ጸሓይ ጾም ኣርብዓ መሪራ፡ ንፍርቂ መዓልትስ ሓደ ሰዓት ጐደል ብዝዀነ፡ እቶም ብቕዳሴ ከነገልግል ዘሎና፡ ኣቐዲምና ኣብቲ ቤተ-ልሄም ዝብሃል ኣብ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ዝርከብ ሓደ ክፍሊ ንራኸብ ነበርና። እቶም ንቕዱስ ቍርባን ዝኸውን ሕብስትን ወይንን ዘዳልዉ፡ ኣብኡ ተልእኾኦም እናፈጸሙ፡ እቶም እንቕድስ ድማ፡ “ወማየ መንጽሔ ዚኣነ” እናበልና ኣብ ቀጽሪ እቲ ቤተ ልሄም ኣእጋርና ብማይ ንሕጸብ ነበርና። ኣእጋር ከይሓጸብካ፡ ቅዳሴ ኣይእቶን ነበረ።
ሎሚ፡ ኣብ ብርሃን ኣለኹ፡ ብክርስቶስ ኣለኹ፡ ቃል ኣምላኽ ተረዲኡኒ’ዩ ኣብ ዝብለሉ፡ ቤተ-ልሄም ኣልባ ኰይነ፡ ምስ ቂመይን ጽልአይን እቕድስ፣ ኣቤት! ተዀራርየ ከለኹ፡ ቤተ ልሄም ኣልባ ኰይነ፡ ቃል-ኣምላኽ እሰብኽ፡ ኣቤት! እቲ ሽዑ ዝነበረ፡ ቅዱስ ፍርሃት ኣምላኽ እባ ካባይ ጥራይ ድዩ ጠፊኡ፧
ኣብ ኣስመራ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኪዳነ ምሕረት ሰምበል፡ ነፍሶም ይምሓር፡ ኣባ ኣጋቶን እንብሎም ዝነበርና ኣቦይ ቀሺ ኣብርሃም፡ ወዲ ፋድል ብዝብል ዝፍለጡ ዝነበሩ ካልእ ኣቦይ ቀሺ ኣብርሃም፡ ኣቦይ ቀሺ ዓራቶ፡ ወዶ ገባ እንብሎም ዝነበርና ኣቦይ ቀሺ ፍስሃየ. . . ኮታ በቲ እንሓሳእ፡ “ጸልማት” እንሓንሳእ’ውን “ብዘይ ክርስቶስ” ኔረ ዝብለሉ እዋን፡ ዛቝናይ ኰይነ እቕድስ፡ ብመኽፈልቲ ደገ-ሰላም ከብደይ እዕንግል፡ ብስዋ ደገሰላም’ውን ጐረሮይ አጥልል፡ ነበርኩ።
ኣብ ብዝሒ ዘረባ ኣበሳ ኣይሰኣኖን’ዩ’ሞ፡ ኣብኡ ኣብቲ ደገ ሰላም ስዋ እናሰተና፡ ንኳረ፡ አረ እንሓንሳእሲ፡ ብበትርን ብዋንጫን እናተደራበዩ ዝብኣሱ’ውን ኔሮሙና’ዮም። ንጽባሒቱ ጽዉም ኣርፊድካ፡ እዋን ቅዳሴ ክቐርብ ከሎ፡ ተረኛ እንተዄንካ ኣብ ቀጽሪ ቤተ ልሄም ኢኻ እትራኸብ። ሽዑ እግርኻ ምሕጻብ ኣሎ። ቅድሚ ምሕጻብ ግና፡ “ቅዳሴ ክኣቱ’የ’ሞ፡ ይቕረ በለለይ” ትብሃሃል፡ ፈውሲ ምሕረትካ ረኺብካ ድማ ብሓጐስ ትቕድስን ካብ መኣዲ ቅዱስ ቍርባን ድማ ትሳተፍን።
ዕርቂ ንዝኣበየ፡ ይትረፍ ናብ መቕደስ ናብ ውሽጢ እቲ ቤተ ክርስቲያን እኳ ንኸይኣቱ ብቐሺ ገበዝ ይግዘት፡ ካብ ደገ-ሰላም ድማ ብሊቀ-ማሕበር ይግዘት ነበረ። ዝዝክራ ዝውትርቲ ግዘት፡ 40 መዓልቲ ነበረት። ናይ ሽዑ ኣርብዓ መዓልቲ፡ በዚ ናይ ሎሚ ሸርፊ ጊዜ፡ ብውሕዱ፡ ክንዲ ሽዱሽተ ወርሒ ትነውሓና ነበረት። ብድሕር’ዚ’ውን እቲ ጉዳይ ብዕርቂ ድሕሪ ምዝዛሙ ጥራይ’ዩ ናብ ንቡር ህይወት ክትምለስ ዝከኣል ዝነበረ።
