ተጋደሉ፡ “እምቢ፡ ክርስቶስ ተጋዲሉልና’ዩ!”
ብድምጺ ንምስማዕ ኣብዚ ጠውቑ
ከመዮ ኣብ ዘመነ ሄዋን፡ «ምብላዓ ጥዕምቲ፡ ነዒንቲ ኸኣ ጽብቕቲ፡ ጥበብ ብምሃባ’ውን እተብህግ ኦም» እተባህለላ፡ ከም ኣብ ዘመንና ጌራ እዛ ኦም እዚኣ ደጊማ ኣጕላዕሊዓ እንተኔራ ኣይፈለጥኩን። ተጋደሉ፡ ምድሓንኩም ፈጽሙ፡ ጹሙ፡ ጸልዩ፡ ተነስሑ፡ ወዘተ ምባል፡ ደጊም፡ «ፈሪሳውነት’ዩ» ናብ ዝብሃለሉ ዘመን በጺሕና’ለና። ስግኣት ዝብሃል የብልካን፡ ደቅስ፡ በጥ በል፡ ጾም-ጸሎት ንዝብሉ ጽድቂ ርእሶም ዝተኽሉ ስለ ዝዀኑ ኣይትገደሰሎም፡ ብላዕ ስተ፡ ኵሉ ክርስቶስ ወዲኡልካ’ዩ፡ ወዘተ ምባል ከኣ ምዕቡል ክርስትና ኰይኑ ተቐልቂሉና’ሎ።
ሰብ ገላትያ፡ ነቲ ብመንፈስ ዝጅመርን ብመንፈስ ዝዛዘምን፡ (ብምስማዕ እምነት ዝርከብ ጽድቂ ኣምላኽ) ሓዲጎም፡ ናብቲ ብስጋ ዝጅመርን ብስጋ ዝዛዘምን (ብግብሪ ሕጊ ክጸድቁ) ናብ ዝብል ዘምበሉ፡ (ገላ3፡1-3)። «ክሳዕ ክንዲ’ዚ ዶ ዓያሹ ኢኹም፧ ብመንፈስ ጀሚርኩምሲ፡ ሕጂ ዶ ብስጋ ኽትፍጽሙ ትደልዩ አሎኹም፧» ድማ ተባህለሎም። ብመንፈስ ጀሚርካ ብስጋ ክትፍጽም ይከኣል ድዩ፧ ዝብል ሕቶ’ሞ ነልዕል፡ እስከ ድግም ኣቢልና ኸኣ ነቲ ሕቶ ንርኣዮ። እዞም «ብስጋ ክትፍጽሙ» ዝብሃለሎም ዘሎ፡ ንምዃኑ ብመንፈስ ከ ጀሚሮም ኔሮም ድዮም፧!
«ኣመንቲ ኣይነበሩን፡ ብመንፈስ’ውን ኣይጀመሩን» ከይንብል፡ እንሆ ባዕሉ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ’ዩ፡ «ብመንፈስ ጀሚርኩምሲ» ዝብሎም ዘሎ፣ «ብመንፈስ እንተጀሚርካ፡ ሓንሳእን ንንሓዋሩን እንተኣሚንካ፡ ብስጋ ክትፍጽም ኣይከኣለካን እዩ፡ ንንሓዋሩ ውሑስ ኢኻ፡ ዘስግእን ዘሰክፍን የብልካን» ከይንብል ድማ፡ እንሆ ባዕሉ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ’ዩ፡ «ክሳዕ ክንዲ’ዚ ዶ ዓያሹ ኢኹም፧» ብምባል ብስጋ ክውድኡ ተኽእሎ ከም ዘሎ፡ ዘጠንቅቖም ዘሎ።
ነተን ቀዳሞት ኣርባዕተ ምዕራፋት ገላትያ ነቢብካ፡ ነተን መዛዘሚ ዝዀና ምዕራፋት ሓሙሽተን ሽዱሽተን እንተሓዲግካየን፡ ኣብ መንደልሃጺ ኢኻ እትቐውም። ኣብ ምዕራፍ 5 ነታ ቀዳመይቲ ጥቕሲ ንርኣያ፦ «ሓራ ምእንቲ ምእንቲ ክንከውንሲ፡ ክርስቶስ ሓርነት ኣውጺኡና እዩ። ስለዚ ጽንዑ፡ ከም ብሓድሽ’ውን በርዑት ባርነት ኣይትቈረኑ» ድማ ይብል።
