ኦ.ተ.ቤ. ”ክንዝምረሉ ኢና ገና”
”ኣበይ ደኣ’ለዉ እቶም ኵሎም ዝተመዝገቡ፧” በለትኒ፡ እታ ሽወደናዊት ኣካያዲት ስራሕ። ቍጽሪ ምዝጉባትን ዋሕዲ ተሳተፍትን ርእያ’ያ። ቈጸራ ሓበሻ ከረዳኣ ነበረኒ። ”ኣብ ዓድና፡ ብጸሓይ እምበር ብሰዓት ኣይኰንናን እንቘጽር እሞ፡ ኣማስያኦም ክመጹ’ዮም፡ ግዲ የብልክን” በልክዋ። ስሒቕና፣ ንሳን ብጾታን ናይ እስትሕቓር፡ ኣነ ኸኣ ናይ ውሽጡ-ሕሩር!
ካብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ነርወይ፡ ጀርመን፡ ስዊትዘርላንድ፡ ስዊድን፡ ዓበይትናን ነኣሽቱናን ሰብኣይናን ሰበይትናን ብዘይ ኣፈላላይ ኣብ ሓንቲ ህንጻ ተኣኪብና፡ . . . መደብ ብእግሪ ምሕጻብ ጀመረ። ኣብቲ ጉባኤ ደሚቓ ዝተዘመረት፡ “ክንዝምረሉ ኢና ገና ንኣምላኽና፡ ክንዝምረሉ ኢና ገና ንኢየሱስና” ትብል ክትከውን ከላ፡ ኣዝዩ ዘስሓቐኒ ዘጋጠመ ኵነት ድማ፡ እታ እንጥቀመላ ዝነበርና ኮምፑተር ክትክፈት ከላ፡ ስእለይ ስለ ዘለዋ፡ ሕጻናት እናዘመሩ፡ ኣብቲ መዝሙሮም “ንስኻ ኣለኻና” ይብሉ። ኣብ ስክሪን ዝርአ ምስሊ ድማ፡ ስእሊ ቀሺ ዮናስ ምስ ኰነ፡ ዲን ሳሙኤል ኣንታ ኣጥፍእዋ ቢሉ ከም ተጣርዐ!
ዓርቢ ድሕሪ ድራር፡ ድሕሪ ጸሎተ ኪዳን፡ ምስ ቀሺ ሙሴ ሽሻይ ሓቢርና እጅገናን ስረናን ከቢስና ኣብ ጫፍ እቲ ወሓዚ ማይ ብምቛም ሕጽቦ ኣእጋር ተተሓሓዝናዮ። ”ሓዋርያቲሁ ከበበ፡ እግረ ኣርዳኢሁ ሐጸበ” ኣዚምናሎም። ዝተረድእዎ ስለ ዘይመሰለና፡ ንእንታይነት ግብራዊ ክርስትና ከመይ ክኸውን ከም ዝግብኦ ዝምልከት ሓጺር ኣስተምህሮ ኣቕረብና ምሕጻብ ብዝወዳእና ድማ፡ ”ምቅብባል ይኹነልና” ብሓባር ዘሚርና፡ ናብቲ ጉባኤ ዝካየደሉ ኣዳራሽ ኣምራሕና።
ኣብቲ ብድያቆን ዶር ሓይልኣብ እናተኣልየ ዝታቓንዐ ጉባኤ፡ ፈላሚ ስብከት ብዲያቆን ባስልዮስ ቀረበ። ናብ ውሽጢ ዓጻጽምቲ ዝዘሩቕ ”ዘኪርካኒ ኢኻ”፡ ”ከምልኾ’የ፡” ”መዓስ ረሲዐዮ፡” ” ኦ ናይ ሰላም ኣምላኽ” ብዝብሉ መዛሙር፡ ቅድምን ድሕርን እቲ ቃል ኣምላኽ ተመሲጥናን ተባሪኽናን፡ ከኣ፡ ኣቋሲና ተመገብናዮ። ኣብ ጉጅለታት ብምምቕቓል፡ ካብቲ ጉባኤ እንታይ ከም እንጸባበ ሓድሕድ ተመያየጥናሉ።
ቀዳም ንግሆ ብጸሎተ ቅዳሴ ክንፍልም ስለ ዝነበረና፡ ብኣጋ ከነዕርፍ ተወጠነ። ኣጋይሽ ዘርጠብ እናበሉ፡ ክሳዕ ሰዓት ክልተ ናይ ለይቲ፡ ወጃዕ በልና። ድሕሪ ቅዳሴን ቍርስን፡ ሌላ ምስ መጽሓፍ መዝሙር ዳዊት’ዩ ኔሩ። ሰብ ስታቫንገር ንዝቐረቡ ሕቶታት፡ ገና ካብ ኣየር እናቘለቡ ኣምከንዎም። ተስፋህይወትን ዲን ክብረትን ድማ ቀዳማይ ካልኣይን ኰይኖም ተዓወቱ።
