ድራር ጐይታ፡ ዕላል መዛኑ
ኣብ ሓደ ክፉት ኣደራሽ፡ ነንበይኑ ድሕረ-ባይታ ዘሎዎም ሓሙሽተ ኣዕሩኽ ተኣኪቦም እናዕለሉ፡ ”ድራር ጐይታ” ከም ኣርእስቲ ተላዕለ።
ኦርቶዶክሳዊ፦ ንሕና፡ እቲ ሕብስትን ወይኒን፡ ድሕሪ ጸሎት ብግብሪ መንፈስ ቅዱስ ናብ ኣማናዊ ስጋን ደምን ክርስቶስ ይልወጥ እዩ ኢና ንብል። እቲ ሕብስቲ ነቲ ህያው ዝዀነ ስጋ ጐይታና ምእንቲ ክውክል፡ ዝበዅዐ ክኸውን ኣሎዎ” በለ ብኽብረት።
ሉተራዊ፦ ንሕና ኸኣ 'ምስጢራዊ ሓድነት' (Sacramental Union) ኢና ንብሎ። ስጋን ደምን ክርስቶስ ኣብቲ ሕብስትን ወይንን፡ ምስኡን፡ ብውሽጡን (in, with, and under) ኣሎ ንብል እምበር፡ ከምዚ ዝበልካዮ፡ እቲ ሕብስትን ወይንን ይልወጥ ኣይንብልን ኢና።
ዝዊንጊላዊ (ሪፎርምድ)፦ (ርእሱ እናነቕነቐ) "ኣይፋልኩምን ኣዕሩኽተይ። እዚ ንጐይታ ንምዝካር ዝግበር ስርዓት ጥራይ እዩ። እቲ ሕብስቲ፡ ሕብስቲ እዩ፡ እቲ ወይኒ ድማ ወይኒ እዩ። 'እዚ ስጋይ እዩ' ክበሃል ከሎ፡ 'እዚ ንስጋይ ይውክል እዩ' ማለት እዩ። ክርስቶስ ብመንፈስ ኣብ ልብና ደኣ ኣሎ እምበር፡ ኣብቲ ሕብስትን ወይንን ብኣካል የለን፡ ናብ ኣማናዊ ስጋን ደምን ክርስቶስ ይልወጥ ዝብል’ውን ኣይንቕበሎን ኢና"
ሞርሞናዊ (Later Day Saints)፦ "ንሕና ኸኣ፡ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዝኣተናዮ ቃል ኪዳን ንምሕዳስ ዝግበር ምስጢር ኢና ንብሎ። "ዘይበዅዐ ቅጫ ደኣ እምበር ዝበዅዐ ኣይንጥቀምን። ኣብ ክንዲ ወይኒ ድማ ንጹህ ማይ ኢና እንጥቀም።
ሳልቬሽን ኣርሚ (Salvation Army)፦ (ፍሽኽ እናበለ) "ንዓና፡ እዚ ኹሉ ኣየድልየናን እዩ። ቍርባን፡ ምስ ክርስቶስ ዘሎካ ሕብረት እዩ። ሕብስቲ ይኹን ወይኒ ምውሳድ ግና ኣገዳሲ ኣይኰነን፤ እቲ መንፈሳዊ ጸጋ፡ ብዘይ ሕብስትን ወይንን ይርከብ እዩ።"
ክትዕ ረሰነ. . .
