እንታይ እዮም ተሰማሚዖም፧

18 ሚያዝያ 2023፡ ኣቡነ መቃርዮስን ኣቡነ ሲኖዳን፡ ክታሞም ዘንበሩሉ ሰነድ ዕርቂ፡ 10 ዝርዝራት ዝሓዘ’ዩ።

1. ቀዋሚ ጉባኤ ኣብያተ ክርስቲያን ኦሬንታል ኦርቶዶክስ፡ ምስ ወከልቲ ክልቲኦም ጉጅለ ዘተ ከም ዘካየደ

2. ቀዋሚ ጉባኤ ብኽልቲኦም ከም ዝተዓደመ
3. ቀዋሚ ጉባኤ ንግብጻዊ ኣቡነ ዳዊትን ንኣርመናዊ ኣቡነ ቪከንን ከም ዝወከለ

4. ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ዘተ፡ ፍልልያት ተፈቲሖም፡ ክልቲኦም ጉጅለ ክሓብሩ ከም ዝተሰማምዑ

5. እቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ተኸቲሙ፡ ዕለት 29 ሚያዝያ ብቕዳሴ ማሕተም ከም ዝግበረሉ

6. እቲ ሓድሽ ሕብረት ኣብ ቀዋሚ ጉባኤ ሓባራዊ ውክልና ከም ዝረክብ

7. ነፍስ ወከፍ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ነፍስ ወከፍ ቅዳሴ፡ ስም ክልቲኦም ጳጳሳት ጠቒሶም ክጽልዩ ከም ዝግባእ

8. ስም እቲ ሕብረት፡ ብሓባራዊ ኮሚተ ከም ዝውሰን

9. እቲ ሕብረት ንዶግማን ቀኖናን ኣብያተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ክስዕብ ከም ዝግባእ

  1. ቀዋሚ ጉባኤ፡ ኣብ መላእ ዕርቂ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ክሳተፍ ድሉው ከም ዝዀነ

ብትግርኛ እተተርጐመ ምሉእ ሰነድ እቲ ስምምዕ እንሆ፦

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Next
Next

ማኛዊ ክርስትና