ዓመታዊ ጉባኤ ኦ.ተ.ቤ. ዓመተ 2026

23-27 ሓምለ 2026 ኣብ ሃገረ ጀርመን፡ ባድ-ሆምበርግ ኣብ ዝብሃል ከተማ ክካየድ’ዩ።

ኣብዚ ዓመታዊ ጉባኤ እዚ፡ ሊቀ-ካህናት ቀሺ ተኽለማርያም ምህርካጽዮን፡ ካብ ጀርመን፣ ቀሺ ሰመረ ስብሃቱን ቀሺ ደብረጽዮን ኣርኣያን ካብ ሃገረ ካናዳ፣ ቀሺ ሙሴ ሽሻይ ካብ ስዊትዘርላንድ፣ ቀሺ ኢሳይያስ ብርሃነን ቀሺ ባስልዮስ ተስፋማርያምን’ውን ካብ ሃገረ ነርወይ፡ ክሳተፉ እዮም።

ሕጻናትን መንእሰያትን ደቅና፡ መዘምራን፡ ካህናትን ዲያቆናትን ምስ ማሕበረ ምእመናን ካብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ካብ ፈረንሳ፡ ካብ ሆላንድ፡ ካብ ስዊትዘርላንድ፡ ካብ ሽወደን፡ ተኣኻኺብና ኣብ ጀርመን ክንጋባእ ኢና። እቲ ስሩዕ መደብ፡ ዓርቢ-ሰንበት ኰይኑ፡ ቀዳም ብስርዓተ ቅዳሴ ዝተሰነየ ኣገልግሎት፡ ካብ መኣዲ ቅዱስ ቍርባን ክንሳተፍ ኢና።

መሪሕ ጥቕሲ፡- እብ 10 39 ”ንሕና ግና ምስቶም ምድሓን ነፍሶም ኪረኽቡ ዚአምኑ እምበር፡ ምስቶም ናብ ጥፍኣት ንድሕሪት ዚምለሱ ኣይኰንናን”

ጉባኤ ዝካየደሉ ኣድራሻ፡- DJH Youth Hostel Bad Homburg, Mühlweg 17, 61348 Bad Homburg vor der Höhe, Germany

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

እንተ ትረኽብዎም፡ እንታይ ምሓተትክምዎም፧

Next
Next

ራብዓይ ደረጃ ዕብዳን!