ጽፍዒት ማርያም ኣብ ”ፍቕሪ ወይ ኸኣ ሞት”

ግጥምታት ሃይለ ቢዘን፡ እናሻዕ ነቢብካዮም፡ እናሻዕ ዝምቅሩ፡ እናሻዕ ኣዕሚቝካዮም እናሻዕ ዝብርበሩ ምዃኖም፡ ግጥሚ ንኸስተማቕር፡ ጸጋ እተዓደለ ዘበለ ዝምስክሮ’ዩ።

”ኣብ እንዳ ማርያም ነይሩ፡ ጆን እንብሎ

ከም ግዛዕ ዝገብሮ።”

ጆን፡ ወዲ ኸተማ’ዩ። ዓዃይ እንተዝነብር’ሞ፡ ”ሃንስ” ምተባህለ። ኣእምሮኣዊ ኩነተ-ጥዕናኡ፡ ”ከም ግዛዕ ዝገብሮ” ምዃኑ ተነግረና። ኣብቲ ”ግዛዕ” ዘሎ ምስጢር፡ ክሳዕ ክንዲ ዝኸኣልናዮ ንበርብር። ”ሕማም-ርእሲ ዘሎዎ፡” ”ዕቡድ” ”ጽሉል” እንተዝብለና፣ ሓደው፡ ”ስሑው” ”ዓሻ” እንተዝብለና፡ . . . ብርግጽ ክብለና’ውን ምኸኣለ፣ ግናኸ፡ እቲ ስራሕ፡ ዕምቈትን ጽባቐን ምእንቲ ክህልዎ፡ ገጣሚ ሃይለ ቢዘን፡ ነቲ ኹነት ብተራ ብህሎ ክገልጾ ኣይመረጸን። ”ከም ግዛዕ ዝገብሮ” ብምባል ከኣ ብሕቡእ-ውጋእ ሓደ ንጹር ስእሊ ፈጠረልና።

ኣብታ 110 ሕሩይ ቅንየት ዝሓዘት ”ፍቕሪ ወይ ኸኣ ሞት” እትብል መጽሓፉ፡ ገጣሚ ሃይለ ቢዘን፡ 10 ቅንየት ”ፍቕሪ ወይ ኸኣ ሞት” ተቐንዩ’ሎ። “ፍቕሪ ወይ ኸኣ ሞት” ዝብል ብህሎ፡ ዘይ ቅድመ-ኩነታዊ፡ ማለት፡-  ኣብ (ቅድሚ፡ ድሕሪ፡ ልዕሊ፡ ታሕቲ) ዝዀነ ይኹን ኩነት፡ ንፍቕሪ ምሕራይን ብፍቕሪ ምንባርን ማለት’ዩ። ነዚ ኸኣ ኣብተን 10 ቅንየት ብግሩም ኣበሃህላ ኣቕሪብዎ’ሎ።

1.     መጽሓፊ እንተሰኣነ፡ ብዝፈሰሰ ቀለም ሓቲሙ ”ፍቕሪ ወይ ኸኣ ሞት”

2.     ቀዝሒ እናቘሓመ፡ ”ፍቕሪ ወይ ኸኣ ሞት”

3.     ቈርበቱ ቀሊጡ እናሃበ፡ ”ፍቕሪ ወይ ኸኣ ሞት”

4.     ዕንኪላሎ ወፍሪ እናውፈረ፡ ”ፍቕሪ ወይ ኸኣ ሞት”

5.     እናሽካዕለለት’ኳ ነቢዑ ዝልምን ”ፍቕሪ ወይ ኸኣ ሞት”

6.     ቅብዝርና ዘይዓግቶ ”ፍቕሪ ወይ ኸኣ ሞት”

7.     ትጽቢትን ስቓይን ከም  ማና ወ በረኸት ”ፍቕሪ ወይ ኸኣ ሞት”

8.     ምብታን ንዘይተርፍ ከም ዘርኢ ፈቐዶኡ ክብተን ዝብህግ ”ፍቕሪ ወይ ኸኣ ሞት”

9.     ብንብዓቱ እናላገጸት ክንሳ፡ ንሱ ግና ክዝቈቝ ዝሓሪ ”ፍቕሪ ወይ ኸኣ ሞት”

