“ቀሺ ዮናስ እንታይ ኢኻ ጌርካ፧” ቀጻሊ ዝሕተቶ

ሕቶ፡ ብምንታይ ከሲሶም’ዮም ምሳና የለን ዝብሉኻ፧

ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ኣሕጉረ ስብከታት ሰሜን ኣመሪካ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን፡ ብዕለት 17 ጥቅምቲ  2023 ዝጸሓፎ፡ ናባይ ግና ዕለት 19 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ዝበጽሐ፡ ነዘን ዝስዕባ ኣርባዕተ ጌጋታት ጠቒሶሙለይ

1.           ሕጊ ማእከልነት ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ ረጊጽካ 

2.           ናይ ውልቅኻ ማሕበር ኦ.ተ.ቤ. ዝብል መስሪትካ

3.           ተነቃፍን ተኣፋፍን ኣርእስትታት እናልዓልካ፡ ምእመናን ዝኸፋፍል ኣገልግሎት ተገልግል ኣለኻ

4.           ኣብ መስርሕ ዕርቂ ኣቦታት፡ ዘይሓላፍነታዊ መልእኽትታት ብምትሕላፍ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ነጢፍካ

ሕቶ፡ ጥቅምቲ 2023 እንተዀይኑስ፡ እቲ ዕርቂ ድሕሪ ምፍጻሙ እዩ ማለት ድዩ፧

እወ፡ እቲ ዕርቂ ሚያዝያ 2023 እዩ ተኻይዱ። ካብ ዕለት 3 መስከረም 2023 ኣትሒዙ ኸኣ፡ 7 ዝኣባላታ ሓባራዊ ምምሕዳር ከም ዝቘመ፡ ድሕሪ ምግላጽ እዮም፡ ሓባራዊ ምምሕዳር ቈይሙ እናተባህለስ፡ ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣመሪካ ግና፡ ድሕሪ ምስረታ እቲ ሓባራዊ ዝበልዎ ምሕደራ፡ ድሕሪ ወርሕን ሰሙንን ኣቢሉ ጽሒፉለይ።

ሕቶ፡ እሞ ነቲ ጉዳይ ብኸመይ ወዲኦሞ፧

ጠልጠል ኣቢሎም’ዮም ሓዲጎሞ። ኣብቲ ብቕዳሕ ናብ ክልቲኦም ኣቦታትን፡ ናብ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳን ከም ዝተሰደ ዝሕብር ጽሑፎም፡ ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና፡ ”ንኹሎም ጌጋታት ኣሪምካን ብንጹር ይቕረታ ሓቲትካን ክሳብ እትምለስ፡ ኣብ ምምሕዳራዊ ማእከልነት ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ከም ዘየሎኻ እንዳሓበርና፡ ጉዳይካ ናብ ኣቦታት ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስን ብፁዕ ኣቡነ ሲኖዳን ኣመሓላሊፍናዮ ከም ዘሎና ንሕብር” እዩ ዝብል ኔሩ።

ሕቶ፡ ኣቡነ መቃርዮስ ይኹኑ ኣቡነ ሲኖዳ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም እንታይ በሉ፧

ኣቡነ ሲኖዳ ብዛዕባይ ከምዝን ከምትን ኢሎም ዝብል ኣይሰማዕኩን፡ ናባይ ዓሊሙ ካብኦም ዝተጻሕፈ’ውን የልቦን። ኣቡነ መቃርዮስ ግና፡ እቲ ጉዳይ ብሽማግለታት ካህናት፡ ብምርድዳእ ክፍታሕ ዝኽእል እምበር፡ እዚ ጉዳይ እዚ ናብ ጳጳስ ዜብጽሕ ከም ዘይብሉ እዮም ሓቢሮም። ነቲ ጉዳይ ዝርእዩ ሽማግለታት ኣይቈሙን፡ ድሕሪኡ ዝዝክሮ’ውን ዝተረኽበ ኣይመስለንን።

ሕቶ፡ ዕለት 24 ለካቲት 2024፡ ልኡኻት ወከልቲ ኣቡነ መቃርዮስን ኣቡነ ሲኖዳን ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ኣብ ሃገረ ሆላንድ ጉባኤ ክካየድ ከሎ፡ ጉዳይካ ኣይተላዕለን ድዩ፧

