ሓጢኣት የልቦን፡ ኣርባዕተ ነጥቢ
ገሊኡ ሰብ ጐራሕ’ዩ፡ ”ቀጻሊ ንስሓ ኣየድልን፡ ዕዳኻ ተኸፊሉ’ዩ” ኣብ ዝብል’ዩ ዝሕባእ። እዚ ሎሚ ዝሰማዕክዎ ወዲ ግና፡ ወዳን ጓላን ከተፍልጥ፡ ቶግ ቶሮግ ኣቢሉ’ዩ ዝዛረብ። ሓጢኣት የልቦን!
ሓታቲ፡ ”ኣርባዕተ ነጥቢ ዘሎዎ ጌርካ መልሰለይ፡ ሓጢኣት ኣሎ ዶ፧”
መላሲ፡ ሰገጥ ከይበለ፡ ”የለን።”
ልዕሊ 20 ዓመታት ይገብር፡ እዚ ምህሮ’ዚ ኣብ ሞንጎና’ውን ኣብቶም ኣብ ሰምበል ዝነበርና ብዝኣተወ፡ ገለ ኣሕዋት ተንሲኦም፡ ”ዕዳና ተኸፊሉ፡ ሓጢኣትና’ውን ተደምሲሱ ስለ ዝዀነ፡ ሰሙን መጸ፡ ቀጻሊ ንስሓ ኣየድልየናን’ዩ” ብምባሎም፡ ናብ ክትዕን ምፍልላይን ጠሓልና። እዛ ሎሚ ዝረኸብክዋ ቍራጽ ቪድዮ እምበኣር፡ ነቲ ሽዑ ዝነበረ ሃዋህው’ያ ከም ስእሊ ብምዝርጋሕ ንዝኽረይ ዝሓደሰቶ። እቲ ወዲ፡ ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተጠቕሰ፡ ዕጻይ ምጻጻይ ዘይብሉ፡ ብቕሉዕ ”ሓጢኣት የልቦን” እዩ ዝብል።
ሓታቲ፡ ”መጽሓፍ ቅዱስ ግና፡ ዓስቢ ሓጢኣት ሞት’ዩ፡ እዩ ዝብል”
መላሲ፡ ”እወ፡ ዓስቢ ሓጢኣት ሞት ስለ ዝዀነ እንድዩ ጐይታና ኣብ መስቀል ሞይቱ። ኣብቲ መስቀል ኸኣ ሓንሳእን ንንሓዋሩን ንሓጢኣት ኣርሒቕዎ’ዩ። ኣብ እብራውያን 8.11 ”ዓመጻኦም ክምሕር እየ እሞ፡ ንሓጢኣቶም’ውን ድሕር’ዚ ኣይክዝክሮን እየ” ይብል። እግዚኣብሄር ሓጢኣት ኣይዝክርን እዩ። ንሕና ኢና ንእግዚኣብሄር፡ እንካ ሓጢኣተይ ዘክሮ ንብሎ ዘለና፡ እምበር፡ እግዚኣብሄር ፈጺሙ ሓጢኣት ኣይዝክርን እዩ። ንሕና ግና ነቲ ህያው ኣብ ማእከል ምዉታት ንደልዮ ኣለና”
ሓታቲ፡ ”ሓደ ሰብ ዘስክር መስተ እንተሰተየ፡ ሓጢኣት ኣይኰኖን ማለት ድዩ፧”
መላሲ፡ ”መንግስቲ ኣምላኽ እኳ ብብልዕን መስተን ኣይኰነትን። ነቲ ንስኻ ቈሊኻ እትበልዖ ስገም፡ ኣደይ ለቱ ግና ስዋ ጌረን እንተቐረባልካ፡ ከመይ ጌሩ’ዩ ኣብቲ ቆሎ ክኸውን ከሎ ጽድቂ፡ ኣብቲ ስዋ ክኸውን ከሎ ግና ሓጢኣት ዝኸውን፧ እዚ ጸወታ ቈልዑ፡ ጸወታ ገዛ-ገዛ እዩ”
ሓታቲ፡ ”እሞ ሓጢኣት የለን፧!”
