መልእኽቲ ሊቀ ካህናት ኣብ ዓመታዊ ጉባኤ ኦ.ተ.ቤ.
ሊቀ ካህናት ቀሺ ተኽለማርያም ምህርካጽዮን ናብ ተጋባእቲ ዓመታዊ ጉባኤ ኦ.ተ.ቤ. ኣብ ዝሰደድዎ መልእኽቲ፡ "ብሕይወት ጸኒሕናስ ናይ`ዚ ጉባኤ`ዚ ተሳተፍቲ ክንከውን ምብቃዕና፣ ብእግዚኣብሔር ዝረኸብናዮ ጸጋ'ዩ" ድሕሪ ምባል፡ መሰረታዊ ሽግር ቤተ ክርስቲያንና ንኽፍታሕ ሰፊሕ መጽናዕቲ ክግበር ይጽንሓለይ ክብሃሎ ዘይግባእ ዕማም ምዃኑ ኣዘኻኺሮም።
"ኣብ 40-ታት ዝጅምር ናይ 'ፈለገ-ሕይወት' ታሪኽ ሒዝካ፣ ክሳብ 'ኦተቤ' ዝተመጽአ ጉዕዞ፡ ዳርጋ ኣብ 80-ዓመት ኣቢሉ ተገማጊሙ ከብቅዕ፡ ዛጊት ግና መሠረታዊ ፍታሕ ኣብ ምምጻእ ትዂረት ጌርካ ክስራሕ ኣይተኻእለን" ዝበሉ ሊቀ ካህናት ቀሺ ተኽለማርያም፡ “እዚ ብ“ኦተቤ” ዝፍለጥ ኅብረት፡ ካብ መባእታ ክሳብ ላዕለዋይ ደረጃ ዝበጽሕ፣ 6ተ-መጻሕፍቲ ተርጒሙ ንኣገልግሎት ድልው ክገብር ምኽኣሉ፡ ንቤተ-ክርስቲያንና ዓቢይ ዓወት`ዩ” ብምባል ኣብቲ ዕዮ ንዝተሳተፉ መጒሶም።
ሊቀ ካህናት ቀሺ ተኸለማርያም፡ “ደቅና ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ኮይኖም፡ ብፊደሎም ዝጽሕፉን ብቋንቋኦም ዝዛረቡን ኮይኖም ክዓብዩ፣ ተሳትፎ ደቀንስትዮ ኣብ ትምህርቲ -ሰንበት፣ ክሥመረሉ ከም ዘሎዎ ድሕሪ ምዝኽኻር፡ "እዚ ጉባኤ`ዚ እቲ ሕያው ኣምላኽ ዝኸብረሉን፣ ሕዝብና ዝባረኸሉን ክኸውን፡ ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና" ብምባል መልእኽቶም ዛዚሞም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ እቲ ሰፊሕ መልእኽቲ እንሆ፦