ኦርቶዶክስ፡ ፍቕሪ-ብጻይ ኣይተዐክስ!

ሓወይ ቀሺ ተዋህዶ፡ ወድ-ሓወቦይ ከኣ ከንሻ ኣለኒ” በለት፡ ሕቶ ክትሓተኒ ዝደለየት ብጸይቲ። ” ካብ ኤርትራ ቅድሚ ምውጽአይ፡ ኣብ ናይ ከኒሻን ካቶሊክን ቤት ትምህርቲ ተማሂረ እየ ዓብየ እሞ፡ ምፍልላይ ዝብሃል ከኣ ፍጹም ኣይነበረን። በስመ-ኣብ! ሕጂ ደኣ እንታይ’ዩ ወሪዱ፧” ብምባል ድማ ኣስተንከረት። ኵሉ እቲ ዝርርብ ብጽሑፍ’ዩ።

እዚ ዝብለኩም ወድ-ሓወቦይ፡ ኣብ ዓድና (ኤርትራ) መርዓ ቈጺሩስ፡ እቲ ቀሺ ተዋህዶ ሓወይ ከኣ፡ ’ብስጋ ሓወይ ኢኻ እንተናብቲ ዳስ መርዓ ግና ኣየሰንየካን ኢየ’ ብምባል ኣብ መርዓኡ ከም ዘይሳተፍ ሓቢርዎ። ኣነ ከኣ ጋን ኮይኑኒ ሰንቢደን ሕቶታት ድማ ኣብ ርእሰይ ክማላለስ ጀሚሩን። ንሓወይ ስለ ምንታይ ብምባል ኣይሓተትኩዎን ብተለፎን’ውን ክንረዳዳእ ንኽእል ኣይመስለንን። ኣቐዲመ ከምዚ ሰሚዐ ስለ ዘይፈልጥ ከኣ፡ እንታይ ኢለ ከም ዝሓቶ’ውን ስለ ዝሓርበተኒ፡ ስቕ መሪጸ። ኣብዚ ጉዳይ መብርሂ ክትህቡኒ ከም እትኽእሉ ብምእማን እየ ዝጽሕፈልኹም ዘለኹ እሞ መልስኹም እጽበ።

ካብ ሃገረ ነርወይ ብኢመይል ዝመጸትኒ ካልአይቲ ሕቶ ድማ ከምዚ ትብል፦

ሓደርኩም ኣባ ቐሺ፧ ከመይ ኣርፊድኩም፧ ክኸውን ክኸውን፡ ኣብ ዝጠዓመኩም፡ ኣብ ዋትስኣፕ ተደዋዊልና - ኣሕጽር ኣቢልና እንተ ነዕልል ደስ ምበለኒ። ብዝተረፈ ግና፡ ኣብ ከተማ ከረን፡ ካህናት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ’ማርያም ደዓሪት ገጽኩም ተንከስ ኢልኩም ከይትነግዱ!’ ኢሎም - ንመእመናን ኣጊዶም ነይሮም። መርዓ እውን ከም ዝመስለኒ፡ ኣብ መንጐ ተዋህዶን ካቶሊክን ደሓን እዩ ነይሩ። ጌጋ ድኣ ይኽልኣለይ እምበር፡ ዝያዳ እውን ካቶሊኽ ወላ'ውን ከኒሻ'ዮም ዝተሩ ዝነበሩ። ሕጂ ግና፡ ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ተዋህዶ እውን ኣዝዩ ጥብቂ ኰይኑ'ሎ ሰሚዐ። ’ጓል ካብ ካቶሊኽ ዘእተወ፡ ወይ'ውን ጓል ዝወሰደ ውጉዝ'ዩ!’ ይብሉ'ለዉ ሰሚዐ። ከመይ፡ ከመይ'ዩ ዘሎ፧ መብርሂ ደልየ ነይረ። ርሑስ ዳግማይ ትንሳኤ ምስ ስድራ ቤትኩምን መቕርብኩምን ፈተውትን።