ኣብቲ ጉባኤ፡ ኣቡነ ሲኖዳ ምንባሮም፡ ንሶም እናሃለዉ ድማ፡ “ጉዳይ ቀሺ ዮናስ ናብ ጳጳሳት ሓሊፉ’ዩ” ብምባል፡ ነቲ ጉዳይ ክቐብርዎ ከም ዝፈተኑ እየ ሰሚዐ። ካብቶም ብወገን ኣቡነ መቃርዮስ ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ፡ ድግድጊት ተዓጢቑ፡ ብዛዕባይ ከም ዝተኸራኸረ ዝሰማዕክዎ፡ እንኮ፡ ቀሺ ሚኪኤል ዝብሃል ጥራይ ካብ ሃገረ ሽወደን ምንባሩ እዩ። በዛ ጉዳይ እዚኣ’ውን ብዙሕ ፈተና ከም ዝበጽሖ እሰምዕ እሞ፡ በተሓሕዛ እዚ ጉዳይ ድማ እሓዝን። ስለዚ፡ ኣብ ሆላንድ’ውን ነቲ ጉዳይ ቀቢሮሞ ክሓልፉ’ዮም መሪጾም።

ሕቶ፡ ሕጊ ማእከልነት ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ ረጊጽካ ንዝተባህለ፡ ብኸመይ መሊስካዮ፧

ኣብ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ፡ እቲ ብሊቀ-ካህናት ቀሺ ተኽለማርያም ረቒቑ ገና ዘይጸደቐ ዝነበረ፡ ንድፊ-ሕጊ እንተዘይኰይኑ፡ ዝጸደቐ መመሓደሪ ሕጊ ከም ዘይነበረ፡ ይተካእ ይለቀብ ከኣ፡ እዚ ምጥሓስ ሕጊ ዝብሃል ዘሎ፡ ምስ ምምስራት ማሕበር ኦተቤ ዝተኣሳሰር ስለ ዝዀነ፡ ማሕበር ኦተቤ፡ ብኣፍልጦን ተሳታፍነትን ሊቀ-ካህናት ቀሺ ተኽለማርያም ምህርካጽዮን ዝጀመረን፡ ኣብ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ድማ ብውሑዱ ንሰለስተ ጊዜ፡ ሓምለ 2019፡ ጥሪ 2020 ከምኡ’ውን ግንቦት 2023 ብዛዕባ እዚ ማሕበር ተጻሒፉን ተሰኒዱን ከም ዘሎ፡ ጭብጢ ኣቕሪበ። 

ሕቶ፡ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ፡ መሪጌታ ጐሀ ጽባሕ ዝብሃሉ፡ ሓድሽ ሊቀ-ካህናት ምስ መረጸ፡ ብዛዕባ ሕብረት ኦተቤ ከመይ ኣረኣእያ ኔርዎም፧

ንኣረኣእያኦም ዝምልከት፡ ዝያዳ ባዕሎም ክገልጽዎ ይምረጽ። ንኦተቤ ብዝምልከት ግና፡ መመሓደሪ ሕጊ፡ ዝርዝር ስም ኣባላትን ኣገልገልትን፡ ስደዱልና ዝብል በቲ ሃገረ ስብከት ሕቶ ስለ ዝመጸና፡ ብእዋኑ ናብ ቤት ጽሕፈት ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ መልሲ ልኢኽና። መሪጌታ ጐሀ-ጽባሕ፡ ኣብ መሪሕነት ብዙሕ ኣይጸንንሑን፡ ስለዚ ንኣረኣእያኦም ይኹን ኣብቲ ጉዳይ ዝነበሮም ኣተሓሕዛ፡ ብዙሕ ክብሃል ዝከኣል ዘሎ ኣይመስለንን።

