እንተ ትረኽብዎም፡ እንታይ ምሓተትክምዎም፧

ኣብ ሓደ ጉጅለ ዋትስ-ኣፕ፡ ቃንጫን ብጫን ዝብሃሉ ሰብ-ሓዳር ኣለዉ፣ በረቐን ጨረቐን ዝብሃሉ ፈተውቲ ድማ ኣለውዎም። ሎሚ 12 ሓምለ 2026 ዝኽሪ ቅዱስ ጴጥሮስ ወጳውሎስ ምኽንያት ብምግባር፡ ኣብ እንዳ ቓንጫ፡ ቡን ዓሚራ፡ ኵሎም እናዕለሉ፡ ቃንጫ ሃንደበታዊ ሕቶ ኣልዒሉ፡ ምድረ ሰማይ ዕምብረ ኣምሰላ።

* ቃንጫ፦ ”ጴጥሮስን ጳውሎስን ምሳና ሓቢሮም ኣለዉ ንበል” ብምባል ኣቓልቦ ነፍስ ወከፍ ሰሓበ። “ነፍስ ወከፎም ካብ ሓደ ሰብ ሓንቲ ሕቶ ጥራይ እዮም ዝቕበሉ። ስለዚ፡ ኣዚኹም ሓሲብኩም፡ ሓንቲ ሕቶ ጥራይ ንጴጥሮስ፡ ሓንቲ ሕቶ ጥራይ ከኣ ንጳውሎስ ክትሓትዎም ኢኹም ማለት'ዩ” ብምባል ከኣ ንሕቶኡ ብሩህ መእተዊ ገበረሉ።

* ጨረቐ፡ ” ሓንቲ ሕቶ ጥራይ ንጴጥሮስ፡ ሓንቲ ሕቶ ጥራይ ድማ ንጳውሎስ ክንሓትት ማለትካ ድዩ፧”

* በረቐ፡ ”ነዚኣስ ክትደግማ ኢኻ ደኣ ደሊኻ እምበር፡ እወ፡ ከምኣ’ያ። ንሓደ ሰብ ሓንቲ ሕቶ እንድዩ ዝብለና ዘሎ”

* ቃንጫ፡ ”ብጫ ነብሲ ብኣኺ ክጅምር’የ. . . ያላ ሕቶ ኺ ኣቕርቢ”

* ብጫ፡ ”እህምምምም! ሓንቲ ሕቶ ንጴጥሮስ፡ ሓንቲ ሕቶ ድማ ንጳውሎስ. . . ግርም፡ ንጴጥሮስ ዘቕርበሉ ሕቶ፡ ”ሰበይትኻ መን ስማ፧ ውላድ ከ ኔርኩም ዶ፧” ገና እናተዛረበት ከላ፡ ቃንጫ ኵልፍ ኣቢሉ፡ ”መጅሙዕ እኳ ጌርክዮ፡ ሓንቲ ሕቶ ጥራይ እንዲና ንብል ዘለና፧” ብምባል ገንሓ።

* ብጫ፡ ”ሕራይ ቃንጪኖ ሓወይ፡ እምበኣር ንጳውሎስ ከኣ፡ ”እቲ ኣብቲ ሳልሳይ ሰማይ ዝሰማዕካዮ ቋንቋስ፡ ገለ ዶ ኾን ከምዚ ሓውሲ ትግርኛ ኔርዎ ይኸውን፧” እዚኣ እየ ክሓቶ ዝደሊ በለት።

* ቃንጫ፡ ” እናሰሓቐ፡ እዚ ፍቕሪ ቋንቋ ትግርኛ’ኳ ከጸልለኪ እንድዩ. . . ሕራይ፡ እሞ ናባኻ ኢና በረቐ”

* በረቐ፡ ”ንጴጥሮስ፡ ’ኬፋ፡ ስምኦን ከምኡ'ውን ጴጥሮስ ዝብል ሰም ኣለካ እሞ፡ ንስኻ በየናይ ክትጽዋዕ ትመርጽ፧ ቢለ ምሓተትክዎ። ንጳውሎስ ድማ ”ካብ መልእኽትታትካ ነዛ ኣብ ኤርትራ ዘላ ቤተ ክርስቲያን ብቐዳምነት ነየነይቲ መልእኽቲ ምሰደድካላ፧ ቢለ ምሓተትክዎ”

* ቃንጫ፡ ”እዋይ ኣደይ መዓረይ. . . እዋይ ክትሓቱ! ጨረቒኖ፡ ተርታኻ በጺሑ’ሎ”

* ጨረቐ፡ ”ንጴጥሮስ፡ ’ኣብታ ቀዳመይቲ ስብከትካ፡ 3000 ነፍሳት ክኣምኑ ከለዉስ፡ ኣብ ምጥማቖም በብሓደ ዶ ብጉጅለ ኢኹም ኣጥሚቕኩሞም፧ እዚኣ ኩሉ ጊዜ ክሓታ ዝደልያ ሕቶ እያ። ንጳውሎስ ከኣ ’መልእኽቲ ናብ እብራውያንሲ ንስኻ ዲኻ ጽሒፍካያ፧ ቢለ ምሓተትክዎ”

* ብጫ፡ ”ግርም፡ ንዅልና ሓቲትካና እንዲኻ፡ ሕጂ ድማ ተራኻ’ዩ፧”

- ቃንጫ፡ ”መን በለ፡. . . እዞም ዝከታተሉና ዘለዉ ደቂ ማሕበርና ኸ፧. . . ሰሰሚዕካ ምስቃጥ (ሰሰሚዕካ ምጽቃጥ’ውን ክንብሎ ንኽእል ኢና) ከም ጉድ እንድዮም ፈትዮማ ዘለዉ. . . ሕጂ ግና ንቕድም ንሶም ከይመለሱ፡ ኣነ ኣይምልስን’የ” ቢሉ ሓንሓነ።

- ብጫ፡ "ናትካ እንዶ ግበር፡ ሃየ መልሲ ሃብ፡ ንጴጥሮስ እንታይ ምሓተትካዮ፡ ንጳውሎስ ከ፧"

- ቃንጫ፡ "5 ሰባት ሕቶታቶም ንጴጥሮስን ንጳውሎስን እንተኣቕሪቦም፡ ሽዑ ኣነ’ውን ሕቶታተይ ከቕርብ’የ. . .” ኣቕበጸ፡ ቃንጫ።

- ብጫ፡ “ሃየ በሉ ማሕበር፡ ደጊም ነቢብካ ምስቃጥ ንየው በልዋ እሞ፡ መልሲ ቃንጫ ድማ ድሕሪኡ ክንሰምዕ” በለት። ሃየ ንጴጥሮስ እንታይ ምሓተትኩሞ፧ ንጳውሎስ ከ እንታይ ምሓተትኩሞ፧

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Next
Next

ዓመታዊ ጉባኤ ኦ.ተ.ቤ. ዓመተ 2026