ዘለዓዕልን ጥዑም መዛሙር ከኣ ተባሪኽናን።
ሕጻናትን መንእሰያትን ደቅና በብዕድሜኦም ተመቓቒሎምን ብሕብረት ኰይኖምን፣ ደቀንስትዮን ደቅ-ተባዕትዮን በብጾታኦም ተቐሚጦምን ብሓባር ኰይኖምን፡ ነቲ በረኸት ተኻፈልዎ። ብጉጅለ እምነት ዝቐረበ፡ ሕንቅልሕንቅሊተይ ጥቕሲ ብጸወታ ማይም፣ ኣምላኽ ብብዙሕ መገዲ ከም ዝዛረብ ዘረድእ፡ ብቪድዮ እተሰነየ ትሕዝቶ፡ ብጉጅለ ምሕረት ዝቐረበ፣ ንድሕሪት ኣይንጥምትን ዘርእስታ ናይ መድረኽ ድራማን፡ ሞኖሎግን፡ ብጉጅለ ሰላም ዝቐረበት፡ ”ንድሕሪት ኣይንጥምትን” እትብል መዝሙር ብጉጅለ ፍቕሪ እተዳለወትን፡ ወዘተ፡ እቲ ሓጐስ ጥራይ ዘይኰነስ እቲ ሱታፌ’ውን ሓባራዊ ምንባሩ ብግብሪ ረአና።
ዓርቢ ብመም ሕሩይ ኪዳነ ዝቐረበ፡ ”ንድሕሪት ምምላስ እንታይ ማለት’ዩ፧” ዝብል ትምህርቲ ድሕሪ ምቕራቡ፡ ቀዳም ድማ ብቐሺ ደብረጽዮን ኣርኣያ፡ ”ሳዕቤን ንድሕሪት ምምላስ እንታይ’ዩ፧” ዝብል ክቐርብ ከሎ፡ ኣብቲ ሳልሳይን ናይ መወዳእታ መዓልቲ ኸኣ፡ እቶም ቀዲሞም ኣብ ኣርባዕተ ጉጅለታት ተኸፋፊሎም ዝጸንሑ ተሳተፍቲ፡ ብዲያቆን ዶር ሓይልኣብ ኣንገሶም እናተኣልዩ፡ ”ንድሕሪት ምእንቲ ኸይንምለስሲ፡ እንታይ ንግበር፧” ዝብል፡ መፍትሒ ዝኸውን ሓሳብ፡ ብደቂቕ ተዘራሪብናሉን፡ ብግሩም ምኽርን ሓሳባትን ድማ ኣብ መዕለቢኡ ክበጽሕን ከኣለ።
ዓመታዊ ጉባኤ ኦተቤ ጀርመን፡ ዮርዳኖስ ሃብተን ኤልሳ ኣበበን ንዝብሃላ ክልተ ደቀንስትዮ፡ ብሕብረት ኦተቤ ኣብ ዝወሃብ ስሩዕ ትምህርትታት ድሕነት፡ ወንጌልን ኣገልግሎትን፡ መምህራን ኰይነን ከገልግላ ብወግዒ ተፈላጥነት ክወሃበን ከሎ፡ ደስኪሉ ዝጸንሐ፡ ትንሣኤ ካህናት ዳግም ክበራበር፡ ሓባራውን ጽፉፍን መገልገሊ ክኸውን ዝኽእል መጽሓፍቲ ኣብ ምድላው ከኣ ከንጥፍን ወዘተ ኣንቂዱ’ሎ።
ኣምላኽ ሰማይ ከቕንዓልና’ዩ!
ለቡ
ዕላላት ጀርመን ክስዕብ'ዩ . . .