ቃራና፡ ቃራና፡ ናብ ጽቡቕ ምርሓና!

ወይቤሎሙ እግዚእነ ኢየሱስ፡ ”ነገርኩምሲ፡ እወ፡ እወ፡ ኣይኰነን፡ ኣይኰነን ደኣ ይኹን። ካብዚ ዝበዝሔ ኻብቲ ኽፉእ እዩ” (ማቴ5.37)።

ብሲኖዶስ ዝምእከል

ኣባል ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ፡ ብፁዕ ኣቡነ ጳውሎስ፡ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ፡ ብምኽንያት ምጅማር ዓመተ 2018 ኣቈጻጽራ ቤተ ክርስቲያን ኣመኽንዮም ኣብ ዝጸሓፍዎ ቃለ ቡራኬ፡ ”ቤተ ክርስቲያን መብራህቲ ተስፋን ዓንዲ ሓቅን ኰይና ትቕጽል ኣላ” በሉ። ነቲ ጽሑፍ፡ ሰለስተ ጊዜ ይኸውን ደጋጊመዮስ፡ ነቲ ”መብራህቲ ተስፋን፡ ዓንዲ ሓቅን. . . ትቕጽል ኣላ” ዝብል ብህሎ ግና፡ ፈቲሸ ክረኽቦ ኣይከኣልኩን። እዛ ንሬሳ ምቕባር እትሕሰም፡ ኣገልገልታ ብዘይ ፍትሒ ንዓመታት ተኣሲሮም እናሃለዉ፡ ንኣፋ፡ ኣፍ-ላም ዝገበረቶ ቤተ ክርስቲያንሲ፡ ከመይ ቢልና ኢና መብራህቲ ተስፋን፡ ዓንዲ ሓቅን“ ክንብላ ዝከኣለና፧! ንገበንና እንተኸወልናዮስ፡ ብኣንጻር ኣቲ ቕዱስ ጽሑፍ ዶ ዝሰልጠና ይመስለና’ሎ፧! ገበንና ከይተናዘዝና እሞ ከይሓደግናዮስ፡ ከመይ ከመይ ቢልና ደኣ ኢና፡ ቅድው ዘመን ክዀነልና እንምነ ዘለና፧!

ብብፁዓን ኣቦታት ዝምእከል

”ምእኩል” ምሕደራ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስን ኣቡነ ሲኖዳን፡ ኣቡነ ሲኖዳ ገዚቶሞ፡ ሓደው ምሳና የለኻን ኢሎሞ ንዝተባህለ፡ ኣቡነ መቃርዮስ ግና ንኽህነት ክቐብእዎ፡ ኣዒንትና ርእየን፣ መላእ ዓለም’ውን ርእይዎ። ”ምእኩል” እናተባህለስ፡ ስለምንታይ ደኣ’ሞ፡ ከም ኣብ ዘመነ መሳፍንቲ፡ ነፍስ ወከፍ ቅኑዕ መሲሉ እተራእዮ ከም ዊንታኡ ዝገብር፧ እቶም ዝገዘቱ፡ ስለምንታይ ብኢደ-ዋኒኖም ገዘቱ፧! እቶም ድሕሪ ግዘት፡ ንኽህነት ዝቐብኡ ኸ፡ ስለምንታይ ከምኡ ገበሩ፧!

ስቕታን ሕሹዅሹዅን መፍትሒ ኣይከውንን

ሃዋርያዊ ዑደት ብፁዕ ኣቡነ ሲኖዳ ኣብ ሃገረ ኣውስትራልያን ኒውዜላንድን ዘቃልሓ፡ ፍኖተብርሃንን ማኅቶት ዘተዋሕዶን፡ ንሃዋርያዊ ዑደት ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ግና፡ ንዝኽረ-ስም’ውን ክጠቕሳኦ ኣይተራእያን። ህዝብን ቤተ-ክህነትን ኣብ ከቢድ ሕቶን ነውጽእን ወዲቑ ከም ዘሎ ምልላይ ተሳኢንወንሲ፡ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ መብርሂ እኳ ከቕርባ ዘይምኽኣለን፡ ኣተዓዛዛቢ ኔሩ። እቲ ኸይዲ፡ ዘይቅቡልን ዘይምእኩልን እንተዀይኑን እንተኔሩን፡ ስለምንታይ እተን ማዕከናት ዜና፡ ብትብዓት ከምኡ ክብላ ዘይመረጻ፧! ”ገበኑ ዝኸውል ኣይሰልጦን” ዶ ኣይኰነን ዝብል፡ እቲ ቕዱስ መጽሓፍ፧!