መእተዊ

መለለዪ ክርስትና፡ ፍረ እዩ። ቀዳማይ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ድማ፡ ፍቕሪ እዩ (ገላ5.22)። ብሰማዒት እዝኒ ክንሰምዖ ዝጸናሕና፡ ኦርቶዶክሳዊ ንዘይኰነ ተኻራዪ፡ ምንጻል፡ ካብ ገዛ ኽራይ ምብራር፡ ዘይምርህራህ ወዘተ፡ ምሕሳምን ምእጋድን ቀብሪ፡ ነእዛንና ጭው ከብሎ ሓግዩን ከሪሙንሲ፡ ሕጂ ኸኣ፡ ኣብ መርዓ ኣይትሳተፉ፡ ዝብል ምፍንፋን፡ ንሰምዕ ኣለና።. . . ጽውም ሓጊና፡ ጽውም እንተኸረምና፡ ብዘይ ፍቕሪ ብጻይ ዶ ገጽ ኣምላኽ የርእየና’ዩ፧! ቅድስ ውዒልና፡ ቅድስ እንተሓደርና፡ ብዘይ ፍቕሪ ብጻይዶ፡ ኣብ ኣእዛን ኣምላኽ ክበጽሕ ይኽእል’ዩ፧! ወንጌል ዝምህሮ፡ ወለድና ኸኣ ንዘመናት ዝዓቘርዎ፡ ፍቕርን ምትሕቝቛፍን፡ እዚ ወለዶ’ዚ ግና፡ ንቤተ ክርስቲያንና ናበይ ገጹ’ዩ ሒዝዋ ዝሃትፍ ዘሎ፧!

ንዝምድና ምስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብዝምልከት

ሻድሻይ ፓትርያርክ ዘኤርትራ ቅዱስ ኣቡነ ባስልዮስ፡ ንኣቡነ ፍራንሲስ፡ "ኣርማ ሰላምን ሓድነትን ትሕትናን ዝኾኑ፡ ሓቀኛን ዓቢይን ጓሳ" ብምባል ከም ዝገለጽዎም፡ ኣብቲ ዝለኣኽዎ ናይ ጽንዓት ይሃብኩም መልእኽቲ ተገሊጹ'ሎ። ኣቡነ ባስልዮስ ኣቐዲሞም ብምኽንያት ዝኽሪ ትንሳኤ ጐይታና ናብ ቅዱስ ኣቡነ ፍራንሲስ መልእኽቲ ልኢኾም ምንባሮም ዝጠቐሰ እቲ መልእኽቲ፡ ሞት ኣቡነ ፍራንሲስ፡ ንመላእ ዓለም ዓቢ ክሳራ ምዃኑ ምግላጾም'ውን ብተወሳኺ ክፍለጥ ተኻኢሉ'ሎ።

ቀሊል ሕቶ

እቶም ዝልዓሉ መራሒ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ዝዀኑ ቅዱስ ኣቡነ ባስልዮስ፡ ንካቶሊካዊ ርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት፡ ብኸምዚ እንተገሊጾሞምን፡ ብመሠረት ብቤት ጽሕፈት መንበረ ቅዱስ ጴጥሮስ ቫቲካን ዝተገብረ ዕድመ፡ ክልተ ተወከልቲ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ብፁዕ ኣቡነ ጳውሎስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳን ኣባል ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራን መራሒ ሥራሕ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ መጋቤ ሃይማኖት ቀሲስ ዘርእሰናይ ቀሲስ ሰሎሞንን ብኣካል ብምኻድ እንተተሳቲፎምንሲ፡ ስለምንታይ ደኣ ኣብ ባይታ፡ ጽልኢ-ጽልኢ ዝሽትት ዘሎ፧!

