ቅበጹ፡ እስመ ኀልቀ ኄር
ነዛ ዅላ ሰብ ኣንቊረያ’የ። ንባዕለይ ደጊ ዘይምዃነይ ኣዳዕዲዐ እናፈለጥኩስ፡ ግናኸ፡ ደጊ ሰብ ንኸናዲ፡ ኣብ ኣስመራ፡ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ኣብ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን፡ ምሉእ ዕድመይ፡ ላዕልን ታሕትን ምባለይ፡ ማይ ከም ዝሓቘንኩ፡ ሕጂ፡ ክርድኣኒ ጀመረ።
ቅድሚ ዓሰርተታት፡ ሓደው ቅድሚ ኣማኢት ዓመታት ዘይኰነስ፡ ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት’ዩ፡ ንጉስ ዳዊት፡ ”ዎ እግዚኣብሄር፣ ደጊ ሰብ ተሳኢኑ፣ ካብ ማእከል ደቂ ሰብ’ውን እሙናት ጠፊኦም እዮም እሞ፣ ኣድሕን” ቢሉ ዘስቈንቈነ (መዝ12.1)። ኣነ ኸኣ፡ ንቓል መጽሓፍ ቅዱስ ደጋጊመ እናነበብክዎን፡ እናሻዕ’ውን ደጋጊመ እናሰበኽክዎን ክንሰይሲ፡ ነዚ ዘይምስትውዓለይ፡ ባዕሉ እቲ ዕሽነተይ ኣፈይ ኣትሓዘኒ።
ደጊ እንታይ ማለት’ዩ፧
ብግእዝ፡ ”ኄር” ከም ዝብሃል፡ ድሮ ኣብ ኣርእስቲ ነቢብኩሞ ኣለኹም።
ካልኣይ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ፡ “ሕያዋይ” ብዝብል ተርጒምዎ ኣሎ።
(AMP) Principled and godly people ስርዓት ተኸቲሉን፡ ስነ ምግባር ኣንጊሱን ዝነብር፣ ፍርሃት ኣምላኽ ዘሎዎ ህዝቢ
(KJ) the godly man ፍርሃት ኣምላኽ ዘሎዎ ሰብ
ኣምሓርኛ፡ ደግ ሰው
ሕብር-ድምር ኣቢልና፡ ብዛዕባ እቲ “ደጊ” ዝብል ቃል፡ ሓደ ንጹር ስእሊ ሒዝና ክንከውን፡ ተተስፍየ’ለኹ፣ ዝያዳ ገላጺ ኰይኑ ዝረኸብክዎ፡ እቲ ናይ ኣምፕሊፋይድ ኣተረጓጉማ እዩ። ደጊ ማለት፡ ስርዓት ተኸቲሉን፡ ስነ ምግባር ኣንጊሱን ዝነብር፣ ፍርሃት ኣምላኽ ዘሎዎ ህዝቢ ማለት’ዩ።
ንምንታይ ከ ሄር እትብለኒ፧
ኣብ ወንጌል ሉቃስ ከም እነንብቦ፡ ሓደ እዋን፡ ሓደ ሓታቲ፡ ”ዎ ሄር መምህር፡ ናይ ዘልኣለም ህይወት ምእንቲ ክወርስ እንታይ እግበር፧” ቢሉ ሐተቶ። ተሓታቲ፡ ጐይታና ኢየሱስ’ዩ። ሓታቲ፡ ንጐይታና ኢየሱስ ከም ማንም መምህር ደኣ እምበር፡ ከም ወዲ ኣምላኽ ቈጺሩ ከም ዝሓተተ ኣይተጻሕፈን። ስለዚ ድማ ጐይታና፡ ”ንምንታይከ ሄር እትብለኒ፡ ብጀካ ሓደ፡ ንሱ ኸኣ ኣምላኽ፡ ሄር የልቦን” ዝብል፡ ዘይዳግም ምላሽ ሃቦ፡ (ሉቃ18.18-19)።
ቅበጹ!
ኣንቱም ከምዚ ኸማይ ኣብ ድልያ ”ደጊ ሰብ” ጸሓይ ዝዓርበኩም ዘሎ፡ ፍቁራት ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ደጊም ቅበጹ። ደጊ ሰብ ተሳኢኑ፣ ካብ ማእከል ደቂ ሰብ’ውን እሙናት ጠፊኦም እዮም። ደጊመ ዶ ክብሎ! እወ፡ ደጊ ሰብ ተሳኢኑ፣ ካብ ማእከል ደቂ ሰብ’ውን እሙናት ጠፊኦም እዮም።
ኣነ ዝቐዳማዮም፡ እዞም ኣብዚ እዋን’ዚ ዘለና ኣመንቲ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ጐይታ ኣይፈለጥናዮን። እወ፡ ኣነ ዝቐዳማዮም፡ እዞም ኣብዚ እዋን’ዚ ዘለና ኣመንቲ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ንጉስ፡ እቲ ዝግብኦ ክብሪ ኣየቕረብናሉን። ኣንቱም ንሓቂ እትደልዩ፡ ኣነ ዝቐዳማዮም፡ እዞም ኣብዚ እዋን’ዚ ዘለና ኣመንቲ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ኣምላኽ፡ ቀዳምነት ኣይሃብናዮን! ልብና ኣዝዩ ርሑቕ’ዩ ዘሎ!!