ኦርቶዶክሳዊ፦ "ማይ ጥራይ ምጥቃም ግና፡ ንቓል መጽሓፍ ቅዱስ ኣይጻረርን ዶ?" ብምባል ንሞርሞናዊ ሓተቶ።
ሞርሞናዊ፦ "ንሕና ነቲ ብዘመናዊ ራእይ (modern revelation) ዝመጸና መምርሒ ኢና እንስዕብ፡ ንንንጽህና ድማ ቀዳምነት ንህብ" በለ።
ሳልቬሽን ኣርሚ፦ "እቲ ዋና ነገር፡ ልብኻ ንክርስቶስ ክፉት ምግባር እዩ፡ ንስኻትኩም ግና፡ ከም ኣብ ብሉይ ኪዳን ዘሎና ጌርኩም፡ ኣብ ግዳማዊ ነገር ኣይትወከሉ” በለ።
ኦርቶዶክሳዊ፦ "ንዓና ግን እኮ ምስጢረ ቍርባን ማእከል ህይወትና እዩ። ኣብ ኩሉ ቅዳሴ (ሰንበትን በዓላትን፡ ኣብ ገዳማት ድማ መዓልታዊ) ቍርባን ኣሎ። ህዝቢ ከም ዓቕሙ ተዳልዩ ይቕረብ እምበር፡ እቲ መኣዲ ኩሉ ግዜ ድሉው እዩ። ብዘይ ቅዳሴን ቍርባንን ቤተክርስትያን ትርጉም የብላን።"
ሉተራዊ፦ (ርእሱ እናነቕነቐ) "ልክዕ እዩ፡ ንሕና’ውን ምስጢረ ቍርባን ጸጋ እግዚኣብሔር ዝዕደለሉ ስለ ዝዀነ፡ በብሰንበቱ ክንወስዶ ንጽዕር ኢና። ገለ ኣብያተ ክርስቲያናትና ኣብ ክልተ ሰሙን ሓንሳብ ይገብራኦ ይዀና፡ ግን እቲ ስርዓት ወትሩ ክህሉ ኣገዳሲ እዩ።"
ዝዊንጊላዊ (ሪፎርምድ)፦ "ንሕና ከምቲ ጐይታ 'እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ' ዝበሎ፡ ንምዝካር ኢና እንገብሮ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሰለስተ ወርሒ ሓንሳብ ወይ ድማ ኣብ ዓመት ኣርባዕተ ግዜ ኢና ንገብሮ። ገለ ካባና ኣብ ወርሒ ሓንሳብ ይገብሩ እዮም፡ ግን ከም መዓልታዊ ግዴታ ኣይንርእዮን።"
ሞርሞናዊ (LDS)፦ "ንሕና ድማ ስሩዕነት ንፈቱ ኢና" ኢሉ ኣተወ። "ኣብ ኩለን ኣብያተ ክርስቲያናትና፡ በብሰንበቱ ኣብቲ 'Sacrament Meeting' ዝበሃል ናይ ኣምልኾ ግዜና፡ እቲ እንጌራ ይባረኽ፡ እቲ ማይ ድማ ይዕደል። እዚ ንዓና ሰሙናዊ ናይ መንፈስ ሓይሊ እንረኽበሉ ግዜ እዩ።"
ሳልቬሽን ኣርሚ፦ (ብትዕግስቲ እናሰምዐ ድሕሪ ምጽናሕ) "ርኢኹም? እቲ ናይ ግዜ ፍልልይ ባዕሉ ይነግረኩም ኣሎ። ንሕና ካብ መዓልታትን ሰዓታትን ወጺእና፡ ኩሉ ግዜ ብመንፈስ ምስ ጐይታ ክንራኸብ ኢና ንመርጽ። ቁርስና፡ ምስሕና፡ ድራርና፡ ኩሉ ግዜ ምስ ጐይታ እንተ ኰይኑ፡ ንሱ ባዕሉ ቍርባን እዩ። ፍሉይ መዓልቲ ወይ ሰዓት ኣይንሰርዕን ኢና።"