ዝምድና ምስ ወንጌላዊት ቤተ ክርስቲያን ብዝምልከት

ወንጌላዊት ሉተራዊት ቤተ ክርስቲያን እትርከቦም ኣባላት ፈጻሚት ኮሚቴ ቤት ምኽሪ ማኅበር ኣብያተ ክርስቲያን ዓበይቲ ቀላያትን ቀርኒ ኣፍሪቃን Executive Committee of Fellowship of Christian Councils and Churches in the Great Lakes and Horn of Africa (FECCLAHA)፡ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ኣስመራ ካብ 1-5 ሚያዝያ 2025 ጉባኤኦም ብሕጉስ መንፈስ ከም ዝዛዘሙ፡ ወግዓዊ መርበብ ልሳን ተዋሕዶ ዝሓበሮ ሓቂ’ዩ። ኣብዚ ዝስዕብ ጠዊቕካ ምንባብ ይከኣል

እቲ መሰረተ እምነትና ዝዀነ ቅዱስ መጽሓፍ (ብልምዲ መጽሓፍ ቅዱስ እንብሎ) ናብ ቋንቋ ትግርኛ ተተርጒሙ ዝቐረበ፡ እቲ ቐዳማይ ሕታም፡ ብወንጌላዊት ቤተ ክርስቲያን፡ እቲ ካልኣይ ሕታም ድማ፡ ብሕብረት ኦርቶዶክስ፡ ካቶሊክን ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስቲያንን ምዃኑ፡ ኣብ መእተዊ እቲ ቅዱስ ጽሑፍ ብንጹር ተጻሒፉ እንረኽቦ እዩ። ነዚ ጭብጢ’ዚ ብታሪኻዊ ሰነድ ምድራዑ እንተድልየ ድማ እንሆ፦

ሓሙስ 25 ሕዳር 1982 ፈረንጂ፡ (16 ሕዳር 1975 ግእዝ)

ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣስመራ፡ ሓባራዊ ትርጉም ቅዱስ መጽሓፍ ክጅምር፡ እዞም ዝስዕቡ ኣቦታት ብሓድነትን ስምምዕን ፈሪሞም፦

  • ብፁዕ ኣቡነ ገብርኤል- ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኤርትራ

  • ብፁዕ ኣቡነ ኣብርሃ ፍራንስዋ፡ ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ

  • ክቡር ቀሺ መሓሪ ኣስፍሃ፦ ፕረዚደንት ወንጌላዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ

ረቡዕ 02 ሚያዝያ 1980 ፈረንጂ (24 መጋቢት 1972 ግእዝ)

እዞም ዝስዕቡ ኣቦታት ካህናት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ምስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን "ብዛዕባ ምሕዳስ ቤተ ክርስቲያን ንምዝታይ" ብዝብል ኣርእስቲ ንሕብረት ክልቲኤን ኣብያተ ክርስቲያን ኣብ ዝምልከት ተጋቢኦም ዘተዩ።

  1. መልኣከ ጽዮን ኃይለ ሃብተጊዮርጊስ (ኣመሓዳሪ ደብረጽዮን ቅድስት ማርያም)

  2. መም ተወልደብርሃን ተሰማ (ኣመሓዳሪ ኣቡነ ተኽለማይማኖት)

  3. መልኣከ ተክለሃይማኖት ገበረሥላሴ (ኣመሓዳሪ ደብረ ብስራት ኣኽርያ)

  4. መልኣክ ጸሓይ ገብረሥላሴ ወልደትንሣኤ (ኣመሓዳሪ ደብረ ጸሓይ ቅዱስ ገብርኤል)

  5. መልኣከ ምሕረት ዘርዓዮሓንስ (ኣመሓዳሪ ቅዱስ ሚካኤል)

  6. መልኣከ ሰላም ተስፋይ ገብረኢየሱስ (ኣመሓዳሪ ኪዳነ ምሕረት ሰምበል)

  7. መልኣከ ሕይወት ቅስሙ ዓጽሙ (ኣመሓዳሪ ገብረ መንፈስቅዱስ ገጀረት)

  8. መልኣከ ምሕረት ወልደጊዮርጊስ ሠመረ (ኣመሓዳሪ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ጐዳይፍ)

  9. ቀሺ ገብረኪዳን መሓሪ (ኣመሓዳር ልደታ ማርያም ቀሓውታ)

