ዮኒ-ማኛዊ ክርስትና

ዮናስ ሙሉነህ እዩ ዝብሃል፣ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድማ ”ዮኒ ማኛ” ብዝብል ይፍለጥ።  ከምዚ በለ፡ ከምዚ ገበረ፡ ናብዚ ኣተወ፡ ናብቲ ተመልሰ እናተባህለሉ፡ መዓልታዊ ዛዕባ ኰይኑ ይቐርብ እሞ፡ ዘርከበን ዘየርከበን ድማ ብዛዕባኡ ቱት ይብል። 

ክርስትና፡ ንዓርሰ-ርእሲ ኣህሲሱ፡ ንክርስቶስ ዘርእስ ክኸውን ከሎ፡ ዮኒ ማኛዊ ክርስትና ግና፡ ንክርስቶስ ኣህሲሱ ንዓርሰ-ርእሲ፡ ዘርእስ እዩ። ተሓድሶ በልዎ፡ ጴንጠ በልዎ፡ ኦርቶዶክስ በልዎ፡ ወንጌላዊ’ውን በልዎ፡ ዮኒ-ማኛዊ ክርስትና፡ መለለዪ ዘመንና’ዩ ኰይኑ’ሎ። ከመይ ዶ በልኩም፧ ከመይ ዝብል ለባም፣ ብስም ተሓድሶ ቈይመን ዘለዋ ማሕበራት ዶ ቈጺርኩም ትጥርሽወን ኢኹም፧ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘሎ መዓርጋትን ቅጽላትን ዶ ክትዝርዝርዎ ትኽእሉ ኢኹም፧!

ዘማሪ ምባል ውሒድዎ፡ ፓስተርነት ዝድርብ፡ ብእኡ ምዕጋብ ስኢኑ፡ ነብዪ፡ ሃዋርያ ናብ ዝብል ዝመጣጠር፡ ገና ብእኡ’ውን ምእጋብ ስኢኑ፡ ብማይነር ሜጀር ዝበላለጽ ክርስትና ዶ ኣይኰንነን መለለዪ ዘመንና ኰይኑ ዘሎ፧! እሞ እዚ ኵነት እዚ፡ ”ዮኒ-ማኛዊ ክርስትና” እንተዘይተባሂሉ ደኣ፡ ኣየናይ እዩ ከምኡ ክብሃል ዝኽእል፧!

ዓርስኻ ኣብ ማእከል ምህላዉ ዘውሕስ፣ ረብሓኻ ደኣ እምበር፡ ረብሓ ብጻይካ ዘየጠምት፡ ዲቁናን ክህነትን ውሒድዎስ፡ ሊቀ-ሊቃውንት ክብሃል ዝብህግ፡ ብእኡ ምዕጋብ ተሳኢንዎ፡ ዘውገ ምሁራን ዝውስኽ፡ ሓንቲ ጥምጣም ንኢሳቶ፡ ሰማይ ዝጥንቍር መጠምጠምያ ዝጽዕን. . . ወትሩ ኣብ ማእከል ዝኸውንን ክኸውን ዝደልን . . . እዚ ኵነት እዚ፡ ”ዮኒ-ማኛዊ ክርስትና” እንተዘይተባሂሉ ደኣ፡ ኣየናይ እዩ ከምኡ ክብሃል ዝኽእል፧!

ዮኒ-ማኛዊ ክርስትና፡ ”ቅድም፡ ’ምግቢ ዕለት፡ ክዳን ዓመት’ ድሕር’ዚ መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለ” ብዝብል እዩ ዝልለ። ንቕድም ክብሪ ዓርስኻ ድሒሩ ክብሪ ጐይታኻ ብዝብል ድማ ይስነ። ዓርስኻ ከይከበረ ዝኸብር ጐይታ የለን፡ ዓርስኻ ከይተራእየ፡ ዝርአ ጐይታ የለን። ክልተ፡ ሓደ ዝሓሳቦም ተሓድሶ፡ ብሓደ ሓቢሮም ዘየገልግሉሉ ምኽንያት፡ ኪንዮ’ዚ ካልእ ምስጢር ክህልዎ ኣይክእልን።

