“ሃይማኖተኛ ኣይትኹን” ነገረ-ፍልስፍና

“ክርስትና ሃይማኖት ኣይኰነን” ክብሃል ዶ ሰሚዕኩም ኣለኹም፧ እግዚኣብሄር ሓንሳእ ተዛሪቡ፡ ክልተ ጊዜ እንተዘይሰሚዕካዮ፡ ብሱሩ’ውን ክርስቲያን’የ ክትብል ኣጸጋሚ’ዩ። ኣፎም መሊኦም፡¨ “ሃይማኖት ናይ ግሊ” ዝብሉን፡ ልቦም ከፊቶም፡ ነቲ ሓሳብ ዘርዕሙ’ውን፡ ኣለዉ፣ ከም ገለ እንተዘየስጊልኩም ከኣ፡ ብርግጽ ገጢሞምኹም’ውን ኣለዉ። ንሳንቲም ብሓንቲ ገጽ ብምርኣይ ጥራይ ዝዓግቡ፡ ካልኣይ ገጽን፡ ዓንኬላዊ ጥርዝን ከም ዘሎ ግና፡ ንምስትብሃል’ውን ይኹን ግዲ ዘይገብሩ፡ ምስ ከምዚኣቶም ዓይነት፡ ከመይ ክትረዳዳእ ትኽእል፧!

“ቅኑዕ መገድን ቅኑዕ ኣገባብን ኣየናይ’ዩ፧” ምባል፡ ሕቶ ሃይማኖት ክኸውን ከሎ፡ “ኣነ መን’የ፧ ዕላማ ምንባረይ ከ እንታይ እዩ፧” ዝብል ሕቶ ድማ፡ ሕቶ መንፈሳውነት’ዩ። ንመንፈሳውነት ካብ ሃይማኖት እንተነጸልናዮ፡ መኪና ብዘይ ሞተር ንብል ኣለና ማለት’ዩ፣ ንሃይማኖት ካብ መንፈሳውነት እንተነጺልናዮ ድማ፡ ሞተር ብዘይ መኪና ንገብሮ ኣለና። ሃይማኖትን መንፈሳውነትን፡ ንሰብ ኣብቲ ዓንኬላዊ ጥርዚ ዘቐምጡ፡ ክፈላለዩ ዘይክእሉ፡ ክልተ ገጻት ናይ ሓንቲ ሳንቲም’ዮም።

ነገረ-ፍልስፍና እዩ’ሞ፡ ዝሑል ማይ ቀሪብና፡ መንበር ከኣ ኣጣጢሕና ንቐጽል። ሰብ፡ ሃይማኖታዊ ኰይኑ፡ መንፈሳዊ ክኸውን ይኽእል ዶ፧ ወይ ብግልባጡ፣ መንፈሳዊ ኰይኑስ፡ ሃይማኖታዊ ኸ ክኸውን ይኽእል ዶ፧

ሃይማኖት፡ ፍሉጥ ዝዀነ ደረትን ወሰንን ኣሎዎ፣ ስሩዕ ዝዀነ ጾምን ጸሎትን፣ ቅዩድ ዝዀነ ኣገባብን መገድን፣ ኣሎዎ። መንፈሳውነት ግና ብኣሰረ-ኣሰር ዘይብጻሕ፡ ወዳጄ መዓሙቕ’ዩ! ኣብ ሃይማኖት ከም ድሌትካ ኣይትመላለስን፡ ከም ዝመስለካ ኣይትነብርን፡ ብዝመስለካ ኣይትትርጉምን። ኣብ መንፈሳውነት ግና ምስ ውሽጥኻ ተሰማሚዕካን ኣብ ውሽጥኻ ጥሒልካን ትጽሊ፡ ብውሽጣዊ ድራኸ ትጸውም፡ ብውሽጣዊ ዕግበትን ርድኢትን ከምዝን ከምትን ትብልን ትገብርን። ሃይማኖት ብሓባር፡ ብጥምረት፡ ብጉጅለ፡ ክኸውን ከሎ፡ መንፈሳውነት ግና፡ ኣብ ውልቅን ንውልቅን ይጸቅጥ። ስለዚ፡ “ሃይማኖት ናይ ግሊ” ንዝብለካ፡ ኮፍ ኣቢልካ ኣዘራርቦ። መንፈሳውነት ደኣ’ምበር፡ ሃይማኖት ናይ ግሊ ኰይኑ ከም ዘይፈልጥ ከኣ፡ ማይ ፈሊጥ ኣምዑጎ።