እታ ዓስረይቲ ኸኣ፡ እዛ ሎሚ እነስተማቕራ እያ፣ እንሀት፦

ኣብ እንዳ ማርያም ነይሩ፡ ጆን እንብሎ

ከም ግዛዕ ዝገብሮ። ካብ ዝነገረኒ ዘይርስዖ-

ኣብ ጸሎት፡ ብፍቕሪ ከላግጽ ማርያም ሰሚዓቶ፡

እቲ ጽፍዒት ዘላደደቶ፣ ኰይኑ ከም ዘጽገቦ

እንጀራ ምስ ሕምቶ።

-       ነዚ ዕላል ግልብጥ ነብሎ፣ ማለት ፍቕሪ

ዝሕጭጨሉ ንነብሱ ባዕሉ ዝጸፍዕ

ስሑው ንግበሮ

ዛንታይ ከኣ ከምዚ ምዀነ -

ኣብ መንደቕ ተላሒጉ ዝተረፈ፡

ቅጥኒ ጸሎት ’ተሸንከሮ፡ ብደዉ ዝገርነወ-

“ፍቕሪ ወይ ኸኣ ሞት!” ተጽደቖ፡ ሱባኤ ዝኣተወ።

እንዳ ማርያም ከም ውክልና

ኣኽርያ፡ ማይ ተመናይ፡ ሰምበል ምባል ሓዲጉ፡ ጥርዚ ጽባቐ ንምፍጣር፡ ”እንዳ ማርያም” ምምራጹ፡ ነስተብህል። ነስመራ በስመራኡ እትውክለሉ፡ ማርያም ኣስመረይቲ እያ። ”ኣብ እንዳ ማርያም ነይሩ፡ ጆን እንብሎ”

እንዳ ማርያም፡ ቤተ ክርስቲያን ጥራይ ዘይኰነ፡ ነስመራ ክውክል ዝኽእል፡ ስም ገዛውቲ’ውን እዩ!

ጆን፡ እቲ ወዲ ኸተማ፡ እቲ’ኳ ኣእምሮኣዊ ጥዕናኡ ከም ግዛዕ ዝገብሮ፡ እተባህለና፡ ንሱ፡ ሓደ እዋን ብፍቕሪ ከላግጽ ከሎ፡ ማርያም ሰሚዓቶ። ለውሃት ማርያም ብሓደ መዳይ፡ ጥዕና ጆን ከኣ በቲ ሓደ መዳይ፡ ኣብ ሞንጎኦም ድማ፡ ተግባር ጆን፡ ማለት፡ እቲ ላግጺ ብፍቕሪ፣ ሰለስተ ኵነት ኣብ መድረኽ ጸሎት ተቐሚጦምልና ኣለዉ።

ገጣሚ ኣብቲ ዝጽሕፎ ዘሎ ዓውዲ፡ ዓሚቝ ኣፍልጦ ከም ዘለዎ፡ እቶም መሪጽዎም ዘሎ ኣምራት፡- “ማርያም፡ ፍቕሪ፡ ጸሎት፡ ጽድቂ፡ ሱባኤ. . .” ወዘተ ዝብሉ ቃላት፡ ብሓደ መዳይ፣ ንዅነት ሰብ ዝገልጽ፡ “ስሑው፡ ከም ግዛዕ ዝገብሮ፡ ገርናው፡. . .” ወዘተ ዝብሉ ኸኣ በቲ ሓደ መዳይ፣ ስእላዊ ኵነት ዝፈጥሩ፡ ብህሎታት፡ “ኣብ መንደቕ ተላሒጉ ዝተረፈ፡ እተሸንከረ ቅጥኒ፡ ብደዉ ዝገርነወ፡ . . .” ወዘተ ዝብሉ ይምስክሩልና።  

ጽፍዒት ማርያም

እቲ ”ከም ግዛዕ ዝገብሮ” እተባህለና ጆን፡ ሓደ እዋን ኣብ እንዳ ማርያም፡ ኣብ ጸሎት ብፍቕሪ ከላግጽ ተረኽበ። ብተግባራቱ ክቕጻዕ ኔርዎ። ንማርያም ከም ቀጻዒት ጌርካ ምቕራብ ግና፡ እቲ ብድሆ ቀሊል ኣይከውንን። እቲ ጽባቐ እምበኣር ኣብዚ’ዩ ዝፍጠር፣ ለውሃትን ፍቕርን ማርያም ከይተንከፍካ፡ ነቲ ብፍቕሪ ምልጋጽ ከኣ መግናሕቲ ከየውሓድካ፡ ነዚ ኽልተ ጥርዚ’ዚ ብኸመይ ፍትሒ ተውጽኣሉ፧ ገጣሚ ሃይለ ቢዘን እተበላሓቶ እምበኣር ንርኣዮ፦

ኣብ ጸሎት፡ ብፍቕሪ ከላግጽ ማርያም ሰሚዓቶ፡

እቲ ጽፍዒት ዘላደደቶ፣ ኰይኑ ከም ዘጽገቦ

እንጀራ ምስ ሕምቶ።

እቲ፡ ”ዘላደደቶ” ዝብል ቃል፡ ንዓቐን ጸቕጢ እቲ ጽፍዒት’ዩ ዘጕልሓልና። እዚ ጽፍዒት እዚ ግና ንጆን፡ ከም ዝበለጸ ምግቢ-ውራይ ”እንጀራ ምስ ሕምቶ” ኰነሉ። ነቲ ሓሳብ፡ ቃል ንቓሉ፡ ክንርድኦ ምርጫ ኣሎና፣ በቲ ዝቐሰሞ ዓሚቝ ፍልጠትን ነፍሳዊ ምግብን እንተተረዳእናዮ ድማ፡ እቲ ዕምቈት ምስትንታንና መሊሱ ይውሽጥ! ጌጋኡ ተነጊርዎ፡ ዝብላዕ ረኺቡሉ!