«ሓራ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ክርስቶስ ሓርነት ኣውጺኡና እዩ» ዝብል መልእኽትን ሓሳብን ነቲ ካብ ምዕራፍ 1-4 ዘሎ ትሕዝቶ ዝጠምር እዩ። «ስለዚ ጽንዑ፡ ከም ብሓድሽ’ውን በርዑት ባርነት ኣይትቈረኑ» ዝብል መልእኽትን ሓሳብን ከኣ፡ ነቲ ኣብ ምዕራፋት 5-6 ዘሎ ዛዛሚ ሓሳብ ዝጠምር’ዩ። ነቲ ቀዳማይ ሒዝና፡ ነቲ ካልኣይ እንተፈነናዮ፡ ዕጫና፡ ዕጫ ሰብ ገላትያ’ዩ ክኸውን።
እቶም ኣብ መልእኽቲ ገላትያ እንርእዮም ክልተ ጉጅለታት፡ እቶም ሓደ፡ ብምስማዕ እምነት ብመንፈስ ዝመላለሱ ክዀኑ ከለዉ፡ እቶም ሓደ ድማ፡ ብግብሪ ሕጊ ብስጋ ዝመላለሱ እዮም። ነቶም ሓደ «ኣቱም ብሕጊ ኽትጸድቁ እትደልዩ፡ ካብ ክርስቶስ ተፈሌኹም፡ ካብ ጸጋ ወደቕኩም» ይብሎም (ገላ5.4)። ካብ ክርስቶስ ምፍላይ፡ ካብ ጸጋ ድማ ምውዳቕ ደኣ ኣሎ ድዩ፧ ቢልካ ምሕሳብ’ውን እምበኣር ልቦና’ዩ! ነቶም ካልእ ጉጅለ፡ ማለት ነቶም ብመንፈስ ዝመላለሱ ድማ፡ «ኣሕዋተየ፡ ንስኻትኩም ንሓርነት ጽዉዓት ኢኹም እሞ፡ ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ ተገዛዝኡ እምበር፡ ነቲ ሓርነትሲ ንስጋ ምኽንያት ኣይትግበርዎ» ይብሎም፡ (ገላ5.13)። እቲ ንሓርነት ዝተጸውዐ፡ ነቲ ሓርነቱ ንስጋ ምኽንያት ክገብሮ ስለ ዝኽእል’ዩ፡ «ንስጋ ምኽንያት ኣይትግበርዎ» ዝብሎም ዘሎ።
ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነቲ ንሰብ ገላትያ ዝጸሓፎ መልእኽቱ ክኣስሮ ከሎ፡ «ሰብ ነቲ ዝዘርኦ ንእኡ ኸኣ ኪዓጽዶ እዩ እሞ ኣይትጠበሩ፡ ኣምላኽ ኣይዕሾን እዩ። እቲ ንስጋኡ ኢሉ ዚዘርእ ካብቲ ስጋስ ጥፍኣት ኪዓጽድ እዩ፡ እቲ ንመንፈሱ ኢሉ ዚዘርእ ግና ካብቲ መንፈስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪዓጽድ እዩ” በለ፡ (ገላ6.7-8)። ”ጥፍኣት ክዓጽድ’ዩ” ማለትሲ እንታይ ማለት’ዩ፧ ኣንታ፡ ካብታ እግዚኣብሄር ኣይትብልዓያ ዝበለካ ኦም ምብላዕ ኣይተምውትን እያ፡ ምጥፋእ ዝብሃል የለን፡ ቢልካ ከተዘንግዕ እትፍትን ዘለኻ ድምጺ፡ ምንጭኻ መን ምዃኑ፡ እንዝንግዖ ዶ ይመስለካ፧!
ተጋደሉ፡ “እምቢ፡ ክርስቶስ ተጋዲሉልና’ዩ!”
