እንታይ እዮም ተሰማሚዖም፧
18 ሚያዝያ 2023፡ ኣቡነ መቃርዮስን ኣቡነ ሲኖዳን፡ ክታሞም ዘንበሩሉ ሰነድ ዕርቂ፡ 10 ዝርዝራት ዝሓዘ’ዩ።
1. ቀዋሚ ጉባኤ ኣብያተ ክርስቲያን ኦሬንታል ኦርቶዶክስ፡ ምስ ወከልቲ ክልቲኦም ጉጅለ ዘተ ከም ዘካየደ
2. ቀዋሚ ጉባኤ ብኽልቲኦም ከም ዝተዓደመ
3. ቀዋሚ ጉባኤ ንግብጻዊ ኣቡነ ዳዊትን ንኣርመናዊ ኣቡነ ቪከንን ከም ዝወከለ
4. ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ዘተ፡ ፍልልያት ተፈቲሖም፡ ክልቲኦም ጉጅለ ክሓብሩ ከም ዝተሰማምዑ
5. እቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ተኸቲሙ፡ ዕለት 29 ሚያዝያ ብቕዳሴ ማሕተም ከም ዝግበረሉ
6. እቲ ሓድሽ ሕብረት ኣብ ቀዋሚ ጉባኤ ሓባራዊ ውክልና ከም ዝረክብ
7. ነፍስ ወከፍ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ነፍስ ወከፍ ቅዳሴ፡ ስም ክልቲኦም ጳጳሳት ጠቒሶም ክጽልዩ ከም ዝግባእ
8. ስም እቲ ሕብረት፡ ብሓባራዊ ኮሚተ ከም ዝውሰን
9. እቲ ሕብረት ንዶግማን ቀኖናን ኣብያተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ክስዕብ ከም ዝግባእ
ቀዋሚ ጉባኤ፡ ኣብ መላእ ዕርቂ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ክሳተፍ ድሉው ከም ዝዀነ