አሰሮ ለሰይጣን

ኣፍን ልብን፡ ከም እግርን ከበሮን ዝዀኑሉ ህሞት፡ ሒደት ኣይኰነን። ”ኣብ ቤት ያእቆብ ንዘለኣለም ኪነግስ እዩ፡ መንግስቱ ኸኣ መወዳእታ የብላን” ዝብል ነቢብካ፡ (ሉቃ1)፣ ”ወአልቦ ማሕለቅት ለመንግሥቱ” (ማለት ንመንግስቱ መወዳእታ የብሉን) ቢልካ ትእውጅ። ኣብ ቅንያት ትንሳኤ ኸኣ፡ ጽዉም ድሕሪ ምሕጋይካ፡ ትንሳኤ ጐይታ ተበስር’ሞ፡ ጐረሮ ክሳዕ ዝነቅዕ ኸኣ፡ ”አሰሮ ለሰይጣን” ቢልካ’ውን ትጭድር።

ገና እቲ ካብ ኣፍካ ዝነጠረ ጥፍጣፍ ከየነቐጸ ኸሎ ግና፡ ነቲ ኣብ ራእይ ዮሃንስ ዘሎ ”ነቲ ገበል፡ ነቲ ናይ ጥንቲ ተመን፡ ሐዞ፡ እዚ እቲ ድያብሎስን ሰይጣንን እዩ፡ ሽሕ ዓመት’ውን ኣሰሮ” ዝብል ድሕሪ ምንባብ ከኣ፡ ሰይጣን፡ ገና ብሕጂ’ዩ ክእሰር ቢልካ’ውን ትሰብኽ። ብርግጽ፡ ኣፍን ልብን፡ ከም እግርን ከበሮን ዝዀኑሉ ህሞት፡ ሒደት ኣይኰነን።

ናብ ሰለስተ እተጨንድሐ ርድኢት

ኣብያተ ክርስቲያን፡ ብዛዕባ’ዚ፡ ኣብ ሰለስተ እተጨንድሐ ኣጠማምታ’ዩ ዘሎወን። ክርስቶስ ኣብ ዳግማይ ምጽኣቱ፡ ኣብዚ ምድሪ ንሽሕ ዓመት ክነግስ’ዩ፡ ድሕሪ’ተን ሽሕ ዓመት ከኣ እቲ ዘልኣለማዊ ፍርዲ ክፍጸም’ዩ፡ ዝብላ፡ መብዝሕትአን ኣብያተ ክርስቲያን ጴንጠቈስጠ እየን። እቲ ”ሽሕ ዓመት ንግስነት” ዝብል፡ ቃል ንቓሉ ከምቲ እተጻሕፎ ክፍጸም ምዃኑ ኸኣ ይኣምና።  

ገለ ኣብያተ ክርስቲያን ድማ፡ እቲ ሽሕ ዓመት ዝብሃል ዘሎ፡ ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ፡ ልዑል ተቐባልነት ረኺቡ፡ ምድሪ፡ ካብ ምህሮ ወንጌል እተላዕለ ብሰላም እትነብረሉ ዘመን ከም ዝዀነ ጌሮም ይርድእዎ። ንቕድም ወንጌል ኣብ ኩሉ ጫፍ ዓለም ይስበኽ፡ ድሕሪ’ዚ፡ ክርስቶስ ይመጽእ፡ መወዳእታ ይኸውን ድማ ይብሉ።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን እትርከቦም፡ ጥንታውያን ኣብያተ ክርስቲያን ግና፡ ክርስቶስ ብሞቱ ንሞት ብምስዓር፡ ንወዲ ሰብ ካብ ግዝኣት ሰይጣን ሓራ ኣውጺእዎ’ዩ፡ ስለዚ፡ ሰይጣን ስልጣኑ ተመንዚዑ፡ ክርስቶስ ነጊሱ፡ እቶም ናይ ክርስቶስ ዝበሉ ድማ ምስኡ ይነግሱ ኣለዉ። ኣብቲ ቀዳማይ ትንሳኤ ዕድል ረኺብካ ምስ ክርስቶስ ምንጋስ ማለት፡ ንጐይታና ኢየሱስ ከም ጐይታን መድሓንን ተቐቢልካ፡ ሞትካ ንሞቱ መሲሉ ብጥምቀት እንተሓበርካዮ፡ ምስ ክርስቶስ ትትንስእ እሞ፡ ምስኡ ድማ ኣብ የማን ኣቦ ኣብ ሰማያት ትነግስ ማለት’ዩ።

እቲ ሽሕ ዓመት ተባሂሉ ዘሎ፡ ብፍቕዲ ዘይኰነስ፡ ብምሳሌኣዊ ኣዘራርባ፡ ንኣዝዩ ንነዊሕ እዋን ዘመልክት እዩ። ጐይታ ክመጽእ ከሎ፡ እቶም ብህይወት እንጸንሕ ኣብ ኣየር ክንቅበሎ፡ እቶም ቀዲሞምና ዝዓረፉ ድማ፡ ጻድቃን ይኹን ሓጥኣን ካብ ምውታን ክትንስኡ፡ ሽዑ ንሱ ጓሳ ነባጊዕ ካብ ኣጣል ከም ዝፈላልየን፡ ብፍርዲ ክግለጽ እዩ፡ ብምባል ከኣ ይርድኣኦን ይገልጻኦን!

ስለዚ ድማ’ዩ ኣብ ቅንያት ትንሳኤ፡ ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን፤ ክብሃል ከሎ፡ ሰይጣን ከም እተኣስረ ብወግዒ ዝእወጅ።

ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን!

በዐብይ ኃይል ወሥልጣን፡

አሰሮ ለሰይጣን፡

አግዐዞ ለኣዳም፡

ሰላም

እምይእዜሰ፡

ኮነ፡

ፍስሓ ወሰላም!

ድማ ይብሃል።
ጐይታና ኢየሱስ ቀቅድሚ ስቕለቱ፡ ”ፍርዲ እዛ ዓለም እዚኣ ሕጂ በጽሔ። ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ሕጂ ንወጻኢ ኺድርበ እዩ” በለ፡ (ዮሃ12.31)። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ድማ፡ ትንሳኤ ጐይታ ከበስር ከሎ፡ ”ነቶም ሕልቅነታትን ስልጣናትን ኣጽዋሮም ገፊፉ፡ ብእኡ እናፈከረሎም፡ ብግልጺ ኣስተሐፈሮም” ይብል፡ (ቈሎሴ 2:15)። እወ፡ ክርስቶስ ተንሲኡ’ዩ! እወ፡ ሰይጣን ተኣሲሩ’ዩ! “እምብኣርሲ ብእምነት ካብ ጸደቕና፡ ምስ ኣምላኽ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሰላም ኣሎና” ተባሂሉ ከም እተጻሕፈ ኸኣ፡ “ድሕሪ ደጊምሲ፡ ሰላም’ዩ፡ እወ፡ ኮነ ፍስሓ ወሰላም” ቢልና ንእውጅ።

ክርስቶስ ተንሲኡ’ዩ፡ እወ፡ ብርግጽ ተንሲኡ!!

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Next
Next

ድራር ጐይታ፡ ዕላል መዛኑ