ደጊም፡ ምስ ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ጳውሎስን ኣብ ሓደ መኣዲ ንቀመጥ እሞ፡ ንቕድም ንሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ንስምዓዮ፡ «ስለዚ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ንጽውዓኹምን ምሕራይኩምን ከተጽንዕዎ ኣዚኹም ተጋደሉ። እዚ እንተ ገበርኩምሲ፡ ከቶ ኣይከተንደልህጹን ኢኹም» (2ጴጥ1.10)።
«ኣዚኹም ተጋደሉ» እንታይ ማለት’ዩ፧ ክርስቶስ ተጋዲሉ ኣብ መስቀል ብምማት ብኽቡር ደሙ ኣይዓደገናን ድዩ፧ ህይወትና ምስኡ ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማያት ኣይተሰወረትን ድያ፧ ህይወት ዘልኣለም ኣየውሓስናን ዲና፧ ነዚ ሓቂ እዚ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣይፈልጦን ድዩ፧! «እዚ እንተ ገበርኩምሲ፡ ከቶ ኣይከተንደልህጹን ኢኹም» ዝብል’ውን እባ ኣስዒቡሉ’ሎ። ምንድልሃጽ ማለት፡ «ህድግ ለነ» ዘይብሉ፡ ብሸታሕታሕ፡ ንዕርብርብካ ምጽዳፍ ማለት’ዩ። እሞ እዚ ድዩ ንሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ተሰዊርዎ፧!
ኣብ ምዕራፍ 3 ድማ፡ «ንሕና ግና፡ ከምቲ ተስፋኡ፡ ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን ንጽበ አሎና» ድሕሪ ምባል፡ «ስለዚ ኸኣ፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ ነዚ እናተጸቤኹምሲ፡ ብዘይ ነውርን ብዘይ መንቅብን ብሰላም ኣብ ቅድሚኡ ኽትርክቡ ተጋደሉ» ብምባል ንሓሳባቱ ደርዖ (2ጴጥ3.13.14)።
ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ድማ ንጢሞቴዎስ «ጽቡቕ ገድሊ እምነት ተጋደል፡ ነታ እተጸዋዕካላ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ምስክር’ውን ጽቡቕ ምእማን እተኣመንካላ ህይወት ዘለኣለም ሓዛ» ብምባል ተላበዎ፡ (1ጢሞ6.12)። «ነታ ህይወት ዘለኣለም ሓዛ» ማለትሲ ክፍንዋ’ውን ተኽእሎ ከም ዘሎ ዶ ንርእዮ ኣሎና፧ «ጽቡቕ ገድሊ እምነት ተጋደል» ድማ’ዩ ዝብሎ ዘሎ።
ተጋደሉ፡ “እምቢ፡ ክርስቶስ ተጋዲሉልና’ዩ!”
ሃዋርያት ጴጥሮስን ጳውሎስን ጥራይ ዘይኰኑስ፡ ይሁዳ’ውን «በታ ሓንሳእ ንቕዱሳት እተዋህበት እምነት፡ ክትጋደሉ ጽሒፈ ክመኽረኩም፡ ናይ ግዲ ዀነኒ» ዝብል መልእኽቲ’ዩ ዘሎዎ፡ (ይሁ1.3)። እቲ ጐይታ ዝመሃሮን ዝገበሮን፡ እቲ ሃዋርያት ድማ ዝሰበኽዎ ወንጌል፡ እዚ’ዩ! ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ትመስል፧ ብምንታይሲ ክምስላ እየ፧ እናበለ ክስብኽ ዝስምዖ ሓደ ሰብኣይ፡ ”ጐይታይ፡ ሒደት ድዮም ዚድሕኑ፧” ቢሉ ከም ዝተወከሶ፡ ወንጌላዊ ሉቃስ ኣዘንትዩ’ሎ፡ (ሉቃ13.18-24)። ጐይታና ኢየሱስ ነዚ ሰብኣይ’ዚ ዝሃቦ መልሲ፡ መዛዘሚ መልእኽትና ክኸውን’ዩ፦ ”ብዙሓት ኪኣትዉ እናደለዩስ ከም ዘይኰነሎም፡ እብለኩም አሎኹ እሞ፡ በታ ጸባብ ደገ ንምእታው ተጋደሉ።”