መልእክተ ኦቲዝማዊ ክርስቲያን
”ኦቲዝም ዘሎዎ ቈልዓ ዝለኣኾ” ብዝብል ኣብ ወግዓዊ መርበብ፡ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ግሪኽ ኣብ ኣመሪካ፡ ዝወጸ ጽሑፍ ብዝረአኹ፡ እቶም ብሰንኪ ኦቲዝም ዘሎዎም ደቆም፡ ካብ ማሕበረ-ምእመናን ተገሊሎም ዘለዉ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ተቐጀሉ። ቤተ ክርስቲያን፡ ነዚኦም ከይተቐበለት፡ ከመይ ጌራ ወኪል ክርስቶስ ክትከውን ትኽእል፧! ብርግጽ እቲ ብድሆ ቀሊል ኣይኰነን። ከም ወላዲ፡ ከም ኣማኒ፡ ከም ኣገልጋሊ፡ ከም ሕብረትን ከም ቤተ ክርስቲያንን፡ እንታይ ክንገብር ከም ዝግብኣና፡ ክንጽሊ፡ ክንዘራረብ፡ ግብራዊ ለውጢ ከነተኣታቱ፡ ይጽንሓለይ ክብሃሎ ከም ዘይግባእ ድማ ኣስተብሃልኩ።
ደቀንስትዮ ኦ.ተ.ቤ. ዘዳለዋኦ፡ ”ኦቲዝምን ክርስቲያናዊ እምነትን” ብዝብል፡ ንጽባሕ ቀዳም 06 ታሕሳስ 2025፡ ልክዕ ሰዓት 21.00 ብሽወደን፡ ዓውደ ዘተ ተዳልዩ’ሎ። ኣብዚ ብማንዛ ዝካየድ ዘተ፡ ደቅ-ተባዕትዮናን ደቀንስትዮናን፡ ኣገልገልትን ምእመናን፡ ኵላትና ብሓባር ክንሳተፍን፡ መፍትሒ ከነናድይን ዕዱማት ኢና።
መልእክተ ኦቲዝማዊ ክርስቲያን
እቲ ”ኦቲዝም ዘሎዎ ቈልዓ ዝለኣኾ” ብዝብል ኣብ ወግዓዊ መርበብ፡ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ግሪኽ ኣብ ኣመሪካ ዝወጸ ጽሑፍ፡ እንሆ፦
1. ስምዒተይ ከመይ ከም ዝቕበሎ ተረድኡኒ
ኣካላተይ፡ ካብ ናይ ብዙሓት ሰባት ብዝተፈልየ ብ8 ዕጽፊ ዝበዝሕ ስምዒታዊ ሓበሬታ (sensory input) ይቕበል። እዚ ኸኣ ንኣቓልቦይ ብዙሕ ጸቕጢ ይገብረሉ።
ገሊኡ ግዜ ሓሳበይ ዝተበታተነ ወይ ኣቓልቦ ዘይገብር ክመስል እኽእል’የ፡ ወይ ከኣ ክሰምዓኩም እንከለኹ፡ ክጥምትኩም ዘይክእል ክኸውን’ውን እኽእል’የ። እቲ ዝበለጸ መምዘኒ ግና፡ ኣብ ጥቓኹም እንተለኹ፡ ኣቓልቦ ሂበኩም ኣለኹ ማለት ምዃኑ ተረድኡለይ።
ስምዒተይ ፍሉይ ኣገባብ ምቕባል ስለ ዝኽተል፡ ምስማዕ ድምጺ፡ ምርኣይ ብርሃን፡ ኣካላዊ ምትንኻፍ፡ ከምኡ’ውን ምጥዓም ካብ ብዙሓት ሰባት ዝተፈልየ መገዲ እየ ዘተግብሮ። እቲ ንዓኹም ካልእ ዝኾነ፡ ኣነ ብኻልእ እንተተረዳእክዎ እምበኣር፡ ንስኹም ተረድኡለይ ኢኹም።
2. ምንቅስቓሰይ ተረድኡ
ኣካላተይ ክዓርፍን፡ ክሃድእን ምእንቲ፡ እንሓንሳእ፡ ካብን ናብን ክንቀሳቐስ፡ ኣብ መሬት ኮፍ ክብል፡ ወይ ኣእዳወይ ብገለ ንጥፈት ትሑዝ ክገብሮ የድልየኒ እዩ።
3. ንምትንኻፍ ዘለኒ ስምዒት
ምስ ሰባት ክራኸብ እደሊ እየ፡ ምሕቛፍን ብቐጥታ ምትንኻፍን ግና ንዓይ ከቢድ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ስለዚ እምበኣር ከምኡ እንተዘይገበርኩም ይምረጽ።
ኢድኩም እንተዘርጊሕኩምለይ፡ ኣነ ድማ ዓጸፌታ ኢደይ እንተዘይዘርጊሐ፡ ብኣይ ኣይትሕዘኑ፡ ስምዒታዊ ኣካላተይ ሰለ ዘይፈቐደ እምበር፡ ስለ ዝጸላእኩኹም ኣይኰነን