ድሕሪ ምሳሕ፡ ምምራሕ መደብ፡ እቲ ብመሳርሒ ሙዚቃ ነቲ ዝቐርብ ዝነበረ መዛሙር ትንፋስ ዝሰዀዐ፡ ዲን ኢሳይያስ ተረከቦ። ”ንኣምላኽ ኣብ መቕደሱ፡ ምቅብባል ይኹነልና” ”ብህይወተይ ከኽብረካ፡” ደግፈኒ፡” ”ኣሰይ ኣሰይ ባህ ኢሉኒ” ክዝመር ከሎ፡ ድምቀት እቲ መዝሙር እናዓዘዘ፡ ”ክንዝምረሉ ኢና ገና” ክብሃል ከሎ፡ ጥርዚ ዓሪጉ፡ ዕልልታን ድምጺ ጣቕዒትን ሰማይ ዓረገ።
ስዒቡ፡ ቈልዑን መንእሰያትን፡ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ መዝሙርን ዝርርባዊ ድራማን ኣቕሪቦም፡ ንልብና ብሓጐስን ተስፋን ትርግርግ ኣበልዎ። ጉጀለታት ሀ-ሐ ብሓባር ነዚ ምስ ኣቕረቡ፡ ዝተዳለወሎም ምስክር ወረቐት፡ ካብ ኢድ እቲ ብምቕባልን ብምጉዕዓዝን ኣጋይሽ ከምኡ’ውን ብኣገልግሎት ቪድዮን ስእልን ንኹሉ እቲ መደብ ዝቐረጸ ዮሃንስ ፍስሃየ፡ ካብ ኢድ መም ዮርዳኖስ ሃብተን ዲን ዳንኤል ሳሙኤልን ተቐበሉ። ድሕሪኦም፡ እቶም ምሳይ ዝምሃሩ ጉጅለ መ ኸኣ ”ናብ ሰማይ ናብ ሰማይ ክንከይድ ኢና ዳሕራይ” ዝብል ብምዝማር፡ ሰማያዊ ተስፋና ድሕሪ ምሕዳስ፡ ንእንታይነትን ትሕዝቶን መጽሓፍ ቅዱስ ዝገልጽ፡ ብፓወር ፖይንት ዝተዳለወ ትምህርታዊ ጽሑፍ ኣቕረቡ። ንሳቶም’ውን ዝተዳለወሎም ምስክር ወረቐትን መጽሓፍን ተቐበሉ።
ድሕር’ዚ፡ ነቲ ዲያቆን ባስልዮስ ዝፈለሞ ”ምቅብባል” ዝብል ኣርእስቲ፡ ዲን ዳዊት ምስ ዛዘሞ ኸኣ፡ ኣብቲ ኣርእስቲ እቲ በብጉጅለ ተመቓቒልና፡ ሰፊሕ ዘተ ኣካየድና። ኣብታ ዝነበርክዋ ጉጅለ ዘይኰነስ ኣብ ሓደ ካልእ ጉጅለ ዝነበሩ ካብ ዝዘተይዎ ዝዓጀበትኒ፡ ”ምቅብባል እኳ እንተተባህለ እቲ መልእኽቲ ግና፡ ምቕባል እዩ ዘስምዕ፣ ምቅብባል እንተኢልና፡ ሓድሕዳዊ እዩ፡ እዚ ”ከምቲ ክርስቶስ ንኽብሪ ኣምላኽ ዝተቐበለኩም” ዝብል ዘሎ ግና፡ እቶም እንቕበሎም ክቕበሉና ከይተጸበና ክንገብሮ ከም ዘለና እዩ” ዝብል ነበረ። ዕምቈተ ርድኢቶም መሲጡኒ ኣድነቕክዎም።
እዋን ድራር ኰይኑ፡ ሽወደናዊት ኣካያዲት ስራሕ፡ ”ሕጂ ኸኣ ልዕሊ ምዝጉባት ኴንኩም፡ ናይቶም ዝያዳ ዝመጹ፡ ዝያዳ ክትከፍሉ ኢኹም” በለትኒ። ሕጂ ግና ኣይሰሓቐትን፡ ዕዳ እናተደብደብኩ ድማ ኣነ ክስሕቕ ኣይሕሰብን’ዩ። ”ገምጋም እቲ ብዝሒ፡ ምስ ኣባላት ክሸነ ተዘራሪበ ክሕብረኩም’የ” በለትኒ። ተሰማሚዕና። ክውንነትን ጽልመይን እናረኣየት ብልባ ከመይ ትገልጸና ኔራ ክትከውን ከም እትኽእል፡ እዝጊ ይፈልጥ፣ ምናልባሽ ከኣ’ባ ንስኹም ከኣ ትግምቱ ትዀኑ።