ኦርቶዶክሳዊ፦ ነቲ ጐይታና ባዕሉ 'እዚ ስጋይ እዩ' ዝብሎ ኸ ደኣ፡ ከመይ ጌርኩም ኢኹም ብዘይ ቍርባን ክትሰግርዎ ትኽእሉ? ንሕና እኮ ቅዱስ ቍርባን ክንወስድ እንከለና ካብ ሰዓት 12 (ፍርቂ ለይቲ) ጀሚርና ጾምና ኢና ንመጽእ።"
ዝዊንጊላዊ፦ "እቲ ጾምኩም ንተኣማንነትኩም የርእይ እዩ፡ ንሕና ግና እቲ ዝበለጸ ኣምልኾ ኣብ 'ልቢ' እምበር ኣብ 'ከብዲ' (ብብልዕን መስተን ኣይኰነን ኢና ንብል"
ሳልቬሽን ኣርሚ፦ "ጽቡቕ ኣለኻ! እቲ ህያው ቍርባን ኣብቲ ንዝጠመዩ ዘብላዕካሉን ንዝጸምኡ ዘስቴኻሉን እዩ ዝርከብ፡ ስለዚ ድማ ኢና ንሕና፡ ከምኡ እንገብር"
ዕላል ዓሚሩ፡ ሓደ ካቶሊካዊ ብጻይ ተጸምበሮ፦
ካቶሊካዊ፦ "ሰላም ብጾት። ንሕና ካቶሊካውያን፡ 'ትራንስሰብስታንሸይሽን' (Transubstantiation) ዝበሃል ዓሚቕ ትምህርቲ ኣሎና። እቲ ሕብስትን ወይኒን ብዓይኒ ክርአ ከሎ፡ ለውጢ የብሉን፤ እቲ ውሽጣዊ ባህሪኡ (Substance) ግን ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ስጋን ደምን ክርስቶስ ይልወጥ እዩ።"
ኦርቶዶክሳዊ፦ (ርእሱ እናነቕነቐ) "ኣብቲ 'ናይ ሓቂ ስጋን ደምን እዩ' ዝብል ነጥቢ ንሰማማዕ ኢና። ግን ንሕና 'ከመይ ኢሉ እዩ ዝልወጥ?' ንዝብል ሕቶ ብፍልስፍና ክንገልጾ ኣይንፍትንን፡ 'ምስጢር' (Mystery) ኢና ንብሎ። ስለምንታይ ኢኹም ግና ንስኻትኩም ዘይበኹዐ ቅጫ እትጥቀሙ?"
ካቶሊካዊ፦ ነቲ ጐይታ ኣብ ፋሲካ ዝገበሮ (ኣይሁዳዊ ፋሲካ ዘይበኹዐ ስለ ዝብላዕ) ንዕኡ ንምስዓብን ንንጽህናን እዩ።
ሉተራዊ፦ "ግን እኮ ንስኻትኩም እቲ ህዝቢ ስጋ ጥራይ ክወስድ፡ እቲ ደም (ወይኒ) ግን እቲ ቐሺ ጥራይ ክሰትዮ ትገብሩ ኔርኩም ኢኹም?"
ካቶሊካዊ፦ "ኣብ ዝሓለፈ ግዜያት ከምኡ ይግበር ነይሩ እዩ፡ ምኽንያቱ ክርስቶስ ኣብቲ ህብስቲ ጥራይ 'ሙሉእ' (Whole Christ) ስለ ዘሎ። ሕጂ ግን ኣብ ብዙሕ ቦታታት እቲ ህዝቢ ክልቲኡ ክወስድ ይፍቀድ እዩ። እቲ ዝዓበየ ፍልልይና ግን፡ ካቶሊካዊ ምስ ዘይኰነ ሰብ ብሓባር ቍርባን ኣይንካፈልን ኢና፤ ምኽንያቱ ቍርባን፡ ምልክት 'ሓድነት እምነት' ስለ ዝዀነ።"
ዝዊንጊላዊ፦ "እሞ ደኣ እዚ ቍርባን ኩሉ ግዜ 'መስዋእቲ' እዩ ዲኹም ትብሉ ዘለኹም?"
