ተዀብቲ!

እንታይ ወሪዱና ከም ዘሎስ ነስተብህል ዶ ንህሉ፧! ብምትኳቦም ክንድዚ ዝተዀብናዮምሲ፡ ክሰርቁ እንተዝተሓዙ ኸ ደኣ፧!

ባእሲ ወይ ጽልኢ ንምዕዳም፡- ተንኰሰ፡ ነገር ደለየ፡ ወይ ከኣ ዑፍ ብኣፉ ገይሩ ተንኵዐ፡ ለቐመ፡ ኣንቈረ፡ በልዐ ዝብል፡ "ተዀበ" ዝብል፡ ቀዳማይ ትርጉም ክኸውን ከሎ፡ ንለማኒ ወይ ንጽጉም፦ መጽወተ፡ ሃበ፡ ረድአ፡ ወዘተ ዝብል ድማ፡ "ተዀበ" ዝብል ካልኣይ ትርጉም ናይቲ ቓል እዩ።

ኣቡነ ፋኑኤል ዝብሃሉ ኣብ ኣመሪካ ዝምቕማጦም ኢትዮጵያዊ ጳጳስ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ፡ 120 ሚልዮን ብር ዝግመት ብዓል ድርብ ደርቢ ህንጻ (G+2)፡ ንመእለይን መጠወርን ኣረጋውያን ክውዕል ወፍዮም ብዝተሰምዐ፡ ክልቲኡ ትርጉም እዚ እንዘራረበሉ ዘለና ቓል፡ ብሓባር ኣቃልሐ። ኣቡነ ፋኑኤል ተዂቦም፡ ብዙሕ ሰብ ድማ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ክተዅቦም ከሎ ይርአ’ሎ!

ፍርቃ ዝመሽመሸት ኣራንሺ፡ “ፍርቃ ጥዕይቲ” ዶ፡ ወይስ “ፍርቃ ምሽምሽቲ” ምዃና ኢና ብቐዳምነት እንሓስብ። መብዝሕትኡ ጊዜ፡ ሓሳብ ንተግባር ስለ ዝወልዶ፡ ምምሽማሽ እንተሓሲብና፡ ምጕሓፍ፣ ምጥዓይ እንተሓሲብና ድማ ምቕሕላል እዩ ዝስዕብ። እንታይ ንምባል እርህጽ ከም ዘለኹ፡ ዝሓዝናዮ ኣይመስለንን ኣሎ’ሞ ሓንቲ ኻልእ መረዳእታ ክውስኽ።

ፍርቃ ዝመልአት ቢኬሪ ኣላ ንበል። እቲ ምልኣት ዶ ወይስ እቲ ጐደሎ’ዩ ንቕድም ዝረኣየና፧ መብዝሕትኡ ጊዜ፡ ሓሳብ ንተግባር ስለ ዝወልዶ፡ ምልኣት እንተሓሲብና፡ ዕግበት፡ ስለዚ ኸኣ ምስጋና፣ ምጕዳል እንተሓሲብና ድማ፡ ምጕርምራም፡ ስለዚ ኸኣ ምረትን ጻር-ጻር ምባልን ይስዕብ።

ኣቡነ ፋኑኤል፡ ብዓል ድርብ ደርቢ ህንጻ (G+2)፡ ንመእለይን መጠወርን ኣረጋውያን ክውዕል ወፍዮም፡ ሰሚዕና፡ ብቐዳምነት እንህቦ ግብረ-መልሲ ከምታ ፍርቃ ንዝመሽመሸት ኣራንሺ፡ ሓደው ከምታ ፍርቂ ንዝመልአት ቢኬሪ እዩ። መብዝሕትኡ ጊዜ፡ ሓሳብ ንተግባር ስለ ዝወልዶ ኸኣ፡ ምምሽማሽ እንተሓሲብና ምክሽማሽ ስለዚ ድማ ምጕሓፍ፡ ምጥዓይ እንተሓሲብና ኸኣ ምቕሕላል፡ ስለዚ ድማ ኣመስጊንካ ምብላዕ ይስዕብ።

ጐይታና ኢየሱስ ዝገበሮ ተኣምራት ዝረኣዩ ህዝቢ፡ ገሊኦም ብሓጐስ ተቐቢሎም ተማቐልቲ በረኸት ክዀኑ ከለዉ፡ ኣብ ሓሳባት ገሊኦም ግና፡ ብኡ ንብኡ፡ብኤል ዜቡል ነገሰ። ”ነጋንንቲ ብብኤል- ዜቡል፡ በቲ ሓለቓ ኣጋንንቲ፡ እዩ ዜውጽኦም ዘሎ” ድማ በሉ፡ (ሉቃ11.15)። ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ’ዩ ዝዛረብ እሞ፡- ርእሲ እንተጥዕዩ፡ ጥዑይ ትሓስብ፣ ስለዚ ኸኣ ንጽጉማት ትተኵብ፣ ርእሲ እንተሓሚሙ ኸኣ፡ ሕሙም ትሓስብ፡ ስለዚ ኸኣ ንዝተዅቡ ትተኵብ!

ለቡ

ኣቡነ ፋኑኤል ክገብርዎ ዘይነበሮም፡ (ብቐዳምነት ንሕና ክንገብሮ፡ ከነስተብህሎ ዝግብኣና) እዚ ዝስዕብ እዩ፦
ጽድቅኹም፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ ምእንቲ ኽትርአዩ፡ ከይትገብሩ ተጠንቀቑ። እንተ ዘይኰነስ፡ኣብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ዓስቢ የብልኩምን። እምብኣርከ ንስኻ ኽትምጽውት ከሎኻ፡ ከምቲ እቶም ግቡዛት፡ ብሰብ ምእንቲ ኺንአዱ፡ ኣብ ኣባይቲ ጸሎትን፡ ኣብ ኣደባባያት ዝገብርዎ፡ ኣብ ቅድሜኻ መለኸት ኣይተንፍሕ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ንስኻስ ምጽዋትካ ብሕቡእ ኪኸውን እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ፡ ክትምጽውት ከለኻ፡ የማነይትኻ እትገብሮ፡ ጸጋመይትኻ ኣይትፍለጦ” ዝብል ምህሮ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ፡ (ማቴ6.1-4)።

መፋነዊ

ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ድማ ኣብ ዝሙት እተረኽበት ሰበይቲ ናብኡ ኣምጺኦም፡ ኣብ ማእከል ደው ኣቢሎም፥ መምህር፡ እዛ ሰበይቲ እዚኣ ኽትዝሙ ኸላ ተትሒዛ። ከምዚኣ ዝበለት ከኣ ብዳርባ እምኒ ኽትመውት፡ ሙሴ ብሕጊ ኣዚዙና ኣሎ፡ ንስኻኸ እንታይ ትብል፡ በልዎ (ዮሃ8.3-7)።

ኣብ ሓሳብ ጐይታና ኢየሱስ፡ ንቕድም ዝመጸ ሓሳብ እንታይ ነበረ፧ እዛ ሰበይቲ ክትዝሙ እያ ተታሒዛ፡ ኣቡነ ፋኑኤል፡ ይተዅቡ እዮም ዘለዉ። ብምትኳቦም ክንድዚ ዝተዀብናዮምሲ፡ ክሰርቁ እንተዝተሓዙ ኸ ደኣ፧! ዎ ጐይታ የሱስ፡ ኣብ ዓይነይ ዘሎ ጒንዲ ሓዲገስ ተመጣጢረ ኣብ ዓይኒ ብጻየይ ዘሎ በሰር ካብ ምርኣይ ስተረኒ!

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Next
Next

አሰሮ ለሰይጣን