ሕቶ፡ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ፡ እንታይ ዝብል መልሲ ሂቡኩም፧  

እቲ ዝጸሓፉልና ከም ዘሎዎ እንሆ፦ Date: Sun, 9 Apr 2023

ናብ ማሕበር ኦ.ተ.ቤ. ሰላም ኣምላኽ ምስ ኩልና ይኹን! ከመይ ቀኒኹም ክቡራት ኣሕዋትና ሰላም ክትህልው ንምነየልኩም ። ብምቕጻል :- ኣብ ዕለት 25.03.2023 ብ Zoom ጌርናዮ ኣብ ዝነበረ ርክብና ፡ እቲ ዓንደ ሕጊ ኦ.ተ.ቤ .እትመሓደርሉ ክትልእኩልና እዩ  ኔሩ። ብስምምዕና መሰረት ድማ፡ ከይወዓልኩም ከይሓደርኩም ክትሰዱልና ምኽኣልኩም ብልቢ ምስጋናና ከነቕርበልኩም ንፈቱ። ዝኸበርኩም ማሕበር ኦ.ተ.ቤ፡ እቲ ዝሰደድኩምልና ዓንደ ሕግኹም ርኢናዮ፡ ኣባላትኩም ኣብ ኩሉ ዓለም ዘለው እምበር ኣብ ኤውሮፓ ዝነብሩ ጥራሕ ኣኮኑን:- ስለ'ዚ ንኣብ ኩሉ ዓለም ዘለው ከመሓድሩ ስልጣን ዘለዎም ከኣ፡ ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ መቃርዮስ እምበር ንሕና ሃገረ ስብከት ኤውሮፓ ኣይኮናን እሞ፡ ከም'ቲ ኣብ ዝሓለፈ ናብ ኣቦና ኣቡነ መቃርዮስ ከነሕልፈልኩም ዝለኣኽኩምልና መልእኽቲ፡ እዚ ሕግኹም’ውን ምስኡ ኣተሓሒዝና ንሰደልኩም ኣለና። እግዚኣብሄር ንቤተክርስትያን ሓድነታ፡ ንሃገርና ሰላማ ይሃበልና፡ ሰላም ኩኑ ኣኣብ ጽቡቑ የራኽበና፡ ኣምላክ ኣሜን!

ሕቶ፡ ናይ ውልቅኻ ማሕበር ኦተቤ ዝብል መስሪትካ ንዝተባህለ ሕቶ ኸ፡ እንታይ ዝብል መልሲ ሰዲድካ፧

ሕብረት ኦተቤ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍለ-ዓለም እንርከብ ብሓባር ዘቘምናዮ፡ ኣብ ሃገረ ሽወደን ድማ ከም ሃይማኖታዊ ዘይመኽሰባዊ ማሕበት ዝተመዝገበ ሕጋዊ ማሕበር ደኣ እምበር፡ ናይ ውልቀይ ማሕበር ከም ዘይኰነ ጠቒሰ። ኣብቲ ንሳቶም ዝሓተቱና እዋን፡  ንሕብረት ኦተቤ ዝመርሑ ዝነበሩ፡ ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ ጉባኤ ዝተመርጹ ኣባላት ምዃኖም ድማ ጠቒሰ። 

ሕቶ፡ ተነቃፍን ተኣፋፍን ኣርእስትታት እናልዓልካ ምእመናን ዝኸፋፍል ኣገልግሎት ተገልግል ምህላውካ፡ ንዝብል ክሲ ኸ እንታይ ዝብል መልሲ ኣዳሊኻሉ፧

ንምእመናን ብዓደይ ዓድኻ ድየ ፈላልየ፡ ብፖለቲካ ድየ ፈላልየ፡ ሃብታም ድኻ ብምባል ድየ ፈላልየ. . . እቲ ”ምእመናን ዝኸፋፍል ኣገልግሎት፡” ዝብሃል ዘሎ፡ እንታይ ማለት ምዃኑ፡ ብንጹር ክቐርበለይ ሓቲተ። ብዛዕባ እቲ ብጽሑፍ ኰነ ብቓል ዝምህሮ ትምህርቲ እንተዀይኑ ግና፡ ካብቲ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ዝምህርዎ፡ ካብቲ ቆሞስ ቀሺ ገብረሚካኤል ዝምህሮ ወጻኢ፡ ካልእ ዝመሃርክዎ እንተሎ፡ ብንጹር ክጥቀስ ድማ ሓቲተ። 