ካቶሊካዊ፦ "እወ፡ ግን ሓድሽ መስዋእቲ ዘይኰነስ፡ እቲ ኣብ ቀራንዮ ዝተፈጸመ መስዋእቲ ሕጂ ኣብ መሰውኢ ይሕደስ ኣሎ ማለት እዩ።"
ሳልቬሽን ኣርሚ፦ (ብትሕትና) "ንሕና ግን ገና ኣብቲ መንፈሳዊ ርክብ ንጸንዕ። እቲ ቍርባን ኣብቲ ንዝተገፍዑ፡ ንዝተጸገሙ እትረድኣሉ እዩ ዝርከብ። እዚ ኩሉ ፍልስፍናኹም፡ ንሰላም ኣምላኽ ከይዓግቶ ጥራይ እዩ ስግኣተይ።"
ካቶሊካዊ፦ (ፈገግ ኢሉ) "እቲ ግብረ-ሰናይኩም ጽቡቕ እዩ፡ ንሕና ግና ነቲ ጐይታ 'እዚ ስጋይ እዩ' ዝበሎ ቃል፡ ክንክተሎ ግዴታ ኣሎና ኢና ንብል።"
እቲ ዝርርብ ናብቲ "መን እዩ ክቘርብ ዝፍቀደሉ” ዝብል ተሃዋሲ ዛዕባ ኣምርሐ።
ካቶሊካዊ፦ "ቍርባን ንዓና ምልክት ፍጹም ሓድነት እዩ። ስለዚ፡ ሓደ ሰብ ክቘርብ እንተ ዀይኑ፡ ካቶሊካዊ ክኸውን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊኡ 'ሞት ዝግብኦ ሓጢኣት' (mortal sin) ክህሉ የብሉን። ቅድሚ ቍርባን፡ ሓጢኣትካ ምእማን ት ርእስኻ ብንስሓ ምጽራይ ግድን እዩ። ካቶሊካዊ ዘይኰነ ሰብ ግና ኣብ መኣዲ ቍርባንና ክሳተፍ ኣይፍቀደሉን እዩ።
ኦርቶዶክሳዊ፦ "ንሕናውን ተመሳሳሊ ጽኑዕ ስርዓት ኣሎና" በለ። "ኦርቶዶክሳዊ ጥራይ እዩ ዝቘርብ። ቅድሚ ቍርባን ናይ ግድን ጾምን ንስሓን የድሊ። ሕጻናት ግና ካብ መዓልቲ ጥምቀቶም ጀሚሮም ክቘርቡ ይኽእሉ እዮም፡ ምኽንያቱ ጸጋ ኣምላኽ ንኹሉ ስለ ዝዀነ።"
ሉተራዊ፦ "ንሕና ግን ቍርባን ንሓጢኣተኛታት ዝወሃብ 'ፈውሲ' እዩ ኢና እንብል" ብምባል ጣልቃ ኣተወ። "ጥሙቕ ክርስትያን ዝዀነን፡ 'እዚ ስጋን ደምን ጐይታ እዩ' ኢሉ ዝኣምንን ዘበለ ኩሉ ክሳተፍ ይኽእል እዩ። ብዙሓት ካባና 'ክፉት መኣዲ' ንጥቀም ኢና፡ ማለት ካልእ እምነት ዘለዎ ክርስትያን እውን ምሳና ክቘርብ ይኽእል እዩ።"
ሞርሞናዊ ፦ "ኣባና’ውን፡ ከም ምልክት ምሕዳስ ቃል ኪዳን ስለ ንርእዮ፡ ዋላ እቶም ገና ዘይተጠመቁ ወይ ቆልዑ ክወስዱ ይኽእሉ እዮም። እቲ ቀንዲ ነገር ውሽጣዊ ቅንዕና ጥራይ እዩ
ዝዊንጊላዊ (ሪፎርምድ)፦ "ንሕና’ውን ንኹሉ እምንቶ ዘለዎ ክርስትያን፡ እቲ መኣዲ ክፉት ኢና ንሓድጎ። ድራር ጐይታ፡ ምልክት ናይቲ ሓደ ኣካል ክርስቶስ ምዃንና ስለ ዝዀነ፡ ኣብ መንጎ ክርስትያናት መከላኸሊ ሓጹር ወይ መንደቕ ኣይንሰርሕን ኢና።"