4. ንኽንጸንሕ እትገብሩልና ሓገዝ
ስድራይ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምስ ማሕበረ-ክርስትያን ርክብ ይደልዩ እዮም፣ ይኹን እምበር፡ ኣብቲ ድምጺ ዝበዝሖን፡ ብርሃን ከኣ ዝደጕሖን ደገ-ሰላም፡ ኣብኡ ዀይነ መኽፈልትን ቍርሲ ቡንን ክሳተፍ ከኣ ንዓይ የጸግመኒ እዩ።
ድምጺ ዝቕንስ ሄድ-ፎን መዕበሲ እዝኒ፡ ከምኡ’ውን ብርሃን ዘደብዝዝ መነጽር ጸሓይ፡ ክቕረብ እንተዝከኣል ግና፡ ኣብቲ ቦታ ንኽጸንሕን ሓቢረ ምሳኻትኩም ብሓጐስ ክካፈልን እኽእል’የ።
5. ንኽጻወት ዕድል ሃቡኒ
ኣካላተይ፡ እናሻዕ ዝለዋወጥ ሓድሽ-ሓድሽ ኣገባባት ጸወታ ዘይኰነስ፡ ንጹርን ቅጥዒ ዘለዎን ኣካይዳ እዩ ዝብህግ።
ንምርዳእ ዘየጸግሙ መጻወቲታት (fidget toys) ወይ ስቲከራት ዘለዎ መኣዲ እንተዝዳሎ፡ ምስ መዛኑየይ ክጻወትን በዚ ድማ ክራኸብን ይሕግዘኒ’ዩ።
6. ኣገባብ ምዝራበይ ተረድኡኒ
ርእሰይ ንኽገልጽ ወይ ንምህዳእ፡ ቃላት እንተዘይረኸብኩ፡ ድምጺ ክገብር ወይ ገለ ምልክታት ክገብር እኽእል እየ።
7. ድሕንነተይ ዓቅቡለይ
ብሰንኪ ልዑል ስምዒታዊ ጸቕጢ (sensory overload)፡ ኣካለይ "ምህዳም" ከም ምላሽ ስለ ዝህብ፡ ካብቲ ክፍሊ ክሃድም ክደሊ ይኽእል እየ።
ኵሉ ግዜ ኣብ ሓደጋ ከም ዝርከብ ኣይፈልጥን እየ። በጃኹም፡ ናብ ደገ ወይ ናብ ጽርግያ ኣይትገድፉኒ።
8. ፍለጡኒ
ከም ኩሉ ሰብ ኣዕሩኽን ርክባትን እደሊ እየ።
በጃኹም፡ ከምቲ ንዝኾነ ሰብ እትዛረብዎ፡ ብሕያውነትን ብኣኽብሮትን ተዛረቡኒ። ግዜ ሃቡኒ። ፍለጡኒ።
ልክዕ ከምዚ ንስኻትኩም፡ ኣነ'ውን ዘገርምን ፍሉይን ዘሐጉስን እየ!
9. ሕጉሳት ኩኑ
ብሰንኪ እቲ ዘሎኒ ፍሉይ ባህርያትን ዝያዳ ዘድልዩኒ ነገራትን፡ ስድራይ ንዓይ ሒዞም ናብ ቤተ-ክርስትያን ምምጻእ ቀሊል ኣይኰነን። በጃኹም፡ ብምምጻእና ሕጉሳት ምዃንኩም ንስድራና ንገርዎም።
10. ምስሊ ክርስቶስ እየ
ኣነ ከምዚ ከማኹምን ካልኦትን ብመልክዕ ኣምላኽ ዝተፈጥርኩ እየ። ዓለም ነዚ ዘይትቕበሎ እኳ እንተኾነት፡ ኣነን ስድራይን ግና ብማሕበርና ክንምእከልን ክንሕቈፍን ንናፍቕ ኢና። ስለዚ እምበኣር፡ ክትርእዩኒ እንከለኹም፡ ምስሊ ክርስቶስ ከም ዝርኤኹም ዘክሩ።
ለቡ
ጽባሕ ቀዳም 06 ታሕሳስ 2025 ልክዕ ሰዓት 21.00 ብሽወደን፡ ብዛዕባ’ዚ ዝምልከት ዘተ ተዳልዩ’ሎ። ንስኹምን ብዙሓት ካልኦትን ዓዲምኩም ክትሳተፍዎ፡ ብኽብሪ ተዓዲምኩም ኣለኹም።
ኣብ ZOOM እንራኸበሉ መስመር፡ እዚ ዝስዕብ እዩ፦
https://us02web.zoom.us/j/8624431928?pwd=b282N1BuVGtrNStaRXFJQlg4WmFRdz09
ወይ'ውን
በዚ መለለዪ ቍጽሪ ርክብ፤ (Meeting ID) 862 443 1928
መፍትሕ (Passcode) 877811
ኣምላኽ ሰማይ ከቕንዓልና'ዩ!