ድሕሪ ድራር፡ ደቀንስትዮ ኦተቤ ንበይነን ዝዛተያሉ መድረኽ’ዩ ኔሩ። ”ጽቡቓት ኢና” ብዝብል ሓሳብ፡ ንውሽጣዊ ጽባቐ ዘጕልሕ፡ ንጥበብ ኣምላኽ ዘድንቕ፡ ግሩም ትሕዞ፡ ንጽባሒቱ ሰንበት ንግሆ ድሕሪ ጸሎተ ነግህ ኣስሚዐናና። ”ደቀንስትዮ ካብ ተዛተያስ ንሕና ኸ ዘይንዛተ” ብዝብል ቅዱስ ቅንኢ ዝተደረኸ ኰይኑ ዝተሰምዓኒ፡ መምህር የማነ ዘበገሶ፡ ኣብታ ኣነ ዘርከብኩላ ጊዜ፡ ዲን ዶር ሓይልኣብ እናቐለሶ ኣብ ሂር ዝበለ ዘተ ድርግም በልኩ። ዲን ጸጉ ነጋሽ ተወሰኸ፡ ጉሂሩ ዘጸንሐ ዘተ ገሃጽ-ሃጽ በለ። ፍርቂ ለይቲ ምስ ኰነ፡ ሓዲገዮም ናብ ምድቃሰይ ክሓልፍ ከለኹ፡ ዲን ዳዊት ዘማእክሎ ደቀንስትዮ ዝዓሰላኦ ሓደ ጉጅለ፡ ንመላእ እቲ ህንጻ ዝንቕንቕ፡ ሰሓቕን ወጃዕ ዓሚሩ ነበረ።
ሰንበት ንግሆ፡ ጸሎተ ነግህን ኪዳንን ምስ በጽሐ፡ ናይ ዕለት ወንጌል ተነቢቡን ሓጺር ስብከት ድሕሪ ምቕራቡ፡ ርእይቶታት ተሳተፍቲ ተሰምዐ። ንዝቕጽል ዓመት ካብ ሕጂ ሰፊሕ ምድላው ክግበር ከም ዝግባእ ድማ፡ ንዝተራእዩ ድኻማት ብግሉጽ ተዘርበሎም። ዝዓበየ ጠመተና ንደቅናን መንእሰያትናን ክኸውን ንዕኦም ዝምጥን መደባትን ትሕዝቶን’ውን ክዳሎን ዝብሉ ርእይቶታት ድማ ቀረቡ። ነዚ መደብ እዚ ዕዉት ኰይኑ ንኽወጽእ፡ ንኣወሃሃዲት ኮሚተ ብምምራሕ፡ ኣብ ምውጣንን ምክትታል ነፍስ ወከፍ ንጥፈትን ምቕባልን ምስትንባርን ኣጋይሽ ወዘተ ብትግሃት ዘገልገለ ድማ ኢንጅነር ተመስገን’ዩ። ኣበርክቶ ነፍሲ ወከፍ መራሕቲ ክፍልታት፡ ንጡፍ ሱታፌ ነፍስ ወከፍ ተሳታፊ፡ ከይተሓለሉ ዝዓየዩ ኣባላት ምውህሃድ ወዘተ ስለ ዝዓዘዘ ዓስቦም ካብ ኣምላኽ እኳ እንተዀነ፡ ምስጋናና ግና ነቕርበሎም ኣለና።
ክንውድእ ኔሩና፡ ኣጸራሪና፡ መፍትሕ ኣረኪብና፡ ናብቲ ዝኸበደ ኣተና። ካብቲ ምውቕ መንፈስ ፍቕሪ ዝዓሰሎ፡ ሕውነታዊ ሓልዮት ዝዓብለሎ ከመይ ጌርካ ትፈላለ፧! ካን ዕንድ ኢለ ልበይ ናብ ዝበነይ ተሰቕለት፡ እንታይ ይገብር፡ ናበይ ይኸይድ፡ ድሕሪኡ ኸ ናበይ ኢና ወዘተ ንርእሰይ ስለ ዝዓብለሎ፡ ነፍሰይ ተመሊሰ ክሳዕ ዝረኽባ፡ ሓያሎ ሰዓታት ሓለፈ. . . ሕጂ ናብ መንበሪ ቦታይ ንኽምለስ ኣብ ባቡር ኰይነ፡ እንሆ ገለ ስእሊ ከጨብጥ እፍትን ኣለኹ።
ፈትየ፡ ኣፍቂረ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ቅዱስ ጉባኤ፡ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣሕዋትን ኣሓትን ውሉድን፡ መን ወለደለይ፧ እቶም ሕጻናት ናባይ መጺኦም ሕቝፍ ከብሉኒ ከለው፡ ዝስምዓኒ ዝነበረ ሓጐስ፡ እቲ መዛሙር ክዝመር ከሎ፡ ናብ ሰማየ-ሰማያት ዝዕዘሮ ዝነበርኩ፡ እቲ ብኣፍ ሕጻናት ዝንገር ዝነበረ ጥቕስታትን መዛሙራትን፡ እቲ ናይ ፍቕሪ መኣዲ፡ እቲ ዘተ፡ እቲ ሕውነት. . . ንዓመታ ብደሓነ ሰላም የራኽበና! ኵሉ ኽብሪ ንጐይታ ይኹን!!