ሳልቬሽን ኣርሚ፦ (እናሰሓቐ) "ርኢኹም? ንሕና እዚ ኩሉ ስክፍታ የብልናን። እቲ ናይ ሓቂ ቍርባን መንፈሳዊ ስለ ዝዀነ፡ ማንም ምስ ኣምላኽ ክራኸብ ዝደሊ ሰብ፡ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ፡ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ምስ ጐይታ 'ክቘርብ' ይኽእል እዩ። መገዲ ኣምላኽ ብሕብስትን ወይንን ኣይዕጾን እዩ።"
ኦርቶዶክሳዊ፦ (ንሳልቬሽን ኣርሚ ጠሚቱ) "ጐይታ 'ስጋይ ዝበልዐ ደመይ ዝሰተየ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣለዎ' እናበለስ፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ እቲ ስርዓት ኣየድልይን’ዩ ትብል ዘለኻ?"
ሳልቬሽን ኣርሚ፦ "ኣነ እኮ እቲ ቓል 'መንፈሳዊ ብልዒ' ማለቱ እዩ ኢለ እየ ዝኣምን። ስጋ ክርስቶስ ማለት፡ እቲ ቃሉ እዩ፡ ደሙ ድማ ህይወቱ እዩ።"
ካቶሊካዊ፦ "እዚ እዩ እቲ ዓቢ ፍልልይና። ንሕና 'ቃል' (Word) ጥራይ ዘይኰነስ 'ስጋ' እውን የድልየና እዩ ኢና ንብል።"
ዕላል ኣይተወድአን፡ እዋን ምፍልላዮም ግና ኣኸለ፡
ካቶሊካዊ፦ "ፍቁራት ኣሕዋት፡ ዛዕባ ኣገባብ ኣወሳስዳን ካልእን እኳ እንተ ዘይተሰማማዕና፡ ሓደ ነገር ግና ንርኢ ኣሎና።"
ዝዊንጊላዊ፦ "ብልክዕ! ዋላ እኳ እቲ ትርጉም ምስጢር ንዓይ ብዝኽሪ ጥራይ ይገለጽ፡ እቲ ቀንዲ መልእኽቲ ግና ሓደ እዩ፦ 'ጐይታ ምእንታና ተሰዊኡ'።"
ሞርሞናዊ፦ "ንሕናውን በብሰንበቱ ማይ ክንሰቲ ከለና፡ ነቲ ዝኣተናዮ ቃል ኪዳን ንሕድሶ ኢና። እቲ ስርዓት ዝተፈላለየ ይኹን እምበር፡ እቲ ሸቶ ግን ናብ ክርስቶስ ምቕራብ እዩ።"
ሳልቬሽን ኣርሚ፦ "ኣነውን ዋላ እኳ ኣብቲ ሕብስትን ወይንን ዝብሃል ዘይስዕቦ እንተዀንኩ፡ ኣብዚ ዕላል እዚ ዝተሰምዓኒ ናይ ፍቕርን ምክብባርን መንፈስ ግና ንዓይ ካብ ዝኾነ ንላዕሊ፡ ንባዕሉ ቍርባን እዩ።"
ኦርቶዶክሳዊ፦ "በሉ፡ ሰላም የሕድረልና። እቲ ሓቀኛ ምስጢር ግና ኣብ ሰማይ ክንራኸብ ከለና ክፍለጥ እዩ" በለ እሞ ነናብ ቤቶም ኣምርሑ።