ሎሚ፡ ኣብ ብርሃን ኣለኹ፡ ብክርስቶስ ኣለኹ፡ ቃል ኣምላኽ ተረዲኡኒ’ዩ ኣብ ዝብለሉ፡ ምስ ቂመይን ጽልአይን እቕድስ፣ ኣቤት! ተዀራርየ ከለኹ፡ ቃል-ኣምላኽ እሰብኽ፡ ኣቤት! እቲ ሽዑ ዝነበረ ፍርሃት ኣምላኽ እባ ናበይ ተሰወረ፧ ካባይ ጥራይ ድዩ ወይስ ከምዚ ኸማይ’ውን ኣለኹም ኢኹም፧
“ኣነ እፈልጦ እየ፡ ዚብል” ቢሉ ጸሓፈ ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ (1ዮሃ2.4) ሰጊሩ ኣብ ፍቕዲ 6 ድማ “ኣብኡ እነብር አሎኹ፡ ዚብል፡” ብምባል’ውን ጸሓፈ፣ ቀጺሉ ኸኣ “ኣብ ብርሃን አሎኹ፡ ዚብል” ብምባል’ውን ካልእ ሓሳብ ኣንቀደ፡. . . “ኣነ ንመድሕነይ ንኣምላኸይ እፈልጦ’የ“ ዘይብል ኣሎና ድዩ፧ “ኣብኡ እነብር ኣለኹ” ዘይብል ከ ኣሎና ድዩ፧ “ኣብ ብርሃን ኣለኹ” ዘይብል ዘይብል ዘሎና’ውን ኣይመስለንን።
እንታይ ኢና ንኸውን ዘለና፧ “ኣነ እፈልጦ እየ፡ ዚብል ንትእዛዛቱ ኸኣ ዘይሕልዎ፡ ንሱ ሓሳዊ እዩ፡ እታ ሓቂ’ውን ኣብኡ የላን። እቲ ንቓሉ ዚሕሉ ግና ፍቕሪ ኣምላኽ ብሓቂ ኣብኡ ትፍጸም። ኣብኡ ኸም ዘሎና፡ በዚ ኢና እንፈልጥ። እቲ፡ ኣብኡ እነብር አሎኹ፡ ዚብል፡ ከምቲ ንሱ እተመልላለሶ፡ ንሱ’ውን ከምኡ ዀይኑ ኺመላለስ ይግብኦ እዩ። ፍቁራተየ፡ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረኩም ብሉይ ትእዛዝ እምበር፡ ሓድሽ ትእዛዝ ኣይኰነን ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ። እቲ ብሉይ ትእዛዝ እዚ ዝሰማዕኩምዎ ቓል እዩ። ከም ብሓድሽ ብእኡን ብኣኻትኩምን ሓቂ ዝዀነ ሓድሽ ትእዛዝ እጽሕፈልኩም አሎኹ። ጸልማት ሐሊፉ እዩ እሞ፡ እቲ ብርሃን ሓቂ’ውን ድሮ እኳ የብርህ አሎ። ኣብ ብርሃን አሎኹ፡ ዚብል፡ ንሓዉ ኸኣ ዚጸልእ፡ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ጸልማት እዩ ዘሎ። እቲ ንሓዉ ዜፍቅሮ ኣብ ብርሃን እዩ ዚነብር፡ መዓንቀፊ’ውን ኣብኡ የልቦን። እቲ ንሓዉ ዚጸልእ ግና ኣብ ጸልማት እዩ ዘሎ፡ ኣብ ጸልማት’ውን ይመላለስ፡ ጸልማት ነዒንቱ ስለ ዘዕወሮ ድማ፡ ናበይ ከም ዚኸይድ ኣይፈልጥን እዩ፡ (1ዮሃ2.4-11)።
ቤተ ክርስቲያን ተገማሚዓ፡ ኣገልገልታ ሓድሕድ እናተበላላዕና፡ ግብዝና ሳዕሪሩ፡ ሓውና ሓዚኑልና ምህላዉ፡ ሰብን እዝግን እናፈለጠ፡ ከመይ ቢልና ነቲ ቓል ኣምላኽ ብኸናፍርና ነውስኦ ኣለና፧ ከመይ ቢልና ኸ ካብቲ ንጹህ መኣዲ ጐይታ ንሳተፍ ኣለና፧ እግዚኦ! እግዚኦ! እግዚኦ ሰውር! እግዚኦ መሓረነ ክርስቶስ!