“በስመ ኣብ” ቢሎም ዘይጅምሩ መጽሓፍቲ

ገለ ሰብ፡ “በስመ-ኣብ” ክብል ዝግብኦ፡ “በስመ-ኣም” እዩ ዝብል። “ወወልድ” ክብል ዝግብኦ’ውን “በወልድ” እዩ ዝብል። እንታይ ክብል ከም ዝደለየ ተረዲእካ ሸፈፍ ክትብሎን፡ ኣሪምካ ከተስተኻኽሎን ከከም ኩነታቱን ከከም ሰቡን ይፈላለ ይኸውን።

በስመ-ኣብ ቢሎም ዘይጅምሩ መጽሓፍቲ

ነቶም ሕሩያት’ኳ ከይተረፈ፡ ሰጋእጋእ ዘብሉ፡ ”’በስመ-ኣብ’ ቢሉ ዘይጅምር መጽሓፍ፡ ኦርቶዶክሳዊ ኣይኰነን፡” ዝብሉ ታእላው-ኣልቦ ኰይኖም ኣለዉ። መዐየሪ ቅቡልን ንጹግን መጽሓፍ፡ “በስመ-ኣብ” ቢሉ ዝጅምርን ዘይጅምር ምዃኑ ሽምጦም ገቲሮም ዝደራደሩ ኸኣ፡ ብእግሪ’ያ ዑቕባይ ኰይኖም፡ ፈቐዶኡ ተነዚሖም ኣለው።

እምነት ቅድስት ሥላሴ፡ ሓደ ካብቶም ሓሙሽተ ኣዕማደ ምሥጢር ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ምልክት ሕቶ ከም ዘይኣቱን፡ ብቓል ኰነ ብግብሪ፡ እንገብሮ ዘበለ ዅሉ ኸኣ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክንብሮ፡ ብእኡ’ውን ንእግዚኣብሄር ኣቦ ከነመስግኖን ድማ ተጽሒፉልና ኣሎ (ቈሎሴ3.17)።

  • ቅዱስ መጽሓፍ፡ (ብልምዲ መጽሓፍ ቅዱስ)፡ ን66ን 73ን ሰጊርና፡ 81 መጽሓፍቲ ዝሓቘፈ እንተበልናዮ፡ ሓንቲ ካብዘን 81 መጽሓፍቲ ፡ ”በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ” ቢላ እትጅምር እንተላ እስከ ሃሰስ በሉ። ኦሪት ዘፍጥረት ዶ፡ ወንጌል ማቴዎስ፧ ትንቢት ሚልክያስ ዶ፡ ራእይ ዮሃንስ፧ መጽሓፍ ምሳሌ ዶ፡ መልእኽቲ ይሁዳ፧ ኣየነይተን መጽሓፍ እያ ”በስመ-ኣብ” ቢላ እትጅምር፧!

  • 14 መጽሓፍቲ ቅዳሴ (ኣኰቴተ ቍርባን) ’ውን ገንጽሉ፡ ሓንቲ ካብኣተን ”በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ” ቢላ እትጅምር እንተረኺብኩም ከኣ እስከ ንገሩኒ። ዘአበዊነ ሃዋርያት ዶ፡ ቅዳሴ እግዚእ፧ ዘዲዮስቆሮስ ዶ ዘባስልዮስ፧ ዘሠለስቱ ምዕት ዶ፡ ዘኣትናቴዎስ፧ መኖም’ዩ፡ ሓደው ኣየነይተን መጽሓፍ እያ ”በስመ-ኣብ” ቢላ እትጅምር፧!

    “በስመ ኣብ” ቢሎም ዘይጅምሩ፡ መጽሓፍቲ ቤተ ክርስቲያን፡ ታእላው የብሎምን። ብቛንቋታት ትግርኛ ይኹን ኣምሓርኛ እተጻሕፉ እሞ፡ በስመ ኣብ ቢሎም ድማ ዘይጅምሩ፡ ኣዝዮም ብዙሓት ምዃኖም ንምርኣይ፡ ምስክር ብኣፍ ክልተ ወይ ሰለስተ እዩ ዝጸንዕ። ብዘይካ እቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ፡እንሆ ብውሑዱ 5 መጽሓፍቲ ኣብዚ ክዝርዝር እየ፦ 

  • 1930 ፈረንጂ (1923 ግእዝ) እተዳለወት፡ ”ነቅዕ ንጹሕ፡ ዝውእቱ ዜና ሓዋርያት ንጹሓን” ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ”በስመ-ኣብ” ቢላ ኣይትጅምርን

  • 1954 ፈረንጂ (1946 ግእዝ) እተዳለወት ፈላሚት መጽሓፍ ”መዝሙረ ጸሎት” እተሰምየት መጽሓፍ፡ ብሊቃውንት ቤተ ክርስቲያን ተራእያን ተፈቒዱላን፡ ኣብ መንፈሳዊ ኮሌጅ ቅድስት ሥላሴ እተሓትመት መጽሓፍ፡ ”በስመ-ኣብ” ቢላ ከም ኣይትጅምርን !

  • 1969 ፈረንጂ (1962 ግእዝ) እተዳለወት ”የመጽሓፍ ቅዱስ መማርያ 1ኛ መጽሓፍ” ዝተባህለት ብኽፍሊ ድርሰት መንበረ ጸባኦት ቅድሥት ሥላሴ እተዳለወት መጽሓፍ፡ ”በስመ-ኣብ” ቢላ ኣይትጅምርን

  • 2006 ፈረንጂ (1999 ግእዝ) ብማሕበረ ቅዱሳን እተዳለወትን፡ ብኤዲቶርያል ቦርድ ዘማሕበረ ቅዱሳን ተራእያ ዝሓለፈትን “ፍሬ ሊቃውንት” እትብል መጽሓፍ፡ በስመ ኣብ ቢላ ኣይትጅምርን

  • ዓመተ ምህረቱ ዘይተጠቕሰ፡ ግና ብፍቓድ ፓትርያርክ ቴዎፍሎስ እተሓትመ፡ “የብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ቴዎፍሎስ ቀዳማዊ አዲስ ሕይወት” ዘርእስቱ መጽሔት፡ በስመ ኣብ ቢሉ ኣይጅምርን

  • 1999 ፈረንጂ (1992 ግእዝ) በመም ዘመድኩን በቀለ እተዳለወት “ቅዱሳን መካናት በኢትዮጵያ፡ 54 ጥንታውያን ገዳማትና ኣድባራት” እተባህለት መጽሓፍ፡ በስመ ኣብ ቢላ ኣይትጅምርን

ለቡ

በስመ-ኣብ ቢልካ ምጅማር፡ ሰናይ እዩ። መንፈሳዊ መጽሓፍ ዝኣክል ዝጸሓፈ፡ በስመ-ኣብ ከይበለ’ዩ ጀሚርዎ፡ ቢልካ ምሕሳብንን ምሕሳምን ግና ልቦና ኣይመስለንን። ክንሕሰሞ ኢና እንተበልኩም ግና፡ ኣድልዎ ኣይትግበሩ፡ መመሪጽኩም ኣይትተሓሰሙ ጥራይ’የ ዝብል!
ብሩኽ ምጅማር ዕለተ ሰኑይ!

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Next
Next

ተጋደሉ፡ “እምቢ፡ ክርስቶስ ተጋዲሉልና’ዩ!”