ንሃይማኖት፡ ሃይማኖት ዘብሎ፡- እምነት፡ መምርሒ ዝኸውን ቅዱስ ጽሑፍ፡ መጸለዪ ዝኸውን ቦታ፡ ስርዓታት ዝፍጽምን ዝምህርን መራሒ፡ ንፍሉይ ዕላማ እተሓዝኡ መዓልትታት፡ እውጅ ጾምን ጸሎትን፡ ወዘተ ክኸውን ከሎ፡ ንመንፈሳዉነት መንፈሳዊ ዘብልዎ ረቛሒታት ድማ፡ ምስ ፈጣሪ ዝህሉ ውልቃዊ ርክብ፡ ውሽጣዊ ሰላምን ዕረፍትን፡ ልብኻ ኣብ ሰማይ ምግባር፡ ንጽህናን ቅድስናን፡ ንጹር ዕላማ ህይወት፡ እዙዝ ህይወትን ውሽጣዊ ርትዕን ወዘተ እዩ።

መንፈሳውነት ዘይብሉ ሃይማኖት ኣብ ”ግበር፡ ኣይትግበር” ጥራይ’ዩ ዘተኵር። ”ዶግማ ፈረሰ፡ ቀኖና ተጣሕሰ” ምባል ከኣ፡ መለለይኡ ይኸውን። ካብዚ ብምብጋስ ይመስል፡ “ኣማኒ ደኣ እምበር፡ ሃይማኖተኛ ኣይትኹን” ቢሎም ዝምዕዱ፡ ሒደት ዘይኰኑ። “ካብ ሃይማኖት ውጻእ፡ ኣብ መንፈሳውነት እቶ” ቢሎም ዝጉስጉሱ’ውን ታእላው የብሎምን። እቶም “ክርስትና ሃይማኖት ኣይኰነን” ቢሎም ዝሰብኩ’ውን ካብዚኣቶም እዮም።

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዚ በለ፦

“ክልተ ወይ ሰለስተ ዀይኖም ብስመይ ኣብ እተኣከቡሉ ኣነ ኸኣ ኣብኡ ኣብ ማእከሎም እየ እሞ፡ ክልተ ካባኻትኩም ኣብ ምድሪ ብዚልምንዎ ነገር ኵሉ እንተ ተሳማምዑ፡ ካብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ኪውሃቦም እዩ፡ ኢለ ኸም ብሓድሽ እብለኩም አሎኹ» (ማቴ18.20)።

ክልተ ወይ ሰለስተ፡ ክብል ከሎ፡ ሕብረት’ዩ ዘርእየና ዘሎ። ብስመይ ኣብ እተኣከቡሉ ክብል ከሎ፡ ንንጹር ዕላማ ምእካቦም እዩ ዝነግረና ዘሎ፡ እንተተሰማምዑ ክብል ከሎ ድማ፡ ዘሰማምዖም ሓባራዊ ነገር ክህሉ ከም ዝግብኦ’ዩ ዝእንፍት ዘሎ። እዘን ኵለን ዝጠቐስናየን፡ ንሃይማኖት፡ ሃይማኖት ዘብላኦ ረቛሒታት እየን። “ክርስትና ሃይማኖት ኣይኰነን ንዝብለካ እምበኣር፡ ኮፍ ኣቢልካ ኣዘራርቦ። ክርስቶስ፡ ንጴጥሮስ እናተዛረበ ክንሱስ ግናኸ፡ «ንማሕበረይ ከኣ ኣብዛ ኸውሒ እዚኣ ኽሃንጻ እየ» ከም ዝበሎ ጠቒስካ፡ ማይ-ፈሊጥ ኣምዑጎ።