ነቲ ዛንታ ንገልብጦ (ንነብሱ ባዕሉ ዝጸፍዕ)

-       ነዚ ዕላል ግልብጥ ነብሎ፣ ማለት ፍቕሪ

ዝሕጭጨሉ ንነብሱ ባዕሉ ዝጸፍዕ

ስሑው ንግበሮ

ኣብዚ ማይ-ቤት እዚ፡ ማርያም እተላድዶ ዘይኰነስ፡ ነንብሱ ባዕሉ ንባዕሉ ዝጸፍዕ፡ ስሑው (ቅሩብ ናይ ጽላለ ጠባይ ዘሎዎ፡ ሕዋይ፡ ዕውን ዝበለ፡ ዘይስተውዕል) ጌርና ክንርእዮ’ዩ ተነጊሩና ዘሎ።

ፍቕሪ ወይ ኸኣ ሞት

ዛንታ እቲ ኣብ (ቅድሚ፡ ድሕሪ፡ ልዕሊ፡ ታሕቲ) ዝዀነ ይኹን ኩነት፡ ”ፍቕሪ ወይ ኸኣ ሞት” በሃሊ ኣብዚ ኩነት እዚ ኸ ከመይ ክኸውን’ዩ ንዝብል፦

ኣብ መንደቕ ተላሒጉ ዝተረፈ፡

ቅጥኒ ጸሎት ’ተሸንከሮ፡ ብደዉ ዝገርነወ-

“ፍቕሪ ወይ ኸኣ ሞት!” ተጽደቖ፡ ሱባኤ ዝኣተወ።

ብምባል ደምዲምዎ’ሎ።

  • ኣብ መንደቕ ተላሒጉ ዝተረፈ፡ (ዝተረስዐ፡ ዝግደሰሉ ዘየልቦ፡) ማለት’ዩ።

  • ቅጥኒ ጸሎት (ቅጥኒ ማለት፡ ቀጢን ፈትሊ ማለት’ዩ። ጸሎት ከም ቅጥኒ ጸሎት እተሸንከሮ ማለት፡ ጥንግንግ ዝበሎ እተሓላለኾ፡ ቍጽርጽር ቢሉ ምፍታሕ ዝኣበዮ)

  • ብደዉ ዝገርነወ (ገርነወ ማለት፡ ብሕማም ወይ ብእርጋን ምስማዕን ምርዳእን ሰኣነ፡ ኣመና ቈንቈነ፡ ገርምዐ፡ ኣረገ ወዘተ) ማለት’ዩ።

ይኹን ደኣ’ምበር፡ እቲ ኣብ (ቅድሚ፡ ድሕሪ፡ ልዕሊ፡ ታሕቲ) ዝዀነ ይኹን ኩነት፡ ”ፍቕሪ ወይ ኸኣ ሞት” በሃሊ ካብታ ጽንዕቲ መትከሉ፡ ፈልከት ከይበለ፡ ”ፍቕሪ ወይ ኸኣ ሞት” ኣብ ዝብል ሱባኤ ኣተወ። “ሱባኤ” ማለት፡ ብሕታዊ ናይ ሾብዓተ መዓልቲ ጸሎት፡ ማለት’ዩ። እወ! “ፍቕሪ ወይ ኸኣ ሞት” ቃል ኣይቀየረን!!

ደጊም ነቲ ግጥሚ፡ ደጊምና ደጋጊምና ንንበቦ። ሰሊስና ሰላሊስና’ውን ንንበቦ፣ እቲ ምጸ-ምጸ፡ እናመዓረ፡ እናመቀረ፡ እናመዓዘ ክውሕዝ’ዩ። ግጥምታት ሃይለ ቢዘን፡ እናሻዕ ነቢብካዮም፡ እናሻዕ ዝምቅሩ፡ እናሻዕ ኣዕሚቝካዮም እናሻዕ ዝብርበሩ እዮም፣ የቐንየልና ገጣሚ ሃይለ ቢዘን!!
ነዛ መጽሓፍ ኣብዚ ጠዊቕኩም ክትውንንዋ ትኽእሉ

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Next
Next

እንተ ትረኽብዎም፡ እንታይ ምሓተትክምዎም፧