ሕንፉጽ ብህሎ፡ ቃንዛ ንዘስተብህሎ

ደኳኒ ሰሎሞን ኣቡበከር፡ ደጋሚ ድማ በረኸት ትኩእ። ”እንደገና” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝተዳለወት መዝሙር-ንስሓ፡ ኣብታ መዝሙር ኣትዮም ንዘለዉ ገለ ሕንፉጻት ቃላትን ብህሎታትን ኢና ክንርኢ።
ዘመርትና፡ ኣብ ጉያ-ጉያን ኣብ ብዝሒ ተዓዘብትን ምድሃብ ሕደጉ። ደጊመ እብለኩም ኣለኹ፣ ካብቶም ሰሚዖም ዘይንስሑ ሓደ ሚልዮን ሰማዕቲ፡ በቲ ብምስትውዓል ሰሚዑ ብዝንሳሕ’ዩ ኣብ ሰማያት ዓብዪ ሓጐስ ዝኸውን። ዕላማኹም ነዝን ኣብዝን ደኣ እምበር፡ ኣብ እርያ ገንዘብን ብዝሒ ተኸተልትን ኣይኹን።

ዕላማ

ነቲ ጽቡቕ ናብ ዝበረኸ ጽባቐ ንምዕራግ

ከም ብሓድሽ ዶ እንደገና

”ከምቲ ቅድም”፡ ”ከም ብሓድሽ፡” ”መሊስካ” ወዘተ ዝኣመሰሉ ቃላት ትግርኛ እናሃለዉ፡ ”እንደገና” ዝብል ቃል ክሕረ፡ እቲ መልእኽቲ’ኳ ዘይሰሓት እንተዀነ፡ ጽባቐ ብህሎ ግና ይውሕዶ።

እንደገና ህይወተይ ለውጦ

እንደገና ንናብራይ ቀይሮ

እንደገና ኣንጺህካ ሕጸበኒ

እንደገና ወደየ በለኒ

 ነቲ ”እንደገና” ዝብል ቃል ብ ”ከም ብሓድሽ” እንተተካእናዮ፡ ነቲ ዜማ፡ ኣይገፍሖን፡ ኣይጸቦን ድማ’ዩ። ዘይተሓንፈጸ እሩም ብህሎ ከነስተማቕር ግና ኣዝዩ ምሓገዘ።

እንደገና ህይወቴን ለውጥ
እንደገና ኑሮየን ኣጣፍጥ

ቀይሮ ዶ ኣመቅሮ፧

”ኣጣፍጥ” ዝብል ቃል፡ ኣምዕዝ፡ ኣመቅር፡ ኣጥዕም ወዘተ ዝብል መልእኽቲ’ዩ ዘሕልፍ። ምቕያርን ምምቃርን ድማ በበይኖም’ዮም። ብኸምዚ ዝስዕብ ንርኣዮ፦

ከም ብሓድሽ ህይወተይ ቀይሮ
ከም ብሓድሽ ናብራይ ኣመቅሮ
ከም ብሓድሽ ኣንጺህካ ሕጸበኒ
ከም ብሓድሽ ወደየ በለኒ

ምስቲ መበቈል ዝመሳሰል ሓደው ኣዝዩ ዝቀራረብ፡ ሕርያ ቃላት ክቐርብ ከሎ፡ ነቲ ጽባቐ ብህሎ፡ የበረኾ እዩ።

ከማን ዶ እኳ፡

በኣሕዛብ ዘንድ እንኳ የሌለ ልማድ
ከሰለጠነብኝ የስጋ ፍቃድ

ኣብቶም ኣህዛብ ከማን ዘየለ ልማድ (ከማን ዝብል ዘሎ፡ ከምቲ ደኳኒ መዝሙር ተጠቒሙሉ ዘሎ ”እኳ” ብዝብል ብቐሊሉ ክትካእ ይኽእል ኔሩ)።

