ንተኣምረ ማርያም ተቐቢልካ፡ ጸረ ካቶሊክ ክትከውን የኽይድ ዶ፧!

ኣብዚኣ’ሞ፡ . . . 60 ካብቲ ሃጸይ ዘርአ-ያዕቆብ ካብ ኣቦኡ ሃጸይ ዳዊት ዝተቐበሎ 75 ዛንታታት ተኣምረ ማርያም፡ ከምቲ ትማሊ ዝረአናዮ ዛንታ ደቅስዮስ ዝዓይነቱ፡ ኤውሮጳዊ ትሕዝቶ ዘሎዎ ነበረ። 60 ካብ 75 ማለት ከኣ፡ 80 ሚእታዊት ማለት’ዩ። እተን ዝተረፋ 15 ዛንታታት፡ ማለት እተን 20 ሚእታዊት ድማ፡ እቶም ነቲ ዛንታታት ናብ ቋንቋ ዓረብ ዝተርጐሙ ግብጻውያንን ሶርያውያንን ዝጸሓፍወን ካብ ኤውሮጳ ወጻኢ ዝተፈጸማ ዛንታታት ነበራ።

እቲ ኣብ ተኣምረ ማርያም፡ ከም ቀዳማይ ተኣምር ዝጥቀስ፡ ደቅስዮስ ዘጥልጥልያ፡ ካቶሊካዊ ምዃኑ ብብዙሕ መረዳእታ ትማሊ ርኢናዮ ኔርና። ደቅስዮስ፡ ካቶሊካዊ ክንሱ፡ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንና ግና ክሳዕ ክንድዚ ብኽብሪ ዝጥቀስ ካብ ኰነ፡ ጽልኣት ኦርቶ-ካቶሊክ ኣብ ምዝሕሓል ዘይንዓቕ ኣበርክቶ ክህልዎ ኣይክእልን ዶ፧! ሎሚ’ውን ሓደ ካብቶም ኣብ ተኣምረ ማርያም ዘለዉ ካቶሊካውያን ኣቦታት ናይ ሓደ ቦኒጦስ ዝብሃል ኤጲስቆጶስ ክንርኢ ኢና።

ቅድስት ድንግል ማርያም ”ምስለ ብዙኃን፡ ቅዱሳን፡ ወመላእክት” ዝተገልጸትሉ፡ ”ጻድቅ፡ ወንጹሕ፡ ወመፍቀሬ፡ እግዝእትነ፡ ማርያም” ተባሂሉ ዝጥቀስ፡ ፈረንሳዊ ኤጲስቆጶስ’ዩ። ”ተብህለ፡ ከመ፡ ሀሎ፡ አሐዱ፡ ኤጲስ፡ ቆጶስ፡ በሀገረ፡ አፍርንጂ፡ ዘስሙ፡ ቦኒጦስ” ብዝብል ድማ’ዩ እቲ ዛንታኡ ዝጅምር።  ”ሀገረ አፍርጂ” ማለት፡ ሃገረ ፈረንሳ ማለት’ዩ። ከምቲ ደቅስዮስ፡ ስፓኛዊ-ካቶሊካዊ ዝኾነ፣ ቦኒጦስ’ውን፡ ፈረንሳዊ-ካቶሊካዊ እዩ። ነዚ ”ተኣምር” እዚ ብርድኢት እነቦ ኣለኹ ቢሉ ንዝሓስብ፡ ካብቲ ኳኽ መሲሉ ዘሎ ጽልኣት ኦርቶ-ካቶሊክ፡ ኣዝዩ ከም ዝነጽህ የጠራጥር ዶ፧

እቶም ምስ ድንግል ማርያም ተገሊጾም ዝተባህሉ ቅዱሳንን መላእኽትን፡ ”ሎሚ መን’ዩ ዝቕድሰልና፧” ቢሎም ከም ዝሓተቱ እሞ፡ ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ፡ ”ዝንቱ፡ ፍቁርየ፡ ኤጲስ፡ ቆጶስ፡ ይቄድስ፡ ለነ” ከም ዝበለቶም፡ ሽዑ ”ሓደ ከም ጸሓይ ዝበርህ፡ ግሩም፡ ብኢድ ሰብ ዘይተገብረ ልብሰ ክህነት ኣምጺኦም ኣልበስዎ፣ ንሱ ኸኣ መኣዲ ቅዱስ ቍርባን ቀደሰሎም” ብምባል ይትርኽ። ድሕሪ’ቲ ቕዳሴ፡ ”ትቤሎ፡ እግዝእትነ፡ ማርያም፡ ዕቀብ፡ ዘንተ፡ ልብሰ፡ ለርእስከ፡ ወኢትሀቦ፡ ለባዕድ” እዚ ልብሲ እዚ ንዓኻ ውሰዶ፡ ንኻልእ ግና ኣይትሃቦ” ከም ዝበለቶ ኸኣ የዘንቱ።

መንነት ቦኒጦስ ዝያዳ ንምንጻርን ብዛዕባኡ ንምንባብን (Bonitus of Clermont also known in France as Saint Bonnet or Saint Bonet ቢልኩም ኣብ ኢንተርነት ሃሰስ ክትብልዎ ይከኣል’ዩ። ቦኒጦስ፡ ብጵጵስና ካብ ዓመተ 689-699 ኣብ Clermont in the Auvergne region of central France ዘገልገለ ፈረንሳዊ-ካቶሊካዊ እዩ። ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ድማ፡ ጥሪ 15-16 ዕረፍቱ፡ 29 መጋቢት ድማ እቲ ድንግል ማርያም ተገሊጻ ልብሲ ዝሃበትሉ ተባሂሉ፡ ዓመታዊ ዝኽሪ ይግበረሉ’ሎ።

መዕጸዊ

ቅድሚ ምፍልላይ ኦርቶ-ካቶሊክ ዘጋጠመ’ዩ ከይንብል፡ እንሆ ኣብ ዓመተ 623 ከም ዝተወልደ፡ ታሪኽ ህይወቱ ይነግረና’ሎ። ምፍልላይ ኦርቶ-ካቶሊክ ኣብ ዓመተ 451 ኣብ ጉባኤ ኬልቄዶን ከም ዘጋጠመ ንፈልጥ ኢና። ስለዚ እምበኣር ቦኒጦስ፡ ካብ ጉባኤ ኬልቄዶን ድሕሪ 171 ዓመታት’ዩ ዝውለድ ዘሎ። እሞ እዚ ንድንግል ማርያም፡ ንቕዱሳንን መላእኽትን “ቀዲሱሎም” ዝብሃለሉ ዘሎ፡ እሞ ኸኣ ከም ጸሓይ ዝበርህ፡ ግሩም፡ ብኢድ ሰብ ዘይተገብረ ልብሰ ክህነት ብኢድ ድንግል ማርያም ዝተቐበለ ዝብሃለሉ ዘሎ፡ ካቶሊካዊ ቦኒጦስ፡ ንዛንታኡ ብልዑል ተመስጦን ኣድናቖትን እናነበብካስ. . . እስከ ነታ ሕቶ ንድገማ። ንተኣምረ ማርያም ተቐቢልካ፡ ጸረ ካቶሊክ ክትከውን የኽይድ ዶ፧!

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ሰዶመ-ጐመራዊ መዓት፡ ኣብ ሽወደን ቈሪሩ ዶ ኣንጠጥዩ፧

Next
Next

ደቅስዮስ ካቶሊካዊ እዩ