ቤተ ክርስቲያን ናይ ክርስቶስ’ያ!

ቤተ ክርስቲያን ናይ ክርስቶስ እምበር፡ ናይ ማንም ካልእ ዘይምዃና ኣይንዘንግዕ። ሰራቲኣ፡ ዋናኣ፡ ተበጃዊኣ፡ ንሱ ባዕሉ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። በብኢድና እንኸፋፍላን፡ እንገማምዓን ኣይኰነትን እሞ፡ ሕጂ’ውን እምነተይ ከምታ ናይ ቅድሚ ሕጂ፡ “ወነአምን በአሐቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እንተላዕለ ኵሉ ጉባኤ ዘሐዋርያት” ዝብል ደኣ እምበር፡ መሳሰዪ ደምበይ-ደምበኻ ክኸውን ድላይን ፍቓድን የብለይን።

ለበዋ

ዝኸበርኩም ብፁዓት ኣቦታት ጳጳሳት፡ ስዩማን ካህናት፡ ላዕካነ ምሥጢር ዲያቆናት፡ ምእመናንን ምእመናትን፡ ነቲ መለለይና ክኸውን ዝግብኦ፡ ፍቕሪ-ሓድሕድ፡ ደርቢናዮ ምህላውና ነስተብህል እሞ፡ ንንቃሕ። ኣእዳውና ናብ ካልኦት ምውጥዋጥ ሓዲግና፡ እቲ ነፍስ ወከፍና ክንገብሮ ዝግብኣና ንምትግባር፡ ንተንስእ። ”ሀበነ ንኅበር፡ በዘዚኣከ መንፈስ ቅዱስ” ቢልና እናቐደስናስ፡ መእሰሪ ከም ዘይብሉ ማእዶ፡ እናሻዕ ክንብተን፡ በዚ ደምበ፡ በቲ ደምበ፡ ኴንና ክንበታተን፡ እዚ፡ ብርግጽ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኣይኰነን።

ልማኖ

እምበኣርከ፡ እቶም ብሲኖዶስ እትምርሑ ኣቦታት፡ ከምኡ’ውን እቶም ብዕርቀ-ሰላም፡ ምእኩል ምሕደራ ኣቚምና ዝበልኩም ብፁዓን ኣቦታት፡ ብሓፈሻ ድማ ኵላትና ህዝበ ክርስቲያን፡ ናብ ፍጹም ውህደትን ሓድነትን እንመጽኣሉ መገዲ ንሕሰብ። ኣብ ህዝብናን ሃገርናን፡ ነቲ ሰናይ መን’ዩ ዘርእየና ዝብሉ፡ ኣዝዮም ብዙሓት ኣለዉ እሞ፡ ነቲ ካብ ጐይታ ብሕድሪ እተቐበልናዮ መክሊት ምዝርጋሕ ወንጌል፡ ምፍጻሙ ምእንቲ ክከኣለናስ፡ ሓድሕድ ምቅብባል ይኹነልና! ዘመነ ምሕረትን ይቕረታን ምእንቲ ክዀነልና ድማ ሓድሕድ ይቕረ ንብሃሃልን፡ ኣብ ሓደ መጓሰ ንጠርነፍን!

መለለዪ ክርስትና፡ ፍቕሪ፡ ትሕትናን ተኣዝዞን ደኣ’ምበር፡ ”ስረይ ስረኻ!” ቢልካ እትፈኻኸረሉ ዘይምዃኑ፡ ብግብሪ ንንበሮን ነተግብሮን። ኵላትና በዲልናን ኣቢስናን ኢና። ሓደ’ኳ ”ንጹሕ’የ” ክብል ዝደፍር ዘሎ ኣይመስለንን። ስለዚ ኸኣ ምሕረት ምእንቲ ክንቅበልሲ፡ ንሓድሕድና ብፍቕሪ ንቀባበል! ሽዑ፡ ከምቲ ብፁዕ ኣቡነ ጳውሎስ ብምኽንያት ምጅማር ዓመተ 2018፡ ዝበልዎ፡ ”ቤተ ክርስቲያን መብራህቲ ተስፋን ዓንዲ ሓቅን ኰይና” ክትርከብን፡ ክትቅጽልን እያ።

ቀራና፡ ቀራና፡ መገዲ የማን ምርሓና!

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል

18 መስከረም 2025

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Next
Next

ኣይ ሓርቢ፡ ኣይ ወይኒ፡ አእምሩ ኀበ ዘትቀዉሙ