ንቕድም ዓርሶም ልዕል ኣቢሎም ምእንቲ ክርኣዩን፡ ከምኡ ኸኣ፡ ምግቢ ዕለት ክዳን ዓመት ምእንቲ ከውሕሱን እዮም፡ ናይ ዓርሶም ሚኒስትሪ፡ ቸርች፡ ማሕበር፡ ወዘተ ዝኸፍቱ። ምድሪ እንተተገልበጠት እኳ ኣብ ትሕቲ ሓዎም ኰይኖምን ተማእኪሎምን ብትሕትና ነቲ ክርእስ ዘሎዎ ጐይታ ከርእሱ ኣይብህጉን እዮም። ምግቢ ዕለት ክዳን ዓመት እንተውሓሱ ግና፡ ብድሕር’ዚ ”የሱስ ጐይታ’ዩ!” ብምባል፡ ምድሪ የንደቕድቑ!

መለለዪ ዮኒ ማኛዊ ክርስትና ከቢድ ኣይኰነን። ንወንጌል፡ ከምቲ ጐይታ ዝመሃሮ፡ ከምቲ ኣብ ቅዱስ ጽሑፍ ሰፊሩ ዘሎ ጌርካ ምንባብ ጥራይ’ዩ ዝሓትት።

”እምበኣርከ፡ እንታይ ንበልዕ፡ እንታይ ንሰቲ፡ እንታይ ንኽደን፡ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። ነዚ ዅሉስ ኣህዛብ ይደልይዎ እዮም እሞ፡ ንኣኻትኩም እዚ ዅሉ ከም ዘድልየኩም ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ። ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፡ እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም” (ማቴ 6.31-33)።

ኣብ ዮኒ-ማኛዊ ክርስትና፡ ቅድሚ ዅሉ ብቐዳምነት ዝስራዕ፡ ምግቢ ዕለት፡ ክዳን ዓመት ምዃኑ፡ እቲ ዕለታዊ ዛዕባ ኰይኑ ዝቐርብ፡ ኣለባብሳ፡ ስልማት ወርቂ፡ ምድራዊ ዕላላት እኹል ምስክር እዩ። እዚ ምስ ተዋሕሰ ግና ብርግጽ፡ ድሕሪኡ፡ የሱስ ጐይታ’ዩ ዝብል ጭደራን ፈኸራን ይስዕብ።

”ንዅሎም ከኣ፥ ደድሕረይ ኪስዕብ ዚደሊ፡ ነፍሱ ይቕበጽ፡ መስቀሉ ኣብ ጸጽባሕ የልዕል እሞ ይስዓበኒ። ምድሓን ነፍሱ ዝደሊ፡ ከጥፍኣ እዩ እሞ፡ እቲ ንነፍሱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ግና፡ ንሱ ኼድሕና እዩ” (ሉቃ 9.23-24)።

ኣብ ዮኒ-ማኛዊ ክርስትና፡ እቲ ነፍስኻ ምቕባጽን፡ መስቀልካ ኣብ ጸጽባሕ ምልዓልን፡ ከም ኣምር’ውን ክትሓስበሉ ዝድለ ኣይኰነን። ኣብዚ ምድሪ፡ ዝበለጸ ህንጻ፡ ዝዘመነት መኪና፡ እንተተኻእለ ሰማየ-ሰማይ እትነፍር፡ ናይ ውልቂ በራሪት፡ ሕንቁቝ ናብራ ክህልወካ ከም ዝግባእ’ዩ ዝስበኽ።

ክርስትናኻ፡ ዮኒ-ማኛዊ ክርስትና ድዩ፧

ዊን ከም ዘበለካ፡ እቲ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ቅኑዕ መሲሉ እተራእየካ ዲኻ ትገብር፧ መልስኻ፡ ”እወ” እንተዀይኑ፡ ኣብ ድርኩዂት፡ ሓደው ኣብ ውሻጠ ዮኒ-ማኛዊ ክርስትና ምህላውካ እዩ ዘርኢ። እንጌራ ደሊኻ ዲኻ ንጐይታ ትስዕቦ ዘለኻ፧ ፕሮሰስ ምእንቲ ክቐንዓካ፡ ዝሓሰብካዮ ምእንቲ ክሰልጠካ፡ ልብኻ ዝምነዮ ምእንቲ ክትረክብ ዲኻ ንጐይታ እትስዕቦ ዘለኻ፧ መልስኻ ”እወ” እንተዀይኑ፡ ኣብ ድርኩዂት፡ ሓደው ኣብ ውሻጠ ዮኒ-ማኛዊ ክርስትና ምህላውካ እዩ ዘርኢ።

