ንኣስመረት ቀቢርናያ

ስርዓተ ቀብሪ ዝፈጸሙ፡ ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ረሓቦት (ወንጌላዊት ቤተ ክርስቲያን) እዮም። ቦታ ቀብሪ፡ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም፡ ተቐባሪት፡ ነፍስ-ሄርት ኣስመረት ቀሺ ወረደ፡. . . በቲ ስማ ጥራይ ”ኣስመረት” እናበልኩ፡ ደጋጊመ ሓሰብኩ። ማዕረ ማዕረ እታ ሓመድ ኣዳም እነልብሳ ዝነበርና ፍቅርቲ ኣስመረት ቀሺ ወረደ፡ ቀብሪ እታ ዝቐተልናያ ፍቕሪ፡ ቀብሪ እታ ዝበታተንናያ ስምረትን ሓድነትን ተራእዩኒ፡ “ንኣስመረት ቀቢርናያ” እናሓሰብኩ፡ ንብዓተይ ፈሰሰ።

ናብ ስቶክሆልም ቅድሚ ምግዓዛ፡ ነፍስ-ሄርት ኣስመረት ቀሺ ወረደ፡ ኣብዚ ዝነብረሉ ከተማ ኡምዮ፡ መናብርትና ነበር ጥራይ ዘይኰነትስ፡ ብግልባጥ ገዛና፡ ምስ ብዓል ቤታን ፍቁር ወዳን እትነብር፡ ብምንባራ፡ እቲ ቀብሪ፡ ክበዅረሉ ዘይግባእ ቀብረይ’ዩ ዝነበረ።

ኣብቲ ኣብ መካነ መቓብር ዝርከብ ቤት ጸሎት፡ ሓደ ካብ ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ረሓቦት፡ ብቓል ኣምላኽ ኣገልገለ። እቲ ኣወዳድቓ ቃላቱን ኣተሃናንጻ ሓሳባቱን፡ ቅምጥ ኢሉ ንቐሺ ዶር ተኽለኣብ መንግስትኣብ ስለ ዘኻኸረኒ፡ ኣባል መካነ ህይወት ዝነበረ ክኸውን ከም ዝኽእል ደምደምኩ። ድሒረ ብዘረጋግጽክዎ ድማ፡ እቲ ግምተይ ቅኑዕ ነበረ። መካነ ህይወት ኣይተቐብረትን፡ መካነ ህይወት ተቐቢራ፧ ኣይፋል፡ መካነ ህይወት ቀቢራ፧ ኣይፋል . . . ከመይ ቢለ ክሓስብ ከም ዝግብኣኒ ተወጃበረኒ። 

ኣብቲ ቐብሪ፡ ፓስቶር ሃብቶም ካብ ጀርመን፡ ካብ ስቶክሆልም ድማ ሲስተር ኣበባ፡ ፓስቶር ደስታ ሓረጎትን ፓስቶር ሲራክ ሓረጎትን፡ ፓስቶር ሕነሽም ኢትዮጵያን፡ ካልኦት ኣነ ዘይፈለጥክዎምን ነበሩ። እወ፡ እተን ንሰብ ሓዳር ብምምኻርን ብምምሃርን ዝፍለጣ፡ ማማ ወይኒ’ውን ነበራ። ብዛዕባ ፍቕሪ፡ ሕውነት፡ ስኒት፡ ስምረት፡ ተደጋጊሙ ክስበኽ ከሎ፡ እቲ ባይታ ዘሎ ግብዝነትናን፡ ፈሪሳውነትናን እናተራእየኒ፡ ሓድሕድ ዘይምስማርና ዘኪረ፡ ተቐባሪት፡ ነፍስ-ሄርት ኣስመረት ቀሺ ወረደ፡. . . በቲ ስማ ጥራይ፡ ደጋጊመ ሓሰብኩ።

ንኣስመረት ቀቢርናያ። ብዛዕባኣ ሓያሎ ልቢ ዘዕርፍ፡ ምስክርነት ህይወት ሰሚዕና፡ ስሌኣ ድማ ንኣምላኽ ኣመስጊንናዮ። በታ ብዘይ ምእዛዝናን ብትዕቢትናን ቀቢርናያ ዘለና ማእሰር ኵሉ ፍጻመ ዝዀነት ፍቕሪ ግና፡ ብዙሕ ጐሀኹ። እወ ነታ ኣስመረት ዝዀነት ፍቕሪ ሕውነትሲ ቀቢርናያ ኢና’ሞ፡ እቲ ግብዝነትናን ፈሪሳውነትናን ኣፈንፈነኒ። ግደ ሓቂ፡ ልዕሊ’ቲ ዝዝመር ዝነበረ መዛሙር፡ ደርፊ ሃይለ ገብሩ ዓዚዙ ከም ዝተራእየኒ ክሓብእ ኣይደልን።

“ንሰማማዕ ንቝሩብ ጊዜ ኢና ኣይኰንናን ነበርቲ
መወትቲ ኢና ኣይሎሚ ኣይጽባሕ፡ ኣብ ሓመድ በለይቲ
ተፋቒርና ንንበር፡ ሓቢርና ንዘቲ
ሓላፋይ እኳ’ዩ፡ ናይዛ ዓለም ሃብቲ
ሓላፋይ እኳ’ዩ ናይዛ ዓለም ሃብቲ”

ኣስሚር ሓፍተይ፡ መንግስተ ሰማይ የዋርስኪ!

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Next
Next

ፍሪታታ ዶ ፍልሰታ