ሰብኣ ተዋሕዶ፡ ጽን ዶ ንበል ንጽምዶ፧

ኣቡነ ኤፍረምን ኣቡነ ቄርሎስን ትግራዎትን፡ ጳጳሳት ዘመንበረ ሰላማን እዮም። ኣቡነ መቃርዮስን ኣቡነ ሲኖዳን ከኣ፡ ኤርትራውያንን፡ ጳጳሳት ዘድያስጶራን እዮም። ኣቡነ ኤፍረም ምስ ኣቡነ ሲኖዳ ኣብ ኣውስትራልያ፣ ኣቡነ መቃርዮስ ከኣ ምስ ኣቡነ ቄርሎስ ኣብ ኣመሪካ፡ ብሓባር እናገልገሉ ዘርኢ፡ ምስልን ቪድዮን ክንዕዘብ ቀኒና።

ሀ. መንበረ ሰላማ ብዛዕባ’ዚ እንታይ ይብል፧ ነዚ ጽምዶ እዚ ይቕበሎን ይድግፎን ድዩ፧ ወይስ በብኢድካ ዝኽየድ ዘሎ ርክባት እዩ፧

ለ. ውሁድ ምሕደራ ኣቡነ መቃርዮስን ኣቡነ ሲኖዳን ከ ብደረጃ መሪሕነት፡ ነዚ ጽምዶ እዚ ይድግፎ ድዩ፧ ወይስ በብኢድካ ዝካየድ ዘሎ ርክባት እዩ፧

”ቀኖናዊ” ዝብል ኣምር፡ ንኣስታት 20 ዓመታት ዝኣክል ድግምግም ሓጊናሉን ከሪምናሉን ኢና እሞ፡ እስከ ሕጂ ግና ብውሑዱ፡ ን20 ጊዜ ዝኸውን፡ ”መንበረ ሰላማ፡ ቀኖናዊ ድዩ፧” እናበልና ንሕሰብ።

”መንበረ ሰላማ፡ ቀኖናዊ ኣይኰነን” ከይንብል፡ እቶም ንሓያሎ ዓመታት፡ ምራቕ ልሳኖም ክሳዕ ዝደርቕ፡ ”ቀኖና” ተጣሒሱ ብምባል ዝፍለጡ፡ መዓይይቲ ኣቡነ መቃርዮስ፡ ንጳጳሳት ዘመንበረ ሰላማ፡ ክቕበልዎምን ከልብስዎምን ከለዉ ንርኢ ኣለና። ንቀኖናን ቀኖናውነትን፡ ልዕሌኦም ዝሕለቕ ዘየለ ክሳዕ ዝመስል፡ ግዒሮምን ጽዒሮምን እዮም እሞ፡ ናታቶም ምቕባል፡ ብርግጽ፡ ”መንበረ ሰላማ ቀኖናዊ እዩ” ቢልና ክንቅበል እንተዘይኰይኑ፡ ኣንጻሩ ክንሓስብ ዝገብረና ኣይኰነን። እዚ ጉዳይ እዚ ግና፡ ብደረጃ መሪሕነትን ቤት ጽሕፈትን፡ ከመይ እዩ ዝርአ፧  

ብኻልእ መዳይ፡ ”መንበረ ሰላማ ቀኖናዊ እዩ” ከይንብል ከኣ፡ ንባዕሎም እቶም እቲ መንበረ ሰላማ ከይተረፈ’ኳ፡ ከም ፓትርያርኩ ጌሩ ዝቘጽሮም፡ ቅዱስ ኣቡነ ማትያስ’ውን ከይተረፉ፡ ቀኖናውነት መንበረ ሰላማ ዘይውሓሱ ምዃኖም እዩ። ኤርትራ እትርከበን፡ እተን ኣኃት ዝብሃላ ኣብያተ ክርስቲያን ኦሬንታል ኦርቶዶክስ’ውን፡ ቀኖናውነት መንበረ ሰላማ ኣየረጋገጻን። እቲ ብኣቡነ መቃርዮስ ኰነ ብኣቡነ ሲኖዳ ዝግበር ዘሎ ርክባት ደኣ እሞ፡ በየናይ መለክዒ ቀኖናውነት እዩ፧

ህዝቢ፡ ቅኑዕን ብሩህን መግለጺ ክረክብ መሰሉ እዩ’ሞ፡ ናበይ ገጽኩም ትመርሑና ከም ዘለኹም፡ ብንጹር ክሕበር፡ ትጽቢተይን ትጽቢት ብዙሓትን እዩ።

ሀ. መንበረ ሰላማ ብዛዕባ’ዚ ዝግበር ዘሎ ርክባት እንታይ ይብል፧ ብደረጃ መንበረ ሰላማ ዝፍለጥ ድዩ፧ ወይስ በብኢድካ ዝኽየድ ዘሎ ርክባት እዩ፧

ለ. ውሁድ ምሕደራ ኣቡነ መቃርዮስን ኣቡነ ሲኖዳን ከ ብዛዕባ’ዚ እንታይ ይብል፧ ብደረጃ መሪሕነት፡ ብቤት ጽሕፈት ውሁድ ምሕደራ ዝፍለጥ ድዩ፡ ወይስ በብኢድካ ዝካየድ ዘሎ ርክባት እዩ፧

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Next
Next

እንታይ እዮም ተሰማሚዖም፧