ተቘጻጸረ ዶ መለኸ፧

ካብ ተቖጻጸረኒ እቲ ናይ ስጋ ፍቓድ-- ምቍጽጻርን ምምላኽን ይፈላለ’ዩ። ምልኪ፡ ምልኣት ከመልክት ከሎ፣ ምቍጽጻር ግና ደረጃታት ኣሎዎ፡ እቲ ደኳኒ መዝሙር፡ ”ከተቆጣጠረኝ” ዘይኰነስ ”ከሰለጠነብኝ” ስለ ዝበለ፡ እቲ ደጋሚ ኸኣ ብዝተኻእለ መጠን ነቲ ሓሳብ ዝቀራረብ ሒዙ፡ ክመጽእ’ዩ ዝግብኦ።

ኣብቶም ኣህዛብ እኳ ዘየለ ልማድ
እንካብ መለኸኒ እቲ ናይ ስጋ ፍቓድ

ብዝብል፡ ክግለጽ ይከኣል ኔሩ።

ደጋሚ ዘየስተብሃለሉ ምስጢር

 ከፍጥረታዊው ሰው ግብሬ ካልተሻለ
ዳግም መወለዴ፡ መዳኔስ የት ኣለ
ሸክም የሆነብኝ ቍረጥልኝና
ኣንተን ብቻ ይሽተት የእኔ ክርስትና

እቲ ደኳኒ መዝሙር፡ ብዛዕባ ዳግም ዝተወልደን፡ ብዛዕባ ዳግም ዘይተወልደን’ዩ ዘነጻጽር ዘሎ። ”ፍጥረታዊው ሰው” ማለት፡ እቲ ብኣርኣያ ሥላሴ ብስጋ ካብ ስጋ እተወልደ ክኸውን ከሎ፡ ኣንጻር ናይዚ ድማ፡ እቲ ጐይታና ኢየሱስ ምስ ኒቆዲሞስ እተዘራረበሉ፡ ካብ መንፈስ፡ እዚ ማለት ከኣ፡ ካብ ልዕሊ፡ ዳግም እተወልደ፡ ማለት’ዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ንጽጽር እቲ ብክርስቶስ ዝኣምንን ዘይኣምንን እዩ፦

ካብ ፍጥረታት ኲሉ ተዘይሓሸ ግብረይ
እቲ ካልኣይ ልደት ኣበይ'ሎ ምድሓነይ
ሸኽሚ ዝኾነኒ ንዓ ቁረጸለይ
ንኽብርኻ ይኹን እዚ ክርስትናይ

ኵሉ ፍጥረት ዶ፡ ኣማንን ዘይኣማንን

“ኵሉ ፍጥረት” ማለት፡ ዝርአን ዘይርአን፡ ህያውን ግኡዝን ማለት ምዃኑ ብሩህ’ዩ። ኣብታ መበቈል መዝሙር ዘሎ ሓሳብ ግና፡ ”ከፍጥረታዊው ሰው” ብምባል፡ ብዛዕባ ዳግም እተወልደን፡ ብዛዕባ’ቲ ዳግም ዘይተወልደን እምበር፡ ንሰብ ምስ ፍጥረት ኣይኰነን ዘነጻጽር ዘሎ። ጽባቐ ብህሎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ መሰረታዊ ትሕዞ መልእኽቲ’ውን ኣብዛ ቤት እዚኣ ተዘንጊዑ’ዩ።

