ኣይ ሓርቢ፡ ኣይ ወይኒ፡ አእምሩ ኀበ ዘትቀዉሙ

እታ ጐይታ ዘይፈትዋ፡ ንሳ፣ እታ ንሕና ዝዀንናያ ድማ፡ ንሳ! ብዛዕባ ወይንን ሓርብን ክዛረብ ከሎ፡ ”ክልቲኣቶም ከኣ ይእርነቡ” እዩ ዝበለ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ (ሉቃ 5.38)። ክልቲኡስ ይትረፍ እሞ፡ ሓዲኡ ኸ ይርከበና ዶ፧ ቢለ ክሓስብ’የ ኣንቂደ ዘለኹ።

ገለ ገሌኡ፡ ሓርቢ ጥራይ ሒዙ፡ ወይኒ ዝሓረሞ እዩ። ዶግማ፡ ቀኖና፡ ኣቦታት ዘቘምዎ ደረት፡ ስርዓተ እምነት፡ ስርዓተ ኣከባብራን ኣለባብሳን ወዘተ፡ ወዘተ ሒዙ ክንሱ፡ ህይወት ዝብሃል ግና ኣይትርእየሉን። ንሱን፡ መስቀሉን፡ ንሱን ኣልባሱን፡ ንሱን መጽሓፉን፡ ንሱን ክእለት ኣዘራርባኡን፡ ንሱን ኣበዓዕላ በዓላቱን፡ ይበል የብል፣ ግናኸ፡ ኪንዮ ፈሪሳውነት ዝሓልፍ ህይወት ኣይትርእየሉን።

ገሊኡ ኸኣ፡ ወይኒ ኣሎኒ፡ አረ መሊኡ ዝፈስስ እኳ ደኣ እናበለስ፡ ግናኸ፡ ሓርቢ ዝብሃል ከኣ፡ ክርእን ክሰምዕን ዘይደሊ እዩ። እንተተኻእሎስ ነቲ ሓርቢ ቀዳዲዱ ድዩ፡ ሓዊ ረኲዑ ድዩ፡ ነበረ’ያ ነበረ ክገብሮ ኸኣ ኣበርቲዑ ይርህጽ። ለይትን መዓልትን ዘረባኡ፡ ስብከቱ፡ መዝሙሩ፡ ብዛዕባ ህይወት ክንሱ፡ እቲ ቃል ህይወት ግና፡ ህይወት ክፈሪ ኣይትርእዮን። ሓድሕድ ይናቘት፡ ሓደሕድ ይፈላለ፡ ንሓጢኣት ሸለል ቢሉ ንንስሓ ይጽየን፡ ፍቕሪ ገንዘብን ፍቕሪ ዓለምን መለለይኡ ክሳዕ ዝኸውን፡ ኣብኡ ይቈማጣዕ፡ ውልድነት ብሂጉ፡ ምስጢረ ጥምቀት ይጕሕፍ፡ እንጌራ ህይወት ብሂጉ፡ ንቕዱስ ቍርባን የቃልል፡ ወዘተ።   

ሓርቢ ኣሎኩም ዶ፧

እወ እንተዀይኑ፡ እቲ ሓርብኹም ወይኒ ኣሎዎ ዶ፧ ኣንቱም ሰብ ወይኒ ኸኣ፡ ነቲ ሓርቢ ሰባቢርኩምሲ፡ ነቲ ወይኒ ደኣ ኣበይ ከተዕርቕዎ ትደልዩ ኣለኹም፧! ደሪፍካሉ ኣይስዕስዕ፡ ኣልቂስካሉ ኸኣ ኣይበኪ፡ ዝዀነ ወለዶ፡ እንሆ ብኣዒንትና ንርኢ፡ በእዛንና ንሰምዕ፡ ብዅሉ ህዋሳትና’ውን፡ ህላውነቱን ጣዕሚ ምረቱን ንምስክር ኣሎና። አእምሩ ኀበ ዘትቀዉሙ! ኣበይ ደው ኢልኩም ከም ዘለኹም፡ ፍለጡ!

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Next
Next

ሕንፉጽ ብህሎ፡ ቃንዛ ንዘስተብህሎ