ደቅስዮስ ካቶሊካዊ እዩ

ደቅስዮስ፡ እቲ ድንግል ማርያም ተገሊጻ፡ ሰማያዊ ልብስን መንበርን ከም ዝሃበቶ ኣብ ተኣምረ ማርያም፡ ኣብ መጽሓፈ ስንክሳርን ድርሳነ ገብርኤልን ዘታሕሳስ፡ ዝንገረሉ ኤጲስቆጶስ ዘጥልጥልያ እዩ። Ildephonsus of Telado ናብ ቋንቋ ግእዝ ርዒሙ ክትርጐም ከሎ፡ ደቅስዮስ ዘጥልጥልያ ተባህለ። ደቅስዮስ ካቶሊካዊ ኣይነበረን፡ ኣይኰነን’ውን ቢሎም ክምጕቱ ዝትንስኡ ብርግጽ ኣይሰኣኑን ይዀኑ፣ ይዀን ደኣ’ምበር፡ እቲ መጐተ ግና ከምቲ ንሕፍኒ ማይ ኣብ ኢድ ከተዕቍር ምፍታን ምዃኑ ብኸምዚ ዝስዕብ ንርኣዮ።

ደቅስዮስ ዝተወልደሉ፡ ዘገልገለሉን ዝዓረፈሉን ዓመታት፡ ኣስታት 200 ዓመታት ድሕሪ’ቲ ኣብ ዓመተ 451 ዝተኻየደ ጉባኤ ኬልቄዶን እዩ። እተን ቅድመ ምፍልላይ ክርስትና ዝነበራ 5 መናብር፡ ኣንጾክያ፡ ሮማ፡ እስክንድርያ፡ ቍስጥንጥንያን ኢየሩሳሌምን እየን።  ኣብ ጉባኤ ኬልቄዶን ዝተሳተፉ ኣቦታት፡ ናብ ክልተ ኣብ ዝተገምዑሉ፡ እዚ ሕጂ ግብጺ፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘለዋኦ ደምበ (መንበረ እስክንድርያ) ከምኡ’ውን እቲ ሶርያ፡ ኣርመን፡ ህንድን ዝርከባኦ ደምበ (መንበረ ኣንጾክያ) ብተፈልዮ፡ ኦሬንታል ኦርቶዶክስ ክብሃል ከሎ፡ መንበረ ሮም ወቍስጥንጥንያ ድማ ካቶሊክ ተባህለ።

እታ ደቅስዮስ ዝነበራ ጥልጥልያ፡ ኣብ ሃገረ ስፐይን (ስፓኛ) እትርከብ ከተማ እያ። እታ ደቅስዮስ ሰማያዊ ልብስን መንበርን እተቐበለላ ቦታ ኸኣ፡ ኣብ ኢንተርነት’ውን ፈቲሽና ክንረኽቦን ከነረጋግጾን ከም እንኽእል፡ እቲ ንጹር ኣድራሻ Calle Cardenal Cisneros, 1, 45002 Toledo, Spain እዩ። ስፐይን ምስ ኣርመን ወይ ምስ ህንዲ፡ ኣብ መንበረ ኣንጾክያ ዘይኰነት፡ ወይ’ውን ምስ ግብጺ ኣብ መንበረ እስክንድርያ ዘይኰነትሲ ምስ ሮማ ኣብ መንበረ ቅዱስ ጴጥሮስ’ያ ኔራን ዘላን።

