ባኖን ፒያኖን
”ኣስካርባይ ኮዮ፡ ክዳነይ ባኖ፡ ዓድኻ ዶ ትምኖ፧” ቢላ ተቐነየት፡ እታ ብ1939 ተወሊዳ ብ2018 ዝዓረፈት፡ ጸሃይቱ በራኺ። ፍቕሪ ሃገር’ያ ትዝምር ዘላ። ግትር-ስረ፡ ኣፈዋሾ፡ ልበ-ልባ፡ እጀ-ጠባብ. . . ዝብሃሉ ባህላውያን ክዳውንቲ ጠቒሳ እንተትነብር ከ፡ ቢልና ክንሓስብ ይከኣለና’ዩ። ኣብኡ ከይነቐጽና ግና፡ እቶም ኣብ ደረተ ትርኢታ፡ ኣብ ባይታ ዝነበሩ፡ ኣስማቶም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ትርኢቶምን ቅዲ ስፌቶምን’ውን ከይተረፈ’ኳ ባዕዳውያን ዝዀኑ ከም እኒ፡ ኣስካርባ፡ ኮዮ፡ ባኖ፡ ዝብሉ ዝርዝራት፡ ንኽብሪ እታ ዓዲ ግና ክትንክፉን ከዋርዱን ኣይንርእዮምን ኢና።
”ቤተ ክርስቲያን፡ ፒያኖ ትጥቀም ኔራ እያ፡” ”ኣይፋልን፡ ቤተ ክርስቲያን ፒያኖ ኣይትጥቀምን’ያ” . . .ዝብል፡ መሰረት ዘይሓዘ፡ ላዕሊ-ላዕሊ ጥራይ፡ ዱድ ዝብል ክትዕ ንዕዘብ ኣለና። ሓያሎ ኸኣ የንበድብድዎ ኣለዉ። ኣብ ሓደ መደምደታ ንምብጻሕ እንተተደልዩ ግና፡ ንቕድም፡ ካብ መዓስ ክሳዕ መዓስ ዝብል፡ ቀመር ጊዜ ክድረተሉ፡ መሰረታዊ ኰይኑ ይስምዓኒ። ምርጫ ፓትርያርክ ከይተረፈ፡ ብዘመን-ኣምጽኦ ማንዛዊ ምርጫ ንምስትንጋድ ድሕር ዘይበለት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ኣብ ዘመናዊ መሳርሒ ሙዚቃ ምስ በጽሐት፡ ዘሐንግዳ ዘሎ እንታይ እዩ፧!
ፒያኖን ትምህርቲ ሰንበትን
ትምህርቲ ሰንበት ኣብ ኤርትራ (ኣብ ኢትዮጵያውን) ካብ ዝጅምር፡ ሓደ ሽሕ ዓመትሲ ይትረፍ፡ ሓደ ሚእቲ ዓመት’ውን ኣይመልአን። ብቛንቋ ኣምሓርኛ ናይ መጀመርያ እኩብ መዝሙራት ምዃና ዝንገረላ፡ ”መዝሙረ ጸሎት” ብዝብል እተሰምየት መጽሓፍ፡ ብ1955 (1947 ግእዝ) ብዘመነ ቀዳማይ ፓትርያርክ ዘኢትዮጵያ፡ ቅዱስ ኣቡነ ባስልዮስ፡ ተሓትመት። እዛ ኣብ መንፈሳዊ ኮሌጅ ቅድስት ሥላሴ፡ ብኢሳይያስ ኣለሜ ዝተዳለወት መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 9፡ ከምዚ ዝስዕብ ኣስፊራ’ላ፣ ”እዚ ተዳልዩ ዘሎ መዝሙረ ጸሎት፡ ቅዲ ዜማኡ ንኦርጋንን ፒያኖን ከምኡ’ውን ኖታ ንዘለዎም ንኹሎም መሳርሒታት ሙዚቃ ዝሰማማዕ ምዃኑ፡ ንኣፍቀርቲ መዝሙር እሕብር።” 1955 ማለት፡ ቅድሚ 70 ዓመታት ማለት ምዃኑ፡ ሸለል ቢልና ኣይንሕለፎ። ፒያኖ፡ ብውሑዱ ካብ ሽዑ ኣትሒዛ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ነበረት።
ፒያኖን መዛሙራት ትምህርቲ ሰንበትን፡ ከም መናቱ፡ (ኣመና ዝተጋነነ መሲሉ እንተተራእዩ ኸኣ፡) ብዘይውልውል፡ ከም መትሎ-መታሉ ምዃኖም’ዩ እቲ ታሪኾም ዝገልጽ። ፒያኖን ትምህርቲ ሰንበትንሲ፡ ሓቢሮም ዝዓዀኹ፡ ሓደው መታዓብይቲ እዮም ኢና ንብል ዘለና። ማሕበረ ቅዱሳን ዝብሃል ማሕበር ንትምህርቲ ሰንበት ምስ ዓብለሎ ግና፡ ነገራት ካልእ ቅርጺ ክሕዝ ጀመረ። መሳርሒታት ሙዚቃ ጥራይ ዘይኰነ፡ ልብሲ መዘምራን’ውን ከይተረፈ፡ ተለወጠ። ዜማ መዛሙራት፡ ኣቃውማ መዘምራንን ኣዘማምራን፡ ወዘተ ኸኣ፡ ካልእ ቅርጺ ክሕዝ ጀመረ።