ኣምልኾስ መገባብሮ ረብሓ

ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ብዝመዓዶ፡ እውድእ ኣለኹ። 1ጢሞ 6፡ 3-16

ጥዑይን ኣምልኾ ዘሎዎን ምህሮ

ሓደ እኳ ኻልእ ምህሮ እንተ መሃረ፡ በቲ ጥዑይ ቃል ጐይታና የሱስ ክርስቶስ በቲ ኣምልኾ ዘለዎ ምህሮን እንተ ዘይተታሕዘ፡ ንሱ ብኽትዕን ብዜብእስ ዘረባን ሐሚሙ እዩ እምበር፡ ሓንቲ እኳ ዘይፈልጥ ንፉሕ እዩ። ካብዚ እዩ ቅንኢ፡ ባእሲ ጸርፊ፡ ሕሱም ጥርጥር፡ ናይቶም ሓሳቦም ዝጠፍኤን ሓቂ ዝሰኣኑን ሰባት ብርቱዕ ጽልኢ ዝመጽእ፡ ካብ ከምዚኣቶም ዘመሰሉ ርሐቕ።

ክህብትሙ ዝደልዩ ይፍንጠሩ

እዚኣቶም ኣምልኾስ መገባብሮ ረብሓ ኸም ዝዀነ እዩ ዚመስሎም። ግናኸ ኣምልኾ ምስ ይኣኽለኒ ምባል ዓብዪ ረብሓ እዩ። ማለት፡ ናብ ዓለም ሓንቲ’ኳ ኣየምጻእናን እሞ ሓንቲ ክንወስድ ኣይከኣለናን እዩ። ቀለብናን ክዳንናን እንተ አሎናስ፡ ንሱ ይእከለና። እቶም ኪህብትሙ ዚደልዩ ግና ኣብ ፈተናን መፈንጠራን፡ ኣብ ብዙሕ ንሰብ ናብ ምብራስን ጥፍኣትን ዜስጥሞ ናይ ዕሽነትን ግድኣትን ትምኒት እዮም ዝወድቁ።

ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ህደም

እቲ ፍቕሪ ገንዘብሲ ሱር ኵሉ ኽፍኣት እዩ እሞ፡ ገሊኦም ንእኡ እናተመጣጠሩ ኻብ እምነት ዘምበሉ፡ ናብ ርእሶም’ውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ። ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንስኻ ግና ካብዚ ህደም እሞ፡ ደድሕሪ ጽድቂ፡ ኣምልኾ፡ እምነት፡ ፍቕሪ፡ ትዕግስቲ፡ ህድኣት ሰዓብ።

ጽቡቕ ገድሊ እምነት ተጋደል

ጽቡቕ ገድሊ እምነት ተጋደል፡ ነታ እተጸዋዕካላ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ምስክር’ውን ጽቡቕ ምእማን እተኣመንካላ ህይወት ዘለኣለም ሐዛ። ክሳዕ ምግላጽ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ነቲ ትእዛዝ ብዘይ ርስሓትን መንቅብን ክትሕልዎ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ንኹሉ ህያው ዝገብር ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ጽቡቕ ምእማን እተኣመነ ክርስቶስ የሱስን እእዝዘካ አሎኹ።

ብግዝያቱ ዚገልጾ፡ እቲ ብጹእ በይኑ ኸኣ ስልጣን ዘሎዎ ንጉስ ነገስታትን ጐይታ ጐይተት’ውን፡ ንሱ በይኑ ዘይመውት፡ ሓደ ሰብ እኳ ከቶ ዘይረኣዮ ክርእዮ’ውን ዘይክእል፡ ኣብ ዘይቅረብ ብርሃን ዝነብር፡ ንእኡ ክብርን ናይ ዘልኣለም ስልጣንን ይኹን። ኣሜን።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Next
Next

ኦ.ተ.ቤ. ”ክንዝምረሉ ኢና ገና”