ተኣምረ ማርያም ናብ ምድሪ ሓበሻ፡ ክኣቱ ከሎ፡ ካብተን ቀዳሞት ሸሞንተ ተኣምራት፡ እታ ”በእንተ ደቅስዮስ” እትብል ሓንቲ ካብኣተን ምንባራ ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፍ ተጠቒሱ’ዩ። መበቈል እተን ሸሞንተ ተኣምራት፡ ካብተን ኣብ እንግሊዝን ፈረንሳን ናብ ቋንቋ ዓረብ ዝተተርጐማ ምንባረን’ውን ጠቒስና ነበርና። ኣብ ተኣምረ ማርያምን ስንክሳርን ከም እንርእዮ፡ እቲ ብድሕሪ ደቅስዮስ ዝተሾመ ኤጲስቆጶስ፡ ኣብ መንበረ ደቅስዮስ ክቕመጥን፡ ነቲ ሰማያዊ ልብሲ ክለብስን ኣብ ዝፈተነሉ፡ ካብቲ መንበር ወዲቑ ተቐዝፈ እዩ ዝብሃል። እቶም ተርጐምቲ ስም እቲ ዝተቐዝፈ ኤጲስቆጶስ ኣይጠቐሱን፡ ኣብቲ መበቈላዊ ጽሑፍ ግና፡ ስም እቲ ኤጲስቆጶስ፡ ሲያግርዮስ ምዃኑ’ዩ ዝንገር።

ልብሰ ደቅስዮስ፡ ክሳዕ ኣብ ኦቭየዶ Oviedo ዝብሃል ቦታ ተዓቂቡ ከም ዘሎ፡ መዛግብቲ ታሪኽ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ይነግሩ። ከተማ ኦቭየዶ ኣብ ሰሜናዊ ስፓኛ ካብ ጥልጥልያ 350 ማይል ንሰሜን ተደኲና ትርከብ። (Oviedo is located in the Asturias region of northern Spain, roughly 350 miles north of Toledo)።

ኣብ ከተማ ጥልጥልያ ኣብ ሓደ ብስም ደቅስዮስ እተሰምየ ቤተ ክርስቲያን፡ ሓደ ክቡር እምኒ ኣሎ። እቲ እምኒ እቲ፡ ቅድስት ድንግል ማርያም ንደቅስዮስ ተገሊጻ ዝተራእየትሉ እዩ ብዝብል እምነት፡ ኩሉ እቲ ናብቲ ቤተ ክርስቲያን ዝመጽእ ሰብ፡ ነቲ እምኒ ከይተንከየ ከም ዘይኣቱ ድማ፡ ይዝንቶ። ኣብቲ እምኒ ተወቒሩ ዘሎ ጽሑፍ ድማ፡

"When the Queen of heaven laid her feet on the ground it was upon this stone that she stood. Touch the stone, saying in all devotion, 'We venerate this place where the Blessed Virgin has laid her feet.'" ይብል። ብትግርኛ “ንግሥተ ሰማያት እግራ ኣብ ምድሪ ኣብ ዘንበረተሉ እዋን፡ ኣብዚ እምኒ እዚ እያ ደው ዝበለት። ነዚ እምኒ እናተንከፍኩም፡ ብፍጹም መንፈሳውነት፡ 'ብጽዕቲ ድንግል፡ እግራ ንዘንበረተሉ ቦታ ነኽብሮ ኢና' በሉ” ይብል። እወ፡ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እዩ።

መደምደምታ

ደቅስዮስ እቲ ድንግል ማርያም ተገሊጻ፡ ሰማያዊ ልብስን መንበርን ከም ዝሃበቶ ኣብ ተኣምረ ማርያም፡ ኣብ መጽሓፈ ስንክሳርን ድርሳነ ገብርኤልን ዘታሕሳስ፡ ዝንገረሉ ኤጲስቆጶስ ዘጥልጥልያ፡ ካቶሊካዊ እዩ።

Fr. Yonas Welderufael

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ከም መምህር ቋንቋ ኣደ ኰይኑ ዕለታዊ ናብራኡ ምምራሕ፡ መንፈሳውን ማሕበራውን ጽሑፋት ብምጽሓፍን ግጥምታት ብምቕናይ’ውን ይነጥፍ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድን ዝዀነ ቀሺ ዮናስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ሃገረ ሽወደን እዩ ዝነብር።
Fr. Yonas Welderufael is a mother tongue teacher from Asmara, who also writes spiritual and social articles as well as poetry. He is married with four children, and lives with them in Sweden.

Previous
Previous

ንተኣምረ ማርያም ተቐቢልካ፡ ጸረ ካቶሊክ ክትከውን የኽይድ ዶ፧!

Next
Next

ቤተ-ልሄመይ፡ ኣላይት ሕማመይ