ማሕበረ ቅዱሳን ኣብ ኤርትራ
ህላወን ጽልዋን ማሕበረ ቅዱሳን ኣብ ኤርትራ፡ ድሕሪ ምጅማር ዳግማይ ኲናት ኤርትሮ-ኢትዮጵያ (1998) ምስ ምብራር ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ እዩ፡ ዝያዳ ተርኒዑ። እቶም ተሰጒጎም ዝመጹ፡ ነቶም ብፒያኖን ልብሲ መዘምራንን ክንገልገል ዝጸናሕናዮም፡ ከም ዘይደቂ ቤተ ክርስቲያን ቈጺሮም፡ ንመድረኻት ትምህርቲ ሰንበት፡ በይንና እንተዘይበሓትናዮ በሉ። ነዚ ንምትግባር ድማ፡ ምቅጻል መጽሓፍ ቅዱስን፡ ልብሲ መዘምራንን፡ ምስብባር መሳርሒታት ሙዚቃን (ጊታር፡ ፒያኖ) ወዘተ ዘስዓበ ውዕዉዕ ተቓውሞ፡ ገበሩ።
ድሕር’ዚ፡ እቲ ብኣኣቶም እተዓብለለ፡ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ኤርትራ፡ ”መምርሒ ትምህርቲ ሰንበት፡” ብምባል ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ፡ ”ዘመናዊ መሳርሒ ሙዚቃ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምጥቃም ፈጺሙ ኣይፍቀድን እዩ” ብምባል ደምደመ።
ዘመናውን ባህላውን መሳርሒታት ሙዚቃ
ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ ወኢትዮጵያ፡ ድሕሪ ቅዱስ ያሬድ ልዑል ቦታ ዝወሃቦ፡ ኢትዮጵያዊ አባ ጊዮርጊስ ዘጋሥጫ እዩ። እዚ ብ1357 ዓ.ም ዝነበረ ኣቦ፡ ኣብ ድርሰታቱ፡ ኣርጋኖን እተባህለ መሳርሒ ሙዚቃ ይጠቅስ’ዩ። ኣርጋኖን፡ ጥንታዊ ድዩ ዘመናዊ፡ ቢልካ ጠንቀምቀም ምባል ኣይጽላእን። ኣቐዲሙ ከም እተጠቕሰ፡ ትምህርቲ ሰንበት፡ ፍጥር ክብል፡ ምስ ኦርጋኖን ሓደው ምስ ፒያኖ’ዩ ተላልዩ። እምበኣርከስ እቲ ”ዘመናዊ” ዝብል ኣምር፡ ንፒያኖ’ውን ዘጠቓልል እንተዀይኑ፡ እቶም ንመምርሒ ዘዳልዉ መልሲ ክህቡሉ ምሕታት፡ ልቦና’ዩ።
ኣብ ቅዱሳት መጽሓፍቲ እተጠቕሱ፡ ግናኸ ዘይንጥቀመሎም መሳርሒታት ሙዚቃ ኣለዉ። ኣብ መዝሙር ዳዊት መበል 150 ካብ ዝተጠቕሱ፡ ንኣብነት፡ ”እምብልታን መለኸትን” ምጥቃስ ይከኣል። ብመሰረት እቲ ብመንበረ ፓትርያርክ ዝወጸ መምርሒ፡ ኣብ መዛሙራትና፡ እምብልታን መለኸትን ክንጥቀም እንተንደሊ፡ ክፍቀደና ከም ዝግብኦ’ኳ ርዱእ እንተመሰለ፡ ብግብሪ ግና፡ እምብልታን መለኸትን ዘሎዎ መዝሙር እንተዝዳሎ፡ እቲ ክስዕብ ዝኽእል ግብረ መልሲ እንታይ ክኸውን ይኽእል፧ ምግማቱ ዘጸግም ኣይመስል።
ብኣንጻር እዚ፡ ኣብ ቅዱሳት መጽሓፍቲ ዘይተጠቕሱ፡ ግናኸ እንጥቀመሎም መሳርሒታት ሙዚቃ’ውን ኣለዉ። ነታ ሓምሽተ ዝኣውታራ ክራር ዓድና፡ ኣብዚ ክንጠቕሳ ንኽእል ኢና። ነዛ ኣብ ቅዱሳት መጽሓፍቲ ቃል ብቓል ዘይተጠቕሰት ክራር፡ ተቐቢልና፡ ነታ መቕርባን ዘመዳን ዝዀነት ጊታር ምሕሳም፡ ምስ ምንታይ ይቝጸር፧!