መኣዛኻ ይሽተት ዶ፡ ንኽብርኻ ይኹን፧

ኣንተን ብቻ ይሽተት የእኔ ክርስትና” ቃል ንቓሉ፡ ”መኣዛኻ ጥራይ ይሽተት ክርስትናይ” እዩ ዝብል ዘሎ። እቲ ”ብቻ” ዝብል ቃል፡ ነታ መዝሙር፡ እስር-ጥምር ኣቢሉ ዝገልጽ ዓብዪን ዓሚቝን ምስጢር እዩ ሒዙ ዘሎ። መኣዛኻ ጥራይ ይሽተት ክርስትናይ ማለትሲ፡ መኣዛይ ኣይተሓወሶ፡ መኣዛ ዓለም’ውን ኣይተሓወሶ፡ ዘይተሓንፈጸ፡ ናትካ ጥራይ፡ መኣዛኻ ጥራይ፡ ይሽተት ክርስትናይ እዩ ዝብል ዘሎ። ደጋሚ መዝሙር፡ ነዚ ዕምቈት እዚ ፈጺሙ ኣየንጸባረቖን።

ትግሓርኛ

በጓዳየ በዳይ፡ ሰው ፊት ጸሎተኛ
የኣደባባይ ጨዋ፡ በእልፍኜ ነውረኛ

ጸሎተኛ፡ ነውረኛ ዝኣመሰሉ፡ ከም ዘለውዎ ኣትዮም ኣለዉ።

ኣብ ገዛይ በዳሊ ቅድሚ ሰብ ጸሎተኛ
ናይ ኣደባባይ ጭዋ ውሻጠይ ነውረኛ

ክመሓየሸሉ ዝኽእል ኣማራጺ ሓሳብ፡ እንሆ

ኣብ ቤተይ በዳሊ ቅድሚ ሰብ ጸላዪ
ናይ ኣደባባይ ጭዋ ውሽጠይ ምሉእ ነውሪ
ርእሰይ እናጠበርኩ ምንባር ሰልኪኒዩ
ብጸጋ ለውጠኒ ሓይለይ ደኺሙዩ

ቤተይ ዶ ገዛይ፧
እቲ ደኳኒ መዝሙር፡ “በቤቴ” ምባል ሓዲጉ፡ “በጓዳየ” ምባል ስለምንታይ ኣድለዮ፡ ቢልካ ምሕሳብ የድሊ። ገዛ ዝብል ቃል ካብ ጥልያን ዝወረስናዮ እዩ። ስድራ-ገዛ ዘይኰነስ “ስድራ-ቤት” ዝብሃለሉ ምስጢር እንተሓሰብና፡ እቲ “ቤት” ዝብል ኣምር፡ ኪንዮ እቲ ህንጻ፡ ነቶም ነበርቲ’ውን ዘመልክት ምዃኑ እዩ ዝግሃደልና። “ኣብ ቤተይ” ማለት እምበኣር፡ ኣብ ናብራይ፡ ምስ መናብርተይ ወዘተ ማለት’ዩ።

ለቡ፦
ዘማሪ በረኸት ትኩእ፡ ብረድኤት ኣምላኽ፡ ማሕለኻታት እናሰገረ፡ ጥዑም መዛሙር ንኽንሰምዕ፡ ኣምላኽ ዝጥቀመሉ ዘሎ ባርያ ምዃኑ፡ ስሌኡ ንኣምላኽ ክብሪ እህብ። መመሊሱ ብጸጋ ክግለጽን ክዓብን፡ ንብዙሓት ንበረኸት ክኸውን ከኣ እጽሊ። እዚ ህየሳዊ ምስትምቓር መዝሙር፡ ንዕብየትን ብራኸ ጽባቐን ደኣ’ምበር፡ ንምድቋስን ጻዕሪ ብዙሓት ንምንእኣስን ዘይምዃኑ፡ ብንጹሕ ልቢ ክትርድእዎ እምሕጸን።
መበቈላዊት መዝሙር ብኣምሓርኛ ንምስማዕ ኣብዚ ጠውቑ
ብትግርኛ እተደግመት ንምስማዕ ኣብዚ ጠውቑ

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ኣይ ሓርቢ፡ ኣይ ወይኒ፡ አእምሩ ኀበ ዘትቀዉሙ

Next
Next

ንኣስመረት ቀቢርናያ