እስከ ነዞም ዝስዕቡ ብቕደም ተኸተል ንስርዓዮም፦ ኣብ ህይወትካ ቀዳምነት እትህቦ፡ (ቀዳማይ ጌርካ እትሰርዖ) ኣየናይ እዩ፧ እቲ ሕቶ፡ ”ክዀነልካ እትደልዮ” ኣይኰነን ዝብል ዘሎ። ”ከም ዝመስለካ” እውን ኣይኰነን ዝብል ዘሎ። ቀዳምነት እትህቦ ማለት፡ ዝበዝሐ ጊዜኻ እትህቦ ማለት’ዩ። ዝነውሐ ጊዜ ኣብ ምንታይ ኢኻ እተውዕሎ፧
ሀ. 1. ገዛእ ርእስኻ 2. ዓለም 3. ኣምላኽ
ለ. 1. ዓለም 2. ኣምላኽ 3. ገዛእ ርእስኻ
ሐ. 1. ኣምላኽ 2.ገዛእ ርእስኻ 3. ዓለም
እግረይ ኣንደልሃጸ ምስ በልኩ (መዝ94.18)
ቀቢጽካን፡ መስዋእቲ ከፊልካን ምግልጋል፡ ኣብ ዘመነ ሃዋርያት ዝተረፈ ክሳዕ ዝመስል፡ ኣነ ዝቐዳማዮም፡ እዞም ኣብዚ እዋን’ዚ ዘለና ኣገልገልቲ፡ ስራሕ እንተዘይብልና፡ ቈጸራ እንተዘይብልና፡ ቈልዓ ዝበኪ እንተዘይብልና፡ ዋላ ሓደ ዝሕዘና ምኽንያት እንተዘይብልና ጥራይ ኢና ከነገልግል እንደሊ። ንቕድም ስርሐይ፡ ንቕድም ሓዳረይ፡ ንቕድም ቤተይ፡ ንቕድም ስጋይ፡ ንቕድም ቤተ ሰበይ ንቕድም ቈጸራይ፡ ንቕድም እዛ ናተይ. . .ንቕድም ሰበይተይ፡ ንቕድም ሰብኣየይ፡ ንቕድም ጐይታ ዝብል፡ ደጊ ሰብ፡ ብርግጽ የልቦን፡ ቅበጹ!
በዚ ኣርእስቲ እዚ፡ ዅሉን ኣብ ኵሉን፡ ተስፋ ቈሪጸን ተሓሊለን ዘፍ በልኩ። እተን ብምሕላል ናብ ምድሪ ዘቋመታ ኣዒንተይ፡ ድንገት ብዝመስል፡ ቅንዕ ድሕሪ ምባል፡ ነቲ ምእንታይ፡ ሓዲግ ሰማይ፡ ሓዲግ ምድሪ ዝተሰቕለ ጐይታ፡ ኣብ ቅድመይ፡ ረአኽዎ። ”ስለምንታይ ኣዒንትኻ ካባይ ተዝብል፧” ዝብለኒ ዘሎ ኸኣ መሰለኒ። ዕሽነት እቶም ንየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ከም ስቑል ምርኣይ ዘቋረጹ ሰብ ገላትያ፡ ዘከርኩ (ገላ3.1)። ኣዒንተይ ገና ብፍጡጣጠን ከኣ. . . እዚ ዝስዕብ ቃል ንዅለንትናይ መልኦ፦ (እብ 12፡1-3)
”ምእንት’ዚ ንሕና ድማ ብኽንድ’ዚ ዚኣክል ደበና ምስክር ተኸቢብና ኸሎና፡ ንዅሉ ዚኸብደናን ነቲ ዝጠብቀናን ሓጢኣትን ነርሕቕ፡ በቲ ኣብ ቅድሜና ተሐንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ኸኣ ብትዕግስቲ ንጕየ። ናብቲ፡ ሕፍረት ንዒቑ፡ ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ መስቀል እተዓገሰ ኣብ የማን ኣምላኽ እተቐመጠን ጀማር እምነትናን ደምዳሚኣን ኢየሱስ ንጠምት። ምእንቲ ኸይትደኽሙን ነፍሳትኩም ከይሕለላን፡ ነቲ ኻብ ሓጥኣን ኣብ ርእሱ ኽንድ’ዚ ዝኣክል ምጽራር እተዓገሰ፡ ዘክርዎ።”
ዓሪፈ! ኡፍፍፍፍፍፍፍፍፍ! ዘስተንፈስክዎ እንቅዓ እስትንፋስ፡ ኣነን ፈጣርን ጥራይ ኢና እንፈልጦ። ኣዒንተይ ናብ ኣኽራን ምልዓል ሓዲገ፡ ኣዒንተይ ካብ ኣኽራን፡ ማለት ካብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ኤውሮጳ፡ ማእከላይ ምብራቕ ኣልዓልኩ። እወ፡ ኣዒንተይ ካብ ጳጳሳት፡ ቀሳውስት፡ ዲያቆናት፡ መዘምራንን መምህራንን ኣልዓልኩ!
መዝሙር
“ነቲ ዝሞተለይ እየ ዝነብር፡
ህይወቱ ኣብ ክንዳይ ዝሰቅል
ስለይ እተዋረደ ኣብ ጐልጎታ፡
ህይወተይ ንዕኡ እያ ንየሱስ ጐይታ
ነቲ ዘፍቀረኒ፡ ኣብ ቀራንዮ
ኣነ’ውን አፍቅሮ፡ እግዝኦ
ስለዚ ምጥማተይ ናብኡ’ዩ!”
ጸሎት!
ዎ ጐይታ፡ ናባኻ እምበር ናብ ካልእ ከይጥምት፡ ኣባኻ እምበር ኣብ ካልእ ከይውከል ርድኣኒ! ኣሜን!!