ፍሪታታ ዶ ፍልሰታ
ሎሚ ሓሙስ 07 ነሓሰ 2025፡ ጾመ-ፍልሰታ ይጅምር ኣሎ። ንኽልተ ቕነ ጸኒሑ ድማ፡ ዕለት 22 ነሓሰ ክዛዘም'ዩ።
ኣድልዉ ለጾም
ፍሪታታ በሊዕካን ኣይበሊዕካን፡ ንኣምላኽ እንታይ ትውስኸሉ፧ እንታይ ከ ትንክየሉ፧ ጾም፡ ልዕሊ ማንም፡ ንጸዋሚኡ'ዩ ዘርብሕ። እቶም ንፍሪታታ ተሓሲምና፡ ንጸሎትን ንቓል ኣምላኽን'ውን እንሕሰም፡ ነስተብህል። እቶም "ፍልሰታ" ስለ ዝሰማዕና ጥራይ፡ "ንማርያም ኣይጸውምን" ብምባል መጸጸጽ እንብልን፡ ክርስቶስ ጸዊሙልና'ዩ ቢልና'ውን ርእስና እንጥብርን ከኣ ነስተብህል።
ጾም፡ ልዕሊ ማንም ንጸዋሚኡ እዩ ዘርብሕ። እንተጾምና ሓያሎ ረብሓን በረኸትን ክንከስብ ምዃንና፡ ቅዱሳት መጽሓፍቲ ጥራይ ዘይኰኑስ፡ እቶም ንሓልዮት ስጋ ዓሊሞም እተዳለዉ መጻሕፍቲ ዓለም'ውን ምስክር እዮም። ንዓርስና ደኣ'ምበር፡ ንኣምላኽ ቢልና ኣይንጸውምን። ምኽንያቱ ኸኣ፡ ብምጻምናን ብዘይ ምጻምናን ንኣምላኽ እንውስኸሉ ኰነ እንንክየሉ የብልናን።
ጾም፡ ንጸዋሚኡ ከም ዝተባህለ፡ ንዓርስና ደኣ እምበር፡ ንማርያም ቢልና'ውን ኣይንጸውምን። ምኽንያቱ ኸኣ ብምጻምናን ብዘይ ምጻምናን፡ ንማርያም ኣደ ጐይታና እንውስኸላ ኰነ እንንክየላ የብልናን።
እውጃት ኣጽዋማት
ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ዝጽወሙ፡ 7 እውጃት ኣጽዋማት ኣለውዋ። ሓደ ካብኦም እዚ ሎሚ ዝኣቱ ዘሎ ጾመ-ፍልሰታ እዩ። እምበኣርከስ፡ ኣብዘን ክልተ ቕነ፡ እቶም ምሳና ሓቢርኩም ክትጽልዩ እትደልዩ፡ ኣኣብቲ እንነብሮ ኴንና፡ ኣኣብቲ ዝጠዓመና ሰዓት፡ ነንመዓልቱ በዚ ዝስዕብ ከነስተንትንን ክንጽልን ኢና፦
* 07 ነሓሰ- ንስሓ፡ ምምላስን ከም ብሓድሽ ምጅማርን- ዝንበብ- መዝሙር 51
* 08 ነሓሰ- ትሕትና- ዝንበብ- ያእቆብ 4፡6-10
* 09 ነሓሰ - ምስማዕ ድምጺ ኣምላኽ- ዝንበብ- ዮሃንስ 10፡1-10
* 10 ነሓሰ- ምስትምቓር ጉስነት ኣምላኽ - ዝንበብ- መዝሙር 23
* 11 ነሓሰ- ትውክልቲ ኣብ ኣምላኽ- ዝንበብ- ምሳሌ 3፡5-6
* 12 ነሓሰ፡ ንጽህናን ቅድስናን- ዝንበብ-1ጴጥ1፡13-16
* 13 ነሓሰ፡ ኣምልኾን ምስጋናን - ዝንበብ- መዝሙር 95
* 14 ነሓሰ፡ ስድራ፡ ፈተውትን መቕርብን - ዝንበብ- ኤፌሶን 6፡18
* 15 ነሓሰ፡ ሕብረትን ስምምዕን ቤተ ክርስቲያን፡ -ዝንበብ-ግብረ ሃዋርያት 2፡42-47
* 16 ነሓሰ፡ እቶም ምስኦም እንነብር ሕብረተ-ሰብ - ዝንበብ- ኤርምያስ 29.7
* 17 ነሓሰ፡ ዓለም-ለኸ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን - ዝንበብ- ማቴዎስ 28፡18-20
* 18 ነሓሰ፡ ውልቃዊ ጻውዒትናን ዕላማናን፡ ዝንበብ- ኤፌሶን 2.10
* 18 ነሓሰ፡ መንፈሳዊ ጽንዓት - ዝንበብ- እብራውያን 12፡1-3
* 19 ነሓሰ፡ ብጐይታ ምሕጓስ - ዝንበብ- ፊሊጲ 4.4-7
* 20 ነሓሰ፡ መራሕቲ ሃገራት፡ ዝንበብ- 1ጢሞ 2.1-2
* 21 ነሓሰ፡ እቶም መከራ ዝጸግቡ ዘለው፡ - ዝንበብ-እብራውያን 13.3
ኣምላኽ ይባርኽኩም!