ክርስትና ብኽልተን ሰለስተን ጀሚሩ ብሓባር ዝንበር እምነት ምዃኑ ንምርኣይ፡ መንፈስ ቅዱስ ከኣ፡ ነታ ብደም ክርስቶስ እተጠርየት ቤተ ክርስቲያን ዝጓስዩ፡ ጓሶት፡ ኤጲስቆጶሳት ገይሩ ሾመ (ግብ20.28)። ኣብ ግብረ ሃዋርያት ይኹን ኣብ መልእኽትታት፡ ኣብ ራእይ ዮሃንስ’ውን ይኹን፡ ቤተ ክርስቲያን፡ ስርዓት ከም ዘለዋ፡ ኣገባብ ከም ዘለዋ፡ መምርሒ ከም ዘለዋ፡ ኮታ ኩሉ እቲ ንሃይማኖት፡ ሃይማኖት ዘብሎ ረቛሒታት ከም ዘለዋ እናረአኻ ዘይምኽሓድ፡ ልቦና’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ንጢሞቴዎስ ክላበዎ ኸሎ “ኣብታ ቤት ኣምላኽ፡ ማለት፡ ናይታ ሓቂ ዓንድን መሰረትን ዝዀነት ማሕበር ህያው ኣምላኽ፡ ከመይ ክትገብር ከም ዚግብኣካ ኽትፈልጥ እፈቱ አሎኹ» እዩ ዝበሎ፡ (1ጢሞ3፡15)።

ነፍሲ-ኣልቦ ስጋ፡ ህይወት ከም ዘይብሉ፡ መንፈሳውነት-ኣልቦ ሃይማኖት’ውን ከምኡ’ዩ። ብግልባጡ ድማ፡ ስጋ-ኣልቦ ነፍሲ፡ ህላውነታ ኰነ ምንቅስቓሳ ከም ዘይርአ፡ ሃይማኖት ኣልቦ መንፈሳውነት’ውን ከምኡ’ዩ። ህላውነቱ ኰነ ቀጻልነቱ፡ ውሑስ ኣይከውንን። ሃይማኖት ብዘይ መንፈሳውነት፡ ዝሞተ ስርዓት ክኸውን ከሎ፡ መንፈሳውነት ብዘይ ሃይማኖት ድማ፡ መልክዕን ኣንፈትን ዘይብሉ ፍኑው ስምዒት ጥራይ’ዩ።

እዛ ክንሰትየላ ቀሪብናያ ዘለና  ብርጭቆ እንተዘይትነብር፡ እዛ ንሰትያ ዘለና ማይ ኣብ ምንታይ መዕረቕናያ፧ መንፈሳውነት፡ እቲ ንጽምኣትና ዘርዊ ማይ ክኸውን ከሎ፡ ሃይማኖት ድማ ነቲ ጽምእና ንምርዋይ እነዕርቐሉ ብርጭቆ ይውክል። በቲ ብርጭቆ ቀዲሕና ኢና ጽምእና እነርዊ። ደጊም፡ ብርጭቆ ደኣ’ምበር፡ ማይ ኣየድልየንን ምባል፡ ልቦና እንተዀይኑ፡ ኣስተብህሉ። ወይ ብግልባጡ፡ ማይ ደኣ እንቋዕ ተረኽበ እምበር፡ ብርጭቆ ኣየድልየንን ምባል፡ እዚ’ውን ልቦና እንተኾይኑ፡ ቊሊሕ በልዎ። መንፈሳውነትን ሃይማኖትን ክነጻጸሉ ዘይክእሉ፡ ክልተ ገጽ ናይ ሓንቲ ሳንቲም እዮም።

መንፈሳውነት ከም ጉዕዞ፡ ሃይማኖት ድማ ከም ካርታ፡ ሃይማኖት፡ እቶም ቅድሜና ዝነበሩ ሰባት ዝተጓዓዙሉ ጥርኑፍ መገዲ፣ ምልክትታትን ኣንፈትን ዘሎዎ፡ ፍኖተ ካርታ፡ ክኸውን ከሎ፡  መንፈሳውነት ድማ እቲ እግርኻ ኣልዒልካ እትጓዓዞ ጉዑዞ’ዩ። ፍኖተ ካርታ ጥራይ ምሓዝ፡ ካብ ዘለኻዮ ኣየንቀሳቕሰካን እዩ፤ ብዘይ ካርታ ምጉዓዝ ድማ ናብ ዝደለኻዮ ዕላማ ኣየብጽሕን’ዩ!

