መልእኽቲ ሊቀ ካህናት ኣብ ዓመታዊ ጉባኤ ኦ.ተ.ቤ.

ሊቀ ካህናት ቀሺ ተኽለማርያም ምህርካጽዮን ናብ ተጋባእቲ ዓመታዊ ጉባኤ ኦ.ተ.ቤ. ኣብ ዝሰደድዎ መልእኽቲ፡ "ብሕይወት ጸኒሕናስ ናይ`ዚ ጉባኤ`ዚ ተሳተፍቲ ክንከውን ምብቃዕና፣ ብእግዚኣብሔር ዝረኸብናዮ ጸጋ'ዩ" ድሕሪ ምባል፡ መሰረታዊ ሽግር ቤተ ክርስቲያንና ንኽፍታሕ ሰፊሕ መጽናዕቲ ክግበር ይጽንሓለይ ክብሃሎ ዘይግባእ ዕማም ምዃኑ ኣዘኻኺሮም።

"ኣብ 40-ታት ዝጅምር ናይ 'ፈለገ-ሕይወት' ታሪኽ ሒዝካ፣ ክሳብ 'ኦተቤ' ዝተመጽአ ጉዕዞ፡ ዳርጋ ኣብ 80-ዓመት ኣቢሉ ተገማጊሙ ከብቅዕ፡ ዛጊት ግና መሠረታዊ ፍታሕ ኣብ ምምጻእ ትዂረት ጌርካ ክስራሕ ኣይተኻእለን" ዝበሉ ሊቀ ካህናት ቀሺ ተኽለማርያም፡ “እዚ ብ“ኦተቤ” ዝፍለጥ ኅብረት፡ ካብ መባእታ ክሳብ ላዕለዋይ ደረጃ ዝበጽሕ፣ 6ተ-መጻሕፍቲ ተርጒሙ ንኣገልግሎት ድልው ክገብር ምኽኣሉ፡ ንቤተ-ክርስቲያንና ዓቢይ ዓወት`ዩ” ብምባል ኣብቲ ዕዮ ንዝተሳተፉ መጒሶም።
ሊቀ ካህናት ቀሺ ተኸለማርያም፡ “ደቅና ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ኮይኖም፡ ብፊደሎም ዝጽሕፉን ብቋንቋኦም ዝዛረቡን ኮይኖም ክዓብዩ፣ ተሳትፎ ደቀንስትዮ ኣብ ትምህርቲ -ሰንበት፣ ክሥመረሉ ከም ዘሎዎ ድሕሪ ምዝኽኻር፡ "እዚ ጉባኤ`ዚ እቲ ሕያው ኣምላኽ ዝኸብረሉን፣ ሕዝብና ዝባረኸሉን ክኸውን፡ ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና" ብምባል መልእኽቶም ዛዚሞም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ እቲ ሰፊሕ መልእኽቲ እንሆ፦  

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ኦ.ተ.ቤ. ”ክንዝምረሉ ኢና ገና”

Next
Next

ብሕቡእ ንጽሊ፡ ብግሁድ ይኽሕሰና!