ራብዓይ ደረጃ ዕብዳን!

”እስራኤላውያን፡ ኤርትራውያን እዮም ኔሮም፣ ኣነ ንሃዋርያ ጳውሎስ እበልጾ’የ. . .” ዝብል፡ ዕቡድ ሓሳብ ዘሎዎ ሰብ ኣሎ ንበል። ቀዳማይ ደረጃ ዕብዳን ዘሎዎ ቢልና ኸኣ ንስመዮ።

ነዚ ኸምዚ ዝሓስብ ሰብ፡ ከም ቅዉም-ነገር ቈጺሩ ናብ ስቱድዮ ብምዕዳም ዘዕልል ሰብ ከኣ ኣሎ። ነዚ’ውን ”ካልኣይ ደረጃ ዕብዳን ዘሎዎ” ቢልና ነጥምቆ።

ነቲ ዝተገብረ ዕላል፡ ተቐሚጡ ዝከታተል ሰብ ድማ ኣሎ። ሳልሳይ ደረጃ ዕብዳን ዘሎዎ ይኸውን ኣሎ ማለት’ዩ።

ከምዚ እትነብዎ ዘለኹም፡ ብዛዕባ ካልኦት ምዝራብ፡ ብዙሕ ከቢድ ዘይክኸውን ይኽእል’ዩ። ብዛዕባ ዓርስኻ ምዝራብ ግና ቀሊል እንተዀይኑ ንርኣዮ።

እቲ ወናኒ ዕቡድ ሓሳብ ዝበልናዮ፡ ኣነ ኣይኰንኩን ንበል። እዝግሄር ይመስገን ድማ ብርግጽ፡ ንሱስ ኣነ ኣይኰንኩን።

እቲ ንወናኒ ዕቡድ ሓሳብ ዓዲሙ ዘዕለለ’ውን ኣነ ኣይኰንኩን ከኣ ንበል። እወ፡ ብርግጽ ድማ፡ እዝግሄር ይመስገን፡ ንሱስ ኣነ ኣይኰንኩን።

እቲ ነቲ ዕላል ዝተኸታተለ ግና ብርግጽ ኣነ’የ። እንተስ ተቐሚጠ፡ እንተስ ብጐፍታ. . . እወ፡ ነቲ ዕቡድ ሓሳብ፡ ናብ እዝነይ ድሕሪ ምውታፍ፡ እቲ ሓሳብ ድማ ሰሊዅ ናብ ውሽጠይ ዘረቝ፡ እንሆ እኳ እጽሕፍ ኣለኹ።

ሰሚዕካ ከም ዘይሰማዕካ ምዃን ኣይከኣልን’ዩ’ሞ፡ ዘረባ ዕብዳን ሰሚዕካ ኸኣ በቲ ዕብዳን ኣይተለኸፍኩን ምባል ዝከኣል ኣይመስለንን። እቲ ደረጃ ዕብዳን ናብ ካልኣይን ቀዳማይን ደረጃ ገጹ ዶ ይምዕብል ይኸውን፡ ሓደው ናብ ራብዓይ ደረጃ ዕብዳን የሰጋግረኒ ይኸውን ከኣ፡ ጊዜ ዘግህዶ ኩነት’ዩ ዝኸውን።

ራብዓይ ደረጃ ዕብዳን፡ ነቲ ዕቡድ ሓሳብ፡ ሓጊሒግካ ድዩ ሰቕሲቕካ፡ ኪንዮ ሓጹር ክንዲ ምድርባይ፡ ሓደው፡ ኣዕሚቝካ ብምፍሓር ክንዲ ምቕባርሲ፡-

3.1 ላይክ
3.2 ሳብስክራይብ ምግባር ክኸውን ከሎ፡ ጥርዚ እንተዓሪጉ ድማ፡ ምሉእ ብምሉእ ናብ ራብዓይ ደረጃ ብምስግጋር

4.0 ሼር ትገብር ማለት’ዩ። እወ፡ ነቲ ዕቡድ ሓሳብሲ፡ ብዝተፈላለየ መገዲ ናብ ካልኦት ተካፍሎ።

ኣበየናይ ደረጃ ዕብዳን ምህላውኩም፡ ምስ ከመይ ዝዓይነቱ ሓሳብ ዘሎዎ ትውዕሉን ትሓድሩን፡ እንታይ ዝዓይነቱ ትሕዞ ዘሎዎ፡ ተቐሚጥኩም ድዩ ብጐፍታ ትሰምዑ፧ ንእንታይ ዝዓይነቱ ትሕዞ ኢኹም ላይክ፡ ሳብስክራይብ ሼር ትገብሩ ወዘተ ዓርስኹም ምዘኑ። ከምቲ ዝተባህለ፡ ብዛዕባ ካልኦት ምዝራብ፡ ብዙሕ ከቢድ ዘይክኸውን ይኽእል’ዩ። ብዛዕባ ዓርስኻ ምዝራብ ግና ብዙሕ ቀሊል ከም ዘይኰነ፡ ደጊም ፍተንዎ!

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Next
Next

ገዳም ኣብ ስደት፡ ነገረ-ፍልስፍና