ብሕቡእ ንጽሊ፡ ብግሁድ ይኽሕሰና!
”ኣቤት ቦጎግ! ኣቤት ደሮና!” በለት ብርዐይ። ”ኢሂ ቃል ኣምላኽ እንድዩ ከምኡ ዝብል” ቢለ ወንጌል ማቴዎስ ናብ ምግንጻል እናተጓየኹ፡ ”STOP!” ብምባል ገንሐትኒ። ስለምንታይ ምዃኑ ብዘይርድኣኒ፡ ክትቍጣዕ እንከላ፡ ቋንቋ እንግሊዝ ሓንፊጻ’ያ እትዛረብ።
”ኣብ ኣባይቲ ጸሎትን ኣብ ቃራናታት መገዲን (ኣብቲ ንስኻ፡ ማሕበራዊ መራኸቢታት እትብሎ፡) ደው ኢልካ ኣብኡ ክትጽሊ ከም እትፈቱ፡ ሰብን እዝግን ይምስክረልካ’ዩ። ኣብኡ ዓንገረር ከም እትብል፡ ዑፍ’ውን ክትምስክረልካ ትኽእል’ያ! ማዕጾኻ ዓጺኻ፡ ነቲ ብሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ግና፡ ኣየናይ ሰዓት ኢኻ እትልምኖ፧ ንምዃኑ፡ ስሩዕ ናይ ብሕቲ ጊዜ ምስ ኣምላኽ ኣሎካ ድዩ፧ ’ብሕቡእ ንጽሊ’ ቢልካ ድማ ሕጅስ፡ ካን ዓይኒ ሰብ ከተንቍር፧!” ጓህሪ ክሳዕ ዝመስል፡ ንኽልቲኡ ኣእዛነይ ደጊፋ፡ ሕርሕራይ ጌራ ኣስምዐትኒ።
ናብ ኣኽራን ደይብ
”እግዚኣብሄር ንሎጥ ክንሕፎ ምስ ደለየ፡ እንታይ ዝብል ትእዛዝ ከም ዝሃቦ ትዝክሮ እንዲኻ፧” መጽሓፍ ቅዱሰይ ገንጺለ ክነብብ ደረኸትኒ። ዘፍጥረት 19.17 ”ነፍስኻ ኣድሕን፡ ንድሕሪት ገጽካ ግልጽ ኣይትበል፡ ኣብ ብዘሎ እዚ ጐልጐል ድማ ደው ኣይትበል። ምእንቲ ኸይትጠፍእ፡ ናብ ከረን ኣቢልካ ድሓን፡” ንዝብል ክፍሊ እቲ ጽሑፍ ነበብክዎ። ”ጥቕሲ ምንባብን ምድጋምን ደኣ መን ክቕድመካ፧!” ኣጓጠጠትለይ። ”በል፡ ከምቲ ብነብዪ ሃጌ እተነግረ፡ ብልብኻ መገድኻ ሕሰብ እሞ፡ ተቐላጢፍካ ድማ ከምኡ ግበር” ብምባል ከኣ ኣትሪራ ተላበወትኒ።
ዕንይንይ ግዲ ኣብዚሐ፡ ”ነፍስኻ ኣድሕን ኣታ ወዲ! ንድሕሪት ገጽካ ቍሊሕ ኣይትበል!” ነቲ ንሎጥ እተዋህበ ስምዕታ፡ ብሓውሲ ዓውታ ኣብ እዝነይ ደገመቶ። ”ነፍስኻ ኣድሕን! ንድሕሪት ገጽካ ቍሊሕ ኣይትበል!” ኣነ’ውን ነቲ ቃል ደገምክዎ። ”ደጊም ናብ ኣኽራን ደይብ፡ ዕንጸይቲ ኣምጽእ፡ ነታ ዓንያ ዘላ ቤት-ጸሎትካ ድማ ስርሓያ” ቢላ፡ ከም ኣመላ ክትስወር ክትብል ግና፡ ቀርቀብ ኣበልክዋ።
”ዘይትነብሮ ኣይትዛረብ፡ ካብ እግዚኣብሄር ከይሰማዕካን፡ ከይጸለኻን ናብ መድረኽ ኣይትደይብ፡ ንግብዝና ፈንፍኖ፡ ክትጥዒ እንተደሊኻ፡ ድኻምካን ሕማምካን ፍለጥ! ንምዝራብ ዘይኰነ ንምስማዕ ቅልጡፍ ኩን” ክትውስኸኒ ቢለ ቍሊሕ እንተበልኩስ፡ ድሮ ሓያሎ ሰጒማ ተፈንቲታ ነበረት። ካብቲ ዝነበረቶ ማዕዶ ኰይና ኸኣ ”እቲ ንመህነጺ ዝኸውን ዕንጸይቲ ኣብኡ ኣብቲ ኸረን’ዩ ዝርከብ’ሞ፡ ቤት-ጸሎትካ ንምሕዳስን ናብታ ዝነበረትካ ቀዳመይቲ ፍቕሪ ንምምላስን፡ ኣብኡ ኣብቲ ኸረን የራኽበና” በለትኒ። “ክሓብር እደሊ’የ” ዝብል እንተሎ፡ ወትሩ ሓሙስ ሰዓት 21.30 ብሽወደን፡ መደብ ጸሎት ጀሚርና’ለና!