ኦ.ተ.ቤ፡ ዓመታዊ ጉባኤ 2026፡ ኣብ ጀርመን ክኸውን ወሲኑ

ኦተቤ ኤውሮጳ፡ ሎሚ ምሸት 05 ነሓሰ 2025 ኣብ ዝገበሮ ወርሓዊ ኣኼባኡ፡ ናይ ዓመተ 2026 ዓመታዊ ጉባኤኡ ካብ ዕለት 24-26 ሓምለ 2026፡ ኣብ ሃገረ ጀርመን ክጋባእ ወሲኑ። እቲ ውሳኔ ሕጂ ክግበር ዝተደልየሉ፡ ነፍስ ወከፍ ተሳታፊ ኣቐዲሙ፡ ናይ ስራሕ ዕረፍቲ ክሓትትን፡ መደባት ክሰርዕን ክኽእል ምእንቲ ምዃኑ ኣብቲ ኣኼባ ዝተነጸረ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ሀገረ ጀርመን ክኸውን ዝተመርጸሉ ድማ፡ ዝበዝሑ ተሳተፍቲ ኣብ ጀርመን ክኸውን ብምምራጾም፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ፈረንሳ ወዘተ ዝርከቡ፡ ናብ ሃገራት ስካንድነቭያን ምምጻእ ዘሸግሮም፡ ብቐሊሉ ክሓብሩና ዘኽእሎም ምዃኑን’ውን ተሓቢሩ።
ኦተቤ ኤውሮጳ ካብ 4-6 ሓምለ 2025 ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ዓመታዊ ጉባኤኡ ከም ዘቃንዐ ይፍለጥ።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Next
Next

“ቀሺ ዮናስ እንታይ ኢኻ ጌርካ፧” ቀጻሊ ዝሕተቶ