ሃይማኖት ከም ገመድ ኤለክትሪክ፡ መንፈሳውነት ድማ እቲ ብርሃንን ሙቐትን ዝህብ ሓይሊ ክንምስሎ ንኽእል። ምዝርጋሕ ገመድ ኤለክትሪክ ጥራይ ብርሃን ኣየምጽእን፤ ብዘይ ገመድ ኤለክትሪክ ድማ፡ እቲ ብርሃንን ሙቐትን ናብቲ እንደልዮ ኣይበጽሕን።

ሃይማኖት ኣይግድሰንን፡ መንፈሳውነተይ ጥራይ ዝብል ሰብ፡ መወዳእታኡ ዘይፍሉጥ፡ ካብ ሕብረት ኣሕዋት ፍሉይ፡ ከም ድሌቱ ክመላለስ ዝብህግ፡ ብሕጊ እግዚኣብሄር ዘይፍሳህ፡ ብስርዓትን በገባብን ክመላለስ ዘይብህግ፡ ኣብ ትሕቲ ካልኦት ትሕት ንምባል ዘይደሊ፡ ግዙእ ብጾቱ ምዃን ዘይብህጎ፡ ብትዕቢት እተላዕጠጠ ኰይኑ’ዩ ዝርከብ።

ብኣንጻሩ፡ መንፈሳውነት ዘይብሉ፡ ቅንኢ ሃይማኖት ጥራይ ዝድርኾ ሰብ ከኣ፡ መልክዕ ኣምልኾ ሒዙ ክንሱስ ግናኸ ንሓይሊ ኣምላኽ ዝኽሕድ፡ ውልድነቱ ዘየስተብህል፡ ጋሻን መጻእተኛን፡ ግዳማዊ ስርዓት ደኣ እምበር ልባውን ውሽጣውን ድርኺት ዘይብሉ፡ ብገጽ ርአ፡ ንሰብ ከሐጉስ ጥራይ ዝጽዕር’ዩ ዝኸውን።

“ቅኑዕ መገድን ቅኑዕ ኣገባብን ኣየናይ’ዩ፧” ምባል፡ ሕቶ ሃይማኖት ክኸውን ከሎ፡ “መን’የ፧ ዕላማ ምንባረይ ከ እንታይ እዩ፧” ዝብል ሕቶ ድማ፡ ሕቶ መንፈሳውነት’ዩ። እቲ ሓደ ካብቲ ካልእ እንተነጸልናዮ፡ መኪና ብዘይ ሞተር፡ ወይ ሞተር ብዘይ መኪና ንገብሮ ኣለና ማለት’ዩ። መኪና ብዘይ ሞተር፡ መልክዕ ጥራይ ሒዛ ከም እትተርፍ፡ ናብቲ ዝደለዮ መዕረፊ ኸኣ ከም ዘይተብጽሓና፡ ሃይማኖት ብዘይ መንፈሳውነት ከኣ ከምኡ’ዩ። ብኣንጻሩ’ውን ሞተር ጥራይ ሒዝና ብዘይ መኪና ድማ፡ በቲ ሞተር ጥራይ ናብቲ እንደልዮ ቦታ ክንበጽሕ ኣይንኽእልን። እምበኣርከስ፡ ነዝን ምግባር ነቲ’ውን ዘይምሕዳግ ይግባእ! ከምቲ ንጢሞቴዎስ እተባህለሉ ኸኣ፡ ሎሚ’ውን እቲ ቓል ንዓና ይብሃለና ኣሎ፡ “ኣብታ ቤት ኣምላኽ፡ ማለት፡ ናይታ ሓቂ ዓንድን መሰረትን ዝዀነት ማሕበር ህያው ኣምላኽ፡ ከመይ ክትገብር ከም ዚግብኣካ ኽትፈልጥ እፈቱ አሎኹ» (1ጢሞ3.15)።

ዕዮ ገዛ
ሀ. 1ቈረ 14.37 ንበቡ። እንታይ ከም ዝተሰምዓኩም ድማ ኣስተንትኑ።
ለ. ሓደ ሰብ እምነት ኣላትኒ፡ ሃይማኖት ግና የብለይን እንተበለ፡ ግናኸ፡ ሕብረት ዘሎዎ፡ መዝምራን ዘሎዎ፡ መራሒ ዘሎዎ፡ መጸለዪ ቦታ ዘሎዎ፡ ብርግጽ ቅዱስ መጽሓፍ’ውን ዘሎዎ ክሳዕ ዝዀነ፡ መለለዪ ስም እኳ ክህቦ እንተዘይመረጸ፡ እዚ ሰብ እዚ ግና ብርግጽ፡ ኣብ ሃይማኖት ምህላዉ፡ ብኸመይ ክተረድእዎ ትኽእሉ፧
እግዚኣብሄር ይባርኽኩም!

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ገዳም ኣብ ስደት፡ ነገረ-ፍልስፍና

Next
Next

ተዀብቲ!