መላሲ፡ ”የለን”
ምቁር መርዚ
ሓጢኣት ኣብ ዘይህሉ፡ ጽድቂ ኸ ኣሎ ዶ፧ ቢሉ ክሓቶ እናኸኣለ፡ እዛ ሕቶ እዚኣ ግና ንሓታቲ ኣይተራእየቶን። እቲ ሓጢኣት የልቦን፡ ኣይትሞቱን ኢኹም ወዘተ ዝብል ሓሳብ፡ ብቓል ኣምላኽ ተኸሺኑ ስለ ዝቐርብ’ዩ ኣደናጋሪ ዝኸውን። መርዚ፡ ብቓል ኣምላኽ ከሺንካ ምዅላስ ድማ፡ ካብ ጥንቲ፡ ስራሕ መን ምዃኑ፡ እቲ ዜንብብ ከስተውዕል ትጽቢት ይግበረሉ’ዩ።
ሰብ ብእምነት፡ ብጸጋ ብክርስቶስ ድሕነት ምስ ተቐበለን ውሉድ ኣምላኽ ናይ ምዃን መሰል ምስ ኣውሓሰን፡ ድሕሪኡ ከመይ ዝበለ ህይወትን ናብራን’ዩ ክህልዎ ዝግባእ፧ ደጊም ማሕደር ኣምላኽ፡ መቕደስ እግዚኣብሄር ኰይኑ’ዩ እሞ፡ ብኸመይ’ዩ ንመንፈስ ቅዱስ ዘጕህዮ፧ ስለምንታይን ብኸመይን እዩ ብምሕዳስ ሓሳቡ ክልወጥ ዘድልዮ፧ ስለምንታይ ከ ንስጋኡ ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዘብልን መስዋእቲ ጌሩ ከቕርብ የድልዮ፧ ሃዋርያ ዮሃንስ፡ ”ምስኡ ሕብረት ኣሎና ኢልናስ ኣብ ጸልማት እንተተመላለስና፡ ንሕሱ፡ ሓቂ’ውን ኣይንገብርን ኢና ዘሎና” ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ’ዩ፧ ደጊሙ’ውን ”ሓጢኣት የብልናን እንተበልና፡ ንርእስና ንጥብራ ኣሎና፡ እታ ሓቂ’ውን ኣባና የላን” ምባል ከ ስለምንታይ ኣድለዮ፧
እምበኣርከስ፡ በቲ ተንሲእናን ወዲቕናን ዝገበርና እንተገበርና’ውን ክንረኽቦ ዘይከኣለና ዘለኣለማዊ ድሕነት፡ ብእምነት ብኸምኡ፡ ብጸጋ ብክርስቶስ ካብ ተቐበልና፡ ከምቲ እቲ ጽሑፍ ዝብሎ፡ ” ደጊም ከምቲ ንጐይታና ክርስቶስ የሱስ እተቐበልኩምዎ፡ ከምኡ ኢልኩም ብእኡ ተመላለሱ። ኣብኡ ተሰሪትኩምን ተሃኒጽኩምን ብምስጋና መሊእኩም ከምቲ እተመሃርኩምዎ ዄንኩም ብእምነት ጽንዑ። ከም ናይ ክርስቶስ ዘይኰነስ፡ ብልማድ ሰብ፡ ከም ምህሮ ቝልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ ብጥበብ ዓለምን ብኸንቱ ምጥባርን ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲ፡ ተጠንቀቑ” (ቈሎ2.6-8)።
እተን ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ተጠቒሙለን ዘሎ ሓሳባት፡
ሀ. ብእኡ (ብክርስቶስ) ተመላለሱ
ለ. ብእምነት ጽንዑ
ሐ. ተጠንቀቑ
ሎሚ’ውን ከም ኣዳመ-ሄዋን፡ ክልተ ድምጺ ንሰምዕ ኣለና። ”ኣቱም ደቀየ፡ ሓጢኣት ምእንቲ ኸይትገብሩ፡ እዚ እጽሕፈልኩም አሎኹ” ዝብል ብኣፍ ሃዋርያ ዮሃንስ (1ዮሃ2.1) ”ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ሓደ ኻባኻትኩም ካብ ሓቂ እንተ ዘምበለ፡ ሓደ ኸኣ እንተ መለሶ፡ እቲ ንሓጥእ ካብ መገዲ ጌጋኡ ዚመልሶ፡ ንነፍሱ ኻብ ሞት ከም ዜድሕን፡ ብዝሒ ሓጢኣት’ውን ከም ዚኸድን፡ ይፍለጥ” ዝብል ብኣፍ ሃዋርያ ያእቆብ (ያእ5.19-20)። ብኣንጻሩ ኸኣ ከምዚ እዚ ሓውና ዝብሎን መሰልቱን፡ ቀጻሊ ብንስሓ ምሕጻብ ኣየድልን፡ አረ ብሱሩ፡ ሓጢኣት ዝብሃል’ውን የልቦን ዝብልን ከኣ በቲ ሓደ መዳይ! ነየናይ ሰሚዕና ነየናይ ክንክተል ንኽእል ናባና ዝሕደግ’ዩ!