ሰዶመ-ጐመራዊ መዓት፡ ኣብ ሽወደን ቈሪሩ ዶ ኣንጠጥዩ፧

ካህናተ ሉተራዊት-ወንጌላዊት ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ሽወደን (Svenska kyrkan) ኣብ ምውሳብ ሕደ-ጾታውያን፡ “ስረኹም ብኽሳድኩም ተውጽእዋ” ዝብል ንዝቐረበሎም ሕቶ፡ ትማሊ ሰሉስ 17 ሕዳር 2026 ብብዝሒ ድምጺ፡ “ኣይነውጽእን” ብምባሎም፡ እቲ ሕደ-ጾታውያን ንምውሳብ “እምቢ ኣየነእስርን” ናይ ምባል መሰሎም ተሓልዩ ክቕጽል ምዃኑ ተገሊጹ’ሎ።

ሃገረ ሽወደን ንመውስቦ ሕደ-ጾታውያን፡ ኣብ ዓመተ 2009 እያ ሕጋውነት ኣልቢሳቶ። ኣብቲ ዓመት እቲ ድማ፡ ሕደ-ጾታውያን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ስርዓተ መውስቦ ክፍጸመሎም ክፍቀድ ከሎ፡ ማዕረ-ማዕሪኡ ኸኣ፡ ዝኾነ ካህን “እምቢ ኣየእስርን” ናይ ምባል መሰል’ውን ክሕለወሉ ምዃኑ ኸኣ ተነግረ።

ትማሊ ሰሉስ 17 ሕዳር 2026 ኣብ ከተማ ኡፕሳላ ኣብ ዝተገብረ ጉባኤ ቤተ ክርስቲያን እምበኣር፡ ነቲ “እምቢ ኣየእስርን” ዝብል ንካህናት ዝተፈቕደ መሰል፡ መወዳእታ ንምግባር ዝዓለመ፡ ጉባኤ እዩ ዝነበረ።

ቅድሚ ሕጂ ኣብ ጋዜጣ ቤተ ክርስቲያን Kyrkans Tidning ብዝቐረበ መውሃቢ ድምጺ፡ 126 ካህናት ንመውስቦ ሕደ ጾታውያን ዝተጻረሩ ክዀኑ ከለዉ፡ 117 ግና፡ ማዕጾ ቤተ ክርስቲያን ንኹሉ ርሑው ክኸውን ኣሎዎ ብዝብል፡ መውስቦ ሕደ ጾታውያን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክፍጸም ከም ዝቕበሉ ገሊጾም ምንባሮም ኣፍቶን ብላደት ዝብሃል መደበር ዜና ኣረዲኡ።

ምሕደራ ቤተ ክርስቲያን ሽወደን፡ ነዚ ጉዳይ ኣብ መዕለቢ ንምብጻሕ፡ ክሳዕ ዓመተ 2028 ጊዜ ተሰሊዑሎም ከም ዘሎን፡ ቤተ ክርስቲያን ሽወደን ነቲ ኣብ ዓመተ 2009 ዝጸደቐ ሕጋውነት መውስቦ ሕደ-ጾታውያን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንመውስቦ ዝምልከት ንጹር መብርሂ ከተዳሉ ተሓቲታ ኣላ።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Next
Next

ንተኣምረ ማርያም ተቐቢልካ፡ ጸረ ካቶሊክ ክትከውን የኽይድ ዶ፧!