ገዳም ኣብ ስደት፡ ነገረ-ፍልስፍና
ገለ ዝበስበሰስ ይጨኑ’ሎ! ብሲኖዶስ ኤርትራ ዝምእከል፡ ”ተስፋ ስዱዳን ደብረ ሲና” እተሰምየ ገዳም ኣብ ኬንታኪ፡ ብኣቡነ መቃርዮስን ኣቡነ ሲኖዳን ዝምእከል ገዳም “ምዕራፈ ቅዱሳን ደብረ ሊባኖስ ወተክለሃይማኖት” ዝብሃል ድማ፡ ኣብ ሳንታኣንቶንዮ ቴክሳስ፡ ክልቲኦም፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ተገዲሞም ኣለዉ። ውዒሉ ሓዲሩ፡ ኣብቶም ኣብ ካልእ ክፋል ዓለም እንነብር’ውን ምስፍሕፋሑ ዘይተርፎ ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ፋዓራ ምስረታ ገዳም ኣብ ስደት፡ ወድዓዊ ድዩ ዝብል ሕቶ ከነልዕል ንቡር’ዩ።
እናጐየኻ ዝንበብ፡ መንበር ኣጣጢሕካ ድማ ዝሕሰብ ኢና ከነዕልል። ኣብ ስደት፡ ኣሕዳሪ ቤት ጸሎት፡ መእለዪ ጽጉማት፡ መልዕሎ ኣረጋውያን፡ መውዓሊ ሕጻናት፡ መዕረፊ ኣጋይሽ፡ ቤተ ኣስተንትኖ፡ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ቤት ምህሮ ዜማ፡ ቋንቋ፡ መካነ መቓብር ወዘተ ኣድላዩ ክኸውን ንቡር እዩ’ሞ፡ ”ገዳም” ቢልና ክንዲ ንሰምዮስ፡ በቲ ክህቦ ዝኽእል ኣገልግሎት እንተሰመናዮ ዶ ዝያዳ ወድዓዊ ምዀነ፧ ንኽብሪ እቲ ”ገዳም” እንብሎ ድማ ዝያዳ ዶ ክዕቅብ ምተኻእለ፧ መንበር ኣጣጢሕካ ዝሕሰብ ምዃኑ ኣይንዘንግዕ።
ገዳም ማለት በረኻ ማለት’ዩ። ዓለምን ፍትወታን ንዒቕካ፡ ሰይጣንን ሰራዊቱን ክሒድካ፡ በረኻ ምስፋር ማለት ድማ እዩ። ካብ ኤርትራ ናብ ኣመሪካ ዘብረረካ፡ ንዕቀት ዓለምን ፍትወታን ዘይምዃኑ ከም ጸሓይ ጾመ-ኣርብዓ ኳዕ ዘለ ብሩህ’ዩ! ኣብ ኣመሪካ፡ ፍቕሪ ገዳም፡ ንልብኻ እንተመልኦ’ሞ፡ ብሓቂ ድማ ገዳማዊ ህይወት ክትነብር እንተብሂግካ፡ ንኤርትራ ምምላስ ዶ ዝያዳ ግብራዊ ኣይመስልን፧ እዚ ሓሳብ’ዚ፡ ምናልባሽ ከምቲ እናጐየኻ ዝንበብ፡ ከምኡ’ውን እናጐየኻ ክትሓስቦ ዝከኣል ደኣ እምበር፡ ምጥጣሕ መንበር ዘድልዮ’ውን ኣይመስልን’ዩ።
ምናልባሽ ዘይበርሀ እንተዀይኑ፡ ዕረን መዓርን ዘኪርና፡ ከተማን ገዳምን ንበል። ዝተማልአ ማሕበራዊ መሳለጥያታት፡ ቀረብ ነገራውን መንፈሳውን ጠለባት፡ ወዘተ ስለ ዘሎዎ፡ ከተማ፡ ብመዓር ደኣ እምበር ብዕረ ክምሰል ዝከኣል ኣይመስልን። መንበር ድሕሪ ምጥጣሕካ ግና፡ እቲ ኣብ ከተማ ዝዕብልል፡ ስእነት ጊዜ፡ ውጥረት ስነ-ኣእምሮ ከምኡ’ውን እቲ ብኩል ኣየርን እቲ ዘይቅርዕዉ ማሕበራዊ ህይወትን ይቕጀለካ’ሞ፡ ምረት እቲ ዕረ ድማ ይበርሃልካ። መናኒ ግናኸ ኣብ ከተማ ዛዋኒ፡ ብኸመይ ከነሰማምዖ ንኽእል፧
ደጊም ነታ ሳንቲም ከኣ ንገልብጣ እሞ፡ ናብ ገዳም ድማ ንእቶ። ጽንኩር ህይወት፡ ትሕርምቲ፡ ምናኔ፡ ጾም፡ ስግደት፡ ጸሎት፡ እንተሓፈሰ ጥጥቖ፡ እንተዘይኰነ ግና ጥረ-ምረ ዝትሕዝቶኡ ስለ ዝዀነ፡ ገዳም፡ ብዕረ ደኣ እምበር ብመዓር ክምሰል ዝከኣል ኣይመስልን። መንበር ድሕሪ ምጥጣሕካ ግና፡ እቲ ኣብ ገዳም ዝስተማቐር ህድኣት፡ ጸጥታ፡ ሰላም፡ መንፈሳዊ ዕግበትን ዕረፍትን፡ ወዘተ ኸኣ፡ ለካ ገዳም’ውን እባ ልዕሊ መዓር ጽጌናይ ዝምቅር’ዩ ከም እትብል ይገብረካ!
እዚ ኣብ ኣመሪካ ተገዲሙ ዘሎ ገዳማት፡ ብፍርናሽን ኰበርታን ዝማመቘ፡ ብዘመናዊ መሳለጥያታት እተዓጥቀ፡ መዋዕልቲ ዋይ-ፋይን ጀመናይን፡ መማስይቲ ቲክቶክን ፓልቶክን ዝኸውን እንተዀይኑ፡ ገዳምነቱ ካብ ከተማ ብምርሓቑ ጥራይ ድዩ ክልለ፧ ገለ ዝበስበሰስ ይጨኑ’ሎ፧ ቀሽን መሓልን፡ ጉሒላን ሰዓልን፡ ነዃዕን መስተርን፡ ጓሳን ሓካልን፡ ጳጳስን ደሞዝን፡ ምናኔን ምቾትን፡ ትሕርምትን ህርፋንን፡ ስደትን ገዳምን . . .ምስረታ ገዳም ኣብ ስደት፡ ወድዓዊ ድዩ፧