ኣብ መስርሕ ዕርቂ ኣቦታት፡ ዘይሓላፍነታዊ መልእኽትታት ብምትሕላፍ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ምንጣፍካ፡ ንዝብል ክሲ ኸ ብኸመይ መሊስካዮ፧

ዘይሓላፍነታዊ መልእኽትታት ዝብሃል ዘሎ፡ ኣየናይ ምዃኑ ክንጽረለይ ሓቲተ። ሓላፍነት ዘይስምዓኒ እንተዝነብር፡ ብሱሩ’ውን ምጽሓፍ ዝብሃል ኣይመድለየንን። ነገራት ብንጹርን ብቕኑዕ ኣገባብን ክፍጸሙ፡ ምምዓድ፡ ምግሳጽ፡ ”ሕደጉ ኣይፋልኩምን” ምባል፡ ዘይሓላፍነታዊ ዝገብር ኣይመስለንን። ስለዚ ብድብዱቡ፡ ዘይሓላፍነታዊ ካብ ምባል ብንጹር እንታይ ምዃኑ ክጥቀሰለይ እየ ሓቲተ። 

ሕቶ፡ መልስኻ ናብ መን ኢኻ ልኢኽካዮ፧

ብቐንዱ ናብቶም ጉዳይካ ናብኦም ሓሊፉ ዝተብሃልኩ፡ ናብ ኣቡነ መቃርዮስን ናብ ኣቡነ ሲኖዳን ኰይኑ፡ ቕዳሕ ድማ ንኹሎም ዝምልከቶም ልኢኸ። ስለዚ፡

  • ብፁዕ አቡነ መቃርዮስ፡ ጳጳስ ዲበ ኵሉ፡ ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት

  • ብፁዕ ኣቡነ ሲኖዳ፡ ሕብረት ኣብያተ ክርስቲያን ኣብ መላእ ዓለም

  • ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ (ማእከልነት ኣቡነ መቃርዮስ)

  • ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ (ማእከልነት ኣቡነ ሲኖዳ)

  • ሕብረት ኦተቤ ኤውሮጳ፡ ልኢኸዮ።

መልስኻ ተቐቢሉ፡ ግብረ-መልሲ ዝሃበ ኣሎ ዶ፧

ኣቐዲሙ ከም ዝተጠቕሰ፡ ኣቡነ መቃርዮስ ነቲ ጉዳይ ርእዮም፡ እዚ ብሽምግልና ካህናት ክፍታሕ ዝኽእል እምበር፡ ናብ ጳጳስ ዘብጽሕ የብሉን ቢሎም ብሽምግልና ክዓርፍ እዮም ጠቒሶም። ካብ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ይኹን ካብ ወገን ኣቡነ ሲኖዳ ይኹን፡ ዝኾነ ግብረ መልሲ ኣይተቐበልኩን። እንትርፎ እቲ ብትሒም-ትሒም ዝሕመ እንተዘይኰይኑ ኸኣ ብንጹር ብጽሑፍ ዝተሰነደ፡ ናባይ ዝተላእከ ጽሑፍ የልቦን።

ሕቶ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ትሕቲ ምሕደራ መን ኢኻ ዘለኻ፧

ኣብ ትሕቲ ጉስነት ኣቡነ መቃርዮስ ኣለኹ። ድሕሪ እቲ ዝተገብረ ዕርቂ፡ ክልቲኡ መጓሰ፡ ምሉእ ብምሉእ ናብ ሓደ ክጥርነፍ ኣይከኣለን። እቲ ዝብሃል ሓባራዊ ምሕደራ፡ እንሓንሳእ ቈይሙ፡ እንሓንሳእ’ውን ብሕጂ ከነቝሞ ኢና እናተባህለ፡ ዛጊት ናይ መወዳእታ ቅርጹ ኣይሓዘን ዘሎ። ስለዚ ኸኣ ኣነ ኣብታ ዝነበርክዋ፡ ኣብ ትሕቲ ጉስነት ኣቡነ መቃርዮስ ኰይነ እቕጽል ኣለኹ።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ኦ.ተ.ቤ፡ ዓመታዊ ጉባኤ 2026፡ ኣብ ጀርመን ክኸውን ወሲኑ

Next
Next

ቅበጹ፡ እስመ ኀልቀ ኄር