ህልኽ እምበር መሳርሒ ሙዚቃ ጠንቂ ኣይመስለንን
ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ንመሳርሒታት ሙዚቃ ኣመልኪቱ ብግንቦት 1994 (1986 ግእዝ) ኣብ ዘውጽኦ መምርሒ፡ ሻምቡቆ፡ ከበሮ፡ ጸናጽል፡ መሰንቆ፡ በገና፡ እምብልታን ኣርጋኖንን ጥራይ’ዩ ዝፍቀድ በለ። እምብልታን ኣርጋኖንን ተጠቒሶም ምህላዎም ነስተብህል። ብ1956 ዓም (1948 ግእዝ) እተሓትመ ”መጽሐፈ ሰዋስው ወግስ፡ ወመዝገበ ቃላት ሐዲስ” ኣብ ዝብል መጽሓፍ፡ ኣርጋኖን ማለት፡ መሳርሒ ሙዚቃ ማለት ምዃኑ፡ ኣነጸረ። ኦርጋን ሓደው ፒያኖ ማለት ከም ዝኾነ ኸኣ’ዩ ዝፍለጥ።
እቲ ብመንበረ ፓትርያርክ ኣስመራ ዝተዳለወ፡ መምርሒ ትምህርቲ ሰንበት ከኣ፡ ”ኣብ ዐጸደ ቤተ ክርስቲያንን ድሕሪ ዑደት ክብረ በዓላት፡ ኣብ ዓውደ ምሕረት ዚቐርብ፦ ከበሮ፡ ጸናጽል፡ መቖምያ፡ በገና፡ መሰንቆ፡ መለኸት፡ ሻምብቆን፡ እንዚራን (ባህላዊ ክራር)ን እዮም” ብምባል ደንጊጉ’ሎ። ንኽራር፡ ኣብ እንዚራ ሓንጊሩ ከም ዝጸሓፋ ምስትብሃል፡ ልቦና’ዩ። ክራርን እንዚራን ግና፡ ክልተ በበይኖም ዝዀኑ መሳርሒታት ሙዚቃ ደኣ እምበር፡ ሓደ ዓይነት መሳርሒ ኣይኰኑን። ክራር፡ ከም እኒ በገና፡ ብኣጻብዕ እትኽረር ክትከውን ከላ፡ እንዚራ ግና፡ ከም እኒ ሻምቡቆ፡ ብእስትንፋስ እትጽወት መሳርሒ ሙዚቃ እያ። ኣብዚ እዋን’ዚ ኸኣ እንዚራ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኰነ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መዓላ ዘይትውዕል ዘላ መሳርሒት ሙዚቃ እያ።
መጠቓለሊ፦
መንፈሳዊ ዜማ፡ ዕላማኡ ስሒቱ ዓለማውን ምድራውን ክኸውን ኣይግብኦን። መዝሙር፡ ንጸሎት፡ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንኣስተንትኖ፡ ንተመስጦ፡ ንሰቂለ ሕሊና ደኣ እምበር፡ ተሃን ስጋ ንምርዋይ፡ ወኒ ንጥራን ዝላን ንዕጋብ፡ ክኸውን ፈጺሙ ኣይግብኦን። ክራር ተኸረረ፡ ዋጣ ተሓርሕረት፡ ኣውታር ተፈተጉ፡ መላጉም ፒያኖ ተደርቈሱ፡ እዚኣቶም ትንፋስ-ኣልቦ ግኡዝት ስለ ዝዀኑ፡ ጠመተና፡ ኣብቲ ዝዝምር ዘሎን ኣብቲ መዝሙርን ጥራይ ክኸውን ይግባእ። ሱዳናውያንን ምስራውያንን በታ ዑድ እትብሃል መሳርሒት ሙዚቃ እንተዘመሩ፡ ኣይፋልኩምን፡ ጸናጽልን ከበሮን ደኣ ሓዙ ክንብሎም ዶ የምሕረልና’ዩ፧ ከምኡ ምግባር ከ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ድዩ፧ ኣምላኽ መንፈስ’ዩ፡ እቶም ዝሰግዱሉ ኸኣ ብሓቅን ብመንፈስን ክሰግዱሉ ይግብኦም!