  10. ቀሺ ኃይለ ይስሓቕ (ኣመሓዳሪ ኪዳነ ምሕረት ማይ ተመናይ- ፓራዲዞ)

  11. ቀሺ ወልደትንሣኤ ወልደሥላሴ (ኣመሓዳሪ ደብረ ሰላም ቅዱስ ጊዮርጊስ ገጀረት)

24 ለካቲት 1980 (16 ለካቲት 1972 ግእዝ) ሰንበት ዘምኵራብ-

ኣብዛ ሰንበት እዚኣ፡ ንግደት ክቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኪዳነ-ምሕረት ሹቕ (ኣስመራ) ብምንባሩ፡ ብዘይካ እቲ ዓመታዊ ንግደት፡ ብሰንኪ እቲ ዝነበረ ኵናት፡ ኣብ ምድሪ ኤርትራ ንዝተጐድኡ ኹሎም ብዘይ ኣፈላላይ (ደቂ ኤርትራ፡ ትግራይ፡ በጌምድር፡ ጎጃም፡ ሸዋ፡ ወሎ፡ ደቂ ወለጋ ኤሊባቡር፡ ካፋ፡ ደቂ ጋሞጎፋ፡ ሲዳሞ፡ ባሌ፡ ደቂ ኣርሲ፡ ሓረር፡) ጸሎተ ፍትሓት ክግበር ተጸውዐ። እዞም ዝስዕቡ ኣቦታት ድማ

  • ብፁዕ ኣቡነ መርሐ ክርስቶስ፡

  • ኣባ ተወልደብርሃን ገብረመስቀል ካብ ገዳም ደብረ ቢዘን፡

  • መልኣከ ሰላም መጐስ ዑቕባጊዮርጊስ፡

  • መልኣከ ጽዮን ኃይለ ሃብተጊዮርጊስ

ወዘተ፡ ዝርከብዎም፡ ኣብቲ ሓባራዊ ጸሎተ ፍትሓት ተሳተፉ።

መወከሲ ጽሑፍ (ገድሊ ሕይወት ብፁዕ ኣቡነ ኣብርሃ ፍራንሷ ገጽ 52-59)

መዕጸዊ

ኣብያተ ክርስቲያን፡ ነናተን ሰረተ እምነትን ስርዓትን ሓልየን፡ ብፍቕርን ስኒትን፡ ኣብቲ ዘራኽበን እናተራኸባ፡ መርኣያ ፍቕርን ትሕትናን ክዀና፡ ክርስቲያናዊ ጻውዒተን’ዩ። ወንጌል ዝምህረና፡ ኣቦታት ዘጽንሑልናን እተረከብናዮን’ውን ንሱ እዩ። ኣብ ፍቕሪ ብጻይ ዘየላ ቤተ ክርስቲያን፡ “ክርስቶሳዊት’የ” ክትብል ዝከኣላ ኣይኰነን። እንተበለት ከኣ፡ ከንቱ ፈኸራ ጥራይ’ዩ። ምስቲ ዝሕጐስ ዘሎ ከይትሕጐስ፡ ኣብ መርዓ ሓውኻ ንኸይትውዕል ሓንጊድካሲ፡ ኣንጊህካ ኣብ እዋን ቅዳሴ፡ ”አሐዱ ኣብ ቅዱስ” ቢልካ እንተገዓርካ፡ ላግጺ ዶ ኣይኰነን፧! እቲ ቕዱስ እንብሎ ዘለና፡ ብባህርዩ ቕዱስ ዝዀነ ኣምላኽ፡ ቅድሚ ቅዳሴናን መስዋእትናን፡ ፍቕሪ ብጻይ ከም ዝጠልብ ዶ፡ ካን ራሕ ኣቢልና ረሲዕናዮ ኢና። ኣቦታት ኣይትደቅሱ፡ እዚ ግዕዙይ ባህርይ እዚ፡ ብህጹጽ ይተኣረም!!

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ባኖን ፒያኖን

Next
Next

ንመስርሕ ዕርቂ ዝምልከት ርእይቶን ርድኢትን ኦ.ተ.ቤ